8 መጋቢት፡ ዝሓለፈ ታሪኽ ንጽብጽበሉን ኣብ ዳስ ሓዘና ንስዕስዐሉን ዘይኮነ፡ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ሓቢርና ንዝትየሉ መድረኽ ክኸውን ኣለዎ

Image result for eritrean women slavery in libya images

ዓለም ለኻዊ ታሪኻዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት ንምኽባር ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ምድላዋት ይግበር ከም
ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ምድላውን ኣከባብራን ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነ ናይ መልክዕ ፍልልይ ከም ዝረአ ድማ፡ ካብ ናይ
ዝሓለፉ ዓመታት ተመክሮ ክንግንዘብ ንኽእል። ስለምንታይ’ሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝበጽሕ በደላት ብደረጃ
ኣብ ህዝብታት እተን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ስነ-ኣእምሮኣውን ቁጠባውን ምዕባለ ዝምዘን ፍልልያት ዘለዎ’ዩ።
ብኩለንተናአን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝበፍጸም ጾታዊ በደላት፡ ኣብ
ዘይማዕበላ ሃገራት ካብ ዝፍጸም በደላት ዓይነታዊ ፍልልይ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ
ቁጠባዊ ትሕዝቶ ዝመሰረቱ ተጽዕኖ ኣይግበረለንን። ስለምንታይ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ተማሂረን ኣብ ዝደለያኦ
ስራሕ ተዋፊረን ርእሰን ዝኽእላሉ ብሓሳብ፡ ብሕግን ብተግባርን ዝተነጽፈ ሰፊሕ ዕድል ስለ ዘሎ።
መጻምዲ እንክደልያ ኣብ ሰናይ ፍቓደንን ሕርያአንን’ዩ። ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ከምኡ’ውን ክንክን ህጻናት በይነን
ዝሰከማሉ ዕድላት የለን። ናይ መጻምድን መንግስትን ምሉእ ደገፍ ኣለወን። ብስእነተ ሰላም ኣይርበሻን። ካብ ቤት
ንብረተን ብሓይሊ ኣይፈናቐላን ኣይስደዳን። ከም ሰባት ሰብኣዊ መሰለን ዝተሓለወ’ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገረን
ከም ዝንባሌአንን ብልሐንን ናይ ምውሳእን ካብ ዝተሓተ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ንፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምውድዳር መሰለን
ዝተሓለወ’ዩ። ስለዚ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ ኣድልዎን ጸቕጥን ኣብ ልዕሊ ኣብ
ዘይማዕበላ ሃገራት ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ዝበጽሕ ግፍዒ ከነጻጸር እንከሎ ስማዊ’ዩ።
ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ ግን ኣዝዩ መሪር’ዩ። ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ
ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል ጸገም ኣለወን። ኣብ መኣዲ ትምህርቲ እንተተሳተፋ’ውን ንመጽናዕቲ ዝኸውን እኹል
ግዜ ኣይወሃበንን። ኣብ ቤት ትምህርቲ ከኣትዋ፡ ንመናዕቲ ዝኸውን ግዜ ረኺበን ተወዳዲረን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ
ትምህርቲ ክበጽሓ፡ ገዛእ ርእሰን ዝተኣማመናሉ ምሉእ ፍልጠትን ቁጠባዊ ምንጭን ኣረጋጊጸን ፍጹም ማዕርርነታዊ
ነጻነት ተሰሚዕወን ዝነብራሉ ውድዕነት ገና ኣይተመለሰን።
