መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 32 ሽሕ ስደተኛታት ተቐቢሎም ከጣይሱ ኣብ ስምምዕ በጺሖም

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ዝርከቡ፡ ዝበዝሑ ካብ’ዚኣቶም ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣመልኪቶም ከካይድዎ ዝጸንሑ ዘተ ብምቕጻል፡ ብ20 ሓምለ 2015 ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ 32 ሽሕ ስደተኛታት ናብ 28 ኣባላት ሃገራት ተኸፋፊሎም ክጣየሱ ተሰማሚዖም።

ብመሰረት’ቲ ብሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ብሰኑይ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ 32 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ብግቡእ ክጣየሱ’ዮም። ናይ’ቶም ዝተረፉ 8 ሽሕ ስደተኛታት ጉዳይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ተረዳዲኦም መዕለቢ ክገብሩሉ ከም ዝተሰማምዑ፡ ንኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ዲሚትሪ ኣቭራማፓውሎስ ዝሃቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ፣ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣድማሳዊ ሕጊ ዕሽሽ ብምባል፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ንዝተወሰነ ግዜ ኣዛሕቲልዎ ዝጸንሐ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብተጽዕኖ ካብ ሃገሩ ናይ ምብራር፡ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ዳግም ብዝሓየለ መልክዕ ኣበራቢሩ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ሃገረ እስራኤል ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ስደተኛታት መሪር ጽልኢ ከም ዘለዎ ዝነገረሉ መንግስቲ ናታንያሁ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዱ ናብ’ቲ ገዲፈሞ ዝወጹ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ከረክቦም ዝነበሮ መደብ’ኳ ዝቐየሮ እንተመሰለ፡ ስደተኛታት ስለዝኾኑ ጥራሕ ናብ ሓደ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩ ክዳጉኖም ወይ ድማ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ከባርሮም ንዝሓዞ መደብ ክዓጽፍ፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከም ዝነጸጎ ኣፍሊጦም።

ብካልእ ዜና፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከም ኣስተርጎምቲ ተቖጺሮም ኣብ ቦታ ስደተኛታት ዝሰርሑ ዘለው ደገፍቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ ርእይቶ ናይ’ቶም ስደተኛታት ብምዝባዕን፣ ብህግደፍ ዝበጽሖም ግህሰት ከይገልጹ ብምፍርራሕን ፍጹም ካብ ሕግን ስነ-ምግባርን ወጻኢ ዝኾነ ገበናዊ ተግባር ይፍጽሙ ከም ዘለው፡ ስለዚ ከኣ እቲ ትርጉም ንካልኣይ ግዜ ክካየድ ዝገበረሉ ኩነታት ይፍጠር ከም ዘሎ፡ ንማዕከን ዜና ዶቸ በለ ብምጥቃስ ኣሰና ገሊጻ።

ዶቸ በለ ብዙሓት ኣንጻር’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ኤርትራውያን እዞም ብመደብ ከም’ዚ ዝገብሩ ዘለው ሰባት፡ ገሊኦም እሙናት ስርዓት ኢሳያስ ክኾኑ እንከለው፡ ገለ ከኣ እቲ ስርዓት ብኢምባሲታቱ ኣቢሉ ብገንዘብ ቆጺሩ ዘስረሖም ሃሱሳት’ዮም ዝብል እምነት ኣለዎም ክብል ከም ዝጸብጸበ’ውን ኣረዲኣ።

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *