ዓገብ ንምባል ንተዓተቕ by- ፍሻለ ገ/እየሱስ 28.04.2015 ጀርመን

ዓገብ ንምባል ንተዓተቕ

ፍሻለ ገ/እየሱስ

28.04.2015 ጀርመን

 

ዓገብ ኣብ ልዕሊ ”ብጾቶም ዝነበሩን” ህዝብን ዝግበር ኣሽካዕላል:: ዓገብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ደንበ ተቓውሞን ደላይ ለውጢ ዝኾነ መላእ ህዝብና ዝካየድ ዘሎ ምንእኣስ። ንሕልና ኣልቦ ዝኾኑ ውልቀሰባት ንዓኣቶም ዘዋፍር ጉጅለን ብደም ንጹሃት ኤርትራውያንን ንግደ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘቛሽሽን ዘናእስን ናቱ ኣዕቢዩ ዝርእን ብውልቃዊ ስምዒት ስተደረኹ ባእታታት፡ ዓገብ ዓገብ ክብሎም ይፈቱ። እዞም ንደሞክራሲያዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ጀርመን (ደ.ማ.መ.ኤ. ጀርመን) ”ሕጋዊ ወከልቲ ኢና” ዝብሉ ውድብ ”ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ” ኢና ዝብሉ፡ ዝብልዎ ዘለዉ ሕጋውያን ወከልቲ ናይቲ ማሕበር ክኾኑ ዘይክእሉ ምዃኖም ንህዝቢ ከም ጸሓይ ዝበርሀ ሓቂ ምዃኑ ክፍለጥ ዘለዎ ኣምር እዩ። ብኸምዚ ኣመኽንዮም ንረብሐኦም ክልውጥዎ እንተሓሰቡውን ዘይከኣል ምዃኑ ክፈልጡ ምተገበኦም ነይሩ። እቲ ደርቕ ሓቂ ነዚ ማሕበር ኣብ ጉዕዞ ተሓዊሶም እንበር ዋናታቱን መስረትቱን ኣብ ሸነኾም ከምዘየለዉ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ነዚ ናይ 40 ዓመት ዲ.ማ.መ.ኤ. ጀርመን ካብ ነዊሕ ኣዋርሕ ኣበጊሶም ኩሉ ምስወድኡን ዘድልዮም ምስ ሓዙን ድማ ንገለ ኣብቲ ”ውድብ” ዘየለና ግን ኣገደስቲ ኢሎም ዝገመቱና ሰባት ብምዕዳም ንክንመያየጠሉ ገይሮም። እዚ ሓሳብ ሰናይ ሓሳብን ኣድላይን ምዃኑ ስለ ዝተገንዘብናውን ካብ ኣቶም ወጻኢ ዝኾንና 3 ሰባት ብቴለኮንፍረንስ ተሳተፍና። ኣብዚ መዓልቲ እዚ ኣነ ብወገነይ እቲ ተበግሶ ጽቡቕ ኮይኑ የግዳስ ትማሊ መቓልስትኹም ዝነበሩ ስለ ዘለዉ ንዓቶም ዝሕውስ ምስ ዝኸውን ዝሓሸ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪበ። እዚ ርይቶዚ በቶም ክልተ እውን ተደገፈ። ንሳቶምውን ነዚ ሓሳብ ተቐቢሎም ንሰሙና ንኽንራኸብ ተሰማሚዕና ወጻእና። እቲ ቆጸራና ካብ ሰንበት ንሰንበት እዩ ነይሩ። የግዳስ ገለ ዕንቅፋት ስለ ዝተረኽበ፡ ኣብታ ቆጸራ ዝተታሕዘላ ዕለት ክንራኽብ ኣይተኻእለን። እቲ ቆጸራና ካብ ሰንበት ናብ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ እሞ ድማ ክሳብ ቀዳም ሰዓት 19፡00 ሓበሬታ ስለ ዘይነበረኒ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ምስቶም ዝራኸቦም ዝነበርኩ ”ኣዳላዊት