ንሕና ኤርትራውያን መን ኢና? ግንቦት 24 መዓልቲ ናጽነት፡ ንዓና ኤርትራውያን መዓልቲ ሓጎስን ጽንብልን ክትከውን እዩ ዝግብኣ። ኤርትራ ናጻ ዝኾነትሉ፡ ሃገር፡ ባንዴራ፡ ፓስፖርት፡ ኤርትራውያን ዝብል ሽም ዝረኸብናሉ’ውን እዩ። የግዳስ እቲ ቃልሲን መስዋእትን ነዚ ጥራሕ ዲዩ ነይሩ? ራእይና ከም ህዝብን ሃገርን ክሳብ ክንድኡ ሓጺርን፡ ድርቃምን ዲዩ ነይሩ? ሕጂ ድኣ እንታይ ወረደና? ንምውታትና ዘይነኽብር፡ ንህልዋት ፋዕራ ዘይብልና፡ ፍርቂ ኣካላትና ሞይትና ክነስና ሞት እንፈርህ፡ ሞት: ሓዘን፡ እህህታን ሕፍረትን እነቛሲ፡ ኣብ ብኽያት ከሎና ንኻልእ መርድእ እንጸባበ ኰንና ኣሎና። እንታይ ዀንና ኣሎና? እምበርዶ ኤርትራውያን ኢና? እምበርዶ ሰብኣውነትና ኣየጥፋእና ኣሎና? ኣብ ልዕሊ ምውታትና ንስዕስዕ፡ ነቲ ከም ዓሰለት ደምና መጽዩ ሕይወትና ዘሕጽር ንውድስ፡ ካብ ሰብ ንታሕቲ ተዋሪድና ንርከብ፡ ሰብኣውነትና ተሓዲግና፡ እንታይነትና ተቀቲሉ መጻኢና ይጸንት ኣሎ፡ እምበርዶ ሰብ ኢና? እምበርዶ ኤርትራውያን ኢና? ባዕልና ብሰራሕናዮ ታሪኽ ኤርትራውያን ምዃንና ንእመን እንተዀንና፡ ግንቦት 24 ጋህዲ ክትከውን ዝገበርናያ ህዝቢ እንተዀንና፡ ኣብ ብዙሕነትናን ሓድነትናን እንኣምን ህዝቢ እንተዀንና፡ እሞ እንታይ ወሪዱና ድኣ ግዳያት ናይ ተስፋ ቁርጸትን፡ ኹነታትና ክንቅይር ከምዘይንኽእል ብምእማን፡ መሃነና ኣጥፊእና እንታይ ገደሰኒ ኣብ ዝብል ዕርዲ ዓሪድና እንርከብ? እስከ ንዘክር! ኣፍልብና ነፊሕናዶ ኣይዘመርናን ኢና? ንሕና ሕዝቢ፡ ንሕና ሃገር፡ ንሕና ባሕሪ፡ ንሕና ኩርባ፡ ንሕና ሩባ፡ ንሕና ጫካ፡ ወለዶ ሎሚ። እወ! ንሕና ኢና ሕዝቢ፡፡ እኳ ድኣ ክብረት፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ሓልዮት ስድራቤት ዘለዎ ሕዝቢ፡፡ ልቦና ዝመልኦም፡ ደለይቲ ሰላም፡ ሓቀኛን ትሑታትን ሕዝቢ። ንሕና ኣካል ናይ ደቂሰባት ዝኾንና ሕዝቢ ኢና። ብኹነታት ክንቅየድን ዘይክንቅየድን ኣብ ኢድና እዩ። ነቲ ናይ እዋኑ ክፋእ ክንቕበልን ዘይክንቕበልን ኣብ ኢድና እዩ። ናይ ሕጂ ህዝቢ ምዃን ገዲፍና፡ ናይ ታሪኽን ናይ መጻኢን ምዃን ምርጫ ኣብ ኢድና እዩ። ኤርትራውያን! ምሉእ መሰልን ሓላፍነትን ዘለዎም ዜጋታት ዀንና ዳግም ክንውለድ እቲ ምርጫ ኣብ ኢድና እዩ። ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 24 ግንቦት ክብረት ዘለዎ ሕዝቢ ጌርና ምስልና ዳግም ክንሕድስ እቲ ምርጫ ኣብ ኢድና እዩ።
ግንቦት 24 2015
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
ፕሪቶሪያ – ደቡብ ኣፍሪቃ