ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ዝጸንሐ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎ ኤርትርዊ ሰለስተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።  12/22/2014

እቲ ሃብቶም መርሓይ ዝተባህለ ወዲ 47 ዓመት ኤርትራዊ ምስ ካልኦት ደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ብምትሕብባር ንሓያሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብመንገዲ ሃገራት ላቲን፡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዘእተወዩ ተኸሲሱ።

እቲ ኣብ ዱባይን ካልኦት ሃገራትን እናተንቐሳቐሰ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኤርትራዊ፡ ኣብ ነሓሰ 2013 ኣብ ሞሮኮ ድሕሪ ምትሓዙ ንኣስታት ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ቀይዲዩ ጸኒሑ።

ኣብ ሚያዝያ 2014 ኣብ ኣመሪካ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምስግጋሩ ከኣ ኣብ መስከረም 2014 ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበናት ስለዝተኣመነ፣ ኣብዚ ሳልስቲዚ ንሰለስተ ዓመታት ክእሰር ቤት ፍርዲ ኣመሪካ በይንሉ ኣሎ።

ሃብቶም መርሓይ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ 2010 ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ፣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ 14 ሽሕ ዶላር ይቕበል ምንባሩ ከምዝተኣመነ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ብሰሉስ 16 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ ይብል ብ18 ታሕሳስ 2014 ኣብ መስከረም ኔት ዝወጸ ዜና።

ፖሊስ ጀርመን 7 ብምስግጋር ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂሰባት ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ኣሲሮም።

ፖሊስ ጀርመን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂሰባት ተዋፊሮም ኔሮም ዝበሎም 7 ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ዲ ፒ ኤይ ዝተባህላ ትካል ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኢጣልያን ጀርመን ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት፡ ሓደ ሰፊሕ ሽፋን ዝነበሮ ምትእሳሳር ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝጸንሖ መርበብ ከም ዝበስዕዎ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ኣብ ዞባ ራይንማይን ከምኡውን ኣብ ዶርትሙንድን ሃምበርግን ከም ዝተታሕዙ፡ ሓንቲ ካብዞም ኣብ ገበናዊ ተግባራት ክነጥፉ ዝጸንሑ ጓል ኣነስተይቲ ምዃናን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዞም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ጥርጡራት ኣብ ክሊ ዕድመ 19-38 ከም ዝርከቡ፡ ካብ ኢጣልያ ናብ ጀርመን ከሰጋግሩ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘኽፍሉ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ መርበብ ሸፋቱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኮነ ኣብ ጀርመን ይበታተኽ ከም ዘሎ፡ እቶም ዝተታሕዙ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ኢዶም ክረኽቡ ኣብ ትጽቢት ከም ዘለውን ፖሊሲ ከተማ ፍራንክፈርት ሓቢሩ።

41 ኣባላት ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ጸዊዖም

41 ኣባላት ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብል ጸዊዖም። እቶም ኣባላት ባይቶ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይፍትሓውን ሃነደበታውን ምእሳር ዜጋታትን ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን፣ ንዓያዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር

ናብ ስደት ክውሕዝ ኣገዲድዎ ምህላዉ ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ኣመልኪቶም ክትብል ረድዮ ኤረና ብ19 ታሕሳስ 2014 ኣቃሊሓ።

እዚ ዝፈጠሮ ዋሕዚ ናብ ስደት ንብዙሓት ኤርትራውያን ግዳይ ሞትን ካልእ ሓደጋታትን ጌርዎም ምህላዉ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ ከም ኣብነት ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ኩባንያታት ዕደና ብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳን ካልኦትን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባራ ኣብ ዝገብርኦ ዘለዋ ወፍሪ ንሓያሎ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተታሕዙ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ምስ ባርነት ክጽብጸብ ኣብ ዝኽእል ናይ ጉልበት ስራሕ ይዋፍራ ምህላወንውን ተወሳኺ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልዩ ክብሉ ወቒሶም።

እቶም ካብ ሰልፊ ዕዮ፣ ሰልፊ ዓቃባዊ፣ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራት፣ ሰልፊ ሊበራል ደሞክራት፣ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮቲሽን ካልኦትን ዝወከሉ 41 ኣባላት ባይቶ ኣብ መደምደምታ፡ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብልን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትምርምር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተመዘዘ ፍልይቲ ልእኽትን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ገምጋሞም ክህቡ ክፈቕድን ተማሕጺኖም ክትብል ኣረዲኣ።

,,,, 22-12-2014

http://www.gereger.com/

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *