ህጹጽ ሐበሬታ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረት ዉድብ ሕብራት ሃገራት ዝመዘዞ መርማሪ ኮሚሽን ዘቅረቦ፡ንሓቀኛ መከራን ስቃይን ንሓቀኛ ምስልን ወጸዓን ህዝቢኤርትራ ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዕብድብድ ኣእቲዩሉ ይርከብ። ነቲ ጸልማት ትጎልቢቡን ብሚስጥርን ብቃጻን ብሽርበት መልክዕን ክፍጽሞ ዝጽነሐ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጨካን አረመናዊ ገበናት፡ እነሆ ሕጂከም ጸሓይ ቀትሪ ቦጣዕጣዕ ኢሉ፡ከዊልካ ዘይክወል፡ ሽፊንካ ዘይ ሽፈን፡ኣመኽኒኻ ዘይሕለፍ አብ ጸቢብ ማሕንቆ ተቅርቂሩ፡ህዝቢ ኤርትራ ድማ ምስ ህግደፍ ብሕጊ ዓለም ኣብዝጥማጠመሉን፡ ወጽዕኡ ዝጸባጸበሉን፡ ብአውርኡ ካኣ ካብ እዚ እቡሽ ስርዓት እዚ ንገላግለሉ መድረኽ በጺሕና ንርከብ። እንተኾነ ንዕለት 22/06/2015 ስርዓት ህግደፍ ነቲዘስካሕክሕ ንዓለም ዘሰምበደን ዘደንጸወን፡ ጨካን ቅትለትን መርሽንትን፡ ኣይዋዕሎን፡ ነቲ ጨካን መግረፍትን ስቅያትን፡ አይዋዕሎን ፡ነቲ ንህዝብና ዘጉሃየ ዘሰንበረን ብዘይ ክስን ፍርድን ማእሰርቲ፡ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ሚኒስተራትን ጋዘጠኛታትን፡ ተጋደልትን ምሁራትን አቦታትን አዴታትን፡መንእሰያት፡ ጓራዙን መርዑትን ህጻናትን፡ ኣይዋዓሎን ክትብሉ። ንመርሽንቲ ስንኩላን ማይ ሓባር፡ንመርሽንቲ ዓዲ አበይቶን ጨካን ማእሰርቲ ኣብ ኮንተነራትን ነቲ ልዕሊ360 ዛአክል ሕቡአት ኣብይተ ማእሰርቲን አብኡ ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ገበናትን ስቃይን እቲ አብኡ ለም ኢሉ ዘሎ መቃብራትን እቶም ካብኡ ከቢድ ስንካለ ኣጥርዮም ዝወጹ አሕዋትን አሐትን ብምረት እናመስከሩ።ነዚ ሓቂ ዚ ዓይንኹም ሰም አቢልኩም ሓሶት ክትብሉ ንሰላማዊ ሰልፊ ትዕደሙ አለኹም። እረ ነቲ ኮነ ብተባሂሉ ዝተገብረ ምዕጻው ፡ወደባት ዩኒቨስቲ፡ምዕዳል መሬት ፍቃድ ዋንነት፡ ምዕናው ኣገድስቲ ዝባሃሉ ትካላት ህዝብን መንግስትን፡ምፍራስ ኣባይትን ጉዱድ ወታሃደራዊ ኣገልግሎትን፡ግፋን ጭውያን ብሳዕቢዮኑ ዝመጸ ህድማ መንእሰያትን አብ መንገዶም ዘጋጥም ዘስካሕክሕ ሞትን ህልቂን አብ ወለዲ ዝወርድ ዘሎ፡ ዕዳን ዉርደትን፡አብ ህዝብና አሽካዕሊሉ ዘሎ ጥምየትን ድኽነትን ጸላምን ጽምኢን ነዚኸኣ የለ ሐሶት እዩ ኢልኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ህዝቢን ብሓሶት ክትምስክሩ ትዕደሙ ኣለኹም። እምባር ኣብዚ ናይ መርገምን ሓጥያትን ሩጉም መዓልቲ እዚ ነቲ በዚ ስርዓት እዚ ዝወሓዘ ደምን ንብዓትን ፡መሪር ጓህን መሪር ሐዘንን ብምዝካር ምስ ሕልናኸም ተማኺርኩም፡ኢደ እግሩኹም ኣኪብኩም ክትዉዕሉ ብስም እቲ ዉጹዕ ህዝብና ኣምሪርና ንምሕጸነኩም። እዚ ስርዓት ህግደፍ ሕብራት ሃገራት ቅድም ወጺዑና እዩ እሞ ሕጂወን ኩውጽኩም እዩ፡ ኣይትስምዕዎ ወጸዓ ብወጽዓኡ ኣነ እንተ ወጽዕኩኹም ይሕሽኩም እዩ ዝብለና ዘሎ እንተኾነ ወጽዓ ወጽዓ እዩ መለሳ የብሉን ።ሕጂ ከፊኡና ዘሎ ወጸዓ ህግደፍ ዳኣምበር ወጽዓ ሕብራት ሃገራት ኣይኮነን። እንተ እቲ ከም ሶማል፡ ከም ዒራቅ፡ ከም ሊብያ፡ ወዘተ ክትኮኑ ኢኹም ዝብል መፈራርሂ ግን ንልቦና ህዝብና ዝግደፍ ዓቢ ዕማም ደአምበር ፡ሕልሚ ፈርህካ ካይደቀስካ ዘሕድር ጉዳይ ኣይኮነን። ህዝብና ድማ ጥራይ ካብዚ ሰይጣናዊ ሰርዓት እዚ ይገላገል እምበር ካብ ተመኩሩኡ እናተማሕረን እናተማዓዓደን ክማሓድርሉ ዝይካል ምኽንያት የልቦን። ሰንበት ወዲ ኤርትራ