እዛ ቅዋምሲ ቀሪባ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ ድዩ? ቀለታ ኪዳነ

ዝዀነት ሃገር ናይ መራሕቲ ወይ ናይ ደገፍቲ መንግስቲ ኣይኰነትን። ናይ ተቓወምቲ መንግስትን ካልኦትን እውን ኣይኰነትን። ሃገር ናይ ኵሉ ናይ ህዝቢ ኢያ። ብርእይቶይ ከኣ ኤርትራ’ውን ሃገር ስለዝኰነት ህዝቢ ብዝደልዮን ዝመርጾን ዝሰማምዓሉን ክትምራሕን ክትካየድን’ዩ ዘለዋ። ብእምነተይ ፕረሲደንት ኢሳያስ እውን ዋላኳ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዘሰክፎን ዘጸግሞን ነገራት እንተሃለዎ ነዚ ብልቡ ከም ዝሰማምዓሉ ግን ርግጸኛ ኢየ። እሞ ኣብ ከመይ ኵነታት ኣሎና? እንታይ እንተገበርናኸ ይሓይሽ? መንግስቲ ኤርትራ ናይ ብሓቂዶ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓድነት ኣኪበን ኣዕጊበን ኣሓጕሰን ነታ ሃገር ከም ሃገር ጠጠው ኣቢለ ህዝበይ ብዝደልዮ እመርሕ ኣሎኹ ብሃላይ ይኸውን? ክንመራመረሉን ክንበጽሖን ስለዝደለኹ ኢዩ። ርእይቶይ እንትትሓቱኒ ግን እቲ መንግስቲ እወ ሓቅኹም ጕድለታት ጥራሕ ዘይኮን ገለ ጌጋታት ፈጺመ’የ ምበለ። ብዙሓት ካብ ደገፍቱ ግን ዋላ ንዕኡ እውን ኣይኰነን ጌጋ የብልካን ጽቡቕ ኣሎኻ ብኸምኡ ጥራሕ ቀጽል ምበሉዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቶም ተቓወምቲ ንበሃልከ (ንነብሰይ ምስኣቶም እንተቘጺረያ) ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ኣነ ካብ ምስኣቶም ዝሰማምዓሉ ምስኣቶም ዝፈላለየሉ ስለዝበዝሕ። እስከ እቲ ናይ ካልእስ ንግደፎ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ብኹሉ ዓይነት ተቓዊምናን ፈኪርናን ነቲ ስርዓት ተጻቢእናን ገለና እውን ምስ ጸላእቲ ከይተረፈ ተዓሲብናን መሳርሒ ኰንናን ንሃገርናን ህዝብናን በዲልና ኢና። ዝገበርናዮ ለውጥን ዘእመናዮ ህዝብን ዘሕደርናሉ ተስፋን ግን ኣሎዶ? ብርእይቶይ እቲ መልሲ ኣይኰነን ኢዩ። ብርግጽ ከኣ ነቲ ህዝቢ ብዝያዳ ፈላሊናዮን ኣጻሊእናዮን ብሃላይ ኢየ። እሞ ኣብ መወዳእታኡኸ መንግስቲ ኤርትራ ኮነ እቶም ደገፍቱ ነዞም በሽሓት ዘይኮነስ ብሚልዮናት ንቝጸር ተቓወምቲ ኮነ ዓገብ ብሃልቲ ወይ ኣረምቲ ንዒቑን ጸማም እዝኒ ሂቡን ንበይኑ ክተኽሎ ዝኽእል ቅሱን ድልዱል ሰላም ዝሰፈኖ ሃገር ክምስርት ይኽእል ድዩ? ብርግጽ ኣይክእልን ኢዩ። ብርእይቶይ ከኣ ዕላማ መንግስቲ ኤርትራን ናይ መጻኢ ራእዩን ምኽንያታቶም ብዘየገድስ ኣነ ባዕለይ ብዝገበርኩዎ ምርምር ብዘይካ ዕዉር እምነት ምህላው ኣይኰነንዶ ደገፍቱ እቶም ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዉ ዝበሃሉ ኣካላቱ እውን ዝፈልጡዎ ኣይመስለንን። ወረ እቲ መንግስትስ ይጋገ ዝሰርሕ ክጋገ ንቡር ኢዩ። እቲ ህዝቢኸ ይሰማዕ ኣይሰማዕ ብፍላይ እቲ ኣብ ነጻ ሃገራት ዘሎ ኣብዚኣ ጽቡቕ ኣሎኻ ኣብዚኣ ግን ትጋገ ኣሎኻ ክብል ዘይክእለሉ ዘሎ ምኽንያት እንታዩ? ናይ ሃገርን ህዝብን ጕድኣትከ ንፍሉያት ሰባት ጥራሕ ዝምልከትን ዝጐድእን ድዩ? ንምንታዩ እዚ ኵሉ ስቕታ? መቸም ብዙሕ ምሕታት ኣብ ገለ ዘይሓሰብካዮ እንድዩ ዘእትወካ ብዛዕባ እዚ ስቕታ ምሁራት ኮነ ክኢላታት ደቂ ሃገር ንኽፈልጥ ንብዙሓት ስለዝሓትት ካብ ሓደ ምሁር ዝረኸብኩዎ መልሲ እዚ ዝኽተል ኢዩ። እዚ ንስኻ ኮነ ገለ ከማኻ ብጽሑፍ ይኹን ብኻልእ ተካይዱዎ ተቓውሞን ጠለብ ፍትሕን ዲሞክራስን ጌጋዩ ኣይብሎን። ንምንታይ ንዓኹም ንባዕልኹም ሕልናዊ ኮነ ሞራላዊ ስምዒት ስለዝፈጥረልኩም። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ኣብ ዓለም ፍትሕን ዲሞክራስን ዝበሃል የልቦን። ከምቲ ኣምሓራ ዝምስሉዎ ‘’ሓይል ካለ ሕግ ምናባቱ’’ ኢዩ። ኣብ ዓለም እቲ ሓይልን ምንጭን ዘለዎ ጥራሕዩ ሓቀኛ። እቲ ንሱ ዝደልዮን ዝሓንጸጾን ጥራሕ ከኣዩ ዝኸውን። ኣብ ዓለም ንሳቶም ከይደለዩዎን ከይፈተዉዎን ዝኸውን ነገራት የልቦን። እቶም ኣንጻሮም ተቓሊስና ምስኣቶም ተሃላሊኽና ስዒርናዮም ኣምበርኪኽናዮም ዝብሉ ከም ብዓል ኤርትራ እንተሰማዕካ ከኣ ኵሉ ብልቦም ዘይኣምኑሉ ብባዶ ሰለስተ ( 03) ዝውሃቦም ስንቂ ሜላን ሓሶትን ኢዩ። ጕዳይ ኤርትራ ከኣ ብንሳቶም ዘይደልዩዎን ዘይተሰማምዑሉን ዝኸይድ ዘሎ ከይመስለካ ሓሶት ኢዩ። ኵሉ ተዋስኦ ኢዩ። ንዓለም እንታይ ሓንጺጾምላ ብኸመይ የካይዱዋ ኣለዉ እንታይ ክገብሩዋ ይደልዩ ኣለዉ ግን ኵሉ ኣብዚ ዘርዚርካ ዝግለጽ ኣይኰነን። ነዚ ክትበጽሖን ክትርድኦን ግን ብዙሕ ዓቕሚ የድሊ። ላዕሊ ብጻሕ ታሕቲ ግን ካብቲ ንሳቶም ዝሓንጸጹዎ ንኽትወጽእ ካብኣቶም ዝሓየልካ ክትከውን ኣሎካ። ንሱ ከኣ ኣይኰነንዶ ንሕና ካልኦት ዓበይትን ሓያላትን ዝመስሉኻ መንግስታት እውን ኣይበጽሑዎን ብማለት ምሁራትን ክኢላታትን ደቂ ሃገር ሃገሮም እናጠፍኤትን ህዝቢ እናሃለቐን ስቕ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ ‘’ምስ ዘይትኽእሎ ቃልሲ መፋሕፋሕ ዝባንካ’’ ኢሎም ስለዝኣመኑ ምዃኖም ኣረጋጊጹለይ። ከምቲ ዝበሎ እቲ ዓቕመይ ውሑድ ስለዝዀነ ግዲ ኰይኑ እቲ ኩሉ ዝበለኒ ሓንቲ ኣይሓዝኩሉን። ኣነ ኣብቲ ናይ ኤርትራውያን ኣትሃላልዋ ጥራሕየ ኣድሂበ። እቶም ደገፍቲ መንግስቲ ነቲ ዝርኤ ጌጋታት ብሕጋውን ብዝስምዑሉን መንገዲ ዓገብ ክብሉ ዘይክእሉሉ ዘለውስ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኵነታትስ ከምቲ ብቓሎም ዝብሉዎ ብሕጊን ትሓታትነትን ዝኸይድ ዋላ ሓንቲ ዝርኤ ዓቢ ጌጋ ዘይብሉ መሪሕነት ወይ መንግስቲ ኣሎና ኢሎም ናይ ብልቢ ስለዝኣምኑ ድዩ? ወይሲ ናይ ልብና ኣብ ልብና ይኹን ብደገ ግን ጸላኢ ከይሕጐስ ብፍላይ ከኣ መፍቶ እቶም ኣገልገልቲ ወያነን ከድዓትን ተቓወምቲ ዝበሃሉ ደቂ ሃገር ከይንኸውን ነቲ ጌጋ ከም ቅኑዕን ሓቅን ንቀበሎ ንመንግስትና ከኣ ጽቡቕ ይግበር ሕማቕ ንደግፎን ነተበብዓዮን ኢሎም ስለዝወሰኑ ኢዩ። እቲ ምኽንያት ናይ ብሓቂ ይገርም ኢዩ። ምኽንያቱ ከም ኣበሃህላን ኣገላልጻን ደገፍቲ መንግስቲ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ኣትሪሩ መኸትኡ ይቕጽል ሃገር ከኣ ምዕባሌኣን ሓይላን እናዓበየ ይከይድ ኣሎ ብሃልቲ ኢዮም። ከም ኣበሃህላ ተቓወምቲ ወይ ኣረምቲ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሎሚ ኣቢሉ ተፈላልዩን ምትእምማን ስኢኑን ተሰዲዱን ጠምዩን ከፊኡዎን ኣይፈልጥን ዝብል እምነት ኣሎ። ከምኡ እንተዀይኑ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ብሓቂ ብርግጽ ተፈላሊና ኣሎና ማለት ኢዩ። እዚ ከኣ እቶም ነቲ መንግስቲ ዘይንድግፍን ጽቡቕ ኣሎኻ ዘይንብልን ከም ኣካል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምኑልና እንተዀይኖም ማለት ኢዩ። እዚ መበልየይ ከኣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘይኣምንን ዘይቅበልን ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ዘይከፍልን ኤርትራዊ ዜጋ ኣይኰነን ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ምህላዎም ስለዝፈልጥን ዝሰምዕን ኢዩ። እዚ ኰይኑ እቲ ግን ህዝቢ ኤርትራ እምበር መንግስቲ ይመጽእ መንግስቲ ከኣ ይኸይድ ኢዩ። ህዝቢ ግን ከም ህዝቢ ክንራኸበሉን ክንረዳድኣሉን ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ብሓደ ክንቅጽለሉን ንኽእል መንገዲ ሃሰስ ክንብል ኣይግብኣናንዶ? ንዅላትና ደቂ ሃገር ዝገድፎ ሕቶ ኢዩ። ንኣንበብትን ተኸታተልትን ክገልጾ ዝደለኹ ምስዚ ዝትሓሓዝ ጕዳይ ግን ሎም ቅነ ኣብ ሓደ ውራይ ትዓዲመስ ብኣካል ዘጋጠመኒ ጕዳይ ንመምሃሪ ክካፍሎ ስለዝደለኹ ኢዩ። ንሱ ከኣ ናይቲ ዘሎ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ብግሉጽ ክንዘራረበሉ ስለዝተራእየኒ ኢዩ። ምኽንያቱ ከም ኣረኣእያ ናይ ገሌና ሃገር ነቲ ብሰንኪ ተጻብኦን ዘይሕጋዊ ማዕቀብን ንምምብርካኻ በቶም ሓያላትን ኣገልገልቶምን ዝግበር ዝነበረ ፈተናታት ኵሉ ፈሽሉ ሎሚ ሃገርናን መንግስትናን ህዝብናን ኣብ ዝኸብረሉን ዝስምዓሉን እዋን ተበጺሑ ኣሎ። እዚ ከኣ ሳላ ሓድነትን መኸተን ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ዘሎ ምትእምማንዩ ክብሉ ከለዉ እቶም ካልኦት ከኣ ሃገርና ከም ሎሚ ኣቢላ ኣይተዳኸመትን። ህዝብና ኣብ ለማናይ ተቐይሩ። ኣብ ዓለም ብስደትን ህልቀትን እንፍለጥ ህዝቢ ኰንና። ህዝብና ምስቲ ካብ ኣብራኹ ዝወጸ መንግስቲ ሕቖን