ንምፍሳስ ደም/ንጎነጽ ዝጽውዕ ሃይማኖት የለን

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ሽበራ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ኣብ ዝተፈላለየ እምነት ዝኣምን ህዝቢ ክረኤ ዝጸንሔ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ መንነት ዘይብሉ ኣብ ፍትሒ ዝጎድሎ ባይታ ዝበቁል ሓንሳእ ብስሰዔ (ምግባት) ሓንሳእ ብተስፋ ምቁራጽ ዝተባባዕ፤ ብውልቀ-ሰባት፡ ብእኩባት፡ ብመንግስታት ክፍጸም ዝኽእል ተርእዮ እዩ። ብውሑዱ ነቲ ዝደሓረ ዳርጋ መብዛሕቲኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምነሉ ክልተ ሃይማኖት ማለት ክርስትናን እስልምናን እንተሪኢና ዋላ ሓደ ካብኦም ንጎነጽን ደም ምፍሳስን ከም ዘይጽውዕ ርግጸኛ`የ። ጎነጽ ኣብ ሃይማኖት ዘይኮነ ኣብ ነፍሲ ደቂ ሰብ ዘሎ ጸገም`ዩ።ኣቦና ኣደም ዝወለዶም ቃቢልን ሃቢልን፤ ሃቢል ንሓዉ ወስ ክብል ዘይደሊ ቃቢል ግና ንሓዉ ምቅታሉ ነበሃህላይ ዘረጋግጽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ደቂ-ሰብ ፍጥር ክንብል መንገዲ እከይ ወይ መንገዲ ሰናይ መሪጽና ክንጓዓዝ ዝተዓደልና ዓይነት ፍጡራት ምዃና ዘርኢ`ዩ። ንእከይ ተግባር ሃይማኖታዊ፡ መበቆላዊ፡ ቆርበታዊ፡ ቦታዊ፡ መንነት ከም ዘይብሉ ሓባሪ ንጽበ እንተኾና ንባዕልና ጸገም ኢና። ክርስትና ኣብ ፍሉይ ዘመን ኣንጻሩ ወፍሪ ከም ዝተኻየደን ቤተ ክርስትያን ተራኣ ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ከምዝተደረተን መብዛሕትና ንፈልጦ ክኸውን ይኽእል፡ ነቲ ብገለ መራሕቲ ሃይማኖት ዝረኤ ዝነበረ ጌጋታት ብምምዝማዝ ዝተንቀሳቀሰ ሸነኽ ንጽገና ዘይኮነ ብመሰረቱ ንሃይማኖታዊ ተራ ኣብ ሂወት ደቂ ሰብ ንኸይህልው ዝዓለመ ዘይኣማኒ`ዩ ነይሩ። ብዛዕባ`ዚ ጥልቅ ኢሉ ክርእይ ንዝደሊ ብዙሕ ምንጭታት ኣሎ፤ኣብ ጉዳየይ ግና ኣብዚ ዘመና ክርስትና ብሽበራን ቅዝፈትን ክሱስ ስለ ዘየለ፤ንሰላም ዝጽውዕ ሃይማኖት ምዃኑ ዘረጋግጽ ምጥባቅ ካባይ ይኹን ካልእ ዘድልዮ ኣይኮነን ። ንእስልምና ብዝምልከት ግና፡ እስልምና ከም ጠንቂ ናይ ኩሉ ዓይነት ሽበራ ጌርካ ምቅራብ፤ “ሓሶት`ሲ እንተተደጋገመ …….. ” ዘብል ኮይኑ ንሃንደስቱ ኪኖ`ዚ ወፍሪ ዝረኣዮም ናይ ቀረባን ርሑቅን መኽሰባት ኣሎ። …………. እዚ ኣበሃህላ`ዚ እውን ብዙሕ ከይጎተና ምእንቲ ክሳድ ንሓዝ። ምስቲ ሃይማኖት ንላሌ ዝኾነ ኣማኒኡ`የ ዝብል ከኣ ብኡኡ ይታዓቀን። ኣብቲ ጎይታ ባዕለየ ሓላዊኡ ዝበሎ፤ ከምቲ ዝሓለፈ መጻሕፍቱ ኢድ ሰብ ከምዘይሕወሶ ዘረጋገጸሉ፤ብዙሓት ክቀያይርዎ ፈቲኖም ዝፈሸሉሉ፤ ኣመንቱ ተፈላልዮም ከብቅዑ ይትረፍ ሓንቲ ቃል ሓንቲ ፊደል ክቅይርሉ ዘይከኣሉ ቁርኣን ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡- – ”ንሓንቲ ነፍሲ/ሂወት ዘድሓነ ክንዲ ሂወት ኩሉ ፍጡር ዘድሓነ`ዩ።ንሓንቲ ነፍሲ/ሂወት ዝቀዘፈ ኸኣ ንሂወት ኩሉ ፍጡር ከም ዝቀዘፈ`ዩ“ ካብዚ ዝበርህ ንኽብሪ ሂወት ደቂ ሰብ ዘሪኢ መምርሒ ዘሎ ኣይመስለንን። ከምኡ ኸኣ ገለ ካብቲ ነቢ መሓመድ ንስዓብቶም ዘመሓላልፉዎ ዝነበሩ መልእኽታት ንርኤ፡- – ንጽሙእ እንስሳ ኣርዊኻ ኣብ ገነት ከም ትሰፍር፤ ኣጥሚኻን ኣሳቂኻን ከኣ ገነት ከም ዝንፈገካ – ብሓዊ ዝቀጽዕ ፈጣሪ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ግደፍ ንሰብ ንዝኾነ ትንፋስ ዘለዎ ፍጡር ብሓዊ ዘይምንዳድ። ( ነቶም ንቦታ ጻጼ ሓዊ ክርኩዑ ዝረኣይዎም ሰባት ዝሃብዎ መግናሕቲ) – ሰብ ብድቁሱ ውግእ ዘይምኽፋት፤ ኣብ ግዜ ውግእ ቆልዓ ሰበይቲ ሽማግሌ ዘይምህሳይ፤ ኣግራብ ዘይምብራስ፤ ዘራእቲ ዘይምንዳድ ባሕተዎት ዘይምብስባስ፡ (ንዘይተዋጋኢ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዘይምህሳይ) – ጎረቤትካ ኣስላማይ ይኹን ኣይኹን ዋላ እንተበደለካ ክትጻወሮ፤ ምስ ዝገይሽ ንብረቱን ክብሩን ቤተሰቡን ክትሕልወሉ ግቡእ ምዃኑ …… ወዘተ ዝብል`ዩ ነይሩ። ስለዚ ንእስልምና ከም መንጠልጠሊ ናይ ካልእ ጌጋታት ምጥቃም፡ ንኽንርእዮ ዝግባእ ሕማማት ከም ዘይንርእይን ፈውሲ ከምዘይንናድየሉን ክገብረና ስለ ዝኽእል ምስትውዓል ኣገዳሲ`ዩ። ተርእዮ ሽበራ ሕማም ሰለ ዝኾነ ከም ኩሉ ዓይነት ሕማም መጠን ጠንቁ ክፍለጥ ክምርመር ክፍወስ ዘለዎ`ዩ። ጉዳይ ዜና ኮይኑ ክሓልፍ ዘለዎ ኣይኮነን። AAHafiz (185)11/05/15

Gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *