ኣብ ዝተመደበሉ ዕለት ብ15 ታሕሳስ 2014 ዝጀመረ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምልኡም ኩነታት ይቅጽል ኣሎ።

እቲ “ንኹሉ ዕንቅፋታት ብምውጋድ፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነዐውት ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ
ጭረሖ፡ ዝካየድ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ፡ ብዝኽሪ ሰማእታት ስርሑ ከም ዝጀመረ፡ ብድሕሪ’ዚ ኣቦ-መምበር
ባይቶ ኣቶ ጸጋይ የውሃንስ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
ሓድነት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ምዕቃብ፡ ዕውት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምክያድ ኣገዳስን ታሪኻውን ምዕራፍ
ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሃገራዊ ባይቶ ክሓልፎ ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ንምስጋር፡ መሪሕነት ባይቶ ብሓላፍነታዊ
መንገዲ፡ ነዚ ኣኼባ’ዚ እትመርሕ ሓዳሽ ሰክሪታሪያ ብገዛ ክትምዘዝ ብዕግበት ከም ዝቕበል ከም ዝገለጸን፡
ክፍሊ ዜና ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣፍሊጡ።
ቀጺሉ ብምሉእ ዕግበት ናይ ኣኼበኛታት ሰለስተ ዝኣባላታ ኣምራጺ ሽማግለ ተመዚዛ፡ ኣኼባ እትመርሕ
7 ዝኣባላታ ሰክሪታርያ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ፡ ሰክሪታርያ ኣብ ውሽጣ መቐሎ ስራሕ
ብምግባርን ኣኼባ ዝምረሓሉ ሕጊ ብምውጻእ፡ ኣጀናዳታት ሰሪዓ፡ ህጹጽ ኣኼባ ብልኡም ኩነታት
ይሰላሰል ከም ዘሎን ካብ’ቲ ቦታ ዝተዘርገሐ ዜና ይሕብር።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓነት ኤርትራዊት ነፍሰጾር፣ ኣብ ጃልባ ሓይሊ ባሕሪ
ኢጣልያ ሓሪሳ
ኤርትራውያን ዝርከብዎም 430 ሰደተኛታት ጽዒና ብ16 ታሕሳስ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ
ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ዝደሓነት ጃልባ ዝነበረት ኤርትራዊት ነፍሰጾር፣ ኣብ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ
ኢጣልያ ከምዝሓረሰት ማዕከን ዜና ዘ ሎካል ኣፍሊጡ ይብል ንረድዮ ኤረና ብምጥቃ ኣብ መስከረም
ኔት ዝወጸ ዜና።
እቶም ስደተኛታት ንስክላ ካብ ምጥሓል ድሒኖም፡ ናብ ናይ ኢጣልያ መርከብ ድሕሪ ምግዓዞም እታ
ኤርትዊት ነፍሰጾር ሕማም ሕርሲ ከምዝጀመራን ብሓገዝ እቶም ህይወት ኣብ ምድሓን ተዋፊሮም ዝነበሩ
ኢጣልያውያን ብሰላም ከም ዝተገላገለትን ብ17 ታሕሳስ 2014 ዝወጸ ዜና ኣረዲኡ።
ስርዓት ህግደፍ ሃለዋት ናይ’ቶም ኣሲርዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት ከፍልጥ ተሓቲቱ
ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ድሕነት ጋዜተኛታት ብ16 ታሕሳስ 2014 ኣብ
ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናይ ስርዓት ኣስመራ ጽላኣትን ተቓውሞን ንነጻ ሓሳብን ነጻ ጋዜጠኝነትን መስክሩለይ
ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ’ዩ ንሓያሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት
ማእሰርቲ ዳጒኑ ዘብልዮም ዘሎ። ስለዚ ንሕና እንተኾነ ክፈጥሖም እንተዘየለ ድማ ሃለዋቶም ከፍልጥ
ንሓትት ኣለና ክብል ገሊጹ።
እንተኾነ ኣፈኛ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝኾነት ሉሲ ሞሪሎን ምስ ፈሊጡ ክጸምም ዝመረጸ ስርዓት ኣብ
ሓደ መረዳድኢ ነጥቢ ክትበጽሕ ነዊሕ ዓቐበት’ዩ ክትብል ንተለቪዥን ኣልጀዚራ ሓቢራ።
ድ’ሰ(ደ)ኤ* 1+-12-2014

http://www.togoruba.org/

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *