ናብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ምእታው ይኹን፡ ምውጻእ ተኸልኪሉ ውዒሉ፡
ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ሓለዋ ከምዝወዓለት ይሕበር ኣሎ፡
ኣብ ናይ ትማሊ 14 መጋቢት 2015 ዝዘርጋሕናዮ ዜና ከምዝሓበርናዮ፡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብቀጻሊ ብኣባላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ ብለይቲ ተጨውዮም ይወሰዱ ከምዘለዉ፡ ንኣብነት ናይ ሰለስተ ዝተጨውዩ ኣስማት ሓቢርና ብተወሳኺ ልኡኻት መጋበርያታት ስርዓት ህግደፍ ንከፍርስዎ ዝመደብዎ ኣባይቲ (ገዛውቲ) ምልክት ክገብሩ ከምዝወዓሉ ምሕባርና ይዝከር፡፡
እንሆ ድማ ሎሚ ዕለት 15 መጋቢት 2015 ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩ ብዶዘራት ገይሩ ኣባይቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ክፍርስ ከምዝወዓለ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም፡፡ ኣባይቲ ክፈርስ ከሎ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ምእንቲ ብለይቲ ብዙሓት ዕጡቓት ተዋፊሮም ኣብ ሕድሕድ ኣፍ መንበሪ ገዛ ሰለሰተ ዕጡቓት ከምዝተመደቡ፡ ዝኾነ ሰብ ከኣ ክኣቱን ክወጽእን ከምዘይፍቀድ ዝገብር ብርቱዕ ሓለዋ ከምዝወዓለን ካብ ናብ ከተማ፡ ናይ ነበርቲ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ ከምዝወዓለ ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግሃድኤ – ሕድሪ
15 መጋቢት 2015
