እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣ ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊኣቶ።
መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብወገና ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ደብዳብ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ብዘካየደቶ ጻዕሪ መሰርት፣ እቲ ናይ ነፍረቲ ደብዳብ፣ ብ 20 መጋቢት 2015 ሰዓት 04፡30 ወጋሕታ ከምዝተፈጸመ ከተረጋግጽ ክኢላ አላ።
በቲ ደብዳብ ሓያለ ንብረት ናይቲ ዕደናዊ ትካል ክቃጸል ከምዝወዓለ ክረጋገጽ ከሎ፣ ስርዓት ህግደፍ ‘ብስም ምጽራይ’ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ናብ’ቲ ብደብዳብ ዝተቓጸለ ከባቢ ንኸይቀርቡ ከልኪሉዎም ኣሎ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኩባንያ ቢሻ ካብ ኣቑርደት ዝመላለሱ ብምዃኖም ፤ ንግሆ ንስራሕ ከይኣትው ተኸልኪሎም ምውዓሎም’ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት። ገለ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል “እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል ይኽእል ኢዩ” ብዝብል ስግኣት ሓደጋ ከይወርዶም ተሻቒሎም ከምዘልዉ ‘ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።
እቲ ደብዳብ፣ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ካብ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ አብ ማይ ዕዳጋ ዝብሃል ናይ ከቢድ ብረት መዓስከርን ዲፖ ነዳድን ‘ውን ብተመሰሳሊ ግዜን ሰዓትን ብዝተኻየደ ደብዳብ ከምዝተቓጸለ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የገንዝብ። ነዚ ደብዳብ’ዚ ብዝምልከት ኣሰና ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕርታት ተካይድ ኣላ።
እቲ ወርቂ ቢሻ ዝመልኣሉ ነገር ስለዘይነበሮ ድሮ ዘይሕጉስ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ጉዳይ ብወረወረ ምስ ሰምዖ “እቲ ዝነደደ ሓጻዊን ናይ ካናዳዊት ኩባንያ፡ እቲ ክሰራ ወርቂ ድማ ናይ ኢሳያስ እንድኣሉ” እናበለ ክዛረብ ይስማዕ ከምዘሎ ‘ውን እቲ ምንጭታት ሓቢሮም። ንቢሻ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ደቁ ብባርነት ዝምዝመዙላ፤ ሃብቲ ዝዝመተላ ቦታ ገይሩ ኢዩ ዝርእያ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ከይተረከ ከም ሕዛእቲ ናይ ኢሳያስ ዝጥምትዋ ቦታ ‘ውን ኢያ።
እዘን ነፈርቲ ካብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ 450 ኪ.ሜ ውሽጢ ኤርትራ ኣትየን ደብዳብ ክገብራ እንከለዋ፤ ዓቕሚ ምክልኻል ስርዓት ኢሳይያስ ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ዘረጋግጸ ጭብጢ ኢዩ። ከምዝፍለጥ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያሎ ፓይሎታትን ክኢልታት ስርዓተ መከላኸሊ ኣየር፣ ራዳርን ሚሳይልን ዝነበሩ ሓይሊ ኣባላት ኣየር ኤርትራ ነቲ ስርዓት እናራሕርሑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቑባ ክሓቱ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።
እቲ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣዳኺሙዎን ኣንዒቑዎን ዝርከብ፣ ንርእሱ ‘ውን ምሉእብምሉእ ካብ ህዝቢ ትነጺሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝኾነ ዝመጾ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ክውስድ ይትረፍስ፣ መግለጺ’ውን ክህብ ኣይክእልን ዘሎ። እዚ ድማ፣ እቲ ኩንታት ናህሪ ወሲኹ ለኪሙዎ ከይከይድ ፍርሒ ስለዘለዎ፣ ብምጽቃጥ ኣረሳሲዑዎ ክሓልፍ ካብ ዘለዎ ናይ ራዕዲ ኩነት ዝብገስ እዩ።