ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ደርቂ ንምውጻእ ምርብራብ መባእታዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት’ዩ።

ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ደርቂ ንምውጻእ ምርብራብ መባእታዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት’ዩ። ብዓይኒ ፖለቲካዊ ደሞክራስን ፖለቲካዊ ምሕደራን ቅድም ቀዳድም ኣመት ውሽጣዊ ኩነታቱ ዘይገብር፡ ገዝኡ እናነደደ ታሪኹ እናሃሰሰ፡ ባህሉ እናተበረዘ፡ ጽቡቕ ኣለኹ ዝብል ሰብ ወይ ገለ ክፋል ካብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምልኣት ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝጎደሎ ንምዃኑ ንምግማት ኣየጸገምን። ሎሚ ከመይ ይነብር ይነባበር ኣለኹ ምሕሳብ ገዲፉ፡ ብትማሊ ከም’ዚ ነበርና ገበርና ጥራሕ ዝዓግብ፡ ብዝጭበጥ ነገር ዘይኮነ፡ ኣብ ናይ ቃላት መብጸዓ ምሉእ እምነት ዘሕድር፡ ብስምዒት ዝምራሕ ምስ ዝኸውን ኣብ ገዛእ ነብሱ ግጉይ ሚዛን ዘለዎ፡ ዝኾነ ይኹን መጻኢ ራእን ውሕስነትን ዘይብሉ’ዩ። ስለዚ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ዘይብሱል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ወይ ክፋል ሕብረተ-ሰብ፡ ሰላም እንተሰኣነ፣ ደሞክራስያዊ መሰላት እንተተነፍገ፣ እንተ ጠመየ እንተዓረቐ፡ እንተሓመመ፡ ቅድሚ ንካልኦት ምውቃሱ መጀመርያ ነብሱ’ዩ ክወቅስ ዘለዎ። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ጸገሙ እንተወሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣሉታዊ ግደ ስለ ዘለዎ። ብናይ ኣተሓሳስባ ደርቂ ተጠቒዑ ኣንጻር ክብሩን መሰሉ ተሰሊፉ፡ ንጸላኣቱ ፈተውቱ፡ ንፈተውቱ ድማ ጸላእቱ ሰሪዑ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምሕረት ደመኛታት ጸላእቱ ስለ ዝረዓመ፡ ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣበይ’ዩ ቦታይ፡ ኣበይ’ዩ ረብሓይ ኢሉ ንካልእ ዘይኮነ ንነብሱ ክሓታ ኣለዎ። ካብ 1961-1991 ን30 ዓመታት ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብተግባር ኣብ’ቲ ዓውደ ቃልሲ ዝተሳተፉ ይኹኑ ዘይተሳተፉ ኤርትራውያን ብሓሳብ ደረጃ መን’ዩ ጸላኢ መን’ከ ፈታዊ፡ እንታይ ዓይነት ህይወት የሕልፉ ኣለው መን’ዩ ጠንቂ? ኣብ ምፍላይ ምልላይ ጸገም ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። እዚ ልክዑ ናይ ዝፈልጥ ሰብ ወይ ሰባት ምዕቡል ኣተሓሳስባ’ዩ። ካብ 1991 ንነጀው ኣብ ዘሎ ኣስታት ርብዒ ዘመን ዘቑጸረ ኣገዛዝኣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ እቲ ኩነታት ተቐያይሩ። ኣብ ገለ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ብነጻነትን መግዛእትን ተቐቢሩ ዝነበረ ሓያል ናይ ኣተሓሳስባ ደርቅን ድኽነትን ከምዘሎ ተጋሂዱ። ናይ ተፈጥሮ ሰባት ምዃኖም፡ ዝሓስብ ኣእምሮ ከም ዘለዎም፡ ኤርትራ ናቶም ምዃና፡ ኣብ ከመይነት ምሕደራኣ ማዕረ እቲ ካልእ ናይ ምውሳእ መሰልን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ዘይርድኡ፡ ኣብ ነብሶም ዘይተኣማመኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ዘይኮነ፡ ድሕነት ቀጻልነቶም ኣብ ምሉእ ምሕረት ውልቀ ሰባት ዘሕደሩ፡ ንነብሶም ንባርነት ዝቐረቡ ኣገልገልቲ ምልኪ ምህላዎም ተረጋጊጹ። እዞም ወገናት ምስ ዘይመኻይዶም ይኸዱ ከምዘለው፡ ጸላኢኦም ይረርው ይሕብሕቡ ከምዘለው ዝተረድኡ ወገናት ንምሓጋዞም ጽዒሮም’ዮም። ከም’ቲ ሕማሙ ዘይቅበል ሕሙም ተገዲስካ ክትሕግዞ ክተሕክሞ እንተደለኻ’ውን ዘይቅበል፡ እዞም ንገዛእ ርእሶም ንቑሓት ዝመስሎም ግን ከኣ ብናይ 2 ኣተሓሳስባ ደርቂ ዝተጠቕዑ ወገናት፡ ንዝወሃቦም ኣስተምህሮ ምኽሪ ክቕበልዎ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ክኒዮ ሓሳብ ብተግባር ፖለቲካ ኤርትራ ብዘቤታዊ ጸገም ከም ዝተሓመሰ እናረኣዩ፡ ኣይፋል ጽቡቕ ኣለና ሃገር ትምዕብል ኣለና፡ ሕማቕ ኣለና ዝብሉ ኩሎም ጸላእትን ተጻባእትን’ዮም። ዕድመ ንመንግስትናን መራሒናን ክብሉ ይስምዑ። ኣብ ጎኒ ህዝብን ፍትሕን ኣይንስለፍን፡ እምነትና፡ መሰልና፡ ረብሓናስ ምስ’ቲ ኣንጊህና ዘምለኽናዮ ጎይታና ደኣ ኣብ ዝብል ተለጢፎም ክኸዱ ይረኣዩ። ኣብ ክንዲ ሰብ ዘኽብሩ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ዘፍቅሩ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ልዕና ግዝኣተ ሕጊ ዝኣምኑ፡ ንሰላም ንደሞክራስን ንልምዓት ደው ዝብሉ፡ እቶም ገለ ብቕሉዕ ንሕና ንመንግስትና መንግስትና ንዓና ይጭርሑ። እቶም ገለ ከኣ፡ ፈጺሙ ዘይተኣሳሰር ጉዳይ ንቕድሚት እናምጽኡ፡ ኣነ’ኮ ሃገረይ ኣይጸላእኩን። እቲ ጸገም’ኮ ኢሳያስ ‘ምበር መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ እዛ ሃገር ብርእሰ ሓያላን ከይተረፈ ተጠማቲት’ያ። ብጸላእቲ ዝተኸበበት’ያ። መሬትና ብጸላኢ ተታሒዙ እናሃለወ መንግስቲ ሰላም ዘይስፈነ፣ ዘየልምዐ፣ ምርጫ ዘየካየደ ዝብል ክሲ መሰረት ዘይብሉ’ዩ። ጠንቂ ስደትን ሓደጋታቱን ናይ’ቶም ዝስደዱ ዘለው ሰባት ደኣምበር ናይ መንግስቲ ጸገም ኣይኮነን። እቶም ዝስደዱ ከደዓት’ዮም። ኣብ ጉዕዞኦም ሓደጋታት እንተጋጠሞም ባዕሎም ብጽጋቦም ዝኸድዎ ደኣምበር ንሱ ኣይመጸኦምን። እንቋዕ ድማ ሓደጋ ኣጋጠሞም እናበሉ፡ ብሞትን ስቓይን ኤርትራውያን ዝተሰመዖም ሓጎስን ነቲ ብፋቓዶም ኣብ ስልጣን ዘየደየብዎ ጉጅላዊ ስርዓት ዘለዎም ተኣማንነት ብኹርዓት ክገልጹ ይስምዑ። ንዘይመረጾ መንግስቲ መንግስተይ ኢሉ ዝቕበል፡ ኣብ ክንዲ ሕግና እንታይ ይብል፡ መራሕትና እንታይ በሉ መምርሒኡ ዝገበረ፡ ዘዕበዮ ሰብኣዊ ሓልዮትን ኣኽብሮትን ደርቢዩ ብጭካኔ ዝተከኣ፡ ኣብ ዝባን ሬሳ ተሓንበለ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ክኒዮ’ቲ ወግዓዊ ጸላኢ፡ ጸላኢ’ዩ። ጸላኢ ገዛእ ርእሱ። ስለዚ ነቲ ወግዓዊ ጸላኢ ህግደፍ ተቓሊስና ክንስዕር፡ መጀመርያ ኣብ ርእስና ተቐሪጹ ዘሎ ድሑር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ንስዓር። ቅድሚ ኤርትራዊ መንነት ሰብኣዊ መንነት ነቐድም። ናይ ገዛእ ርእስና ራኢ፡ ፖለቲካዊ መንነት ይሃልወና። ሰብኣዊ ክብርና ኣዋሪድና፡ ፖለቲካዊ መንነትና ኣጥፊእና፡ ኣብ ናይ ካልኦት ራእን መንነት ኣንጉዕ ኮይና ካብ ምግልጋል ንገላገል። ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት፡ ብኣካል ዘይረአ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪብካ ዘይኽሰስ፡ ብምርምራ ዘይርከብ ዘይፍወስ፡ እቲ ዝኸፍአ ጸላኢ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ደርቅን ድኽነትን ሎሚ ኣንጉዕ መላኺ መንግስቲ ህግደፍ’ዩ። እቲ ዝተረረ ዕርዲ’ዩ። እዞም ኣብ ዝባን ሬሳ ዝስዕስዑ ዘለው፣ እዘን ኢድ ኢሳያስ ዝስዕማ፣ እዞም ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ መንእሰያት ህግደፍ ዝበሃሉ፡ በዓል ህግደፋዊት ሃማደኤ፡ ሃኮሰኤ፣ ሃማመተኤ፣ ልዑላዊ መሬት ቅድሚ ኩሉ ዝጭርሑ፡ መሰልን ክብረትን ልዑላዊ ህዝቢ 3 ዘየገድሶም ውልቀ ሰባትን ገለ ክፋል ካብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራን ፈትዮም ዘይኮኑ ሕማም ነብሶም’ዩ ዝጻወተሎም ዘሎ። ናይ ኣገልጋልነት ባርነት ፋሽሽታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ርእሶም ስለ ዝተቐርጸ’ዩ። ነብሰ ምትእምማን ዘይብሎም ምእዙዛት ምልኪ ስለዝኾኑ’ዮም። ስለዚ እዞም ኣምለኽቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ድዮም ገለ ክፋል ካብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ መጀመርያ ባዕሎም ካብ ዘተኣታተውዎ ናይ ኣተሓሳስባ ደርቂ ንምውጻእ ክረባረቡ ይግባእ። እምቢ እንተደኣ ኢሎም በቲ ዝኸድዎ ዘለው እንተቐጺሎም ከኣ፡ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ብሕጊ፡ ብሕልናን ብታሪኽን ተሓታቲ ምዃኖም ብዝግባእ ክንገሮም ኣለዎ። ድ,ሰ,ደ,ኤ, 01-05-2015

http://www.gereger.com/

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *