ታሪኻዊ ጠመተታት ኣብ ሃገራዊ ናጻነት ኤርትራን እታ ሃገር እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን ዳዊት ገብረመስቀል ሰነ 11 2021

ሎሚ ቕነ ናይ መበል ሰላሳ ዓመት በዓል መዓልቲ ናጻነት ሃገርና ከነብዕል ቀኒና፡፡ መብዛሕትኡህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት፡ ኩነታት ብዘፍቀዶ ኣገባብ፡ ብድምቀት በዓልናጻነት ሃገሩ ከኽብር ምርኣይ ድማ ደስ ዘብል’ዩ። ኤርትራና፡ ምስቲ ኩሉ ሽግራታ ገና ተተንፍስ፡ትቃወም፡ ትራጋሕ፡ ትምርሽ ምህላዋ ጭቡጥ ምስክር ስለ ዝኾነ። እወ ድሕሪ 30 ናይ ናጻነትዓመታት፡ ሃገርና፡ ብዘይ ጥርጥር፡ ካብቲ ናጻ ኣብ […]