ኲ ና ት ኢ ት ዮ -ኤ ር ት ራ ዘ ይ ተ ር ፍ እዩ ፡

ኲ ና ት ኢ ት ዮ -ኤ ር ት ራ ዘ ይ ተ ር ፍ እዩ ፡

እዚ ኲናት እዚ ካብ ድልየት ክልቲኡ ህዝብታት ወጻኢ ዝካየድ እዩ ክኸውን። ብኲናት ዝላደየ ህዝቢ ንኲናት ክድግፍ ዘይሕሰብ እዩ፣ ውላዱ ክመውት ዝደሊ ወላዲ እውን የለን።፡ ስስዐን ሕማም ምስፍሕፋሕን ሕማም ስልጣንን ዝጸንሐ ናይዚ ከባቢ’ዚ ሰበስልጣን ሕማም እዩ። ብናተይ ኣተናትና ሓጺር ኣብ ዘይኮነ ግዜ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ክኽሰት ተኽእሎ ኣሎ፣ ንሱ ድማ 1- እቲ ተኹታዂ ስርዓት ኤርትራ ህውከት ናይ ምፍጣር ጥምሑ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ስለ ዝበጽሐ፡ኣቐዲሙ ዝወጠኖ ብመንገዲ ኣልሸባብ ሶማል ጌርካ ንኢትዮጵያ ምህዋኽ”ኣዲስ ኣበባ እንደ ባግዳድ”ዝብል ውጥኑ ስለ ዝፈሸለ ፡ካብ ኤርትራ ፈንጅታት ተሰኪሞም መራሕቲ ክቀትሉ ኢሰያስ ዝልእኮም ዝነበረ እውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢትዮጵያ ኣትዮም ስለዝተፈድሐ ቅሳነት ኣይረኸበን። እታ ብሑቲ ጌርካ ንየመን ሰላም ምኽላኣ እውን እናፈሸለቶ ስዑድያ ሃዲዳ ሱቕ ስለዘበለቶ፡ ኣቶኩሮ ኣብ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ጌርካ ንኢትዮጵያ ገረብ ብሓኽላ ኣናቚትካ ከመይ ጌርካ ዕድመ ምልክኻ ተናውሕ እቲ ቀንዲ ሒዝዎ ዘሎ ሰንካም ስራሕ ሽበራ እዩ። ብተወሳኺ ኢሰያስ ጽልኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣብ ዝላዓለ ጫፉ ስለ ዝበጽሐ፡ነዚ ህዝቢ ኣብ ኲናት ክጠብሶ፡ንኹሉ ዝንቀሳቐስ ኤርትራዊ ኣገዲድካ ምዕላምን ምዕጣቕን መርኣያ ኲናት እዩ። 2- መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ወልቃይት ጸገዴ ቃፍታን ካልእን ቅድም ብሰሜን ጎንደር ሕጂ ብምዕራብ ትግራይ ዝጽዋዕ ኣከባቢ ኲናት ብግንቦት 7 ከማኡ’ውን ደምህት ይኽፈተሎም ስለ ዘሎ ፡ ኣዚ ሓይልታት እዚ ግዜ እንተወሲዱ ንኢትዮጵያ ኣስጋኢ ብቐሊል እውን ከተጥፍኦ ኣይትኽእልን እያ። ብተወሳኪ እዚ ሕጂ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ኣከባቢ ቀንዲ ማዕክን ቁጠባን ሽሻይን ክልል ትግራይ እዩ፣ ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ዓቢ ናይ ሃይድሮ-ኤለትሪክ መመን ጨዊ ጸዓት ግድብ ተከዘ ተሰሪሑሉ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ኣብቲ ከባቢ ዝእጐድ ሓዊ ወያኔ ክጻወርዎ ወይ ሱቕ ኢሎም ከም ዘይርእይዎ ክፍለጥ ይግባእ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ተቓወምቱን ስርዓት ህግደፍን ኲናት ንኽውልዕ ክግደድ ኣዩ። ግዜ እንተበሊዑ ግን፡ኢሰያስን ደገፍቱን ገዚፍ ተቓዋሚ ሓይሊ ኢትዮጵያውያን ፈጢሩ ከዳኽሞምን ቁጠባዊ ግስጋሲኦም ከሰናኽሎም ከም ዝኽእል ብሩህ እዩ። ስለዚ ኢሰያስን ሰዓብቱን ኲናት ከምዘይተርፍ ስለ ዝፈለጡ እዮም ንኹሉ ዝንቀሳቐስ ኤርትራዊ ተዓጠቕ ተሸብሸብ ዝብሉ ዘለዉ። ኣቲ ብሕጂ ዝኽሰት ኩነታት ኣብ ረብሐ መን ክውዕል’ዩ ንግዜ ዝግደፍ እዩ። ከም ግምተይ ኤርትራውያን ዝኾነ ባዕዳዊ ኲናት ኣብ መሬትና ክኽፈት ኣይንደልን ኢና፣ እቲ ኢሰያስን ሰዓብቱን ዝጽሕትሩዎ ኲናት ካብ ፍቓድናን ወጻኢ ስለ ዝኾነ ብድልየትና ዝዕገት ኲናት ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ቶኽታዂ ስራሕ መራሕቱ ክቃወም ግደፉ ዓገብ ሕጅስ ይኣክል ክብል እንተዘይኪኢሉ ፡ኢሰያስን ሰዓብቱን ኣብ ኣዕናዊ ኲናት ኣገዲዱ ከእትዎም ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ።

psted by gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *