ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

Image result for ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT images

ኲነታት ሃገርና ኤርትራ

ኣብዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ሀ. ኲነታት ሃገርና ኤርትራ ብሓጺሩ ለ. ኲነታት ደምበ ተቛውሞ ብሓፈሻ ከምኡ’ውን ሐ. ኲነታት ግሃድኤ ሕድሪ ክንጠቅስ ኢና።

ኲነታት ሃገር ብሓጺሩ፡- ሓፈሻዊ ኲነታት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ቃራና ዝዀነ መገዲ እዩ ዘሎ። ብካልእ ኣዘራርባ ኤርትራ ከም ሃገር ሓደ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ኰይና ኣላ። ሃገር ኤርትራ ብውሕዱ ርእሳ ትኽእለሉ ጸጋታት ኣለዋ። እንተዀነ ግን መራሒ ገባቲ ጭፍራ ህግደፍ ንኹሉ ስለ ዝገበቶ ሃገርና ብቊጠባ ባይታ ዘቢጣ ትርከብ። ህዝቢ ኣብ ናይ ጥምየት መድረኽ ኣትዩ ኣሎ። ናይ ሃገር ቊጠባዊ ፖሊሲ ኣይፍለጥን ባጀት’ውን ኣይፍለጥን። ሕብረተሰብ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ከይነብር ብዝዀነ ነገር ከምዘይቃዶን ከምዘይራኸብን ከም ዘይይተኣማመንን ክገብሮ ለይቲ ምስ መዓልቲ ከይሰልከየ ጭፍራ ህግደፍ ይሰርሕ ኣሎ። መሰረት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዝዀነት ስድራቤት መሰረታዊ ዕማማታ ከተሰላስልስ ይትረፍ እኳ ደኣ ንትበታተን ህግደፍ ይዘራርግ ኣሎ። ኩሎም ማሕበራዊ ፈትልታት ህዝብና ከም ዝበታተኹ ገይሩ እዩ። ምስ እዚ ጐንጐድኑ ኩሎም መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሃገርና ህግደፍ መጠነ ሰፊሕ ዝዀነ ግህሰታት ክፍጽም መዓልታዊ ዕማማቱ ኰይኑ ይርከብ። መራሕ ጭፍራ ህግደፍ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ገበን ገይሩ ኩሎም ፖለቲካዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ መሰላት ኩልኩላት እዮም። ኮታ ኩሉ ንደቂ-ሰባት ዘድሊ ዝዀነ ነገር ኣብ ኤርትራ ተሓሪሙ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኩሉ መሰላቱ ዝተመንዝዐ ህዝቢ መብዛሕትኡ መንእሰይ ሓይሊ ሃገር ካብ ሃገሩ ተጓሕጉሑ ከም ዝስደድ ገይርዎ። እምበኣር ሕጂ ዘሎ ምርጫ ቃልሲ እምበር ካልእ የሎን። ዝመረሮ ህዝቢ ኣመና ርብዒ ዘመን ዝኣክል ተጸሚሙ ሕጂ ግን “ኣሳፊሕካ ሞት ተዀርሚኻ ሞት” ስለ ዝዀነ እታ እንኮ ምርጭኡ መዓንጣኽ ሸጥ ኣቢልካ ኣሲርካ ቃልሲ ምክያድ ጥራሕ እዩ።

ኲነታት ደምበ ተቛውሞ፡– በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ ናይ ተቛውሞ ደምበ ኣሰራርሓን ኣከያይዳን ኣይግደን ኰይኑ ኣሎ። ነቲ ወሪዱ ዘሎ መዓት ዝዳረግ ኣወዳድባን ኣቀላልሳን ኣይርአን ኣሎ። እዚ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ኣባላት ዝዀና ውድባት ዘካየድኦ ሰሚናር ቀስ ኢሉ ናብ’ቲ ባህሪያዊ ናይ ምቕሃም ገጹ ዝተመልሰ ይመስል። እዚ ክቅልበስ ይግባእ። ፖለቲካዊ ውድባት ክንዲ ጠለብ ህዝብን ሃገራዊ ሓላፍነትን ክስምዖም ይግባእ። “ሰገንሲ ርእሳ እንተቀበረት ዝተሓብኤት ይመስላ ከም ዝበሃል መራህቲ ተቛውሞ ካብ ተሓቢኦምሉ ዘለዉ ክወጽኡ ህዝቢ ይጠልብ ኣሎ። እዚብዘየጋጊ መልኮዑ ግሉጽ ኰይኑ ኣሎ። ብዝነበረ ኣገባብ ቃልሲ ኣይሰርሕን እዩ። እዛ ዝተገበረት ሰሚናር ኣበይ ተፈላልዮም ኣበይ ተሰማሚዖም ንህዝቢ ግሉጽ ክገብርዎ ይግባእ።

ብካልእ ወገን ነቲ ዓማጺ ስርዓት ዝዳፈር ኣብ ውሽጢ ብጀጋኑ ዝዀኑ ንኽብሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝተላዕሉ ተራ ሰባት ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ መስዋእቲ እዚ ኣብነታዊ ስለ ዝዀነ ኣብ ኩሉ ክፍለዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንተግባራት ጭፍራ ህግደፍ ዝኹንን ንረብሓ ህዝቢ ንዝተስኡ ጀጋኑ ኣብነታውያን ዝድግፍ ቁጥዐ ብዘለዎ መልክዕ ሓያል ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ክካየድ ቀንዩን ዝተረፈ ከኣ ጌና ንኽግበር ኣብ ምሽብሻብ ኣሎ። ነዚ ተበግሶ እዚ ግሃድኤ-ሕድሪ ደጋፊኡን ንዝያዳ ዱልዱል ቃልሲ ንምክያድ ከኣ ኩሉ ግዜ ቅሩብነቱ ክገልጽ ይፈቱ።

Image may contain: 1 person, crowd and outdoor

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ኣብ ደንሃኽ (The Hague) ዝበሃል ከተማ ሆላንድ (The Netherlands) እዩ። ህዝቢ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ጌና ክሳብ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ራእይ ዝረጋገጽ ከኣ ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ገሊጽዎ እዩ።

ግሃድኤ-ሕድሪ፡- ግሃድኤ-ሕድሪ ጉባኤ ንምግባር ይቀራረብ ዘሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለማት ዝርከቡ መሰረታት ግሃድኤ-ሕድሪ ውድባዊ ጉባኤ ንምዕዋት ይነጣጠፉ ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ መሰረታት ዳግመ-ስርርዓት ብምክያድ ንጉባኤ ዝውክሉ ኣባላት ድሮ መዚዞም ናብ ቦታ ጉባኤ ይጐዓዙ ኣለዉ። ብተመሳሳሊ መልክዑ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣባላት ስርርዓቶም ድሕሪ ምድልዳል ጉባኤ ንምዕዋት ዘድልዩ ንዋታዊ ሓገዛት ኣብ ምቅርራብ ይርከቡ። ከምኡ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ውድባዊ ንጥፈታትና ስርርዓት ምድልዳል ጥራሕ ዘይኰነስ ስርርዓት ኣብ ምስፋሕ’ውን ዓቢ ተራ ከበርክቱ ይርከቡ። ብሓፈሽኡ ኣብቲ ንርኹስ ተግባራት ገባቲ ጭፍራ ህግደፍ ንምቅላዕ ዝግበር ምልዕዓላትን ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያድን ዘሎ ናይ ርብርብ ቃልሲ ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ተሳትፋኦም ብልዑል ወንን ሞራልን ክነጥፉ ይርከብ ኣለዉ። መሰረታት ግሃድኤ-ሕድሪ ንወፍሪ ምልዕዓል ኣብ ኩሉ ቦታታት ብሓፈሻ ኣብ ጀርመን ድማ ብፍላይ ብዕቱብ ተተሓሒዞሞ ይርከቡ። ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ሙንሽን ዝበሃል ከተማ ብኣባል ማእከላይ ባይቶ ብጻይ ኣብርሃም ተስፋገርጊስ ዝተማእከለ ኣገዳሲ ሰሚናር ተኻይዱ። ብንቓልሲ ዝተዓጠቑ መብዛሕትኦም መንእሰያ ኣብ ከተማ ሙንሽን ሓደ ጉጅለ ተመስሪቱ ከም ዘሎ ተፈሊጢ ኣሎ። ንጡፍ ቃልሲ ኣብ ባይታ ክፍጽም ዝወፈረ ጉጅለ ምዃኑ ከኣ ይፍለጥ።

Image may contain: 8 people, people sitting

ብተወሳኺ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ብጻይ ማሕሙድ ዕላጅን ኣባል ሽማግለ ጨንፈር ጀርመን ናይ ህዝባዊ ውደባ ሓላፊ ብጻይ ገብረኪዳን ገብረዝግን ዝተረኸብሉን ዝመርሕዎን ናይ ስቱትጋርድን ከባቢኣን ሰሚናር እዩ። ከም’ቲ ኣብ ም8ንሽን ዝተገበረ ኣብ ስቱትጋርድ’ውን ሓደ ሓያል ጉጅለ ተመስሪቱ ይርከብ።

ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት ዕዉት ዝዀነ ጉባኤ ከም ዝተሰላሰለ ይዝከር። እዚ ዝስዕብ ስእሊ ድማ ክፋል ናይ’ቲ ዝነበረ ጉባኤ ዝገልጽ እዩ።

Image may contain: 6 people, people smiling, people standing and indoor

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ-ሕድሪ

13-11-2017

መጸዋዕታ ሰፊሕ ሰላማዊ ኣብ ስቶክሆልም (Demonstration in Stockholm against HGDF)

ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ስዊድን ስቶክሆልም ክካየድ ስለዝኾነ ፡ንኹሉ ብህዝቡ ወጽዓ ዝግደስ ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፍ ከሙኡ ውን ናይ ህዝብና ኣውያትን ምረትን ከነስምዕ በዚ ኣጋጣሚ ሽማግለ ናይ ስቶክሆልም ትዕድም።

ቦታ ዝግበርሉ ኣብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ።

ንዕለት 17/11/17

ሰዓት 1፡30-5:00pm

ብደሐን ምጹ።

Demonstration in Stockholm against HGDF to support our compatriot in Eritrea.

The address is in front of Eritrean Embassy.

Friday 17/11/2017@1:30-5:00PM

“ሻንጆርጆ ፈሪሳ!!ወይ ዓንያ????????

ሕቶን፡ ርእይቶን ንክቡር ዶክተር ተስፋ ገርግስ ገርብረ መድህን ወስት ቪርጂንያ!!!!!!
(ዕባይ ዓድ ወግሪ)!!!!!!
“ዘየደቅስ ነጊሮም ድቅስ ይሓድሩ” ስለ ዝኾነኒ ኣብዚ እዋን ክጽሕፍ ተገዲደ፡ እዚ ዘለናዮ እዋን ዘበነ ጸነተ፡ ዘበነ ድንቁርናን፡ ዘበነ ማአሰርትን፡ ዘበነ ስደትን፡ ዘበነ ባርነትን፡ ዘበነ ዕብሰትን፡ ዘበነ ጥምየትን፡ ዘበነ ሕሰምን መከራን፡ ዘበ ዉርደትን፡ ዘበን ዓመጽን…ወዘተ። ኣብ ጓል ዘረባ ዝእቶ ግዜ ኣይኮነን።
ክቡር ዶክተር ተስፋይ፡ ኣብ መርበብ ሓበረታ “ንስኒትና (Nsinita)” ብዕለት 17 ጥቅምቲ 2017 ዘስፈሮ ጽሒፍ መሰረት ብምግባር እየ። ኣብ ሓተታኡ “ሳንጆርጆ” ካብ እትምስረት 1902 ጀሚራ፡ዘፍረየቶም ንኡዳት ተማሃሮ፡ ካብ ግዜ ጣልያን መሰረተ ታሪኻ፡ ተረኸ። እቲ መወከሲ ዝተጠቕመሉ ብዶክተር ጰጥሮስ ስብሃቶ ዝሃቦ መደረ፡ ኣብ 2009 ዝተገብረ ምትእኽኻብ ተማሃሮ ሳንጆርጆ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሰብ ባጀላ ኤርትራውያን መወከሲ ዝጥቀሙ ዉሑዳት እዮም። የተዓዛዝብ ድማ። ካብቶም ዝተጠቕሱ ደገዝማትታት፡ ክልተ ብሉጻት ጀነራላታት ነበሩ፡ ለፍተናንት ጀነራል ሃይለ ባይከዳይ ምስ ሓዎም፡ ዘይምጥቃሶ ደጊምካ የታዓዛዝብ፡ ታሪኽ ምዝባዕ የምስሎዶ?። 

ካብ ግዜ እንግሊዝ ክሳብ ግዜ ደርጊ 1941 ክሳብ 1975 ዝፈረዩ፡ ከም መወከሲ ብዉሑዱ፡ ካብቶም ኣብ ቃልሲ ምእንተ ነጻነት ዝተገብረ ተጋድሎ ካብ “ማሕበር ሸውዓተ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር” ብሉጻትን፡ ጅግንነትን፡ ተወፋይነት፡ መስዋእትነት፡ ማእሰርትን፡ ስቓይን፡ ስደትን፡ ብባዕዲ ኮነ ብሰውራ ኤርትር ዝኸፈሉ ዉሑዳት ኣይኮኑን።

ክጥቀሱ ምተገብኦም ዝብል፡ ኪዳነ ክፍሉ (ከበደ)፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ስዩም ዑቕባ ሚካኤል፡ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ጀነራል ብርሃነ ገርዝጊሄር፡ ተስፋይ ተኽለዝጊ፡ ገረብርሃን ዘርኤ፡ ጀነራል ቢትወደድ ኣብርህ፡ ስዉእ መሲሕ ኣዳላዊ ‘ጥሒሻ” ብህግደፍ ዝሓቐቐ….ወዘተ።
ሕቶ? ንኽቡር ዶክተር ተስፋይ?
ክቡር ዶክቶር ካብቶም ኣስመራ ከረምቲ ከረምቲ ዝመላለሱ ብዓል ጸጋን፡ ብዓል ክእለትን እዩ። ስለ ዝኾነ “ሳንጆሮ” ዝዝክራ ሰኢና እቶም ኣብ ስደት እትነብሩ፡ ዘይተሔድስዋ? ዝብል ምኽርን ምሕጽኖትን ካብ ኣብ ኤርትራ፡ ዘለዉ ሰበ ስልጣንን፡ ተገደስት፡ ከም ዋዛን ቁምነገርን ተበገሰ።
ኣብ ኤርትራ፡ ግዱሳት “ህንጸት ሳንጆርጆ” ዝብል ጎስጎሱ፡ ካብ ኣብቲ “ኣብ ዓድሓሎ ዝነበር፡ዋና ኤርትራ” ንታሕቲ ኣጆኹም፡ ኣጆኹም ተባህለ።
ገንዘብ ብብዝሒ ዝርከብ፡ ኣብ ስደት ብዘለዉ ብዙሓት ብሳንጆርጆ ዝተማህሩ ስለ ዘለዉ፡ መልእክቲ ይሰደድ ተባህለ።ደወል ተደወለ፡ ነጋሪት ተደግመ!!! ተሰካም ቡስጣ፡ ክቡር ዶክተር ተስፋገርግስ ነበረ። ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ ንዝርከቡ ኣረኪቡ ከደ። ካብ 2007 ክሳብ 2009 ጎስጓስ ተገብረ።
“ተፋቐር ከም ሓው፡ ተሓሳሰብ ከም ጓና” ከም ዝብሃል፡ ሽማግለ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ቆመት።ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ብሕጊ ዝጥየቁ፡ ብሓላፍነት እትሕተት፡(NGO_San Giorgo Development Inc.( 501c3) ብሕጊ መንግስቲ ኣመሪካ ተጀመረ። ብ2009 ኣብ ኣርሊግቶን ቪርጊኒያ ዝተገብረ ምትእኽኻብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ደቂ ሳንጆርጆ ፈተውትን (1000) ተሳተፉ። ንኤምባሲ ኤርትራ መንበር ተሓዚኡሉ ከምዝነበረ እዝክር። ገንዘብ ድማ ልዕሊ $200,000 ከምዝተወፈየ ዝዝከር እዩ።
ካብ ገለገለ ፈተውቲ “ ከይተቛርጹ ዋላ ጽባሕ ሻዕብያ ወገናዉያን እንተበለኩም፡ ሳንጆርጆ ትንሳኤ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክትኮነና እያ” ዝበሉኒውን ነበሩ።

ሕቶይ??
ክቡር ዶክቶር፡ ድሕሪ እዚ ዝተገብር ዕዉት ምትእኽኻብ ሳንጆርጆ፡ ኣብ ዋሺንግቶን ዝነብር፡ብኣቶ ብርሃነ ዝተባህለ ኣባል ኤርትራ ኤምባሲ፡ ኣብ ራድዮ ወጺኡ “እዚ ብስም ሳንጆርጆዶ! ማይደዓሪትዶ! ዓዳዊ ምትእኽኻብ ተቐባልነት ክዋሃቦ ኣይግባእን ከምዝበለ ትዝክርዶ?
ስዒቡ፡ እቲ ኣብ መንደፈራ ዝነበረ ኣማሓዳሪ ካብ ስልጣኑ ተኣልየ፡ ወዮ ሓዲሽ ኣማሓዳሪ፡ ከምዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ከምዝለኸ ክዝርዝር።
1. ሳንጆርጆ መንግስቲ ክሃንጻ እዩ።
2. ብስም ሳንጆር ኣኼባ ከይትገብሩ።
3. ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ቀረባኹም ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ኣረክቡዎ።ዝብል ትእዛዝ ካብ መንደፈራ ተላእከ።
ክቡር ዶክተር! እዚ ትእዛዝ መንግስቲ፡ ኣበይ በጽሔ? መንግስቲ ባዕለይ ክሰርሖ አየ ኣይተባህለን ድዩ? እዚ ካልኣይ ቡስጣ ካብ መን ተላእከ? መልሲ ካብ ክቡር ዶክተር ንኩላትን እጽበ።ዘይ ሓፍር ዘይሃንኽ መንግስትን፡ ሰዓብቱ ሰብ ባጀላ፡ ወረ ዘይስተሩ፡ ስቕተበለ ሰብ ድቃስ ይኸልእካ።
ርእይቶይን ትዕዝብተይን ኣብ ሰብ ግዜን! ሰብ ባጀላ ኤርትራ!!!!!!!!!
ሰብ ባጀላ ክብሎም እመርጽ፡ ሰብ ባጀላ ኤርትራዉያን፡ ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም መሰታኦም ዝኾኑ ሰብ ባጀላ፡ ክወዳደሩ ዘይምኽኣሎም እዩ። ልዕሊ 80% ካብ ሚእቲ ሰብ ባጀላ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ፡ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ከቀባጥሩሉን፡ ክሕለቕሉን፡ ክምሕሉሉን ይርከቡ።
ንክቡር ዶክተር ተስፋገርግስ ዝነበረኒ 1971 ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ኣዳራሽ ህዝባዊ ንሮ እድገት ዝተገብረ ኣስተምህሮ፡ ብምዝካር አየ። ኣብቲ እዋን ተማሃራይ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ኮይኑ ንመንደፈራ ንሓደ ዓመት ኣገልግሎት ኣብ ዝመጸሉ እዩ።
ኣብ መንጎ ሰማዕትን፡ መሃርትን ኮይኑ መደብ ይመርሕ ነበረ። ሓለንጋይ ተስፋይ፡ ጽፈትን ኣምልኾ ቛንቛ እንግሊዝ ዝድነቕ ነበረ። ኣብ ሕቶን ርእይቶን፡ ምስ ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል ብሻዕብያ መንካዕ ኢሉ ዝተቐትለ ተራጸሙ። ሙሴ ልብን ቀልብን ተማሃሮ ሳንጆሮ ሃነን ኣበለና።
እዚ ክቡር ሓወይ ምስ ዕድመን፡ ስደትን፡ ስለ ዝተራኸብና፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክርእዮ ከለኹ ኣብ ዉሽጠይ ሕርኽርኽ ይብለኒ። ንሱ ድማ ኣብ መንደፈራ ዝነበሮ ዘንጸባርቕ ኮኾቡ፡ ሕብሩ እናሃሰሰ፡ ብርሃኑ እናደበነ፡ ናብ ጠቐር ተቐይሩ ብርኣየይ እዩ።
ኣብዚ ሕግን ስርዓትን፡ ኣልቦነት ዘበነ ህልቀት፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐዳኡ፡ መሰሉ ስኢኑ፡ “ኣይ ንቕድሚት ኣይንድሕሪት፡ ኣይርግኦ ኣይጸባ” ኮይኑ ኣብ ዓለም ተዘሪኡ ዓወንወን እናበለ ኸሎ!!! ኣዋልድ ኤርትራ መጻወቲ መኮነናትን፡ በደዊን፡ ረሻይዳን ኮይነን፡ ተገዲደን ክጠንሳን፡ ክሓርሳን፡ ክግረፋን ክጭቆናን ስቕ ኢልካ ምርኣይስ፡ ኣብ ምንታይ ይቑጸር?።
መንእሰይ ኤርትራ ወዶም ከነ ጓሎም፡ ኣብ ሲናን፡ ኣብ ሰሃራን፡ ኣብ ልብያን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክርሸኑን፡ ክጥብሑን፡ ልቦም ኮላሊቶም፡ ክሽየጥ ክልወጥ፡ ወዲ ሰብ ከም ኣድገ በቕሊ ኤርትርዊ ክሽየጥ ይውዕልን ይሓድርን ኣብዘለወሉ አዋን፡ ንዓለም ዘስደምም ወሪዱ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሳንጆርጆ ዝተማህረ ስቕ ኢሉ ክርኢ የስደምም።
ሰብ ባጀላ፡ ዓመት ዓመት እናተመላልሱ፡ “ሃገር ትለምዕ ኣላ” ክብሉ ይስምዑ።
እዚ ክቡር ዶክተር!! ሓደ ሰንበት፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ክሰብኽ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ገጠመኒሞ! እዋእ ሕጂ ድኣ እንታይ ኢለ ክጽውዓካ? ኣባ ተስፋገርግስ!!!!
ኣባ ተስፋገርግስ!!
ስብከት ክጅምር እንከሎ፡ ክብርቲ ወላዲቱ ብ2009፡ ንመንደፈራ ምስ ከደ ዝተማሕጸንኦ ቃላት 10 ነጥብታት፡ ገሩ ስብከቱ ጀመረ። ንወላዲቱ ነብሰን ይምሓር።
እዚ ዝስዕብ ቃላት ሰንዘራሉ ካብ ዝዝክሮ፡ “ተስፋይ ወደይ!! ምጾታት ኣኺሉ፡ ፍትሒ ጠፊኡ፡ ፍቕሪ ጠፊኡ፡ ሓውን ንሓው ክባላዕ ጀሚሩ፡ ጥልመት፡ ክሕደት በዚሑ…ወዘተ።”
ኣባ ተስፋይ ኣብ ስብከቱ ነዚ ወሪዱ ዘሎ “ ስርዓተ ማፍያ ኤርትራ” ብሓጥያት ህዝቢ ዝመጸ እዩሞ፡ ጾሎት ንግበር እዩ። ኣይትቃወሙ፡ ሕቶ ኣይተብዝሑ፡ ቃልሲ ኣየድልን እዩ።
ኣባ ተስፋ ምስ ግዜን እማንን ዝቀያየር እምነት ሕብርን ዝኾኑ ኮይኑ ይራኣየኒ፡ እዚ ናተይ ትዕዝብተይ አዩ። ተማሃራይ ኮነንካ “ፋኖ ተሰማራ፡ በዱር በገደሉ!! እንደ ሆቺሚኒ እንደ ቸኮቨራ” ብለኒንን ማርክስ ይማሓል ይጠሓል ከምዘይነበረ። ሕጂ ኩሉ ሓሊፉ ተማሂርካ፡ ኣብ ዝብጻሕ ምስበጻሕካ፡ ተመርዕኻ ወሊድካ ዘሚድካ፡ ደቕኻ ኣምሂርካ ኣብቂዕካ፡ ብዕድመውን 70 ዓመታት ዘሕለፉ ሰብ ባጀላ፡ ህዝቦም ሃገሮም ኣብ ዝርመሰሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ማፍያዊ ስርዓት ወጊኖም ክትርኢ ምስምንታይ ይቑጸር።
ኣባ ተስፋይ ኣብ ዝሓዝዎ መጽሓፍ “ጠምየ ዓንገልኩኒ፡ ተኣሲረ በጻሕኩኒ፡ ጸሚኤ ኣስተኹምኒ…ወዘተ”። ንፍትሕን ንሓቅን፡ ንግሉጽነትን፡ ተሓታትነትን፡ ሕጋውነት፡ ቅዋምን ዘይብላ ሃገር እናፈለጡ፡ ኮነ ኢሎም ህዝቢ ከዔውኑን፡ ከደናግሩ ክትርኢ የሕዝን። ብደም ኤርትራውያን ዝተጻሕፈ ኣብ ከውሒ ሲናይ “እዚውን ክሓልፍ እዩ” ከምዘሎ ተረሲዑ፡ ዘገርም እዩ። ሕጂንከ! ሰብ ባጀላ ካብ ሂወት ሰብ፡ ንብረ ወይ ንመንደቕ፡ ክሳብ ክንደይ ክብሪ ከምዝህቡ መግለጺ እዩ።
እምበኣር ክቡር ዶክተር/ኣባ ተስፋይ!!
ክብርቲ ወላዲትካ ዝሃባኻ ምኽሪ ደጊምካ ክትሰምዖን፡ ከተስተማቕሮን ይላበወካ።
“ሰብ ኣሓን ስቕ ኢሎም፡ ሰብ ቆራብቲንከ፡ ይዋግኡ” ኮይኑ ኣሎ።
ሳንጆርጆ መዘከርታ ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ምኻና ክገልጽ ይፈቱ። ሳንጆርጆ ደብሪ ፍልጥት ከም ምኻና መጠን፡ ኮነ ኢሉ ማፍያዊ ስርዓት ኢሳያስ ስለ ዘፍረሳን ዘዕነዋን “ምልክት ጥልመትን፡ ምልክት ዕንወትን፡ ምልክት ድንቁርናን፡ ምልክት ድኽነትን ህዝቢ ኤርትራ እያ” ከም ስልማትና ንወስዶ። ስናጆርጆ ማፍያዊ ስርዓት ምስ ፈረስ ክትህነጽ እያ ዝነበራ ክብራን መዓርጋን ክምለስ እዩ። ኣብዚ ስዓት እዚ ቡስጣታት ማፍያ ምስካምስ መድለየዶ? መእምር ቦኽር ከምዚ ይብል “ቆልመጽመጽ”። “ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ” በሉ ኣባ ትኳቦ ።

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!
ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንዲያና 13 ሕዳር 2017

Eritrea’s Military Got Help From U.A.E., Foreign Firms, UN Says By Nizar Manek November 11, 2017, 9:53 PM PST( ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ ካብ ሕጊ ዓለም ወጻኢ ዝኾነ ናይ ወታሀደራዊ ታዕሊም ኣብ ዳግመ መጽናዕቲ ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ)

Eritrea’s military received help from the United Arab Emirates and possibly Russian, Czech and Italian companies in the past year, assistance that would violate a United Nations arms embargo on

the Horn of Africa country, the organization’s investigators said.

 Thirteen Eritrean air force and navy cadets received training at U.A.E. military colleges and seven at Emirati engineering institutions between 2012 and 2015, the investigators said in a Nov. 8
report to the UN Security Council, citing testimony from five cadets who defected. The U.A.E. has been building a military base in Eritrea, whose port facilities two months ago appeared to be
“almost complete with multiple vessels docked,” the investigators said, citing satellite imagery.
 U.A.E. tanks and artillery have been present between the port facilities and an airport that is also being developed, the investigators said. A U.A.E. Foreign Ministry official didn’t immediately
respond to a request for comment. Eritrean Information Minister Yemane Gebremeskel didn’t comment directly on the allegations.

Eritrea, a one-party state that sits on a key shipping strait linking the Red Sea and Suez Canal, has been under UN sanctions since 2009, following allegations President Isaias Afwerki’s government supports Al-Qaeda-linked rebels in Somalia. UN monitors said two years ago that the Saudi Arabia-led coalition fighting in Yemen may have been offering Eritrea monetary compensation for the use of its land, airspace and territorial waters.

 ‘Unwarranted Sanctions’

In an emailed response to Bloomberg’s questions, Information Minister Gebremeskel criticized “unwarranted sanctions” based on “false allegations” it supported the al-Shabaab militant group. UN investigators said they found no conclusive evidence of support given to the fighters nor of large shipments of weapons and ammunition between the two countries.

The investigators also said Russia’s permanent mission to the UN told them the St. Petersburg Aviation Repair Co. overhauled a Mi-17 helicopter that was transported from St. Petersburg to the

Ministry of Transport and Communications in Eritrea’s capital, Asmara. Satellite imagery later appeared to show the aircraft at various military sites in the country, the UN experts said.

Defectors told them all helicopters operated by Eritrea’s government are used by the national air force, although not necessarily exclusively. The repair company didn’t immediately respond to an email seeking comment.

Czech Republic-based Zlin Avion Service s.r.o. supplied parts and training to members of the Eritrean air force, which has at least four Zlin aircraft, the experts said, citing certificates bearing the

Zlin Avion logo and the signature of a flight instructor who was in Asmara in May 2016, as well as eyewitnesses.

The company didn’t immediately respond to an email seeking comment. It told the UN investigators it hadn’t entered into any contractual agreement with Eritrea’s government and that its

employees hadn’t been present in the country.

https://www.bloomberg.com/news/articles/2017-11-12/eritrea-s-military-got-help-from-u-a-e-foreign-firms-un-says

Eritrean terror suspect arrested in Kenya By Dzuya Walter For Citizen Digital Published on 9 November 2017

Eritrean terror suspect arrested in Kenya

Anti-Terror Police Unit (ATPU) are holding an Eritrean national alleged to be involved in human trafficking within Kenya and abroad.

Geberemeskel Kahssay Bahta was arrested at the Jomo Kenyatta International Airport (JKIA) on November 5 on account that and he is alleged to have arrived in Kenya from United Arab Emirates via a KQ flight operated by Kenya Airways.

They were granted five days to hold onto to him as they conduct investigations. According to an affidavit by Sergeant Esther Chao, the suspect was travelling to South Africa having bought a ticket and checked in for a flight using an Eritrean passport.

The police claim that Bahta has been on terror watch list since 2011 and they are intending to charge him officially when their ivestigations are over.

“The respondent is involved in human trafficking in Kenya and has associates who run the cartel who are also been investigated,”claims the police.

While seeking to hold on to him pending investigations, ATPU told the court that the suspect’s phones have been taken to a forensic laboratory for analysis to identify his associates. The officer said they needed more time to get a feedback from experts.

The court was further told that Bahta’s travelling documents also need to be verified at South Africa, Mozambique,Angola ,Thailand ,Zimbabwe and South Sudan embassies which may require some time to get feedback.

Consequently, resident magistrate Muthoni Nzibe allowed the application and directed that he be returned to court after 5 days.

The suspect had been deported in early 2005 but he filed a case against the attorney general and immigration department seeking orders to block his deportation. High court judge Roselyn Wendo in march 14 2007, however, dismissed his application saying that his deportation was proper.

Justice Wendo said the decision of the minister cannot be faulted and that the suspect was in breach of Kenyan laws and that the minister acted in accordance with the law.

The suspect had asked the court to stop the State from arresting and deporting him or interfering with his peaceful stay in the country.