አብ‘ዚ ለንቅነ ሓያለ ቤተሰባት አብ ኤርትራ አብ ማዕከላይ ባሕሪ ብዘጋጠም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋታትን፤ ብአሸበርቲ ጉጅለታት ብዘጋጠመ ቅጥለት ንጽሃት፤ ከምኡ ድማ ሃለዋት ደቆም ዝጠፍኦም ቤተሰባት፤ አብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኤርትራ ምርድእ ብዙሓት ቤተሰባት ይኩሕኩሓ አብ ዘለዋሉ ህሞት ንርከብ። አብዚ ለንቅነ አብ ገለ ዓድታት አብ ከበሳታት ኤርትራ አብ ንኣሽቱ ዓድታት ካብ 4-5 ቤተሰባት አብ ማዕከላይ ባሕሪ ብዘጋጠም ይርድኣ አለዋ። እዚ ናይ‘ዚ ህልቂት ብቐንዱ ተሓታቲ ዝኸነ ስርዓት ህግደፍ፤ ነዚ ጉዳይ ርእዩ ከምዘይርኣየ፤ ነቲ ህልቂት ንክኽጽል የበረታትዕ አሎ። ሬሳታት ኤርትራውያን አብ ፈቐዶ ሃገራት ተበቲኑ፤ ስደት ከም መፍትሕ ተወሲዱ፤ እቲ ስርዓትውን ክብድህዎ ዝኽእሊ ዝብሎም መንእሰያት ሃገር ገዲፎምሉ ምኻዶም ከም ዓብይ ሮፍታ ሓሲብዎ፤ ሕሰምን ሞትን መጸውዕን መለለይ ሃገረ ኤርትራ ጊርዎ አሎ። ብኣንጻሩ አብ ኤርትራ አብ ኩለን ዞባታት አብዚ ለንቅነ ንብዓል ናጽነት ደወሃህዳ ኮሜቴታት ቁይመን ንጓይላ ይሸባሸባ አለዋ። እቶም አብ ሬሳ የሕዋቶም ዝድብሉ ወልፈኛታትውን ንዕዘበሉ ግዜውን ይቐርብ አሎ።
እዚ ህልቂት ኤርትራውያን ንሙሉእ ዓለም አሰንቢዱ፤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም እንታይ ክግበር አለዎ ኢሎም አብ ድዝትይሉ ዘለው እዋን፤ መራሕ ህግደፍ ምልካዊ መራሒ ኢሳያስ ብዛዕባ አብ የመን ዘሎ ግርጭት ንኽዘራረብ ሎሚ ናብ ሱዕድያ ከይዱ። ዝገርም ኢዩ። እዚ ካብ ዓለም ካብ ዝንጸል ዓመታት ዘቑጸረ መራሒ ህግደፍ፤ አብ ገዛእ ሃገሩ ዜጋታቱ እናራሕርሕዎ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለው ግዜ፤ ንሱውን ንኤርትራ አብ ኩናት ሕድሕድን ወይውን ድክመቲ ሃገር ብምፍጣር ንግብረ ሽበራ ዝተቓልዓት ሃገረ ከይትኸውን፤ ስግኣት ናይ ዞባዊ ጸጥታ ክኽውን ይኽእል ኢዩ ኢላ ዓለም አብ ትሰግኣሉ ዘላ እዋን፤ ዓብይ ሰብ ንኽመስል ብዛዕና አብ የመን ዘሎ ዘይምርግጋእን ውግእን ንኽዘራረብ ንሱዕድያ ምኻዱ ንብዙሓት ዘገርም ጉዳይ ኢዩ።
ኤርትራውያን ብኣማኢት ንምዓልቲ አብ ዝሃልቅሉ ዘለው ኩነታት፤ነዚ ፍጻመውን ናብ ንግዲ ክቕይሮ ካብ ሕብረት አውሮፓ ገንዘብ ሃቡና ሃገራዊ አገልግሎት ናብ18 ወርሒ ክንቅይሮ ኢና፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ከምዝንኪ ክንገብር ኢና ዝብል ናይ ሓሶት መብጽዓታት ዝሓዘ ፍሹል ዲፕሎማሲያዊ ወፈራ የካይድ አሎ። ስርዓት ህግደፍ ኩል ግዜ ካብ ኩናት ረብሓታት ይርከብ ኢሉ ስለዝኣምን ቅድሚ ሕጅ አብ ኮንጎ፤ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፤ ሶማልን ንውሽጣዊ ጸገማት ናይዘን ሃገራት ብምግዳድን ተቓወምቲ ብምዕላምን ካብገለ ሃገራት ረብሓታት ንምርኻብ ክጓየ ተራእዩ ኢዩ። አብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ኢራን ክገብሮ ብድጸንሓ ሱቱር ርክባት፤ ንኢራን አብ የመን ትገብሮ ዘላ ምትእትታዋት መሳርሒ ንክኽውን ከይተሓለለ ይስርሕ አሎ። በዚ አቢሉ ድማ አብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዘይመርግጋእ ምስ ዝፍጠር፤ አብ ጁቡቲን ኢትዩጵያን ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢየ አሉ ስለዝኣምን ብዕድል ህዝቢ ኤርትራን ህልውና ሃገር አብ ሓደጋ ከእትወና ከምዝኽእል ብሰፊሕ አብ ኤርትራ ህዝቢ ይዛረበሉ አሎ። እንተኸነ እቲ ቀንዲ ዕላማ ኢሳያስ ንኤርትራን ህዝባን አብ ዝተናውሓ ጸገም የእትዩ ንህዝባ ምጽናት ስለዝኸነ፤ ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ አሎ።
አብዚ ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ንጥፍኣት ተቓሊዖምሉ ዘለው ግዜ፤ አብ ኤርትራ ከቢድ ናይ መሰረታዊ ነገራት ሕጽረት ይርኣይ አሎ። ሕጽረት ሓይሌ ኤለትሪክን፤ ማይን፤ መጉዓዝያን፡ ነዳድን ዳርጋ ንቡር ኮይኑ ህዝቢውን ካብ‘ዚ ስርዓት ድጽበዩ ነገር የለን። እንተኸነ ግን እቲ አብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ብሓባር ምእንቲ ህልውና ሃገሩን ህዝቡን ክብሩን ክብል ነዚ ስርዓት አብ ምቅላዕን አብ ምእላዩን ንኽዋሳእ አገዳሲ ምኻኑ ክንርዳእ ይግባእ።
