አቱም አሕዋት መን ዩ ዓጋመ? ዓጋመ ማለትከ እንታይ ማለት ዩ ? ብፍሳሃየ ሃይሉ አባል ግሃድኤ – ሕድሪ

አቱም አሕዋት መን ዩ ዓጋመ? ዓጋመ ማለትከ እንታይ ማለት ዩ ? ብፍሳሃየ ሃይሉ አባል ግሃድኤ – ሕድሪ

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን አሕዋትን አሓትን ብፍላይ ድማ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ተቃለስቲ፡ ህግደፋውያን ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ክብሉ ዘይፍሕሩዎ ተንኰላት የለን፡ ንሶም ክነብሩ ክም ሕማቅ ነገራት ክሰርሑን ሐድነትና ክዘርጉን ብዙሕ ኢዮም ዝጽዕሩ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ከም አውራጃውን፤ ሃይማኖታውን፤ እንዳውን፤ ክመቃቅሉና ብዙሕ ጽዒሮም ኢዮም። ነተን አሕዋት ዝዀና አውራጃታት ከይተረፈ እታ ሓንቲ ካብታ ካሊእ አውራጃ ዝበለጸት ከምዝዀነት፡ ብሉጽ አታሓሳስባን ዝያዳ ኤርትራውነትን ከመዘለዋን፡ ብአንጻሩ ድማ ነታኻሊእ አውራጃ ክሳብ ንእሽቶይ ዓጋመ ብብዳዔ ቃላት ክመቓቕሉና ጄነራላት ህግደፍ ዓው ኢሎም ዝዛረብሉ ምዀኖም ምሽጥር አይኰነን። ንሕና ኤርትራውያን ግን አብ ዶብ ንኹን፡ አብ ማእከል ታሪኽ ዘለናን፡ ዘይንማቃቐልን ፈልሲ ሐንቲ ተኸልን ዘርኢ ሐንቲ ግራትን 9 ብሄራት ከም ሐንቲ ስድራ እንጥመር እምበር እንባተተን አይኰናን።

ዝኸበርኩም አምበብቲ፡ አብዛ ንእሽቶ ጽሕፍትን አብ ሐደ ግዜን ተንኰላት ህግደፍ ዘርዚርካ ዝውዳእ አይኮነን፡ ንሎሚ እምብኣር ብዛዕባ ዓገመን ወያኔን ዝብላ ናይ ህግደፍ ናይ ብደዔ ቃላት ገለ ወሰ ክብል ስለዝደለኹ ኢየ፡ መጀመርያ ዓጋመ እንታይ ማለት ኢዩ? ወያኔኸ? ብሓጺር አገላልጻ ዓጋመ መጸውዒ ናይ ሐደ ካብ አውራጃታት ትግራይ ዝዀነ አውራጃ ኢዩ። ምናልባት ከም አጸዋውዓ ናይ ህግደፋውያን ዓዘራ ቃላት ዓጋመ ማለት መገለጺ ድኽነትን ሕሰምን ገይሮም የቅርቡዎ፡ አስከ ብሓቂ መነዩ ድኻ? መንዩ ለማኒ ኰይኑ ዘሎ ህዝቢ? እዛ ብህግደፍ እትምራሕ ዘላ ኤርትራዶ? ወላስ እዛ ብኢህወደግ ትምራሕ ኢትዮጵያ? ሐቂ እነተተደልዩ ድኽነት ብስራሕ ከምዝጠፍእ፡ ክትሰርሕ ድማ ንጹር ራኢን ብቁዑን ግሉጽነትን ዝውንን ምሪሕነትን ምሕደራን ከመዘድሊ ዓብይ ትምህርቲ ርኢና አለና። ብስራሕ እምበር ብጃህራን ብዘይ ንስኻ ምምሳልን ዝመጽእ ለውጢ ምዕባለ ስለዘየለ።

አበዚ ብቀንዱ ግን ሐደ ነገር ከጠቅስ እደሊ፡ ትግራዋይ ምዃን ዘጸርፍ እንተዀይኑ፡ኢሳያስን ኢሳያሰውያንን አበይ መበቘሎም? መን ክመሰሉ ይደልዩ? 2 ካብተን ዓዘራ ቃላት ናይ ኢሳያስ ጃንዳ ወያኔ ዝብላ ሕሱራት ቃላት፡ ኩል ግዜ ኢዩ ዝደጋግመን፡ ንአብ ኢትዮጵያ እንርከብ ተቃወምቲ ስርዓት ህግደፍ ድማ በቶም ከም ፓፓጋሎ ዝተዛረቦ ዝደግሙ ልኡኻቱ ገይሩ ወያኔ፡ ተሓባበርቲ ወያኔ፡ እናበለ ይጻረፈና። አብዚ ክበርህ ዘለዎ ነገር ግን አሎ፡ እዞም ሕጂ ወያኔ ዝብሉና እንተደኣ ምሰ ወያኔ ምውዓልና ዘጽርፍ ኮይኑ፡ ወዮዳአ አብ እንዳህግደፍ ብዛዕባ ሎሚ እምበር ብዛዕባ ጽባሕ ዘይሐስቡ ኮይኖምበር፡ ትማሊ እኮ ንሳቶም ኢዮም ተሐኤ ብዘዕባ ዶብ ክትዛረብ ከላ፡ ንግዝያዊ ረብሓ ክብሉ ብዛዕባ ዶብ አይግድሰናን ኢሎም በሕሱም ህርፋን ስልጣን ተባዒጦም፡ ብዘይካ ሐደ ውድብ ካልእ ኤርትራ አይትጸውርን ኢሎም፡ ንክልተ አሕዋት አጣፊኦም በይኖም አብ ኤርተራ ስልጣን ብሒቶም ከይአኽሎም፡ መሸመቲ ስልጣኖም መናዊሒ ተንኮል ምሂዞም ነቲ ክስብ 7 ዓመታት ድሕሪ ነጽነት ኤርትራ ከመሓድሩዋ ፈቲኖምዋ ዘይፈልጡ ባድመ፡ ውግእ ጀምሮም ደቂ ህዝቢ ዘጽነቱን ህግደፋውያን እንዶ አይኮኑን።

አብዚ እምባአር መስ ኢትዮጵያውያን አሕዋትና ዘለና ምትእስሳር ታሪኻውን ሕውነታውን ኢዩ፡ መንግስታት ሐለፍቲ አዮም ሕውነትናን ታሪኻዊ አመጻጸአናን ግን ነባሪ ኢዩ። ብተወሳኺ ክረጋገጽ ዝደልዮ ድማ ብዝዀነ መለክዒ ኤርትራውነትና አሕሊፍና እንህብ አይኮናን፡ ከማኡ ዝሐተናውን የለን፡ ንሕና ካብ ትምክሕትን ውግእን ዝወጸት፡ ብልጽግትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ፡ መስ ኩለን ጎረባብታ ብሰላምን መክብባርን እትነብርን፡ ደቃ ቀሲኖም ብዘይሽቕረራ ዝነብሩላን፡ ኩሉ ብማዕረ ብሉጽን ተበላጽን ዘይብላ ኤርትራ ክትህሉ ኢና ንደሊ፡ እዚ ክሳብ ዝኸውን ክንቃለስ ኢና፡ ናይ ግዜ ጉዳይምብር ከምእንዕወት ድማ አይንጣራጠርን።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኹሉ!!!

ዓወት ንሓፍሽ ብተግባር!!!

ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት!! ፍሳሃየ ሃይሉ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *