ስርዓት ህግደፍ፥ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ንምልማሳን ምርማሳን ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ተግባራቱ፥ ኣዝዩ ሓያል ብዝኾነ መገዲ ይቕጽሎ ኣሎ።
ስርዓት ህግደፍ፥ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ካብተን ናይ ስለያ ትካላቱ ንምግባራን ብዘለዎ ሓይሊ ኣብ ምሉእ ምቁጽጻሩ ንምእታው ብቐጻሊ ይዓየሉ ኣሎ።
እታ ቤተ ክርስቲያን ባህላዊት ሃይማኖት ንምግባራን፥ መራሒ ሃገርና ኢሳያስ እናበለት እትውድስ፥ ንህዝቢ እተርዕድን ንምግባራ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ሓደገኛ መገዲ ድማ ምሁራት ሰበኽትን፥ ሊቃውንትን ሃልዮማ፥ ንቕድሚት ከይትቕጽል፥ ንኹሎም እቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ምሁራት እናሃደነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የማስኖምን ይቕንጽሎምን ኣሎ።
በዚ ዝወስዶ ዘሎ ሓደገኛ መገዲ ድማ ነቶም እንኮ ናይ ስነ መለኮት ሊቅን ኣዝዮም ንፉዕ ሰባኽን፥ ናይ ምሉእ ኤርትራ ናይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ሓላፊ፥ ሊቀ ማእምራን መርጌታ ሰመረ-ኣብ ወልደገብርኤል፥ ሓምለ 24, 2015 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቀይድዎም ኣሎ።
ክፍሊ ጸጥታን ስለያን ስርዓት ህግደፍ፥ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሓንቲ ምጻራይ ሃይማኖታት እትብል ብጉልባብ ጳጳስ ኣባ ሉቃስ እትምራሕ ናይ ስለያ መርበብ ተኺሉ ኣሎ። በዚ ስለያዊ ትካል፥ ብዙሓት ካህናት፥ መነኮሳት፥ ዲያቆናት፥ ሰበኽቲ፥ ዘመርቲ፥ ጥርጡራት ዝብል ፎርም ክመልኡ፥ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ክፍርሙ ይግደዱን ይህደኑን ኣለዉ።
ብዙሓት ካብዞም ውሉደ ክህነት ሃገሮም ሓዲጎም ይስደዱ፥ ወይ ካብ ቤተ ክርስትያን ይስጎጉን፥ ኣለዉ። ቁጽሮም ኣዝዮም ብዝሓት ኣገልገልቲ ጥርጡር ኢኻ ተባሂሎም ካብ ህዝቢ ክንጸሉን ብዘይዕረፍቲ ይስርሓሉን ይጉስጎሰሉን ኣሎ።
ብተወሳኺ ስርዓት ህግደፍ ሓደ ስውርን ተንኮል ምሂዙ ኣሎ። ንኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ስልጣኖም ክምለሱ ተለሚኖም ኣብዮም፥ ዝብል ወረታት ብባዶ 03 ይፍኖ ኣሎ። ኣባ ባስልዮስ ዝተባህሉ ጳጳስ ከረን መነኮሳት ሒዘ ኣትየዮም ለሚነዮም፥ ንኣቡነ እንጦንዮስ ክንዓርቀኩም ኢልና ሓቲትናዮም፥ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን ንስካትኩም ከሰስተይ፥ ፈረድተይን ኣእሰርተይን፥ ኢኹም። ንስኻትኩም ክትዕረቑ እምበር ክትዓርቁኒ ኣይትኽእሉን ኢኹም ኢሎም ኣብዮምና፥ ናብ ስልጣኖም ምምላስ ኣብዮም ኢሎም ነቲ ወረ ኣብ ደገ ይነዝሕዎ ኣለዉ።
እዚ ተንኮል እዚ ምናልባት ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ንምሕቓቕ፥ ወይ ድማ ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ናይ ቤተክርስትያን ተቓውሞ ንምድኻም ዝግበር ዘሎ ውዲት ምዃኑ እዩ ዝግምገም።
ግዱሳት ካብ ኤርትራ።