ጾር ናይ ጥንስን ሕርስን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓፈሻዊ ጾር ስድራ ቤትን ሕብረተ-ሰብን’ውን ኣብኣተን ዝወደቐ’ዩ። ኣብ
ምምራሕ ሃገር ብዝምልከት እሞ ከኣ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ወጽዓን ኣድልዎን ዝረኣየሉ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።
ርግጽ’ዩ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝሳተፋ ካብ ኮለጅን ዩኒቨሪሲቲን ዝምረቓ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ስራሓት ዝሳተፋ ደቂ
ኣንስትዮ የለዋን ማለት ኣይኮነን። ኣለዋ’የን። ግን ኣዝየን ውሑዳት ምስ ውሕስነት ዘይብሉ ትካቦ ዝመስል መሰላት’ዩ።
ስለዚ ከኣ ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት ( ማርች 8) ከም ዕለት ብኹለን ደቂ-ኣንስትዮ ትዝከርን
ትኽበርን ‘ኳ እንተኾነት፡ ምረት ናይ’ቲ ወጽዓን ንዕኡ ዝገልጽ ጭርሖን መንጽር ክረአ እንከሎ ሓደ ኣይኮነን።
ዘተኣማምን ሰላም ኣብ ዘለወን፡ ትርጉም ክብረት ሰብኣዊ መሰላት እኹል ኣገንዝቦ ኣብ ዝተወነነለን ሃገራት፣
ደሞክራስያዊ መሰላት ብሓሳብን ብተግባርን ኣብ ዝተኸብረለን ሃገራት፣ ሕቶ ቁጠባ ኣብ ዝተመለሰለን ሃገራት፣ ጾታዊ
ማዕርነት 70 ክሳብ 80 % ኣብ ዝተፈትሓለን ሃገራት ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ መድረኽ ወጺአን
ዘሰመዓኦ መደረ ብወሳኒ መልክዑ ታሪኽ ንምዝካር ዝኣክል’ዩ።
ኣብ ኤርትራን መሰል ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ፡ ስእነተ ሰላም፣ ዓሚቕ ድሕረትን ድኽነትን ዘለወን ሃገራት ዝርከባ
ደቂ-ኣንስትዮ ዘልዕላኦ ጭርሖን ዘስመዓኦ ድምጽን ግን ፍጹም ናይ ትሕዝቶ ፍልልይ ዘለዎ’ዩ። ብስእነት ሃገራዊ ሰላም
ወላድ መኻን ኮይና ኣብ እህህታን ቃንዛን ትነብር ኤርትራዊ ኣደ፣ ዕለታዊ ትበልዖ ስኢና ብዕርቃንን ሓለንጊ ጥሜትን
ትግረፍ ዘላ ኤርትራዊ ኣደ፣ ኣልቦ ደገፍ ባህሪያዊ ጾር ጥንስን ሕርስን ምሕደራ ስድራ ቤትን ኣብ ዝባና ዝተጻዕና
ኤርትራዊት ኣደ፣ ሃለዋት በዓል ቤታ ጠፊእዋ ኣብ ሰንፈላል ትነብር ኤርትራዊ ኣደ፣ በስገዳድ መርወይቲ ስምዒት
ብብልሽውና ዝተቖማጥዑ በብደረጃኡ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍን ናብኦም ቅርበት ዘለዎም ሰብ ገንዘብን ብምዃን
ኣእምሮእን ዝተመዛበለን መጻኢ ዕድለን ዝጸልመተን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂኣንስትዮ 8 መጋቢት ዘልዕላኦ ጭርሖ ፍሉይን ነተሃላልዋአን ዘንጸባርቕን ክኸውን ባህሪያዊ’ዩ።
ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንዓለም ለኻዊ በዓል 8 መጋቢት ንምጽንባል ካብ ብሕጂ ምድላዋት ክገብራ እንከለዋ፡ ንስለ
ዝኽሪ እታ ዕለትን ይግበር ስለ ዘሎ ንሕና’ውን ንግበር ዘይኮነ፡ ኤርትራን ህዝባን ንዝርከብሉ ጭቡጥ ፖለቲካዊ፣
ቁጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ብርሰትን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎን ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። ብስም ህዝብን
ሃገርን ንዝሽቅጥ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብሓይሊ ሓሳብ ዝሃርም፡ ናብ ግብራዊ ቃልሲ ድማ ዝዕድም ምድላው ክኸውን
ይግባእ። ካብ ሕሉፍ ተሞክሮኦም ንዘይመሃሩ “ንሕና ንሱ”መሪሕ ጭርሖኦም ንዝገበሩ ኣምለኽቱ ብብሩህ ዘቃልዕ፣

