ኣብ የመን ዝርከቡ ኤረርትራውያን ዘውፅኦም መንግስቲ ሲኢኖም በቲ ኣብቲ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኵናት ይመቱን ይካላበቱን ኣለው፡፡

 

FatherMussie Shishay

 

ኣብ የመን ዝርከቡ ኤረርትራውያን ዘውፅኦም መንግስቲ ሲኢኖም በቲ ኣብቲ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኵናት ይመቱን ይካላበቱን ኣለው፡፡ ክሳዕ ህጂ ብዙሓት ኤርትራውያን ሃሊቆም ኣለዉ !።
እቲ ናይቶም ገግዳያት ስእሊ ንምርኣዩ ዘስካሕክሕ ብምኻኑ ፖስት ክገብሮ ኣይተራእየንን፡፡ግን ሰብ የድልዮም ኣሎ፡ዝሕግዝ መንግስቲ የድልዮም ኣሎ።እቶም ምስቲ መንግስቲ ርክብ ዘለኩም ሰባት ነቲ መንግስቲ ክትሓቱዎ ኣለኩም፡፡

ከም ኣብ ዓለም ዘለና ህዝቢ፡ናይ ህዝቢ ነገር ተደኣ ሓሲብና ጽቡቅ ኢዩ።ህጂ እውን ፡ነቲ መንግስቲ ንንፋስ ከይትህቡ ክትብሉ፡ነዞም ኣሕዋትኩም ኣይትጨክኑሎም፡ኣብ እቲ 2% ትኸፍሉ ኢምባሲ ከይድኩም፡መንግስቲ ኤርትራ ክረድኦምን ከውጽኦምን፡ክትጽዉዑን፡ከተተሓሳስቡን ይግባእ።ደሓር እውን ነሕዋትና ሓግዞም ማለት ንንፋስ ምሃብ ማለት ኣይኮነን፡፡እቲ መንግስቲ ኣብ ምስዕሳዕ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ጓይላስ፡ መንግስቲ ምዃኑ ከፍልጠሉ ዘለዎ፡ህሞት ህጂ ኢዩ!!።
ስለዚ በጃኹም ስለነፍሲ ህይወት ኣቀድሙ፡መንግስቲ ኢትዮጲያ ዜጋታቱ የግዕዞም ኣሎ፡ኣሕዋትና ጥራሕ ተሪፎም ኣብኡ ይሞቱን ይቆስሉን ይንካላበቱን፡ኣለው፡፡

ናይዚ ሓላፍነት ተሰካሚ ኸኣ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዋላ፡ክስቶ ክስቶ፡ኣይኮነን፡መንግስቲ ምህላው ክሳዕ ተፈልጠ፡እቲ መንግስቲ ኢየ፡ዝብል ክሕግዞም ኣለዎ፡፡ኤርትራዊ ምስ መንግስቲኻ ክትተሓሳሰብ ኣሎኳ፡ናብ ካልእ ኢድና ምውጥዋጥ የብቅዕ።
እዞም ሰባት ህጂ ኣብ ሽግር ኣለዉ፡ጽባሕ ከኣ እዚ ሽግር ናባና ምዃኑ ንፍለጥ፡እቲ ሓደ ልቢ ኣብ ጓይላ ዘይኮነስ ኣብ ሓዘን ክገሃድ ኣለዎ።እቲ ርህራሀ እውን ሎሚ ክርአ ኣለዎ፡፡ሃይማኖት ኣለኒ ዝብል ፍጥረት ነዚኦም ክድንግጸሎምን፡ኣብ ስቃዮም ክዋሳእን ይግባእ፡፡

እቶም ኤርትራውያን ኢና ብዛዕባ ኤርትራ ንግደስ ኢና፡ንብል ሰባት እውን ብፍላይ እቶም ኣብ ኣኼባታትን ጽንብላትን እንሳተፍ ደገፍቲ መንግስቲ፡ናይ ሓቂ ሰባት ምዃና ሎሚ ከነፍልጥ ይግባእ።እዚ ፖሎቲካ ኣይኮነን፡እዚ ሰብ ኣድሕን ኢዩ።ኣብ ኢምባሲ ኤርትራ ኣትዮም ክዛረቡን፡ክሳዕ ኣብ ፍት እቲ ይውክለና ኢዩ፡ዝብልዎ ኢምባሲ ኣብ ፊቱ ከይዶም፡ህይወት ኣድሕን ኢሎም፡ድምጾም ከስምዑን ይግባእ፡እቶም ዝድግፉ ።ነዚ ሎሚ እውን ከም ዝሓለፈ ኣብዮምን፡ኣፎም ተደኣ ዓቢሶም ግን እዚ ማርዶኳይ ን ኣስቴር ዝበላ ኢየ ዝብሎም።

(ኣስቴር 4፥13-14)ማርዶካይ ድማ ንኣስቴር መሊሶም ከምዚ ኺብልዋ ለመኖም፡ ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘሎኺ፡ ካብ ኩሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፡ ንባይንኺ እድሕን ኢልኪ ብልብኺ ኣይትሕሰቢ። 14በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ንኣይሁድ ሓገዝን ሃራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ፡ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኢ ኢኹም።

ኣብ ኣመሪካን ኣውረጳን፡ስለዘለኹም፡ዜግነት እተን ሃገራት ሒዝኩም፡ትድሕኑ ከይመስለኩም፡ዓለም ጽላለት ኢያ፡ኣይትእመኑዋ፡ጎይታ ኣይጽላእ እንበር ኣብዚ እውን ኲናትን ምፍንቃልን፡መንፈስ ዓሌትነት መጺኡ ንዓና፡መስጎግትን መቅተልትን ኪኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡እታ እምንቲ መዕቆቢት በዓቲ፡ሕቅፊ ኣምላኽ ጥራሕ ኢያ።ኣምላኽ ስለዝፈተወ ኢና ኣብ ኣውረጳ፡ዘለና፡ንሶም ክፈትዉ ዝገበረ ንሱ፡ኢዩ፡ንሶም ክጸልኡ ኸኣ ክገብር ይክእል ኢዩ።ኣምላኽ ከጽሊለና ግን፡ሎሚ ደንገጽቲ ንኹን፡ከድኩም ን ኢሳይያስ ውረድ በልዎ ኣይበልኩን፡ዝብል ዘለኹስ ነቶም ኣሕዋትኩም፡ከውጽኦም፡ተዛረቡዎ።ከንቱ ምርቃን ትምነያን ኣይኮነን ፡ኣምላኽ ከምዚ ይግበረሎም፡ይድገመሎም እንበር መልሲ ኣይኮነን፡፡ዘድልዮም ዘሎ፡ህጹጽ ሓገዝ ክረኽቡ ምእዋጅ ኢዩ፡ምጽዋዕ ኢዩ።ኣብ ጸሎትና ኸኣ ንልቢ እቲ ደሪቁ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ከረስርሶን፡ክንጽሊ ኣሎና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *