ንዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳ ኣሃዱ ደግሓኤ፡

ንዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳ ኣሃዱ ደግሓኤ፡

ከጥቅዕ ዝመጸ ኣሃዱ ስለያ ጸላኢ ተጸፊዑ ተመሊሱ

ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳን ኣሃዱ፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ከም’ቲ ልሙድ ኣብ ህዝባዊ ስራሓት ተዋፊረምሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ ብናይ ስለያ ኣሃዱ ጸላኢ ንዝተፈነወሎም ሃደበታዊ መጥቃዕቲ ቅጽበታዊ ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ እቲ ህንዱድ ዕሱብ ሰራዊት ሃዲሙ በቲ ዝመጾ ክምለስ ከም ዝገበሩ ብ28 ግንቦት 2015 ካብ’ቲ ቦታ ዝተላእከልና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እቲ ዕሱብ ሰራዊት ብ28 ግንቦት 2015 ኣብ ከባቢ መስሓል ኣኽራን ኣብ መንጎ እምባ-ጎይበይቶን ዓዲሽሁን ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣብ ዝገብሮ ፈተነ መጥቃዕቲ፡ ጀጋኑ ኣሃዱ ደግሓኤ ብዝወሰድዎ ቅልጡፍ ጸረ መጥቃዕቲ ዘርጠብጠብ እናበለ ብህድማ ከም ዝተመልሰን ዝሓበረ እቲ ዜና፡ እዚ ናይ ስለያ ኣሃዱ ከም’ዚ ዓይነት ፈተነ ክገብር ንመጀመርያኡ ከምዘይኮነን፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ኣብ ልዕሊ ኣሃዱና ዝገበሮ ፈተነታት ብተመሳሳሊ ተጸፊዑ ከም ዝበርዓነን እቲ ዝመጸና ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ። ዕጡቓን ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳን ኣሃዱታት ደግሓኤ፡ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐበልነት እናሕደሩ ዝመጹ፡ ጸገማት ህዝቢ ኣብ ኣብ ምቅላልን ምፍታሕን ዓቕሚ ዝፈቕዶ ምድግጋፍ ከም ዝገብሩ፡ ህዝቢ ዓድታት ናይ’ተን መንግስቲ ህግደፍ ዝረሰዐን ክኒን ቅኒቶ ከኣ ኣብነት ከም ዝኾነን ዝፍለጥ’ዩ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝተመዘት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣመልኪታ ጸብጻባ ኣብ ተቕርበሉ ግዜ፡ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ተፈሊጡ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ካብ 2012 ጀሚሩ፡ ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝፍጸም መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብማእከልነት ወ/ሮ ሺላ ቢ ኪታሩት ክከታተሎ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ ሰነ 2014 ድማ ሰለስተ ዝኣባላታ ካልእ ርእሳ ዝኸኣለት መርማሪት ጉጅለ ኣቚሙ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብምዝርራብን ብቐረባ በሰላታቶም ብምርኣይን ክተካይዶ ዝጸንሐት መጽናዕቲ ን26 ሰነ 2015 ኣብ ጀኔቭ ጸብጻባ ነቲ ዝመዘዛ ኮሚሽን ከተቕርብ መደብ ከም ዘለዋ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ምድላዋት ይካይድ ከም ዘሎን ከካብ ቦትኡ ዝወጽእ ዘሎ ዜናዊ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ ሃገረ ጀርመን ፍራንክ ፈርትን ከባቢኣን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን፡ ንውጽኢት ምርመራ ናይ’ታ መርማሪት ጉጅለ ብምክትታል ካብ ካልኦት ሃገራት ምስ ዝመጹ ኤርትራውያን ብሓባር ደገፎም ብሰላማዊ ሰልፊ ንምግላጽ ተዳልዮም ከም ከም ዘለውን ሓባራዊት ኣዳላዊት ሽማግለ ሓቢራ ኣላ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቶም ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝሃለቑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተኻይዱ 2 ወከልቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቶም ኣብ ወርሒ 4 ናይ 2015 ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝሃለቑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ናይ ስኽሪ ስነ-ስርዓት ከም ዝገበሩሎም ትካል ኮርፖሬሽን ዜና ቢቢሲ ብ2)*ግንቦት 2015 ጸብጺቡ። ብካልእ ተመሳሳሊ ዜና፡ ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ነተን ኣብ ማሕበራዊ ቅልውላው ተርግሪገን ዝርከባ ሃገራት ኤርትራን ሶርያን ኣመልኪቱ ክዘራረብ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ’ውን እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ ኣሎ።

ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘወረዶ ኣሰቃቒ ማእሰርቲ ኢዱ ተቖሪጹ

ካብ ሃገር ክትወጽእ ሓሲብካ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ጎልጅ ተታሒዙ፡ ኣብ’ቲ ኢ- ሰብኣዊ ስቅያታዊ መግረፍቲ ዝፍጸመሉ፡ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ተቐይዱ ዝነበረ፡ ቢኒያም ገብራይ ናይዝጊ ዝተባህለ ወዲ 15*ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ ከሰላ ሱዳን ብዝተገብረሉ ሕክምና ኢዱ ከም ዝተቖርጸ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ28 ግንቦት 2015 ገሊጻ። እቲ ብጭካኔ ኢዱ ዝተቖርጸ ወዲ 19* ዓመት መንእሰይ፡ ንሱዳን ክትሃድም ሓሲብካ ብዝብል ካብ ዝእሰር ኣብ መበል 1:*መዓልቱ ብዝወረዶ ጽኑዕ ማእሰርቲ ደሙ ተቛሪጹ ኢዱ ስለ ዝሓለቐ፡ ህይወቱ ንምድሓን ተባሂሉ መጥባሕቲ ተኻይድሉ ከም ዝነበረ ዝገለጸት ኣሰና፡ ኣብ መወዳእታ ግን ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ኣብ ከሰላ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ኢዱ ከም ዝተቖርጸን ኣረዲኣ።

ድCሰDደEኤF*GH-06-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *