ኣብ ደቡብ ሱዳን መሪዲ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ደቡብ ሱዳን ብሰኑይ 6 ሓምለ፣ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ሰለስተ ኤርትራውያን ብሓደ ዕጡቕ ብግፍዓዊ መንገዲ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።እቶም ኣብ Eastern Equatorial State ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ኣቦን ወዱን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን እዮም።
እቲ ዜና ናብ ኣሰና ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን መንነት ናይቲ ቀታልን ዕላምኡን ኣይተገልጸን።
ኣብ ራብዕቲ ናይቲ ዝተጠቕሰ ፍጻሜ፣ ትማሊ ‘ውን ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን፣ ጁባ፣ ሓደ ካልእ ኤርትራዊ ኣውፋሪ ብኻራ ከምዝተቐትለ ምንጭታት ኣስዒቦም ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣገንዚቦም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዜና ኣሰና ኣቃሊሕናዮ ከምዝነበርና፣ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘለዉ ኤርትራውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ቅትለት ብጻዕቂ የጋጥም ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓያለ ኤርትራውያን ኣወፈርትን ሰራሕተኛታትን ኣለዉ።