ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዝጠሓሉ ኣማኢት ስደተኛታት እቶም ኣስታት 350 ኤርትራውያን ምዃኖም ተገሊጹ  Posted: 11:13 am, April 22, 2015 by Harnet

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ነዚ ሓበሬታ ዝህብ ዘሎ፣ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ብምውካስ’ዩ።

ኣብ ካልእ ወገን፣ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ከሰጋግሩ ጸኒሖም ዝተባህሉ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 24 ደላሎን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ክልተ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ጥርጡራት በታ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣስታት 700 ስደተኛታት ሒዛ ዝጠሓለት ጃልባ ተሓተቲ ምዃኖም’ውን ጸብጻባት ካብ ኢጣልያ የመልክቱ።

350

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥሞ ዘሎ ሞት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ30 ዕጽፊ ዛይዱ ኣብ ዘለዉ እዋን፣ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብጽዑቕ ይዝትያ ኣለዋ።

 

ሓይልታት ጸጥተአን’ውን ንደላሎን ዘይሕጋውያን ኣኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ብዕቱብ ኣብ ምህዳን ተዋፊሮም ይርከቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንምብጋስ ተዳልዮም ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *