ገለ ገለ ግዜ ነገራት ብዘይተጸበኻዮም ይመጹኻ’ሞ፡ እቲ ክኸውን ዘለዎ እናፈለጥካ ፍርዲ ኣብ ምሃብ ክትማታእ ይገብረካ። ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ፡ ብትብዓት ግንባሩ ንዓረር ሂቡ መግዛእታዊ ሰራዊት ካብ ምድሪ ኤርትራ ክባራር ካብ ዝገበሩ ሓደ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኤርትራዊ ተጋዳላይ’ዩ። እዚ ግንባሩ ንዓረር ክህብ ዝፈቐደ ተጋዳላይ፡ ንመራሕቱ ክነቅፍ ትብዓት ምስኣኑ፡ ንዘይመረጾም መራሕትኻ ኢና ኢሎም ንዝመጽእዎ ክሳብ ብባርነት ከገልግል ኣሜን ኢሉ ምቕባሉ፡ ንዜጋታቱ ስለምንታይ እንታይ በዲሉ ከይሓተተ፡ እሰር ዝተባህሎ ክኣስር፡ ዝረፍ ዝተባህሎ ክዘርፍ፡ ቅተል ዝተባህሎ ክቐትል፡ እቶ ኣብ ዝተባህሎ ኲናት ክኣቱ፡ በል ዝተባህሎ ከየጉደለ ክደግም እንክትሰምዕ ኣዚኻ ትግረምሞ፡ ነቲ ዝኸበደ ብትብዓት ዝተረጋገረገሉ መበገሲ ጌርካ፡ በቲ ትብዓት ዝሰኣነሉ ንኡስ ነገር ፈራሕ ፈታዊ ነብሱ ዝብል ሚዛን ከተንብረሉ ትጽገም። ኤርትራዊ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ሃገረይ ይፈቱ’የ ይብል፡ ብኡ መጠን ንኤርትራዊ ወገኑ ብልቢ ከም ዝፈቱ መረጋገጺ ግን ኣይትረክብን። ኣብነት ከቕርብ፡ ጃንዳ ህግደፍ ካብ ቅድሚ1991 ጀሚሩ ንጹሃት ተጋደልቲ ዝደለዮ ኣስማት ኣጠሚቑ ክኣስር ክቀትል እንከሎ ካብ ዓገብ ዝብል ጽቡቕ ገበረ ዝብል ይበዝሕ ኔሩ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላላዩ ውልቀ ሰባት፡ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሰዓብቲ ሃይማኖት፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣባላትን ዝነበሩ፣ ክኣስር፣ ክጨዊ፣ ክርሽን እንከሎ እንታይ በዲሉ፡ እንተ በዲሉ’ኸ ብቤት ፍርዲ ኣቢሉ ውሳኔ ዘይረክብ ኣብ ክንዲ ምባል፡ መንግስቲ ከየጥፍኡ ኣይቐትሎምን። ሃገር ከዲዖም ይኾኑ። ሃገር’ኮ ልዕሊ ኩሉ’ያ። ጽቡቕ ገበሮም እናበሉ ንቐታሊ ዘተባብዑ ዝበዝሑ’ዮም። ኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብ ዝወልዕዎ ኲናት ናይ ኣሽሓት ህይወት ክጠፍእ፡ ኣካል ክጎድል፡ ሓዳር ክፈርስ፡ ህጻናት ክዝኽትሙ፡ ሽማግለታት ወለዲ ጠዋሪ ክስእኑ እንከለው፡ ብዙሓት ኣይኮነን ዜግነታዊ ሓልዮት፡ ሰብኣዊ ድንጋጸ’ውን ኣየርኡን። ብድፍረት ድዩ ብድንቁርና ንሃገር ክኽፈል ዘለዎ’ዩ ክብሉ ይስምዑ። ኤርትራውያን ብነጋዶ ሰብ ክንድዚ ሽሕ ዶላር ከፊሎም፡ ናውቲ ኣካላቶም ተወሲዶም፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሞይቶም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም እንክበሃል፡ ጓና ክሓዝን ላዕሊ ታሕቲ እንክብል፡ ኤርትራውያን ነቶም ኤርትራውያን እንቋዕ ኮይኑ እናበሉ ክፍክሩ ትሰምዕ። ኣብ ዝባን ሬሳ ክስዕስዑ ትዕዘብ። ኣብ’ዚ’ውን ትግረም። ኣበይ ኣሎ እቲ ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ ዝበሃል? ከበይ ደኣ መጺኡ እዚ ኩሉ ጭካነ ዝብል ሕቶ ድማ ይመጸካ። ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዘነጻጸረ ካብ ደገ ብሓሳብ ድዩ ብተግባር ዝመጽእ ተጻብኦታት፡ ብሓደ ቋንቋ ክዛረቡ ትሰምዕ። ብኣንጻሩ፡ ብሃይማኖት፣ ብብሄር፣ ብቦታ ማለት ኣውራጃ ብሕሜታ ክባልዑ፡ ክሳብ ሰላምታ ናይ እግዝኣብሄር ተዓጻጽዮም ክኸዱ ድማ ትርኢ። ኣብ መውስቦ፡ ኣብ ክንዲ እንታይ ባህሪኡ’ኣ፡ እንታይ ክእለቱ(ታ፡ እንታይ ስራሑ)ሓ፡ ኣበይ ኣውራጃኡ*ኣ? እንታይ ሃይማኖቱ+ታ? ክሓቱ ከጻርዩ፡ ካብ በበይኑ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ ዝውለዱ፡ ብፍቕሪ ብምትሕልላይ ተጻሚዶም ንነዊሕ ዓመታት፡ ብፍቕሪ ብሓባር ዝነበሩ፡ ዝወለዱ ዝዘመዱ ተጻመድቲ፡ በዚ ድሑር ሕማም ኣባኢሰሞም ሓዊ ኣእትየምሎም ዝብል፡ ዘሕዝን ዘሕፍር ዕላል ዝሰምዐት እዝኒ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ጓል ኩስቶ ወዲ ክስቶ ምስ ሱዳናዊ2ት፣ ምስ ኣመሪካዊ3ት፣ ምስ ካናዳዊ4ት፣ ምስ ጀርመናዊ5ት፣ ምስ ቻይናዊ7ት …9ወዘተ ተመርዕዩ ተመርዕያ። ጽቡቕ ገበሩ ትምልሰሎም። ግን ይቕጽሉ፡ ሎሚ ሃይማኖት፡ ባህሊ፣ ኣውራጃ፣ ሕብሪ፣ ቋንቋ ቦታ የብሉን። ዘመነ ዓውሎማ’ዩ። ዓለም ሰልጢኑ’ዩ። ናብ ሓደ ቁሸት ተቐይሩ’ዩ ኢሎም ዝመኽሩ ምስ ዘጋጥሙኻ መሊሱ ይድንጽወካ። እዞም ዘመኑ ዘመነ ዓውሎማ’ዩ፡ ዓለም ሰልጢኑ’ዩ። ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ባህሊ፣ ኣውራጃ፣ ቋንቋ፣ ሕብሪ መፈላላዪ ክኸውን ኣይክእልን። ቦታ የብሉን ዝብሉ መኸርቲ፡ ካብ’ቶም ቀንዲ በዚ ድሑር ሕማማት’ዚ ኤርትራዊ ሓድነት ኣብ ምልሕላሕ ዝዋስኡ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብሩ፡ ፊደል ቆጺሮም ዝበሃሉ ኮይኖም ትረኽቦም’ሞ፡ ነገራት ሕድሕዶም ተጋጭዮም፡ ካብ ዝሓዝካዮ ሓቀኛ መንገዲ ክትወጽእ ይደናደኑኻ። ኤርትራዊ ባህሪ ከምዚ’ዩ ኢልካ ከተቐምጥ የሸግረካ። እሞ ዝኽበርኩም ኤርትራውያን እዝስ ኣይገርምን’ዶ? ብወገነይ ካብ ምግራም ሓሊፈ መወዳእታኡ እንታይ ኢና ክንከውን እዚ ብድሕረት ዝተደዋወሰ ባህሪ ከመይ ክዕረዩ? የሻቕለኒ ድቃስ ይኸልኣኒ።
ተኸስተ ኣብራሃ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ሕንጻጽ
ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ዝተወስደ
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 29-07-2015