ኣብ ተሰነይ ካብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ሳልስቲ ኣምሊጡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቢንያም ገብራይ ናይዝጊ ዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ማሕዩር ዘጋጠሞ ምቑሕ ሰንሰለትን ግፍዕን ሓንቲ ኢዱ ክትቍረጽ ምዃና ሱዳናውያን ሓካይም ስለዝሓበሩዎ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ከሰላ ሓቢሮም።
እቲ መንእሰይ፣ ካብ ተሰነይ ንጎልጅ ክኸይድ ከሎ፣ ናብ ሱዳን ክትሃድም ሓሲብካ ተባሂሉ ቅድሚ 10 መዓልታት ድሕሪ ምእሳሩ፣ በቲ ዝወረዶ ጽኑዕ ማእሰርትን ምቕጥቃጥን ኣብ ንእስነቱ ስንክልና ኣንጻላልዩዎ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።