ንመጀመርያ ግዜ ብጃላቡ ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ዝሓለፈ ሰሙን ምብራቕ ሱዳን ዝኣተዉ፣ ሓደ ወዲ 6 ዓመት ቆልዓን 9 ደቀንስትዮን ዝርከባኦም 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኤሚግሬሽን ሱዳን ተታሒዞም ኣብ ሰዋኪን ኣብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም ናብ ኤርትራ ‘ክጥረዙ’ ስለዝተወሰነሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ፣ እቲ ብ ምትእትታው ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ወሲኑሎም ዘሎ ቤትፍርዲ፣ ነፍሲ ወከፎም 2000 ፓውንድ ሱዳን ክኸፍሉ እንተዘየለ ክልተ ወርሒ ክእሰሩ ‘ውን ኣዚዙዎም ኣሎ።
እተን 9 ደቀንስትዮን እቲ ወዲ 6 ዓመት ቆልዓን ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ እዮም ተተሓዚዞም ዘለዉ።
ኣብ ፖርት ሱዳን ነባሪት ዝኾነት ዓባዩ ነቲ ቆልዓ፣ ‘መጻኢ ኩነታት ናይታ ምስኡ ተኣሲራ ዘላ ኣዲኡ ክሳብ ዝረጋገጽ፣ ምሳይ ክጸንሕ’ ኢላ ንፖሊስ ፖርት ሱዳን ኣጥቢቓ ኳ እንተለመነቶም፣ ሰማዒ ስኢና፣ እቲ ቆልዓ ኣብቲ ዘይጽወር ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ከቢድ ቤትማእሰርቲ ፖርት ሱዳን ምስ ኣዲኡ ይሳቐ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።
እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ፖለቲካዊ ኩነታት ዓቕሎም ኣጻቢቡሎም ብቐይሕ ባሕሪ ሱዳን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ “ብመንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ እንተተመሊስና ዝበኣሰ ግፍዕን ማእሰርትን ክወርደና እዩ” ኢሎም ኣብ ከብዲ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ይርከቡ ኣለዉ።
መንግስቲ ሱዳን ብተደጋጋሚ ግዜ ሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሰ ይፍለጥ።