በዚ መስመር ሞት ዝተሰምየ ሓደገኛ መንገዲ፡ ሱዳን ሊቢያ፣ ሊብያ ኢጣልያ ክሰገሩ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ብዘሰቅቕ ኩነታት ብጃምላ ኣብ ዝሃልቅሉን፡ ደላዪ ሰላም ማሕበረ ሰብ ዓለም ድማ ካብ ሰብኣውነት ተበጊሱ መዕገቲ ክገበረሉ ኣብ ዝምሕጸነሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ስደተኛታት ዛጊት ብዝሓለፈ ከይተማህሩ ብዝዕድል ይቕጽሉ ከም ዘለውን ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም’ቲ ልሙድ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብዝተገበረሎም ምድፍፋእ ተተባቢዖም፡ ውሕስነት ብዘይብለን ዝኣረጋ ጃልቡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ-ጥልያን ንምስጋር ዝተበግሰኡ፡ መብዛሕቲኦም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳን ምዃኖም ዝተነገረሎም ህጻውንትን ኣዴታትን ዝርከብዎም፡፡ ኣስታት 400 ስደተኛታት ንስክላ ብሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከም ዝተረፉ ማዕከናት ዜና ካብ ኢጣልያ ሓቢረን። ኣዛዚ ናይ’ቲ ኣብ ህይወት ኣድሕን ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን፡ እቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ንመንግስቲ ጣልያን ከም ዝተረከቡ ገሊጹ፡ ከምዚ ዓይነት ኣዝዮም ህጻውንትን ብኣካል ዝተዳኸመ ኣዴታትን ዝተጸንበራኦ ስደት ክርኢ ንመጀመርያ ግዜኡ ከም ዝኾነን ኣዝዩ ሰብኣዊ ድንጋጼ ከም ዝተሰመዖ ምግላጹን እቲ ዝተረኽበ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ መሓመድ ኢድሪስ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ፖለቲካዊ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተረኽበ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰት መንግስቲ ህግደፍ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ መሓመድ ኢድሪስ ዝተባህለ ኤርትራዊ፡ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ ዝመጸ ነጻነት ጨውዩ፡ ሕጊ ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት ብምትካል፡ መሰላት ነፊጉ ብቕልጽሙ ይገዝእ ብምህላው ክገድፎ ካብ ዝገበሮ ምኽንያት ምኻኑ ምግላጹን ኣፍሊጣ። እዚ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝራሕረሐ፡ ኣቶ መሓሙድ ኢድሪስ ንኣስታት 35 ዓመት ከም ኣባል ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ከም ዘገልገለ፡ ካብ 1980 ኣትሒዙ ድማ፡ ኣብ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ክሳብ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮይኑ ከም ዝሰርሐን ኣነጺራ ኣላ። ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዘሰጋግራ ጃላቡ ንምዕናው፡ ንካልኣይ ግዜ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ። ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንዘጎዓዕዛ ጀላቡ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከይተበገሳ ንምዕናወን ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ከም ዝሓተተ እንተኾነ ግዳ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህይወት ስደተኛታት ዝልክም’ዩ ብምባል ንካልኣይ ግዜ ከም ዝነጸጎ፡ ራሻን ካልኦት ተሰማዕነት ዘለወን ሃገራትን ብተመሳሳሊ፡ ህይወቶም ከድሕኑ ከርተት ዝብሉ ዘለው መሳኪን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ’ዩ ምባል ከም ዝተቓወማኦን ረዲዮ ኤረና ብ8 ግንቦት 2015 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ኣፍሊጣ። መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ዘካየድዎ ህጹጽ ኣኼባ፣ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ደላሎን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ብዝልዓለ ክህደኑ ኣብ ርእሲ ምስምምዖም፣ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዘገልግላ ጀላቡ፡ ካብ ገምግም ባሕሪ ሊብያ ቅድሚ ምብጋሰን ክዓንዋ ዝብል ሓሳብ ምቕራቦም ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንኸይሰጋገሩ ንምዕጻው ዝዓለም ዘይቅኑዕን ዘይቅቡልን ሓሳብ ክብሉ ኣትሪሮም ይቃወምዎ ከም ዘለውን ኣረዲኣ።
ድ,ሰ,ደ,ኤ, 13-05-2015