ጭርሖ ድሕነት ህዝብን ሃገርብ ብማንታ መርገጽ ኣይዕወትን

ጭርሖ ድሕነት ህዝብን ሃገርብ ብማንታ መርገጽ ኣይዕወትን

ዘይጸረዩ ናይ ፖለቲካ ዝራባዓት፡ ብዘይዝኾነ ፖለቲካዊ ሓላፍነትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ከም ቃሕታኦም፡ ዝዕንድርሉ ዘለው ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ምምሕዳራውን ጸጥታውን ኩነታት ሃገርና፡ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ካብ ዝዝርግ ነዊሕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ዝርገተ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን’ዚ፡ ብኣጋ ብረብሓ ዝተኣሳሰረ ሰራውሩ ከይዘርገሐ፡ ዓገብ ዝብል ኣወንታውን ዘይዕጸፍን ተጽዕኖ ንምግባር ድማ ይከኣል ኔሩ’ዩ። እንተኾነ ኣብ እዋኑ፡ ካብ ብውነ ብሃውሪ ዝኸይድ፣ ካብ ፖለቲካዊ እንዶ ዝነበሮ ዘይነበሮ፣ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝፈልጥ፡ ኣብ ካልኦት ተሓንጊሩ ብስሚዒት ብይበሃል ኣሎ ዝምራሕ ይበዝሕ ስለ ዝነበረ፡ ብተግባር ንሰራውር ምልኪ ዘደልድል ደኣምበር፡ ዝምሑ ርእይቶስ ሓያል ኣይነበረን።

ስለዚ ከኣ፡ ብዘይጸረዩ ናይ ፖለቲካ ዝራባዓት ዝምራሕ፡ ስማዊ ውድብ ህግደፍን መንግስቱን ንገለ ዓፊኖም፡ ንገለ ዘሚቶም፡ ነቲ ካልእ ከኣ ኣደናጊሮም፡ ኣብ ባይታ ዘረአ፡ ሃሰስ ኢልካ ዘይጭበጥ፡ ብንፋስ ነጎድጓዳዊ ናይ መን ከማና፡ ናይ ሰላምን ልምዓትን ስብከት ከደናግሩ፡ ክኢላታት መደርቲ፣ ክኢላታት ስነ-ጥበባውያን፣ ሕልናኦም ዝሸጡ ካድራት ብዕራይ ወለደ ወይ 03፣ ኣብ ክንዲ ብረሃጾም ደም ሰብ ኣፍሲሶም ህይወቶምን ህይወት ስድራ ቤቶምን ዝመርሑ ዘለምልሙ ሰለይቲ መልሚሎም፣ መሬታዊ ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ቅድሚ ህዝባዊ ልዑላውነትን ወሳንነትን ኣዕጢቖም ሃገር ከደን ቅልውላው ኣንጊሶም።

ቀዳማይን ካልኣይን ዜጋ፡ በላዕን ረኣይን፣ ሃዳንን ተሃዳንን ዝነብሩላ ተባህርር ኤርትራ ድማ ፈጢሮም። እቶም ንነብሶም ልዕሊ ህዝቢ፣ ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዑ ቀዳሞት ዜጋ፣ እቶም ከይደኸሙ ከይረሃጹ ጠጥዕሙ ዝበልዑ፣ እቶም ብዘይካ ተኲስካ ቅተል፡ ከፋፊልካን ኣድኪኻን ግዛእ፡ ሰላማዊ ዘተን ሓሳብ ብሓሳብ ምስዓርን ዘይፈልጡ እኽብካብ ወዲኒታት፡ ማይ ቤቶም ተናጊዑ ህዝቢ ለኪሙ ክሃምም ቁልቁል ክወርድ ምስ ጀመረ ግን፡ እቲ ቀዲሙ ዝለበመ ኮነ ድሒሩ ካብ ድቃሱ ዝተበራበረ ሰንቢዱ። መድረኽ ምጽማም ኣብቂዑ። ቁጠዐ ህዝቢ ገንፊሉ። ስለዚ ከኣ ብቋንቋ ናይ ፖለቲካ ምሁራት ወድዓዊ ኩነታት ንለውጢ በሲሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ቅድሚት ከይዱ ፈንቲሩ። ግን ከኣ ብግቡእ ኣይተወደበን። መሪሕ ውድብ ኣይረኸበን።

መድረኽ ምድንጋርን ምጽማምን ኣብቂዑ፡ ቁጠዐ ህዝቢ ካብ ገንፈለ፡ ወድዓዊ ኩነታት ንለውጢ ካብ በሰለ፡ ህዝብታት ኤርትራ ከም ህዝብታት ከይበታተኑ፡ እንታይ ንግበር ወይ እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ቅድሚት ምስ መጸ፡ “ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ዝብል መድረኻዊ ቴማ፡ ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት ዓቕሚታትና ኣላፊና፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ንስራሕ ተባሂሉ። ዝተወደብ ይኹን ዘይተወደበ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጠልብ ኮነ ጽገናዊ ለውጢ፡ ኩሉ “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ” ዝብል ጭርሖ ከም መቃለሲ ወሲዱ፡ ደጋጊሙ ከቃልሕ ተሰሚዑ። ኣብ ኣባላት ውድባት ኮነ ዘይተወደበ ሓፋሽ ድማ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ። ኣብዙርያ’ዚ ጭርሖ ናይ ለውጢ ተስፋ ክጥጥዕ ጀሚሩ። እንተኾነ ዓመት ሓሊፉ ብዓመት እናተተከአ ኣብ ዝኸደሉ፡ ፍረ ናይ’ቲ መድረኻውን ሓባራውን ቴማ ኣብ ባይታ ተዘሪኡ ክበቁል ኣይተራእየን። በዚ ዝተገረመ ህዝቢ ድማ፡ ንኺድባ ንቕድሚት፡ ምርሑና’ባ፡ መንገዲ ዓወት’ባ ኣርእዩና፡ ተቓሊስኩም’ባ ኣቃልሱና ኢሉ ብዝተጎድአ ስምዒት ክሓትት ጀሚሩ።

2 ነቲ ጭርሖ ብሓባር የስረሐና’ዩ ኢሎም ዘውጽኡ፡ ተቓሊሶም ከቃልሱ ትጽቢት ዝተገብረሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብፍላይ ከኣ መሪሕነታዊ ኣካላት ግን፡ ድሕነት ህዝብን ሃገር ቅድሚ ኩሉ ዝብል ቴማ ደጋጊሞም ካብ ምቅላሕ ሓሊፎም፡ ኣብ ባይታ ኣውሪዶም ብግቡእ ክሰርሕሉ ኣይተራእዩን። ስቓይ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፋአ፡ እቲ ጭርሖ እናተደጋገመ፡ ናይ ሰላምን ደሞክራስን ፍታሕ ግን ወይ ከ ኮነ። ብውልቃውን ጉጅላውን ረብሓ ንማይ ቤት ህግደፍ ዝወቕሱ ዝኸሱ፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደው ዝበልና ኢና ኢሎም ዝዛረቡ፡ ወድዓዊ ኩነታት ንለውጢ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ከም ዝበሰለ ዝምህሩ ገለ ፖለቲካዊ ውድባትን መሪሕነቶምን ብፍላይ፡ ዝብልዎን ዝገብርዎን ልቢ ኢልካ ምስ ኣትዕዘብ ይድንጽወካ። ንቕድሚት ከይደፍኡ መርጒ ኮይኑ ሒዝዎም ዘሎ ፖለቲካዊ ባህርን ኣሰራርሓን ዝወለዶ ምዃኑ ትርዳእ’ሞ፡ እዚ ደኣ ምስቲ ጭርሖ ዘይከይድ ኣብ ዝብል መደምደምታ ትበጽሕ። ዝበዝሕ ግዜኦም ኣንጻር ጸላኢ ኣይኮኑን ዝጥቀምሉ። እንታይ ደኣ፡ ግልጽነት ብዘይብሉ ሓደ ነቲ ካልእ ከሐንኩል ኢሉ’ውን ከውድቕ፡ ዘይመትከላዊ ውዲታዊ ምትእስሳር ክኣልሙ’ዮም ዘባኽንዎ።

እዚ ከኣ ቅድሚ’ቲ ቅድሚ ኩሉ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝብል ተደጋጊሙ ዝስማዕ ቴማ ዝስራዕ ተራ ህልኽ ዝማእከሉ፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ይረአ ካብ ዝነበረ ኣሉታዊ ተመክሮ ዘይተማህረ፡ ቀዳምነት ናይ ህዝብታት መሰልን ረብሓን ዝሰርዐ ናይ ኣረኣእያ ልዕልነት ንምርግጋጽ ዘይኮነስ፡ ብምድንጋር ድዩ ብጎነጽ ጸቢብ ጉጅላዊ ልዕልነትን ንምርግጋጽ ዝግበር ማንታ ርእይቶ ከም ዘሎ ይንጸረልካ። ጭርሖ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብርግጽ መድረኻዊ’ዩ። ብሓባር ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ዘቃልስ ቴማ’ዩ። እንተኾነ ብዘይ ቅንዕና፣ ግልጽነት፣ ተሓታትነት፣ ተወፋይነት፣ ማንታ መርገጽ ሒዝካ ዝዕወት ኣይኮነን። ስለዚ ንግብራውነቱ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡ መሪሕነታዊ ኣካላት ከኣ ብፍላይ፡ ሓሳብ ምስ ተግባር ኣወሃሂዶም ኣብ ንፋስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ወሪዶም ክረባረቡ ይግባእ።

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 20-07-2015

posted by gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *