ዝሓለፈ ሰሙን ኮሚሽነር ፖሊስ ኢትዮጵያ 30 ካብ ኤርትራ ሰሊኾም ኣትዮም ዝበሎም ዕጡቓት ከምዝቐተሉ ምሕባሩ እቲ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብተቓወምቲ ዝግበር ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሓሓሊፉ ከምዝኽሰት የመልክት::እዚ ብትሑት ደረጃ ዝካየድ ረጽሚ ናብ ኣጠቓላሊ ኩናት ክትኮስ ይኽእል ዶ::
ኢትዮጵያ- ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ግንቦት ብዘካየደቶ ሓዲሽ ምርጫ እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኢህወደግ ዝዓብለሎ መንግስቲ ተዓዊቱ::እቲ መንግስቲ ኣብ ዲፕሎማሲ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዝምድናኡ ተጠናኺሩ::ኢትዮጵያ ብ13-16 ሓምለ ዝተኻየደ ዋዕላ ፋይናንስ ንልምዓት አአንጊዳ:: ኣብ’ቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዝተሳተፍዎ 5 ሽሕ ዕዱማት ተረኺቦም::
ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ: ኬንያን ናይጀርያን ዝገብሮ ዑደት ብዛዕባ ምውጋድ ብልሽውና: ምህናጽ ዲሞክራሲ: ምምዕባል ቁጠባን ምምካት ግብረ ሽበራን ከምዘተኩር ገሊጹ::ምስ ዑደት ኦባማ ዝተኣሳሰር’ዩ ዝበሃል ኢትዮጵያ ኣብ’ታ ሃገር ተኣሲሮም ዝጸንሑ ጋዜጠኛታት ምፍትሓ ነቲ ጋዜጠኛታት ብምእሳራ ክቐርባ ዝጸንሐ ክሲ ብመጠኑ ከህድኦ ይኽእል’ዩ::ብዘይካ’ዚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ: እታ ሃገር ኣብ ቅድመ ግንባር ናይ’ተን ኣንጻር ግብረሽበራ ዝቃለሳ መሓዙት ኣሜሪካ ተሰሪዓ ከምዘላ ዘመልክት’ዩ ይብሉ ተዓዘብቲ::
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ’ቲ ንፓርላማ ዝሃቦ መደረ : ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተጻዕነ እገዳ ክቕጽል ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ከምዝገብሩ ጠቒሱ ወተሃደራት ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምእትዓቑቡ ገሊጹ:: እዚ ድማ ኤርትራ ብዓይኒ ኢትዮጵያ ምህምንቲ ሃገር ከምዝኾነት ዘመልክት’ዩ:: ስለ’ዚ ነቲ ኣብ 2001 ብክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ይግባይ ዘይበሃሎ ቀያዲ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ:ተፈጻምነት ዝህልዎ ብዘተ’ዩ ዝብል መርገጺ ኢትዮጵያ ዝቕየር ኣይመስልን::
ብወተሃደራዊ መዳይ እውን እቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጦም ፍልልያት ከምዘለዎምን ህግደፍ ጸቕጢ ከምዝገብረሎምን ነቲ ምንቅስቓስ ዝገደፍዎ ይገልጹ::ብዘይካ’ዚ ህግደፍ ነቲ ብተጋሩ ዝቖመ ብዝሒ ወተሃደራት ኣለውዎ ዝበሃል (20-30 ሽሕ) ደምህት ብዝገብሮ ሓለፋ ኣብ’ቲ ምንቅስቓስ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ጸብጻባት የመልክቱ::እዚኣቶም ካብ ማእከል ሃገር ርሒቖም ኣብ ዶባት ትግራይ ዘካይድዎ ምንቅስቓስ ኣብ መላኣ ኢትዮጵያ ኣብ ሓጺር ጊዜ ጽልዋን ጸቕጥን ክፈጥሩ ዘለዎም ዕድል ዝተወሰነ’ዩ::
ኤርትራ– ኤርትራ: ዘይሰርሕ መሳርዕ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር’ያ::ህግደፍ ብዘስረጾ ብልሽውና ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ:: ሰበስልጣን ኣብ ኮንትሮባንድን ምስግጋር ሰባት ናብ ወጻእን ተጸሚዶም ሃገር ብዘይ ሕጊ ትኸይድ ኣላ:: ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ተበቲኖም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ተዓቑቦም:: ኣብ ባሕሪን ምድረበዳን ሂወቶም ብከንቱ ጠፊኡ::ኣብ ምስሪ ብበደዊን: ኣብ ሱዳን ብራሻይዳ : ኣብ ሊብያ ብዳዕሽ (እስላማዊ ጥሩፍ) ኣብ’ዚ ዘበን’ዚ ተራእዩ ዘይበሃል ኣሰቃቒ ግፍዕታት ወሪድዎምን ይወርዶምን ኣሎ::
ኣብ ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ዝተፈጥረ ጻዕቂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ:: መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ቆይሙ ኤርትራውያን ዘሕልፍዎ ጸበባ ሰኒዱ::
ሰበስልጣን ህግደፍን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክሕተቱ ከም ዝኽእሉ ደወል ተወቒዑ:: መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ፍሉይ ኮሚሽንን ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ነቲ ዝጀመርዎ መርመራ ብምቕጻል መደምደምታ ክገብሩሉ መዝነት ተዋሂቦም:: ልኡኻት ህግደፍ ነቲ ጸብጻብ ክሒዶም: ልኡላውነት ኤርትራ ክኽበር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ብዘይምግባሩ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከሲሶም:: ብዘይካ’ዚ ህግደፍ ብላዕሊ ላዕሊ: ጠንቂ ፍልሰት ኤርትራውያን ንኣሜሪካ ከሲሱ :ብታሕቲ ታሕቲ ግን ምስ ኣሜሪካ ክተዓረቕን እገዳ ክለዓለሉን ንሀርማን ኮሀን ከማልዶ ከምዝፈተነ ልኡኾም ብዝዘረቖ ጸብጻብ ተቓሊዑ::
ሩስያ ነቲ ንህግደፍ እትሸጦ ኣጽዋር ቀዳምነት ብምሃብ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምምዕባል ክመሓየሽ ዝኽእል’ዩ: ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዝታይ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣለዋ:: እንተኾነ ርእይቶ ሩስያን ከምኡ’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘሎዋ ቺናን ተቐባልነት ኣይረኸበን::
ወተሃደራዊ – ወተሃደራዊ ዓቕሚ ምምዛን ቀሊል ኣይኮነን:: ስነኣእምሮኣዊ ምቅርራብ: ኣካላዊ ብቕዓት: ቁጠባዊ ዓቕሚን ኣቀማምጣ መሬት ኣጽዋርን ካልኦትን ብደቂቕን ብስነፍልጠትን ተኣሳሲሮም ዝርኣዩ ኢዮም:: ኤርትራ በዚ መንጽር ምስ እንመዝና ብዘይካ’ቲ ንፕሮፖጋንድ ዝፍኖ ጽቡቕ ስእሊ የብላን:: ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ2000 ዓም ደው ካብ ዝብል ዓቕሚ ምክልኻል ኤርትራ ከንቆልቁል ተራእዩ::እዚ ድማ ነብሳ ትከላኸለሉ ብቕዓት ከምዘይብላ ኣብ’ቲ ኢትዮጵያ ብግንቦት 2012 ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ተጋሂዱ::ኣብ’ቲ ሓጺር ግጥም 40-50 ተማሪኾም ዝሞቱ እዝጊሀር ዋንኦም:: ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ድማ ኣብ ናይ 21ጥሪ 2013 ስርሒት ፎርቶ ዝተሳተፉን ካልኦት ንምልኪ ዝተቓወሙ ምኩራት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ተቐቲሎምን ተኣሲሮምን:: ኢሳያስ ኣብ 2000 ካብ መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ክሕባእ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ በዓቲ ሻባይ መንደር ከባቢ ኣፍዓበት መድሚዱ :: ድሕሪ 15 ዓመት ምሕልቃም ሰራዊት ኤርትራ: መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ እንተተላዒሉ መሕብኢኡ ኣበይ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ኣየጸግምን::በዚ ኾይኑ በቲ ህግደፍ ኣይምውት ኣይስሩር ኮይኑ ባህርያዊ ሞት ዝጽበ ዘሎ ጉጅለ’ዩ::
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኸ :- ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲን ፍትሕን ንምስፋን ብደረጃ ውድብ: ማሕበርን ውልቀሰብን:ከቢድ ቃልሲን ውረድ ደይብን ተራእዩ:: ብዙሓት ሞይቶም: ተኣሲሮም:ተሰዲዶም:: ፍረ እቲ ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ”ኢሳያስ ይኺድ” ” ፍትሒ ይንገስ ”ዝብል መትከል ተጠርኒፉ:: ህዝቢ ኣብ ሓደ ንጹር ዕላማ እንተኣቕኒዑ ኣብ ሓጺር ጊዜ እውን እንተኾነ ተወዲቡ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ: እስራኤልን ኢትዮጵያን ኣረጋጊጽዎ:: ነዚ ታሪኻዊ ሰልፊታት ከም መበገሲ ወሲዱ ደላይ ፍትሒ : ነታ ዝፈትዋን ህያብ ስውኣትን ኤርትራ ከድሕን ተጸዊዑ’ሎ::ማዕረ’ዚ ከባብያዊን ዓለማውን ኩነታት ፖለቲካን ቁጠባን ዘርእዮ ቅልጡፍ ምዕባለ : ንድሕነትን ትንሳኤን ሃገር ምጉያይ የድሊ:: ስለዚ ድማ ደላይ ሰናይ ኤርትራ