ከብድን ኰይኑ። ኣብ መንጎ ደቂ ሃገር ምትእምማን ምልዛብን ዝበሃል የልቦን። ብልቢ ተፈላሊናን ተረሓሒቕናን ዝብል እምነት’ዩ ዘሎ። ናይ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽባሕ እውን ብኸምዚ ክንዕረን ክንጥርነፍን ክንሰማማዕን ንኽእል ኢና ኢልና ንኣምነሉን ንትስፈወሉን መንገዲ እውን ኣይሓንጸጽናን። መንገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ንጕዓዝ ኣሎና። መንግስቲ ዝመሓደረሉን ዝካየደሉን ህዝቢ ዝፈልጦ ኣገባብ ወይ ቅዋም የልቦን። ሃገር ከኣ ህዝቢ ብዝደልዮን ዝመረጾን ዘይኮነ ውልቀሰብ ብዝደልዮን ዝሓንጸጾን ጥራሕያ ትኸይድ ዘላ። ኣይግበሮ እምበር ገለ እንተዀይኑ ከኣ ኣብ ኵነታት ሶማል ምቕያርና ዘይተርፍ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑን ከይደቀሱ ዝሓድሩን እውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ሓደ ውራይ ትዓዲመስ: ዋላኳ ካብቲ ደስ ኢሉኒ ክካፈሎ ዝኸይድ ዕድመ እንተዘይነበረ ብባህርያተይ ትዓዲመ ክተርፍ ሕልናይ ስለዘይቅበሎ ናይ ግድን ከድኩ። ኣብ ውራይ ኣምሲኻ ተጻዊትካ ትሓጕስካ ክትምለስ እንተዀይኑ ከኣ እቶም ኣብኡ ትረኽቦምን ተዘራርቦምን ሰባት ክትርእዮምን ክትረኽቦምን ምስኦም ከተዕልልን ደስ ዝብሉኻ ሰባት ክዀኑ ምስ ዝኽእሉን ዕላሎም ምስቲ ናትካ ዕላል ዝሰማማዕ ምስ ዝኸውንን ኢዩ። ኣብ ኣገባብን ስነስርዓትን ዝሓዘለ ውራያት ሃገርና ንፉዓት ትዓጣቖ ዘለዎ ዳስ ምስ ዝኸውን ከኣ ኣብ ኮፍ ዘበሉኻ ኢኻ ኮፍ ትብል። ኣብዚ ዝሰማምዑኻ ኮፍ መባህልትን መትዓልልትን ክትረክብ ከኣ ኣብ ርእሲ እቲ ኣመሓደርቲ ዳስ ዝገብሩዎ ናይ ኮፍ መባህልቲ ሚዛን ዕድልካ ትርኢ ማለት ኢዩ። ብዝዀነ ኮፍ መበሊ ተዋሂበ ብዘይካ ሓደ እቶም ካልኦት ምሳይ ኣብታ ጣውላ ዝነበሩ ሰባት ብማዕዶ እንተዘይኰይኑ ብቐረባ ስለዘይፈልጦም ዕላሎም ካብቲ ናተይ ዝተፈልየ ክኸውን ከም ዝኽእል ገምጋም ነሩኒ። ብዘይካ ምሸትካ ዝሃበትካ ምቕባል ግን ካልእ ምርጫ ኣይነበረንን። መቸም ማንም ሰብ ከም ዘይስሕቶ ኤርትራውያን ብዘይካ ፖለቲካን ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ካልእ ዕላል የብልናን። ስለምንታዩ? ምኽንያቱ ዘረጋግጸልካን ዘእምነካን ሰብ የልቦን። ብፍላይ ከኣ እዋን ምርጫ መራሕቲ ሃገር ስለዝነበረ ኣብቲ እዋን እቲ ከነዕልሎን ክንዘራረበሉን ዝግብኣና ናይቲ ንነብረሉ ዘሎና ሃገር ብዙሕ ዕላል ነሩ ኢዩ። ኣይገበርናዮን። ዕላልና ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ከኣ ብብቕሩብ ተጀመረ። ሓደ ካብቶም ምሳና ዝነበሩ ንሓደ ካልእ ብቐዳማይ ድኣ ኣብቲ ኣኼባ ኣይርኣኹኻን ድሓን ዲኻ? በሎ። እቲ ካልእ ከኣ እወ ንዓዲ ከይደ ነረ። በጃኻ ኢለካ ኣነ እዚ ቍሪ ናይዚ ሃገር’ዚ ኣይፈትዎን ኢየ። ኣብ ዓዓመት ዛሕሊ ኣብ ዝመጸሉ ከኣ ንዓዲ ኢየ ዝኸይድ። በጃኻ ዓድና ጥዑምዩ። ቍሩብ ገንዘብ ሒዝካ እንተኼድካ ትሓጕስካን ተደሲትካን ኢኻ ትምለስ ዓዲ ብጣዕሚ ጽቡቕ ትኸይድ ኣላ። መኒኻ ዝብለካ የለ ትፈርሓሉን ትስከፈሉን ነገራት የልቦ ምስተን ካልኦት ጐረባብትና ዘለዋ ሃገራት ርኢኻ እቲ ናይ ሃገርና ኵነታት ዝምስገን ኢዩ በለ ንዓይ እናጠመተ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ሓደ ካብቶም ምሳና ዝነበሩ ፍሉጥ ባንዴራኡ ዝሰቐለ ተቓዋሚ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ዘይጽቡቕ ዝብሎ ኵነታት ዝጸልእን ዓገብ ህዝብና ሕማቕ ኣሎ ዝብልን ንመንግስቲ ዝወቅስን ዘማርርን ኢዩ። ንዓዲ ከም ዝመላለስ ስለዝፈልጡዎን ድሕሪ ባይታኡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ድልዱል ንብረት ዘለዎን ገለ ዝውንንን ብምዃኑ ከኣ ካብ ኣነ ክዛረብ ንሱ ዝያዳ ክስማዕን ክእመንን ከም ዝኽእል ዝጠራጠረሉ ኣይነበረን። ድሓን ይእቶ ከኣ ንዓይ ከይተጸበየ በል እስከ ንገረና ኣብ ዓድና ሎምስ እንታዩ ጽቡቕ ዘሎ? ሰብ ድዩ ብሕግን ብቕዋምን ዝካየድ ዘሎ፡ ስደት ድዩ ኣቋሪጹ? መንእሰያት ድዮም ቀሲኖም ዝነብሩ ዘለዉ? ስራሕ ድዩ ዘሎ? ንግዲ ድዩ ዘሎ? መብራህቲ ድዩ ከም ድላይካ ዘሎ? ማይ ድዩ ከም ድላይካ ዝርከብ? ትራንስፖት ድዩ ከም ድላይካ ዘሎ? ንስኻ ንባዕልኻ ካብዚኣ ዝኣኻኸብካየን ገንዘብ ሒዝካ ብምኻድ ኣብቲ ዓዲ ፈንጣሕጣሕ ኢልካ ናይ ዝመጻእካስ ህዝቢ ጽቡቕ ኣሎ ክትብል? ንምዃኑ ኣብ ሃገረሰባት በጺሕካዶ? መንእሰያት ዝበሃሉኸ ርኢኻዶ? ንምንታይ ኢና ነብስና ከነታልል ንርከብ? ንሕና ኤረትራውያን ከኣ ንኹሉ ከም ዘለዎ ንጽቡቕ ጽቡቕ ንሕማቕ ከኣ ሕማቕ ክንብል እንተዘይክኢልና ኣብ ዝገደደ ኢና ክንወድቕ። በጃኻ ዕላል ቀይር ክብል ገንሖ። ድሒረ እቲ ሰብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኵነታት ስለዘይቀደዎ ኣብ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣሉታዊ ዘረባ ከዕዘምዝም ጂሚሩ ከም ዘሎ ድሒረ ሰሚዔ። ቀደም ግን ካብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንላዕሊ ሻዕብያ ዝነበረ ሰብዩ ነሩ። ሓደ ካልእ ትቕብል ኣቢሉ ግን እወ ሓቁ ምስቲ ኵሉ ተጻብኦታት ኣሜሪካን ወያነን እገዳን ሳላ ጽንዓት መንግስትናን ተወፋይነትን መኸተ ህዝብናን ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱን መኸተኡን ኣትሪሩ ኣብ ዓወት ኣብ ንጐናጸፈሉ በጺሕና ኣሎና። እታ ረሲዓትናን ንዒቓትናን ዝነበረት ዓለም ከኣ ተገዲዳ ኣባና ገጻ ኣብ ትመልሰሉን ምሳና ኣብ ምምስሳል ትጅምረሉን እዋን እውን ንርእን ንዕዘብን ኣሎና። እምበርዶ ኵነታት ዓለምን ሃገርናን ትከታተል ኢኻ? ክብል ነቲ ቀዳማይ ደገፉ ገለጸ። ሓደ ካልእ ከኣ ኣስከ ካልእ ኵሉ ግደፉዎ እንታይ ኣሎ ሓድሽ ኵነታት? ኣነ ኣብ መገሻየ ቀንየ ዝዀነ ሓበሬታ ከኣ የብለይን። እዛ ቅዋምሲ ቀሪባ ዝብሃል ዘሎ ሓቂ ድዩ? እቲ ሰብኣይ ጽባሕ ኣብዛ ብዓል ናጽነት ክትክሳ’ዩ ዝበሃል ዘሎስ ከመይ ትርእዩዎ? እዚ ኣብ ኣሜሪካ ተጀሚሩ ዝበሃል ዘሎ ምስ ጸረ ወያነ ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ሓቢርካ ምስራሕን ምቅርራብንከ ካብኡ እንታይ ንረብሕ? እዚ የመንዶ ውግእዶ ዝበሃልከ እንታዩ? ኣስከ ሓድሽ ዕላል ኣዕልሉና በለ። ሰብኣይ ዝብሎ ዘሎ ግን ብዘይካኡ ካልእ ሰብኣይ ስለዘየልቦ ኣይስሕትዎን ኢዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ’ዩ ዝመስል። መን ሰብኣይ? ኢሉ ዝሓተተ ኣይነበረናን። ሎሚ ብዘይካኡ ካልእ ሰብኣይ ስለዘይብልና። ዕላል እናቐጸለ ብዙሕ ሰጐመ። ዳርጋ ኵሎም ከኣ ንምንታይ ኣብቲ ዕላል ክሕወስ ከም ዘይደለኹ ከበዶም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ግን ኣነ ክሰምዕ እምበር ኣብ ዘይዕወተሉን ዘይስምዓሉን ክዛረብ ባህርያተይ ኣይኰነን። ክሓትትን ክምሃርን ክመዝንን ከኣ እመርጽ። ንዘየዓውተኒ ስራሕ ወይ ዕላማ ከይብሉኒ ኢለ ግዜይን ጕልበተይን ግን ኣየጥፍእን’የ። ኣብ መወዳእታ እንታይ ድኣ እዚ ዕላልናዶ ደስ ኣይበለካን ኢዩ? ገለ ዘይትብል በሉኒ። ኣነ ብወገነይ ከኣ ኣይፋልን ጽቡቕ ዕላልዩ። የግዳስ ኣነ ንዓዲ ስለዘይመላለስን እቲ ትብሉዎ ዘሎኹም ባዕለይ ስለዘይርኣኹዎን ዘየረጋግጾን ብዛዕባኡ ክዛረብሲ ቅኑዕ ኰይኑ ኣይረኸብኩዎን ብማለት እንኮላይ ከሓጕሶም ዝኽእል ፍሽኽታን ትሕትናን ብምሕዋስ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝዀነ ርእይቶ ብዓቕመይ ፈይ ኣበልኩሎም። ዕላልና ቀጸለ። ድሒሩ ከኣ ኣነ ድኣየ ብዛዕባኦም ኣጸቢቐ ዘይፈልጥ እምበር ንሳቶምሲ ለከ ብዛዕባይ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ከም ዝነበሩ ኣብ ዝቕጸለ ዕላልና ኣረጋጊጾምለይ። ንሕና ድኣ ምሳና ኮፍ ምስ ኣበሎኻ ናይ ብሓቂ ሓሪቕና እንዲና ነርና። ኣንታ እንታይ ኣምጺኦምልና ኢልና ገዲፍናካ ክንትንስ እሞ ካልእ ኮፍ መበሊ ክንደሊ ኣይምጸላእናን። ብማለት ከኣ ኣቀራርባይ ኮነ ትዕግስተይ ከም ዝፈተዉዎን እተን ዓቂነን መሪጸን ዝዛረበን ዝነበርኩ ቃላት እውን ኣዝዮም ከም ዝተቐበሉወን በሪሁለይ። ብኣካል ዝረኸቡዎን እቲ ብወረ ዝፈልጡዎ ኣነን ተፈላሊናዮም። ክንፋላለ ከሎና እሞ ከኣ ስልክን ኢመይልን ከይተረፈ ኢና ተቐያይርና። ሎሚ ኣምላኽ ድኣ ይቐይረልና እምበር ካብ ብኣካል ዝፈልጡኻ ዘይትፈልጦምን ዘይፈልጡኻን ናይ ማዕዶ ጸላእቲኻ’ዮም ዝበዝሑ። ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *