ደገፍቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ይወሃቡ ከም ዘለው ዘቃልዕ ደኩሜንታሪ ፊልም ኣብ ተለቭዥን ነርወይ ተዘርጊሑ።
ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ በቲ ዝድለ ቅልጣፍ ንቕድሚት ከይምርሽ ሓሊኹ ሒዝዎ ዘሎ፡ ድሑር ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታት ምዃኑ ተገሊጹ
ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ ደመኛ ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ንምግልጋል፡ “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ” ዝብል ጭርሖ ሒዙ፡ ብተናጸል ውድባት፡ ካልኦት ምሕዝነታዊ ግንባራት፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ተወዳዲቡ፡ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከም’ቲ ዝድለ ቅልጡፍ ለውጢ ከየመዝግብ ዕንቅፋት ኮይንዎ ዘሎ፡ ድሑራት ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታት፡ ገና ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ስለ ዘይተገርሑ’ዮም ክብል፡ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ሓቢሩ።
ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ካብ 6-10 ሰነ 2015 ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ዘቃነዖ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ኣብ ህልዊ ዓለማዊ ኩነታት ብፍላይ ድማ፡ ኣብ’ቲ ንመድረኽ ዝሑል ኲናት ዘዘኻኽር፡ ኣብ ዩኩሬን ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ሃገራት ሩስያን ዝካየድ ዘሎ ንሕንሕ፡ ዝፍጠር ዘሎ ብሎኳት፡ በዚ መንጽር ንዓለምናን ንቃልስናን ዘለዎ ጽልዋን ትርጉምን ኣመልኪቱ ብሰፊሑ ተመያየጡ።
ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ፡ ናይ ነፍስ ወከፍ ቤት ጽሕፈታቱ ንጥፈታት ስራሕ ሓደ ብሓደ ብምፍታሽ፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ንዝተራእዩ ሕጽረታት ነቒፉ፡ ኣብ ቀጻሊ ዝነበሩ ድኽመታት ተኣልዮም፡ መደባት ብዝወጸሎም ውጥን መሰረት ኣብ ተግባር ክትርጎሙ ብምስምማዕ፡ ነቶም ብጽቡቕ ዝተሰላሰሉ ድማ ኣተባቢዑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2015 ብኣሸባሪ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውይንን ኢትዮጵያንን ዝተፈጸመ መቕተልቲ፡ ከምኡ’ውን ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 800 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ጥሒሎም ህይወቶም ብምስኣኖም ዝተሰመዖ ሓዘን ከም ዝገለጸን ኣረዲኡ።
ማእከላይ ማሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳ ኣሃዱ ደግሓኤ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝወሰድዎን ዝወስድዎ ዘለውን ናይ ናብሰ ምክልኻል ስጉምትን ምስ ህዝቢ ዘለዎም ጥቡቕ ዝምድናን ንኢዱ። ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ፍልልያቱ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ እናመሓደረ ተመሓዝዩ ክሰርሕ፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዓወት ንከሰላሰል ከኣ ብፍላይ ኩሉ ብሓላፍነት ክዋሳእ ይግባእ ድማ ኢሉ።
ዝኸበርኩም ሰማዕትና፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ደምዳሚ መግለጺ ምስ በጽሐና ከነቕርቦ ምዃና ንሕብር።
ኤርትራ ብራዕዲ ሓውን ዓረርን ትግዛእ ዘላ ሃገር ምዃና ተገሊጹ
ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከተጽንዕ ዝተመዘት መርማሪት ኮሚሽን ውጽኢት መጽናዕታ ብ8 ሰነ 2015 ኣረኪባ። ኣብ ኤርትራ ቅሉዕ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፍጸም ድማ ገሊጻ። እታ መርማሪት ኮሚሽን እታ ሃገር ብሕጊ ብሓውን ዓረርን ብፍርሕን ራዕድን’ያ ትግዛእ ዘላ ክትብል ኣረጋግጻ ክብል ትካል ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ ብ8 ሰነ 2015 ጸብጺቡ።
እታ መርማሪት ኮሚሽን ልዕሊ 500 ሰባት ቃለ-መጠይቕ ከም ዝገበረት፡ ናይ 160 ግዳያት ናይ’ቲ ስርዓት ካብ ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ ብጽሑፍ መረጋገጺ ከም ዝኣከበትን፡ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ምሕደራ ፍጹም ቅንዕናን ሰብኣውነት ዝጎደሎ፡ መንግስቲ ደስ ዝበሎ ስጉምታት ዝወስደሉ፡ ዘይንቡር ህይወት’ዩ ኢላ። ናይ’ዚ ገበን’ዚ ቀጥታዊ ተሓተቲ መራሒ እታ ሃገር ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ፡ ላዕለዎት ሓላፍቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል፣ ሚኒስትሪ ዜና፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ብቐንዱ ድማ ገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ’ዩ ዝብል 484 ገጻት ዘለዎ ጸብጻባት ኣቕሪባ ኣላ።
ደገፍቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ይወሃቡ ከም ዘለው ዘቃልዕ ደኩሜንታሪ ፊልም ኣብ ተለቭዥን ነርወይ ተዘርጊሑ።
እቲ ብኤርትራውይን መሰኻኽርን ጭብጥታትን ተሰንዩ ብቋንቋነርወይተዘርጊሑዘሎፊልም፣“ኤርትራ፣ ኣብ ነርወይ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዉዋ ሃገር ምዃና፡ ዝበዝሑ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓፋኒ ስርዓት ኣምሊጦም ዕቑባ ዝሓተቱ ከም ዝኾኑ፡ እንተኾነ፣ ገለ ካብኣቶም ተመሊሶም ነቲ ስርዓት ዝድግፍዎ ኣለው “ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” ብምባል ከም ዝሓተትን ኣብ ኣሰና ዝተረኽበ ዜና የመልክት።
ሓደ ካብቶም ናብ’ቲ ስርዓት ዝተመልሱ’ሞ ኣብ ቪድዮ ተቐሪጹ ዘሎ፡ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ተዋሂቡ ክንሱ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ጎኒጎኒ ደው ኢሉ እናመደረ ዝርአ ኤርትራዊ፣ ለቴናል ኮለኔል ዮናስ ሕድሩ (ወዲ ቐሺ) ዝብሃል፣ ኣብ ጎዳይፍ ናይ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ዝነበረ፣ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ነቲ ሓላፊ ኤሚግሬሽን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃም (ኣፋን) ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸን እቲ ብ10 ሰነ ዝተቓለሐ ዜና ኣረዲኡ።
ካልእ ነዚ ከም ምስክር ቀሪቡ ዘቃለዐ ኤርትራዊ ስደተኛ ብወገኑ፡ “ እዚ ነቲ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ ተኣኻኺቡ ነንሕድሕዱ ሓድነት ከይፈጥር፣ ከይረዳዳእ ስለያ ኮይኑ ዝሰርሕ፣ ሓበሬታ ናብቲ ስርዓት ዝመልስ እዩ” ድሕሪ ምባል፣ “ ካብ’ቶም ቀንዲ ካብ ሃገርና ደፊኦም ዘውጽኡና ዘሸግሩና ዝነበሩ ኣብዚ እንተመጺኦም ንዓይ ንህይወተይ ስግኣት ኣለኒ፣ ንኻልኦት ብዙሓት ከምዚ ኸማይ ‘ውን ስግኣት ኣለዎም” ዝብል ከም ዝርከቦን ተፈሊጡ ኣሎ።
ብካልእ ዜና፡ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ክልተ ካብ ሚኢቲ ምኽፋል ይቕጽሎ ከይህሉ ንምርግጋጽ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ መርመራ የካይድ ምህላዉ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። ብሪጣንያ፣ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተወሰነ እገዳ ብምድጋፍ ኤምባሲ ህግደፍ ክልተ ካብ ሚኢቲ ከየኽፍል መጠንቐቕታ ሂባ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 12-06-2015