ደግፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ይወሃቡ ምህላዎም ዘቃልዕ ደኩምነታሪ ፊልም ብ መደበር ተለቭዥን ነርወይ nrk ተዘርጊሑ። By assenna on June 10, 2015

Yonas_WK 

ደግፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ይወሃቡ ምህላዎም ዘቃልዕ ደኩምነታሪ ፊልም ኣቐድም ኣቢሉ ብ መደበር ተለቭዥን ነርወይ nrk ዝተዘርግሐ ደኩምነታሪ ፍሊም የቃልዕ።

እቲ ብኤርትራውይን መሰኻኽርን ጭብጥታትን ተሰንዩ  ብቋንቋ ነርወይ ተዘርጊሑ ዘሎ ፊልም፣ “ ኤርትራ፣ ኣብ ነርወይ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዉዋ ሃገር እያ። ብዙሓት ካብቲ ነቲ ኣዝዩ ዓማጺ ዝኾነ ስርዓት ኣምሊጦም ዑቕባ ዝሓተቱ እዮም። እንተኾነ፣ ገለ ካብኣቶም ብምኽንያት ግፍዕታት ናይቲ ስርዓት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ገሊጾም መሰል ተዋሂቡዎም ክንሱ ተመስሊሶም ይድግፉዎ ኣለዉ” ይብል። “ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” ብምባል ድማ በዳሂ ሕቶ የቕርብ።

ሓደ ካብቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፣ ኣብቲ ቪድዮ ቀሪቡ ዘሎ፣ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ተዋሂቡ ክንሱ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ጎኒጎኒ ደው ኢሉ እናመደረ ዝርአ ኤርትራዊ፣ ለቴናል ኮለኔል ዮናስ ሕድሩ (ወዲ ቐሺ) ዝብሃል፣ ኣብ ጎዳይፍ ናይ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ሓላፊ ዝነበረ፣ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ነቲ ሓላፊ ኤሚግሬሽን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃም (ኣፋን) ምዃኑ ተፈሊጡ።

ንዕኡ ብዝምልከት፣ ኣብቲ ቪድዮ ከም ምስክር ዝቐረበ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ “ እዚ ቀንዲ ስርሑ ኢለ ኣነ ዝኣምኖ፣ ነቲ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ ተኣኻኺቡ ነንሕድሕዱ ሓድነት ከይፈጥር፣ ከይረዳዳእ ስለያ ኮይኑ ዝሰርሕ፣ ሓበሬታ ናብቲ ስርዓት ዝመልስ እዩ” ድሕሪ ምባል፣ “ እቶም ቀንዲ ካብቲ ዓዲ ደፊኦም ዘውጽኡና ዘሸግሩና ዝነበሩ ኣብዚ እንተመጺኦም ንዓይ ንህይወተይ ስግኣት ኣለኒ፣ ንኻልኦት ብዙሓት ከምዚ ኸማይ ‘ውን ስግኣት ኣለዎም” ኢሉ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወጻኢ ደገፉ እናኣንቆልቆለ ምስ ከደ፣ ስደተኛታት መንእሰያት ‘ውን እናበዝሑ ምስ መጹ፣ ኣብ ነርወይ ይኹን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን፣ ስደተኛታት ኣምሲሉ ብዙሓት ሰለይቲ ከምዘዋፈረ ይፈለጥ።

ሓደ ካብቲ ንመንግስቲ ነርወይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘደናድኖ ዘሎ ምኽንያት ‘ውን ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ምዃኑ ኣይሰሓትን።

ነቲ ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ሊንክ ‘ዚ ጠውቑ፣ Regime Supporters have been granted asylum in Norway

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *