isis ዝተጨወዩ 80 ሰባት። ካብዚኦም 8 እትዮጵያውያን 62 ድማ ኤርትራውያን። ካብዞም 80 ሰባት 8 እትዮጵያውያን ሓዊስካ 47 ተቀቲሎም። ዝተረፉ ደቂ ኣንስትዮን ምስልምና እምነት ክቕበሉም ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ትሕቲ ዕድመን መስሊም ምካኖም ዝኣመኑ ድማ 33። ካብዚኦም ደሃየን ዘይተፈልጠ 10 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ ኣምሊጦም ዝሃደሙ ትሕቲ ዕድመ 5። ዝተረፉ? ኣይተፈልጠን። ነዚ መጭወይትን ናይዚ ሰይጣናዊ ጉጅለ ምንቅስቃስ ኣብ ልብያ ድሕሪ ምምዛን ድሕሪ ምሕራድ ግብጻውያን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በዚ ጉጅለ ተጨውዮም ከምዘለዉ ኣብ ወርሒ ክልተ ቅድሚ 2 ወርሒ ብዝረኸብኩዎ ሓበሬታ መሰረት ኣብ facebook ስጋኣተይ ገልጸ ነይረ። ነዚ ናይ ወርሒ 2 post ዝገበርኩዎ ጽሑፋት ምውካስ ይካኣል። ብዙሕ ዘለፋን ጸርፍን ዘፈንፍኑ ቃላት እንበር ነዚ ሓበሬታ ተገዲሱ ናብ ወገናቱ ብዘካ ውሑዳት ዘመሓላልፍ ኣይነበረን።
ብመሰረት ኣገላልጻ እዚ መከረኛ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራዊ ናኦል ጎይትኦም ዝተጨወይሉ ዕለት 4/ ክኸውን ከሎ እዞም ግዳያት ድማ ዕለት 7 ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ተሓሪዶም። ካብዞም ዝሓርዱ ኤርትራውያን ከምዘለዉን ብኤርትራዊ ቃንቃ ከምዘዛረብዎም ድማ ይገልጽ።
እቲ ዝገርም ዝበዝሕ ጠበቓን መንግስትን ዘይብሉ ኤርትራዊ ተሓሪዱ ክንሱ ኣብ ናይ ትማሊ ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ህግደፍ ጭራሽ ኢትዮጵያውያን እዮም ኢሉ ብምኽሓድ መጻወቲ ሑሱር ፖለትክኡ ንምግባር ሕነ ናይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝገበረቶ ኢድ ምትእትታው 28 ኢትዮጵያን ተቀቲሎም ብምባል ንህዝቢ ብደም ደቁ ከባጭወሉ ተዓዚብና። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ኢትዮጵያውያን ምኻኖም ኣረጋጊጸ ምባሉ ከመይ ዝብል ሕቶ ከልዕል ቀሲቡኒ።
በዚ ኮይኑ በዚ 39 ዝተሓርደ ዝበዝሕ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓለን ኤርትራዊ እዩ። 8 ድማ ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን። ፍታሕ ሓበራዊ ተበግሶ ክሳብ ዝኾነ ነዚ ክሳብ ዘይነቀልና ምሕራድናን ምጽናትናን ቀጻሊ እዩ። እቲ ዝገርም ኣብዚ ሳልስቲ ጥራሕ ካብ ሱዳን ናብ ልብያ ዝጋዓዝ ዘሎ ኤርትራዊ ብቕጽሪ ካብ ናይ ውርሒ ጥርን ለካቲትን ዝተዓጻጸፈ ምኻኑ እዩ። ISIS ብኤርትራውያን እንዳ ተመርሑ ክሳድ ኣሕዋቶም ክቀርጹ ድማ ምቹእ ግዜ ፈጢርሎም ኣሎ። ግን ከመይ ኢና ንከውን ዘለና። ንምኻኑ እዞም ኤርትራውያን ንባሃልሲ ዝሓስብ ዓይነ ልቦና ኣለና ዶ?
ፈጣሪ ኤርትራ ህዝባን ሓደራ