ሽማግለ” ኢና ዝብሉ ፈቲነ ስለ ዘይረኸብኩ፡ ሓደ ካብ ኣቶም ተወኪሰዩ። ንሱ ድማ እቲ ጉዳይ ከምዝፈሸለ ሓቢሩኒ። ኣብዚ ክበሃል ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ እንተሎ፡ ስለምንታይ ውጽኢት ናይቲ ተበግሶ ብቑልጡፍ ዘይተዓወተ ዘይኮነስ፡ ስለምንታይ ወጽኢቱ ኣብ ግዚኡ ነቶም ክንተሓባበር ዝተወከሱና ዘይተሓብረ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ተወከሱና ውጽኢቱ ምስ ሓበሩና እሞ፡ እቲ ተበግሶ ንኩሉ ዘሳትፍ መታን ኽኸውን ከምቲ ዝተሰማማዕናዮ ተወሳኺ!ጻዕርታት!ምስተኻየደ!ነይሩ።! ብወገነይ ቅኑዕ ርእይቶን ድልየትን ስለ ዝነበረኒ፡ ብርክት ዝበለ ሓበሬታን ዶኩሜንታትን! ኣሳእልን ሰዲደሎም ነይረ። ብልቢ ብምብጋስ ድማ ኣብ ዝርከበሉ ምምሕዳር ብፍላይ ክፍሊ ምምሕዳር 567! ኖርድ ላይን ቨስትፋለን! ዝተገብረ! ኣስተምሁራዊ! ኣኼባ፡! ዕድል! ናይ! ምዝራብ ተዋሂቡኒ፡!ትሕዝቶ!እቲ!በዓልን!ታሪኽ!እቲ!ማሕበርን!እኹል!ሓበሬታ!ሂበ። ልዕሊ XY!ናይ!ዕድመ!ወረቐት!ብትግርኛን!ጀርመንን!ዘርጊሔ።! እዚ!ዝገበርክዎ!ንኽብሪ!ማሕበር! መንእሰያት እንበር ማንም ክሑገሰለይ!ኣይነበረን። ሕጂ!ኣብቲ!ቀንዲ!ዓገብ!ክብል!ሕልናይ!ዝደፋፋኣኒ!ምኽንያት!ክኣትው ፍቐዱለይ።!ብዕለት! 204o2015 ሰዓት 20፡00 ኣብ ዝተዳለወ ቴለኮንፍረንስ፡ ኣገደስቲ ጉዳያት ንምምይያጥ ኣብ ዝጀመርናሉ፡ ቀዳማይ ነጥቢ ብዛዕባ! ቅዝፈት! ኤርትራውያን! ኣብ! ሊብያ! ተላዒሉ። እንተኾነ እዚ ኣርእስቲ ክለዓል ድልየቶም ከምዘይነበረ ትዕዝብተይ ኣቐሚጠ። እቲ ጉዳይ ክዕገት ስለ ዘይተኻእለ እቲ ኣርእስቲ ቀጺሉ።!ንሱ!ድማ!ኩነታት!ሕማቕ!ኢዩ!ዘሎሞ!እንታይ! ንግበር ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሓሳባት ክፈሰሰ ጀመረ። ብሓደ ካብቶም ”ኣዳለውቲ ኢና ዝብሉ” ባእታ ድማ ብምሉእ ብደዐ!  መደባትና ዝዕንቀፍ ኣይኮነን ብምሉኡ ክካየድ እዩ ኣናበለ፡ ብፍላይ ነቶም ካብኣቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈልዩን ከምኡውን ብተቓወምቲ ውድባት ብዕለት 2ÄÅ04Ç2015 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተገብረ ኣኼባ! ከም! ዕላል! ጥራይ ከምዝነበረ ብምንእኣስ ክምድር ጀመረ። ብወገነይ ነቲ ኣገባብ ኣዘራርብኡ ማለት ”ተፈንጨልቲ” ”ዕላል” ዝብል ኣበሃህላ ገዲፉ! ከራኽበካ! ዝኽእል! ውርዙይ ቃላት ክጥቅም ብምውካስ ኣበሃህልኡ ተቓዊመዩ። እቲ ጉዳይ እናነሃረ ስለ ስኸደ ድማ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ተዓግተ። ኣብዚ ኣገደስቲ ጉዳያት ክገልጽ ሕልናይ ደሪኹኒ ኣሎ፤ 1ä ንተቓወምቲ ዘቆናጽብን ንኣኼበኦም! ብ”ዕላል” ዝትርጉም ሓበሬታ መሊሱ ዘረሓሕቅ እንበር ፍታሕ ዝደሊ ፍጡር ዝብሎ ኣይኮነን 2ç ተቓውምኦም ንዘመልከቱን ለባም ለበዋ ንዝሃቡን ናይ ትማሊ መቓልስቶም ዝነበሩ እናቆናጸቡ፡ ”ተፈንጭልቲ” ዝብል ቃል፡ ኣብዚ እዋን ከም ሰብ ክትዛረቦ!ዘሕፍር፡!እሞ! ድማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝብል ጭርሖ!እናልዓላካ፡!ጽያፍ!ዝኾነ!ቃላት!ምውርዋር! ብሕልና ዝኾነ ሰብ ዘይቅቡል እዩ ይብል፡ 3ò ብዛዕባ!እቲ ኣብ ዜጋታትና!ወሪዱ!ዘሎ!መቕዘፍቲ!ዋላኳ!እንተተቐበሉዎ ነቲ መደብ ናይቲ በዓል ንክቕየር ዘይከኣል ነግር እዩ ዝብል ስንኩፍን ሕልና ኣልቦን ርእይቶ ንኽትቕበሎ ይትረፍ ንኽትሰምዖ!ዘስካሕክሕ!መርገጽ ምሓዞም 4û ካብቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማኒ፡ ወርሒ!ተሪፍዎ!ዘሎ!ብዓል!ናጻነት ሃገርን ናይ ውልቀ ሙዚቀኛታት!ትልሂትን!ገለ!ማሕበራትን!ናይ!ህግደፍ!ጉጅለታትን!ከይተረፉ!ይስርዝዎ! ኣለዉ። ንሳቶም ግና እዚ በ ዓል ናጽነት ምስዚ ናይ 40 ዓመት በዓል ዘይመዛዘን! እዩ። “ንሶም ገዲፎሞ! ኢልና! ንገድፎ! ኣይኮነን®” ዝብል ብሓደ ተሳታፋይ ናይ ቴለኮንፈረንስ ምስ ሰማዕኩ፡ ኣነ ኣበይ ዲየ ዘለኹ ኢለ ንነብሰይ ሓቲተያ። መልሱ ግን ብዘይካ በቲ ዘለኒ ብንድሪ፡ ኣካላተይ እንዳ ኣንቀጥቀጠ ካብዚ መደብ ነብሰይ ክስሕብ ወሲነ፥! ንምዕዋቱ! ኮነ! ንዝግበር! ብዓል! ክሳትፎ! ከምዘይኮንኩ! ሓቢረ ድማኒ ካብቲ ቴለኮንፈረንስ ወጺኤ፡! ሕልናይ! ደሪኹኒ ድማ ብዘይ ነግ ፈረግ ርእቶይ ክህበሉን፡ ዓገብ ዓገብ ዓገብ ክብልን ወሲነ። ዝኸበርኪ ኤርትራዊት ዝኸበርካ ኤርትራዊ ንኩሉ ደንበ ተቓውሞን ንኩሉ ደላይ ለውጥን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ዝኽተል ሸነኽ ካብ ዓገብ ሓሊፍካ ምምካቱን ምውጋዱን!ክድልየና እዩ ዝብል ናይ ሕልና ዕግበትን ኣረኣእያን ኣለኒ’ሞ ኢድኩም ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ክተበርክቱ ይጽውዕ። ንኣብቲ ውድብ “ግንባር ሃገራዊ ድሕነት²ሕድሪ” ዝበሃል “ውድብ” ዘለዉ ለባማት ብጾት ሕልናዊ ምንቅስቓስ ወሲድኩም ንክትእርምዎ ዘለኒ እምነት ወሰን የብሉን ክብል ይፈቱ። ኣድላዪ!ኣብ!ዝኾነሉ!ግዜን!ሰዓትን!ውን!ኩሉቲ!በዚ!ጉጅለ!ዝግበር!እከያት ካብ ምቅላዕ ዓዲ ኣይክውዕልን እየ። ሕልናይ’ውን ኣይፈቕደለይን እዩ።

ዓወትን ሓቀኛ!ቃልሲ!ህዝቢ!ኤርትራ

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ኤርትራ

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ውድቀት ንኣደናገርቲ ጉጅለን መጋበርያኦምን

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *