
ኣብ ኣስመራ ዑደት ብምክያድ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዘራረበ ወኪል መንግስቲ ነርወይ፣ ዑቕባ ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ቅድሚ ምምላስ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ገሊጹ።
እቲ ንኩነታት ኤርትራን ከጽንዕ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ብጸሓፊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ ዮራን ካልሚር ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ነርወይ፣ ንኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያ ምምስሳል ጌጋ’ዩ ክብል’ውን ጠቒሱ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ምሉእ ጸብጻብ ናይዚ ወኪል ነርወይ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ዑደት ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወና ክቐርብ’ዩ።
===============================================================