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ መሪሕነታዊ ኣካላት ድማ ብፍላይ ዝጸንሐን ዘሎን ጸረ-ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ
ዝኾነ ዓንቃፊ ኣረኣእያን ተግባርን ብእሩም ኣገባብ ዝገርሕ፣ ሃገርና ሃገርና ዘቐድም ዘይኮነስ ህዝብና ሰብኣዊ ክብርና
ዘቕድም ጭርሖታት ዝስመዓሉ መድረኽ ክኸውን ኣለዎን ይግባእን።
ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ ብታሪኻውነቱ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ይኹን ‘ምበር፡ ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ከም ምዃነን መጠን ናይ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ በዓልን መቃለሲ መድረኽን’ዩ። ስለዚ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮን
ደቂ-ተባዕትዮን ብሓባር ብተገዳስነት ምድላዋት ክንገብረሉ፡ ንመፈተሺ ዝተዘርገ ሓድነትናን መመንጨዊ መፍትሒ
ጸገማትና ዝኾነ ሓሳባትን ክንግልገለሉ ይህልወና። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብሰንኪ ዘቤታዊ ጸላኢና ስማዊ መንግስቲ
ህግደፍን ልጓም ኣልቦ ሃላሊ መራሒኡን ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ኣብ ንቡር የለናን። ንቡር ፖለቲካዊ
ምሕደራ ካብ ዝሕረመና ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸርና’ኳ እንተኾና፡ ግን ኣይከም ሎሚን።
ሎሚ ተቓውሞና ኣንጻር ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ንዕዘቦ ከም ዘለና ናይ ፖለቲካዊ
ስልጣን መን ሓዘ ውድድር ኣይኮነን። ብህዝባዊ ክትዕ ዝጸደቐ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሃገራዊ ቅዋም ሃልዩስ፡ ዓንቀጽ
ክንዲ ተጣሒሱ ተደፊሩ ይከበረልና፡ ነዚ ዝጠሓሱ ብሕጊ ይተሓተቱልና ተቓውሞ ኣይኮነን። ሃገራዊ ሰላምን
ተወዳዲርካ ዝርከብ ናይ ስራሕ ዕድላትን ሃልዩስ ብኣድልዎ ይንፈገና ኣሎ ይተኣረመልና ሕቶን ተቓውሞን ኣይኮነን።
ብምርጫ ኣብ ስልጣን ዝደየበ፡ ንህዝቢ ዘኽብርን ዝፈርሕን ሓላፍነታዊ መንግስቲ ሃይልዩስ ናይ ፖለቲካን ሕልናን
እሱራት ይፈትሑ፡ ልኡላውነትና ይከበር፡ ብዘይኣፍልጦና ዝግበር ዝኾነ ይኹን ስምምዓት ደው ይበል፡ ብዛዕባ ሃገርና
እኹል ሓበሬታ ይወሃበና …ወዘተ ዝብል ተቓውሞ ኣይኮነን።
ከምቲ ተጋዳላይ ግርማይ ወዲ ፊተውራሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሓደ ኤርትራዊ መዲያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡
ኣብዘይ ህላወ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስትን፡ እሱራት ይፈትሑ፣ ዶባና ይተሓንጸጽ፣ ቅዋም
ይተግበር ዝብል መልእኽቲ ናብ መን ኢና ነቅርቦ ዘለና? ከምኡ ዓይነት ጻውዒት ምግባር፡ ነቲ ብህዝባዊ ቃልሲ
ክቡርቆቕ ዘለዎ ጸላኢ ሕጋውነት ምልባስዩ’ሞ ንኸይድገም ክእረም ይጽውዕ ክብል ዝገለጾ፡ ሕቶናን ተቓውሞናን
ህግደፍ ክምልሰልና ንጽበዮ ዘይኮነ፡ ብሕቡር ቅልጽምና ተቓሊስና መሰልና ነረጋግጸሉ መልእኽቲ’ዩ ክኸውን ዘለዎ።
ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ደሞክራስያውያን ሃገራት ንነብር ኤርትራውያን፡ ኣህጉራዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብግቡእ
ቅድመ ምድላዋል እንተገይርናሉን ንእተተዋሲእናሉን ምስ ዘሎ ስሉጥን ዝተራቐቐን መራኸቢታት ትርጉም ዘለዎ
ስራሕ ክንሰርሓሉ ንኽእል መቃለሲ መድረኽ ምዃኑ ኣየማትእን። ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ዓለም ለኻዊ በዓል
ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት ካብ’ቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝሓሰመን ዝኸፍን ኣሰካፊ ኩነታት ንርከበሉ ወቕቲ ትኽበር
ብምህላዋ ፍሉይነት ኣለዋ።
ሎሚ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍን መራሒኡን ብስም ህዝቢ፡ ስውኣትን ልኡላውነትን ተሸፊነምሉ ዝነበሩ ካባ ተመናኒሁ
ዕርቃኖም ዝወጽእሉ፡ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝውስን ግዴታ ኣብ ዝኾነሉ
ወቕቲ፡ መን ኣሎ ድምጻዊ፡ መን ኣሎ ፍሉጥ ናይ ሙዚቃ ባንድ ኢልና ንመርጸሉ፡ ተኻሪና እስክትሽምን ንብለሉን
ንስዕስዓሉን መድረኽ ኣይኮነን።
ካብ’ዚ ገጢሙና ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ከቢድ ፈተነ እንኮ መዋጽኦ፡ ካብ ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ምግላብ፡
ብፖለቲካዊ መትከል እንክዕቀን ሚዛን ዘይብሉ ንሰብን ክብሪ ሰብን ዝንዕቕ ሃገረይ ሃገረይ ተቖጢብና፡
ደሞክራስያውያን ምሁራትን ህዝባውያን ደሞክራስያውያን ሰብ ተሞክሮን ዓዲምና ብዛዕባ ሽግርናን መፍትሒኡ
ብዕምቆት ንዛተየሉን’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ካብ ርሑቕን ቀረባን ግዜናን ገንዘብናን ኣጥፍእና ተኣኻኺብና ከነብቅዕ
መግለጺ 8 መጋቢት ብምንባብን ሳዕሳዒትን ክንዛዝሞ ምስቲ መድረኻዊ ጠለብ ዝኸይድ ከምዘይኮነ ካብ ሕጂ ብሓላፍነት
ክንግንዘብ ኣለናን ይግባእን።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 25-02-2019

ኣገዳሲ ሐበሬታ ኤትራውያን ተቀማጦ ስዊዝ

ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ሕግን፡ ነበርቲ ስዊዝ፡ ብምኽንያት ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንገብሮ መደብና ብኽብሪ ንዕድም። ተዋሳኺ ሓቤሬታ +41762504932

Image may contain: text

لسيدات/السادة المحترمين،
الي الارتريين المقيمين في دولة -سويسرا ومناضلين للعادلة،
يطيب لنا ان ندعوكم في حفلنا الذي يقام بمناسبة اليوم العالمي للمرأة.
لمزيد من المعلومات ، الرجاء الاتصال بالرقم التالى ٤١٧٦٦٢٥٠٤٩٣٢ +

Image may contain: text

ናይ ዝተናወሓ ፖለቲካን ዝመረረ ዕጥቃዊ ቃልስን ተሞክሮ ዘለዎም ኤርትራውያን እንታይ ይገብሩ ኣለው? ተኣምራታዊ ኢድ ኣእታውነት ፈጣሪ ድዮም ዝጸበዩ ዘለው

Image result for eritrea isayas and abiy at saudi

ዕርቀ ሰላም ዝበሃል ነገር ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ንነጀው ኤርትራውያን ብሕልፊ’ቶም ብጉዳይ ሃገሮም
ዝግደሱ ቅሳነት ኣይረኸቡን። ሓደ ካብ’ቲ ክሻቐሉ ዝገብሮም ዘሎ ምኽኒያት ድማ፡ ኩሉ ግዜ ብሕቡእ
ምስምማዕ ከም ፖለቲካዊ መርሆ ዝሓዘ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብስውር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር
ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝገበሮን ገና ዝገብሮ ዘሎ ውዑላት’ዩ። ብፍላይ ከኣ እዚ ዝበሃል ዘሎ
ስምምዓት ንልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝጻባእ ወይ ዝሸራርፍ ስትራተጂካዊ ውዲት ኣለዎ ዝብል’ዩ።
ሻቕሎት ኤርትራውያን እዚ ብህዝቢ ዘይተመርጸን ናይ ህዝቢ ደገፍ ድማ ዘይብሉን ውልቀ መላኺ፡
ብመንጽር ነዛ ሃገር ሃገር ክትከውን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ፍጹም ዘይምህላው
ስትራተጂካዊ ዋጋ ዕዳጋ የውርዳ ኣሎ ካብ ዝብል ከቢድ ስግኣት ዝምንጩ’ዩ። ብሓቂ ኤርትራውያን ንስለ
ሃገራዊ መንነቶምን ህዝባዊ ሓርነቶምን ክብሉ ዝኸፈልዎ ዋጋ ታሪኽካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ብምኽንያት
ዶብ ዝኽሰርዎ ክድመሮ እንከሎ ድማ ነቲ ሻቕሎት መሊሱ ሰማይ የዕርጎ። እቲ ሻቕሎት ስቕ ኢሉ ብስምዒት
ዝተፈጥረ ኣይኮነን። ብር መምስ ኣበሉ፡ ብዛዕባ’ቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣካሎም ዝጎደሉ፣
ኣእምሮም ዝተናወጹ፣ ክቡር መስዋእቲ ድማ ዝኸፈሉ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ቅድሚኦም ቅጅል ስለ
ዝብሎም’ዩ።
ኣብ’ዛ ነጻ እትበሃል ኤርትራ ብሰንኪ’ዚ ናይ ስልጣን ገበተ ኣረጋጊጹ ዘሎ ውልቀ መላኽን ውሑዳት እሺ
በሃልትን ኩሎ መሰላቶም ተሓማቲሉ ይርከብ። እወ እዚ ውልቀ መላኽን ውሑዳት እሺ በሃልቲ ናይ ሕልና
ምሩዃቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበታ ገበናት ፈጺሞምን ይፍጽሙ ኣለውን።
እቶም እሺ በሃልቲ ልኡኻት ‘ምበር ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት የብሎምን። ከም ሰብ ይዛረቡ ናይ ጥዑይ ሰብ
ኣተሓሳስባ ግን የብሎምን። ካብ ዝሓለፈ ተግባሮም ኣይመሃሩን። ሰብ እንታይ ይብለና፡ ታሪኽ ብኸመይ
የስፍረና፡ ንደቅና ደቂ ደቅና እንታይ ሓዲግናሎም ንኸይድ ኢሎም ኣይጭነቑን። ቀጻልነት ህይወቶም ምስ
ቀጻልነት ስልጣን ኢሳያስ ኣተኣሳሲሮም ስለ ዝሪኡ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ገበናዊ ተግባሮም
ክቕጽሉ’ዮም።
ኣብ’ዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ምጸት’ዩ። ናይ ኢሳያስን እሺ በሃልቱን ፖለቲካዊ ቅለት
ድማ የመልክት። ኢሳያስን እሺ በሃልቱን ንስሙ መንግስቲ’ዮም ዝጽዋዑ። ብተግባር ግን ዝናን ጉጅላዊ
ረብሓን ‘ምበር ህዝቢ ተኸላበተ ጠመየ ሞተ ጉዳዮም ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ሓድነቱ ክበታተኽ፡ ብድኽነት ዛንዛን
ክብል፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት ሕድሕዱ እናተመናጨተ ክነብር ‘ሞ ሓታቲ ኣልቦ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ደይቦም
ከም ቁርዲድ ደም ሰብ ክማጽዩ ዘኽእሎም ባይታ ኣብ ምድልዳል’ዮም ግዜኦም ዘሕልፍዎ።
ኤርትራውያን ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘቤታዊ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ብኸምቲ ዝለመድዎ ተቓሊሶም ክስዕርዎ
ትጽቢት ይግበር። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ኤርትራዊ ሕብረትን ሓርበኝነትን ትማሊን ሎምን ዘበለ
ይመስል። ትማል ጀጋኑ ነይሮም። ትማሊ ሕብረት ነይርዎም። ትማሊ ይረዳድኡ ነይርዎም። እዚ ምስ
ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ወጻእተኛታት ዝምስክርዎ ሓቂ’ዩ። ሎሚ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ግን ብኣንጻሩ’ዩ።
ትማሊ ብጀግንነትን ሕብረትን ዝተደነቑ ወጻእተኛታት፡ ሎሚ ብፖለቲካዊ ውድቀት ኤርትራውያን ክግረሙ
ክሓዝኑ እንታይ ረኺብዎም ኢሎም ክሓቱ ይስምዑ።
ብርግጽ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣንጻር ኢሳያስን እሺ በሃልቱን’ዮም። ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት፣ በርገስ
ማሕበራት፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣንጻር ኢሳያስን እሺ በሃልቱን ዝተሰለፉ ኣለው’ዮም። ምቅዋሞም ጽቡቕ።
ተቓውሞኦም ብዝተወደበ መልክዕ ምግባሮም’ውን ኣዝዩ ጽቡቕ። እቲ ተቓውሞ ግን ኣንፈቱ ንጹር ኣይኮነን።

ሓድነቶም’ውን ተሪር ኣይኮነን። ልሕሉሕ’ዩ። ተወፋይነቶም ኣይከም ትማልን ጎዲሉ’ዩ። እቲ ግፍዒ ናይ
ሎሚ ይኸፍእ። ኣገጣጥማኦም ድማ ናይ ሎሚ ይደክም።
አረ እንታይ’ዩ ወሪድዎም? ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝተረገጽናዮ ይኣኽለና በቃ ዘይብሉ እንታይ ኮይኖም?
ሓንቲ ኣብ ለንደን ትነብር ኤርትራዊት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ዝበለቶ ሓቂ ክጠቅስ፡ ዋእ ነዚ ድኹም ብሓደ
ሰብ ዝዝወር ጨፍላቒ መንግስታዊ ጉጅለ ሓቢርና ብምቅላስ ከይንኣልዮ ዝእግመና እንታይ’ዩ? ካብ ባዕልና
ሓሊፍና ንመን ኢና ንጽበ? “መለኮታዊ ተኣምራታዊ ኢድ ኣእታውነት ዲና ንጽበ ዘለና?” ክትብል ብሕራነ
ገሊጻ። እዛ ሰብ ሓቃ’ያ። ቅድሚ 1991 ጥራሕ ልዕሊ 20 ዓመት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፣ ልዕሊ 30 ዓመት
መሪር ደማዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይዶም ከብቅዑ፡ ኣስታት 30 ዓመት ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ምልኪ ተመቚሖም
ክነብሩ ንክትሓስቦ ዘደንጹ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብስርዓት ዝነባበሩ ህዝብታት ሓደን ኣብነታውን’ዩ። እሞ ሎሚ ደኣ
እንታይ ተረኽበ ኣብ ሓደ ሰብ ምምላኽን ካብኡ ምሕረት ምጽባይን? ኣበይ ጠፊኡ እቲ ዘደንቕ ኣወንታዊ
ክብርታት? ኣበይ ኣሎ እቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተራእየ ትብዓት? ሓደ ሰብ ንልዕሊ 6 ሚሊዮን ህዝቢ ከም
ቃሕታኡ ክገዝኦ ነቲ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምስክሮ ድሙቕ ሃገራዊ ሓርበኝነታዊ ቅያ ዘህስስ’ዩ። እምበር’ዶ
ትማሊ ብውነ ብናቶም ውሳነ’ዮም ይቃለሱ ነይሮም? ሎሚ ደኣ እንታይ ኮይኖም ናይ ፖለቲካዊ ሀሁ
ጠፊእዎም ኢሎም ዝሓቱ ብዝሓት’ዮም።
ኢሳያስ ብፈራሕ ጨካን በትሩ ጥራሕ ዘይኮነ በተሓሳስባ’ውን ንውሑዳት ዘይኮኑ ኤርትራውያን
ዝተቖጻጸሮም’ዩ ዝመስል። ዝበለ እንተበለ ትርጉም ብዘለዎ ኣገባብ ከምዘይቃወምዎ ግዲ ተረዲኡ ብሓሳብ
ክገላበጥ ይስማዕ። ብዛዕባ ምጅማር ኲናት ባድመ ኣመልኪቱ እንታይ ይብል ከም ዝነበረ፡ ኣብ’ቲ ኲናት
ምስተሳዕረ እንታይ ከም ዝበለ? ኣብ’ቲ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዶባና ኣይተጠረረን ብማለት ንህዝቢ ኤርትራ
ከም ብሓጺን ሸንሸል ዝተኣሰረ ከልቢ ዓጽዩ ከመይ ከም ዝተገናዘየሉን ከም ዝረመሶን፡ ካብ 20 ሰነ 2018
ንነጀው እንታይ ይገብር ኣሎን እንተተመልኪትና ጥራሕ’ኳ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ወዲቑ ኢሳያስ ክሳብ
ክንደይ ሻዲኑ ከም ዘሎ ዘረጋግጸልና’ዩ።
ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሻቕል ‘ምበር ሰላምን ተስፋን ዝህብ ከምዘይኮነ እዚ ንሪኦ
ዘለና’ዩ። ኢሳያስ ብዘይ ምኽኒያት ባዕሉ ጸላእቲ ይፈጥር’ሞ ዝጸላእክዎ ጽልኡ ይብል። ባዕሉ ተዓሪቐ
ይብል’ሞ ዝፈተኽዎ ፍተው ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት ከም ደመኛታት ጸላእቲ ህዝብን
ሃገርን ኤርትራ ገይሩ ዝኹንኖም ወግሐ ጸብሐ ዝጸርፎም ዝነበረ ገለ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሓይልታት
ገለ ብቐጥታ ገለ ከኣ ብተዘዋዋሪ ኣብ ሕቕፎም ኣትዩ ትካቦ እናተቐበለ ኣይትሙቱኒ ይብሎም ኣሎ። እዚ
ንኤርትራውያን ዝምጥን ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን ካብ ሓደ ተኣምራታዊ መለኮታዊ ሓይሊ ኢድ
ኣእታውነታዊ ፍታሕ ከይተጸበዩ ንጉዳዮም ባዕሎም ክፍትሕዎ ኣለዎም። ግዜ ድማ ክብዎ ኣይግባእን። ግዜ
ክሳብ ዝወሰዱ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ፈጺሙ ናብ ዘይርከበሉ ክዓርግ ይኽእል’ዩ።
ነበያት ለማ ካብ ለንደን
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 22-02-2019

ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ

ቀዳማይ
ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ ብዝኮነ ምክንያት ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ክዘረብ ከምዘይብሉ ክንገብሮ እንክእል ብተደጋጋሚ
ኣብ ኤምባሲታቱ ብዘይ ዕርፍቲ ድምጺና ክነስሚዕ ምስ እንክእል ጥራህ እዩ።

Image result for ethiopian embassy in dc

http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2019/1702KG9-03AT.pdf