ብ15 ሰነ 2015 ዝጀመረ ቀዳማይ ክፋል ካልኣይ ጉባኤ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 22-07-2015 ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ19 ሓምለ 2015 ተዛዚሙ

ብ15 ሰነ 2015 ዝጀመረ ቀዳማይ ክፋል ካልኣይ ጉባኤ

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ19 ሓምለ 2015 ተዛዚሙ

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ሓው መንግስታኣብ ኣስመሮምን ካልኦት ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ ኣባላት’ቲ ሰልፊ ዝተኻፈልዎ ቀዳማይ ክፋል ናይ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ15 ሓምለ 2015 ኣብ ከተማ ጎንደር ኢትዮጵያ ብምዕሩግ ኣገባብ ከም ዝተኽፍተ ቤት ጽሕፈት ዜና እቲ ሰልፊ ብ17 ሓምለ 2015 ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ብሓው ደበሳይ በየነ ምስተኸፍተ፡ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጉባኤ ሓው ጅምዕ ኣሕመድ መግለጺ ከም ዘስመዐ፡ ብርክት ዝበሉ መሓዙት ውድባት ኤርትራ ድማ፡ ብኣካልን ብመልእኽቲን ናይ ደገፍ መግለጺ ከም ዘስምዑን እቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እቲ ኣብ ጎንደር ዝተቓነዐ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎ ቀዳማይ ክፋል ናይ ካልኣይ ጉባኤ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ክመያየጥ ቀኒዩ፡ ብ19 ሓምለ 2015 ከም ዝተዛዘመ፡ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ካልኣይ ጉባኤ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሓምለ 2015 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከካየድ ምዃኑን ተፈሊጡ ኣሎ።

ሚኒስተራት ናይ’ቲ ኣብ ስዑዲያ ተዓቚቡ ዘሎ መንግስቲ ዓብዲ ሮቦ ሓዲ፡

ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ናብ ከተማ ዓደን ከም ዝኣተው ተፈሊጡ

ብህዝብታት ኤርትራ ተፈንፊኑ፡ ክሳብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ መደበራት ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ኢደ-ወነናዊ ስልጣኑ ንምቕናይን ገንዘባዊ ትካቦ ንምርካብን ኒዮው ነጀው ጸፋዕፋዕ ዝብል ዘሎ ስርዓት ኢስያስ፡ ከተማ ደቡብ የመን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ትሕቲ ደገፍቲ ስዑዲያ ምስ ኣተወት፡ ሚኒስተራት ናይ’ቲ ብምንቅስቓስ ሑቲ ካብ መንበረ ስልጣኑ ተባሪሩ ኣብ ሃገረ ስዑድያ ተዓቚቡ ዝርከብ መንግስቲ ዓብድ ሮቦ ሓዲ፡ ካብ ስዑዲያ ናብ ኤርትራ ብነፋሪት፡ ካብ ኤርትራ ናብ ዓደን ድማ ብጃልባ ከም ዝኣተው ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኤይ ኤፍ ፒ ብ19 ሓምለ 2015 ጸብጺቡ። ስርዓት ኢሳያስ ክሳብ’ቲ ብስዑዲያ ዝምራሕ ኪዳን ብወገዒ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቃስ ሑቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዝጀመረሉ፡ ቀጥታ ልኡኽ መንግስቲ ኢራን ብምዃን ተኸተልቲ ሽዓ ንዝኾኑ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ዕጥቅን ስንቅን የበጻጽሕ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ስልጠና ይህብ ምንባሩን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እነሆ ድማ ሕጂ፡ ሓይሊ ሚዛን ርእዩ ብጉልባብ ንሕጋዊ መንግስቲ የመን ንድግፍ፡ ኣብ ጎድኒ ብስዑዲያ ዝምራሕ ኪዳን ተሰሊፉ፡ መሬት ኤርትራ መሰጋገሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናብ ናይ ኲናት መነሃሪያ ቀይርዎ ይርከብ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት የመናውያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ገና ብሰዓራይን ተሰዓራይን ዝተዛዘመ ኣይኮነን። ካብ ኤርትራ ድማ ኣብ ቀረባ ርሕቀት’ዩ ዝርከብ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፈጥሮ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ ኣዝዩ ኣሰካፊ’ዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ድማ፡ 2 ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብስም ህዝብን ሃገርን ዝጻወቶ ዘሎ ፖለቲካዊ ጠላዕ፡ ንህዝቢ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ከይሃበ ዝፍጽሞ ዘሎ ምዃኑ’ዩ እቲ ሕሉፍ ንዕቀቱ ይብሉ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ወሃብቲ ርእይቶ።

መንግስቲ ሱዳን ብመንገዲ ኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ሃገሩ ንዝኣተው

15 ኤርትራውያን ስደተኛታት ንስርዓት ኢሳያስ ኣሕሊፉ ከምዝሃቦም ተሓቢሩ።

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ብፖሊስ ሱዳን ዝተታሕዙ 15 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳያስ ተረኪቦም፡ ኣስታት ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ኣብ ቀጽሪ ናይ’ቲ ኤምባሲ ምስ ጸንሑ፡ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ሓሽፈራይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተኣሲሮም ኣለው ክትብል ኣሰና ገሊጻ። ብካልእ ዝተፈልየ ዜና፡ መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዕሽ ኢሉ ዝጠርጠሮም ሓደ ኤርትራውይን ክልተ ደቂ ማእከላይ ምብራቕን ዝኾኑ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ፡ ብዘይካ’ዚ ናብ’ቲ ንገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ክጽንበሩ ካብ ሓደ ኮሌጅ ካብ ዝተበገሱ 12 ሱዳናውያን ተማሃሮ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም 3 ሰባት ካብ ቱርኪ ከም ዝመለስ ረድዮ ኤረና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ኣረዲኣ።

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

22-07-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *