ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ብጉዳይ ክልተ ካብ ሚእቲ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ Radio Erena 10 June 2015

 

Eri Embassy in UK

 

 

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል ይቕጽሎ ከይህሉ ንምርግጋጽ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ መርመራ የካይድ ምህላዉ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ብሪጣንያ፣ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተወሰነ እገዳ ብምድጋፍ ኤምባሲ ኤርትራ ክልተ ካብ ሚእቲ ከየኽፍል መጠንቐቕታ ድሕሪ ምሃባ፣ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናይ ክልተ ካብ ሚእቲ ክፍሊቶም ናብ ኣስመራ ኣብ ዝገሽሉ ክኸፍልዎ ከምዝተሓበሮም ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ እቲ ኤምባሲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት’ውን ምእካብ ክልተ ካብ ሚእቲ ብዝተሰወረ መንገዲ የተግብር ኣሎ ዝብል ጥርዓናት ክቀርበሉ ብምጽንሑ’ዩ፣ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ነዚ ምጽራይ ዝገብረሉ ዘሎ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *