ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባራት ሓድነት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን
ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዕወት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም
ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ብ22 ታሕሳስ 2014 ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸላኢ ኣሃዱ ሰለያ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነው፡ ዜና ዕወት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዝብል ብስም ክልቲኡ ውድባት ዝተዘርገሐ ዜና ኣረጋጊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ማይ ጊኒ ፍሉይ ስሙ ማይ ምራኻት ኣብ ዝተባህለ፡ ኣብ መንጎ ቤት ገብሪኤል ማይ ኣልባን ዝርከብ ቦታ ነቚጡ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዘበሳብስ ዝነበረ ኣሃዱ ስለያ ጸላኢ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ በቲ በርቃዊ መጥቃዕቲ 8 ኣባላት ኣሃዱ ስለያ ጸላኢ ክሞቱ እንከለው 6 ካልኦት ከም ዝቖሰሉን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጀጋኑ ኣሃዱታት፡ ኣብኡ ዝጸንሐ ንብረትን ዕጥቅን መንዚዖም ብሰላም ናብ ባህሪያዊ ቦትኦም ከም ዝተመልሱን እቲ ብ22 ታሕሳስ 2014 ዝወጸ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ሓባራዊ መጥቅዕቲ ብመሰረት ኣቐዲሙ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ተታሒዙ ዝጸንሐ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ዝተፈጸመ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ኣብ ጽባሕ ዕውት ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተፈጸመ ብምዃኑ ድማ፡ ድርብ ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኢሉ።
ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
ብሕድሕድ ምቅብባልን ውሁድ ናይ ቃልሲ መንፈስን ተዛዚሙ።
“ንኹሉ ዕንቅፋታት ሰጊርና ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከነዐውት ኢና!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2014 ክካየድ ዝቐነየ፡ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ብዝተፈልየ፡ ብሕድሕድ ምቅብባልን ሓላፍነት ዝመልኦ ውሁድ ናይ ቃልስን ለውጥን መንፈስ ብዕውት ኣገባብ ከም ዝተዛዘመ፡ ብ20 ታሕሳስ 2014 ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ ናይ’ቲ ህጹጽ ኣኼባ ኣረጋጊጹ።
ህጹጽ ኣኼባ፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣቐዲሙ ብዝተታሕዘሉ ግዜ መሰረት ከይሰላሰል፡ ዝዓንቀፍዎ ምኽንያታት፡ ብሓላፍነትን ግሉጽነት ገምጊሙ፡ ነቲ ምስ ኩሉ ድኽመታቱ ዝተረኽበ መኽሰባት ብምዕቃብ፡ ካብ’ቲ ኣብ መስርሕ ዘጋጠመ ሕጽረታት ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ንጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንቕድሚት ክስጉም 2
ዘኽእልዎ መደባት ሓንጺጹ፡ ነዚ ሓላፍነት ዝስከም ሓድሽ መሪሕነታዊ ኣካላት ከም ዝመዘዘን ኣረዲኡ።
ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ክፍልታት ሕብረ–ተሰብና፡ ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተሰሊፎም፡ ጸረ–ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ብዝተወደበ መልክዕ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ። ህጹጽ ኣኼባ፡ ንጉዳይ ዋሕዚ ስደትን ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ ኩሉ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላትን ኣካላትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይዓርፉለን ናይ ዘለው ሃገራት፡ ማለት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምሉእ ሕጋው ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ብምኽባር ሓላፍነታዊ ተራኦም ክጻወቱ ከም ዝጸወዐን ደምዳሚ መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ወሲኹ ገሊጹ።
ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይሰግሩ ንምዕጋት ብመንግስቲ እንግሊዝ ዝተጀመረ ናይ መንደቕ ሓጹሩ፡ ከይስራሕ ተቓውሞ ገጢምዎ
ኤርትራውያን ዝርከብዎ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ እንግሊዝ ከይሰግሩ ንምዕጋት ዝዕላምኡ፡ ፈረንሳን እንግሊዝን ኣብ ዘራኸብ ወደብ ካለ ዝተጀመረ ናይ መንደቕ ሓጹር፡ ኣብ’ቲ ወደብ ብዝርከቡ ስደተኛታት፣ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቑ ሰብኣዊ ማሕበራት፣ ተደናገጽቲ ፈረንሳውያንን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝገጠሞ ካብ’ቲ ቦታ ዝተቓለሐ ዜና ኣረዲኡ።
ፈረንሳዊ ከንቲባ ውደብ ካለ ናታሻ ቡሸር፡ ብምኽንያት’ቲ ብ18 ታሕሳስ 20114 ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ነቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ ዝተወጠነ ኣስታት ሰለስተ ኪ/ሜ መከላኸሊ ሓጹር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሪጣንያ እንተደልያ ኣብ መሬታ ሓጹር ትግበር፡ ኣብ መሬት ፈረንሳ ክትግብር ግን ኣይነፍቅድን ክብል ገሊጹ።
ይኹን ደኣምበር፡ መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ሕጂ’ውን ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ክሰማማዓ ስለዘየከኣላ እንግሊዝ ነቲ ውጥን ንምትግባር ብቀጻሊ ትደፍኣሉ ከምዘላ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ግን ነቶም ሰደተኛታት ካብ ቀቢድ በረድን ቀዝሕን ንምልክልኻል ግዝያዊ መዕቆቢ ይሃንጸሎም ከምዘሎን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ደንማርክ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሕና ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ደኣምበር ናይ ኢኮኖሚ ስደተኛታት ኣይኮናን ክብሉ፡ መንግስቲ ደንማርክ ንዘርእዮ ዘሎ ኣሉታዊ ትንዕታ ብሰላማዊ ሰልፊ ተቓዊሞም።
3 ክፍሊ ኤሜግሬሽን ደንማርክ ኣብ ሃገሩ ብዛዕባ ዘለው ኮነ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትው ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት መንቀሊ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይደ ዝበጻሕክዎ ገምጋም ብዝብል፡ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ደኣምበር ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኣይኮኑን ስለዚ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎ ክብል ንዘቕረቦ ጸብጻብ ብምቅዋም፡ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ብ19 ታሕሳስ 2014 ንማዕከናት ዜና ዓለም ዝሰሓበ፡ ንተግባራት ደንማርክ ድማ ብኣሉታ ዘንቀፈ ሰማላማዊ ሰልፊ ጌሮም።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ እንኮላይ ነቲ ውሳኔ ዝቃወሙ ተደናገጽቲ ደንማርካውያን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ብብዙሓት ወገናት፡ ዝንቡዕ፣ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ሓቂ ፈልዩ ምርኣይ ዝተሳእኖ፣ ዕላምኡ ዝሰሓተ ብዝብል ኮነን ከም ዝገጠሞን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።
ድ,ሰ,ደ,ኤ, 24-12-2014
http://gereger.com