ብህይወት መኣዛ መን’ዩ ተሓታቲ ? – ብ ታደሰ ኪዳነ  1/10/2015

 

ብህይወት መኣዛ መን’ዩ ተሓታቲ ? – ብ ታደሰ ኪዳነ

ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ኢደይ ተለፎን (ሞባይል) ካብ ኤርትራ ናይ ዝተደወለ ቁጽሪ (miss call) ረኺበ። እቲ ቁጽሪ ናይ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደለይን። እቲ ዘሻቐለኒ ግን ደዋሊት ብዘይካ ንኣድላዪ ጉዳይ ንሰላምታ ወይ ንኻልእ ቅልል ዝበለ ጉዳይ ከም ዘይትድውለለይ ኣጸቢቐ ኢየ ዝፈልጥ። ገለ ክብድ ዝበለ ነገር ከም ዝተረኽበ’ውን ኣይሰሓትኩዎን። ኩነታት ክፈልጥ ድማ ተቐላጢፈ ደዊለላ። ንሰላምታ’ውን ግዜ ኣይነበረንን። “ደሓን ዲኺ?” ተቐላጢፈ ዘቕረብኩላ ሕቶ ኢዩ። “መኣዛ ጓል ተኽለኣብ ኣብ ከባቢ ከሰላ ረሻይዳ ሒዞማ ኣለዉ።  ኣቡኣ ‘ተለፎኑ እንተለኪ ደዊልኪ ንገርለይ’ ስለዝበለኒ ኢየ ደዊለልካ። ንዝርዝሩ ግን ባዕልኻ ደዊልካ ሕተቶ።” ሓጺር መልእክቲ። ሰንቢደ ከኣ። ድሕሪ ነዊሕ ኣዋን ንራኽብ ስለዝነበርና ዕላልና ክቕጽል፣ ሓበረታ ክንለዋወጥ ምደለኹ። ኣቓልቦይ በቲ ሓድሽ መልእኽቲ ስለዝተሳዕረ ግን “በሊ ናብኡ ክድውል” ኢለ ኣብ ናይ ኢደይ ተለፎን ሓድሽ ናይ ደቀምሓረ ቍጽሪ ክጥውቕ ጅሚረ

መኣዘ ተክለኣብ ካብ ኣቦኣ ኣቶ ተኽለኣብ ትኩእ ምራጭን ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ሳራ ገብረመድህን ከንቲባን ኣብ ከተማ ደቀምሓረ – ዞባ ደቡብ ተወሊዳ። ዕድሚኣ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ወለዲ ተማሂራ ሰብ ክትኮኖሎም፣ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓለም ኣእቲዮማ። ትምኒቶም ተማሂራ ጽቡቕ ስራሕ ክትሕዘሎም፣ ተመርዕያ ክትወልድ ክትዝምድ ኢዩ ነይሩ።ትምኒቶም ግን ምስ ክዉንነት ኣይተጋጠመን። ተማሃሪት መኣዛ ክሳብ ናይ 10ይ ክፍሊ ትምህርታ ኣብ ማሙቕ ገዝኣ፣ ምስ ወለዳ ኮይና ኢያ ኣብ ደቀምሓረ ወዲኣቶ። እንተኾነ እታ ካብ ገዝኣ ወጺኣ ዘይትፈልጥ ጭልቅዕ መንእሰይ 11 ክፍሊ ክትመሃር ሳዋ  ክትወርድ ነይሩዋ። እወ ኣብ ሳዋ ካብ ምሉእ ኤርትራ ምስ ዝመጹ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወታደራዊ ሓለዋ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ምስ ዝተፈርዶም መንእሰያት ክትመሃር። በዚ ድማ ኢያ ኣብ ክራማት 2011 ወለዳ (ከም ኩሎም ካልኦት ወለዲ) ጓሎም ብኽብርታን ምስ ምሉእ ጥዕናኣን ክትምለሶም እናተተስፈዉ ከብዶም ሓቝፎም ዘፋነዉዋ

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ሰዋ ዝስዕብ ህይወት ካብ ቀዳሞት ኣሕዋታ ዝተረድአት መእዛ፣ ካብ ተመሊሳ ትከላበት፣ ኣብ ከተማታት ሱዳን ተሰዲዳ ሰሪሓ ክትነብር፣ ኣምላኽ እንተሓገዛ’ውን ሰሪሓ ስድርኣ ክትሕግዝ ኢያ ወሲና። በዚ ድማ በቲ ኣብ ናይ ጅኦግራፍ ትምህርቲ ዝተማህረቶ ‘ሱዳን ብምዕራብ ኢያ ትርከብ’ ዝብል ሓበረታ ጥራይ፣ ሳልሳይ ርእሳ ካብ መዓስከርን ቤት-ትምህርትን ሳዋ ሞሊቓ ጉዕዞ እግሪ ተተሓሒዛቶ። ኣብ ጉዕዞኣ መንገዲ ዝሕብሩ፣ ብእኽለ-ማይ ዝዕንግሉ፣ ኣብ ልዕሊ ደቀ-ንስትዮ ዝደናገጹ ደቂ-ሰብ እምበር፣ ሰብ ዝጨውዩ. ንሰብ ከም ኣቕሓ-መሸጣ ዝሸጡን ዝልውጡን፣ ዝቕጥቅጡ ሰብ ዝመስሉ ኣራዊት ከጋጥምዋ ኣይተጸበየትን። ካብ ሰዋ ናብ ሱዳን፣ ሰዓታት ድዩ መዓልታት ወይ ሰሙናት ዝወስድ፣ ኣበይ ተዕርፍ፣ ኣበይ ትምገብ፣ እንታይ ትሰንቕ ብደቂቕ ኣይሓሰበትሉን። ካብታ ድሕሪ ሳዋ ትመጽእ ከልበትበት ከተምልጥ ጥራይ ኢያ ‘ሃጽ’ ኢላ ንምዕራብ ዝመረሸት።

ነዚ’ውሳኔ’ዚ ብዘይካ’ቶም ምስኣ ዝሞሎቑ መኻይድታ ዝኾኑ ወድን ጓልን ንዝኾነ ካልእ ሰብ ኣየማኸረትን። ከመይ ገይራ’ኸ ከተማኽር፣ ኣይኮነን ካብ ቤት-ትምህርቲን መዓስከርን ሳዋ ሞሊቕካ ክትሃድም፣ ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ’ውን ዘእስርን ዘቕትልን እንድዩ። ብዝኾነ መኣዛን ብጾታን (ሳልሳየን ወዲ) ተበጊሰን፣ ነዊሕ ግን ኣይከዳን። ኣብቲ ኣእዊኻ ረዳኢ ዘይትረኽበሉ ጻሕ ዝበለ በረኻን ጎላጉልን፣ ብረትን ጉራደን ዝሓዙ፣ ጻዓዳ ክዳን ዝተኸድኑ’ ዘረብኦም ዘይርድእን ሰብ ዝመስሉ ጎሓሉ ረኺቦመን። ረኺቦመን ጥራይ ግን ኣይኮኑን፣ ወኒኖመን’ውን ኢዮም። ናታቶም ገይሮመን። ድሕሪኡ ንመኣዛን ብጾታን ዘጋጠመን ጸገም ንሰን ጥራይ ኢየን ዝፈልጥኦ።

እቶም ብመኪና መንግስቲ ጓሎም ዘፋነዉ ወለዲ ግን፣ ጓሎም ብመኪና መንግስቲ ክትምለሶም’ሞ ዕንባባ ኣናነጸጉ ክቕበልዋ ኢዩ ዝነበረ ትጽቢቶም። ስሕት ኢሎም’ውን እንተ ብቡስጣ እንተ ብተለፎን ደሃይ ጓሎም ካብ ሳዋ ክሰምዑ ዘይብህጉ ኣይኮኑን። ሎሚ ግን ዘይተጸበይዎ ደሃይ ካብ ሳዋ ዘይኮነ፣ ዘፍርሕ ደሃይ ካብ በረኻታት ሱዳን ኢዩ ተለፎን ተደዊሉሎም። ጓሎም “ኣብ በረኻታት ሱዳን ኣብ ኢድ ራሻይዳ ኢየ ዘለኹ። $3000 (ሰለስተ ሽሕ ዶላር) እንተዘይከፊልኩምለይ ‘ክንቀትለኪ ኢና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ብዓረብ ገሮም ‘ሲናይ’ ‘እስራኤል’ እውን ይብሉ ኣለዉ። እጠፍእ ኣለኹ። ዝግበር ግበሩ” ዝብል መርድእ ካብ ጓሎም ሰሚዖም። እታ እንትርፎ ጎደናታት ደቀምሓረ፣ ንሱ’ውን ወይ ናብ ድኳን ክትለኣኽ ወይ ናብ ትምህርቲ ክትከይድ፣ ካብ ገዝኣ ወጺኣ ዘይትፈልጥ ጓሎም ካብ ኣእዊኻ ዘይተስማዓሉ፣ ጎይኻ ዘይተርክበሉ ጭው ዝበለ በረኻ፣ ናይ ጥፍኣት መርድእ ኣስሚዓቶም። በዚ ከኣ ኢዮም ኣብ ምድሓን ጓሎም ዝከኣለኒ ክገብር ተለፎነይ ንምርካብ ዝተጓየዩ።

ድሕሪ’ዚ ብ$3000 ዶላር ህይወት መኣዛ ንምድሓን ተጓየ ኮይኑ። እታ መኣዛ ንስድርኣ ዝሃበቶም ቁጽሪ ተለፎን፣ ኣብ ሱዳን ንዘለዉ ገለ ቤተ-ሰብ ሂብና ምስ ራሻይዳ ክንራከብ ፈቲንና። ተለፍን ራሻይዳ ግን ንሱ ዝኣንፋ ጠፊኣ። መልሲ ተሳኢኑ። $3000 ዝሓተተት ተለፎን ራሻይዳ መልሲ ከሊኣ። መኣዛን ብጾታን ናበይ ኣቢለን? ቀቲሎመን ዶ’ኾን ይኾኑ? ወይስ ኣካላተን ዘይተተንከፈ ቆልዑ ስለዝረኸቡ ንግዜኡ ዓጽዮመን ክቕንዩ ወሲኖም? ኮልቦ-ዲሶሎ’ዶ ቀቲሉወን? ዝዓይነቱ ሕቶታት ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ክመላለስ ቀንዩ። “ተሰናቢድካ መታን ክትከፍሎም ከምኡ ዓይነት መናውራ ይጥቀሙ ኢዮም” ዝብል መደዓዓሲ ርእይቶ ዘቕረቡ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ መልሲ ኮነ እቲ ፍታሕ፣ እቲ ምሕረት’ውን ብዓቢኡ ካብ እዝግን ካብቶም ጨወይቲ ራሻይዳን ምጽባይ ጥራይ ኮይኑ።

እወ መኣዛን ብጾታን ሎሚ ዋናታት ኣለውወን።ዝሸጡ ዝልውጡ። ሎሚ ናይ ኣደ ሕንቃቐ፣ ለውሃትን ሓልዮትን ናይ ኣቦ የለን። ኩለንትነአን ናይ ካልኦት ኢየን። ናበይ ይኸዳ፣ እንታይ ይበልዓ፣ እንታይ ይኽደና፣ ኣበይ የዕርፋን ይድቅሳን ዝውስኑ እቶም ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ፣ ራሻይዳ ዝበሃሉ ጨወይቲ ኢዮም። እንታዮም ዲየን፣ ዘየዕበዩወን ዘይትኸናኸንወንን ገለ ነገር ዘየሕለፉለንን ቖልዑ ከም ደቂ ሰስሓ ኣብ በረኻ ረኺቦመን። ዘለውኦ ቦታ ባዕሎም እንተዘይነጊሮመን ኣበይ ከም ዘለዋ ከመይ ገይረን ክፈልጥኦ። ዝሃቡወን ይበልዓ፣ ዝሃቡወን ይሰትያ። እቲ ክጻወሮኦ ዘለወን ሽግርን ጭንቅን ማዕሪኡ ሓያል ምዃኑ’ውን ዘተሓትት ኣይኮነን።

መኣዛ ምስ ብጾታ ደሃይ ካብ ተጥፍእ ሰሙን ሓሊፉ፣ ስድራ-ቤት ከብዶም ሓቝፎም፣ ካልኣይ ሰሙን ሓሊፉ። ስድራ-ቤት ዓቕሎም ጸበቦም። ህይወት ግን ኣይትቕበጽን ኢያ። ደሃይ መኣዛን ብጾታን ካብ ዝስወር ሰለስት ሰሙን ሓሊፉ። ቅባጸት’ውን ንባዕሉ ዕረፍቲ ኢዩ፣ ስድራ ግን ኣይቀበጹን። እተን መኣዛ ትፈልጠን ንጨወይታ ክትህበን ትኽእል’ያ ዝበሃላ ተለፎናት ኣብ ተጠንቀቕ ኢየን ዘለዋ። ምናልባት መኣዛ ወይ ጨወይታ ጭር እንተኣበሉ፣ መኣዛ መልሲ ከይትስእን። ኣለናኪ ክብሉዋ። ትጽኢቶም’ውን ከንቱ ኣይነበረን።

ሳልሳይ ሰሙን ምስ ሓለፈ፣ ስድራ-ቤት ተለፎን ተደዊሉሎም። ማኣዛ ደሃይ ሂባ። ኣለኹ ኢላቶም። ንእሽቶ ናይ ተስፋ ጮራ።እቲ ደሃይ ግን ካብ ሱዳን ካብ ከባቢ ዶባት ኤርትራ ኣይኮነን። ካብ ርሑቕ ኢዩ። እወ መኣዛ ዓዲ ቀይራ፣ ኣብ ሱዳን ዘይኮነ ‘ሲናይ ኣለኹ’ ኢላቶም። ዓዲ ጥራይ ግን ኣይኮነትን ቀይራ፣ ዋናታታ’ውን ተቐይሮም’ዮም። ናይ ሕጂ ዋናታት ምስቶም ናይ ቀደም ብመልክዖምን ጭካኔኦምን ፍልልይ የብሎምን። ስሞም ግን በበይኑ ኢዩ፣ እዚኦም ‘በደዊን’ ኢዮም ዝበሃሉ።

ሓደስቲ ዋናታት (በደዊን) ትግርኛ ዝዛረብ፣ ኣብ ቦታ ሲኦል ዝነብር፣ ኤርትራዊ ተርጓማይ ኣለዎም። ንሱ’ውን ተገዲዱ ዘገልግሎም ዘሎ ኢዩ ዝኸውን፣ እምበር ‘ስራሕ ክደሊ ናብ በረኻታት ሲናይ ከይዱ’ ኢልካ ምግማት ዝከኣል ኣይመስለንን። ግዱድ ኣገልግሎት ንሃገር፣ ግዱድ ኣጋልግሎት ንበደዊን። ኤርትረዊ ዕጫ፣ ኤርትራዊ ትዕድልቲ ንሳ ኮይና። ተርጓማይ ኣብ ጭውያን ስቓይን በዓል መኣዛ እንታይ ተራ ነይሩዋ ብሕጂ ዝጻረ ኢዩ። ብውሑዱ ግን ስድራ-ቤት ቋንቆኦም ዝዛረብ “በጃኻ! ሕድርኻ! ኣያ ኹና” ዝብልዎ ሰብ ረኺቦም። ትእዛዝ ጨወይቲ ግን ሓጻር ኢያ። “$8000 (ሾሞንተ ሽሕ ዶላር) እንተዘይከፊልኩም ጓልኩም ብህይወት ኣይክትሪኡዋን ኢኹም።” መቸም ኣብ ገንዘብ ዋጋ-ዕዳጋ የለን፣ ትእዛዝ ኢዩ። ኣበይ ኢዩ ዝኽፈል? ንመን’ከ ኢዩ ዝወሃብ? ዝወሃቦም ግዜ ክንደይ ኢዩ? መልሲ ዘድልዮም ሕቶታት ኢዮም። ስድራ-ቤት “ኣብ ኤርትራ ክንከፍለኩም፣ ኣቑሑት ገዛ (ኣርማድዮ ከረደንሳ) ክሳብ ንሸይጥ ግዜ ሃቡና” ክብሉ ለሚኖም። በደዊን “ገንዘብ ኣብ እስራኤል ጥራይ ኢና ንቕበል” ክብሉ ኣዘዙ። ምቕጥቃጥን ኣውያትን መኣዛ ድማ መዐቀኒ ናይ ግዜ ገደብ ኮይኑ። ስድራ-ቤት ተለፎኖም ከፊቶም ኣውያት ጓሎም ክሰምዑ ተገደዱ። ኣብ ዝተኣዘዝዎ ተለፎናቶም ክኸፍቱ ኣለዎም፣ በዚ ድማ መኣዛ ጥራይ ዘይኮነት ስድራ-ቤት’ውን ምእንቲ ድሕነት ጓሎም ትእዛዝ በደዊን ክፍጽሙ ኣለዎም። ምስ ኣውያታ ኣእዊዮም፣ ምስ ቃንዝኣ ተቖንዝዮም፣ ምስኣ ተጨኒቖም. ምስ ብኽያታ በኽዮም።

ኣብ ደገ ሓዊ ወይ ሓፍቲ ወይ ውላድ ዘይብላ፣ ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ትነብር ስድራ-ቤት $8000 ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ንመኣዛን ስድራ-ቤታን እሞ ከኣ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋታ፣ ኣርባዕተ ሓወቦታታ፣ ሓደ ኣኩኣ ሓትነኣን ንሃገር ዝኸፈለት መኣዛ፣ ምእንቲ ሃገር ዝተሰውአ እምበር ዶብ ዝሰገረ፣ ገንዘብ ዝሰድድ ሓዊ ወይ ሓፍቲ የብላን። ሳላ መቕርብን ፈተውትን ግን በደዊን ዝጠለቡዎ ገንዘብ በጺሑዎም። ቃሎም ከኽብሩ ንመኣዛ ነጻ ክሰድዋ ድማ ተለሚኖም። ጨወይቲ ግን ብኡ ኣይዓገቡን ዝያዳ ሰዊዶም፣ ጠለቦም ወሲኹ። መኣዛ ኣብ ኢዶም ኣላ። ቃንዛን ስቅያትን መኣዛ ኣብ ሓጺር እዋን ሸሞንተ ሽሕ ካብ ወለደ፣ ዝያዳ ስቓይን ብኽያትን ድማ ዝያዳ ገንዘብ ከም ዝወልድ ተኣማመኑ።

በደዊን $8000 ምስ ተቐበሉ “ሎሚ ወይ ጽማሕ ከነበግሳ ኢና” እናበሉ ንገል ክልተ መዓልቲ ናይ ተስፋ ቃላት ኣስኒቖም። ፈተውትን መቕርብን፣ ማኣዛ ነጻ ክትልቀቕ እናተጸበዩ ከለዉ ጨወይቲ ቃሎም ቀይሮም “$20,000 (ዕስራ ሽሕ) እንተዘይወሲኽኩም፣ ጓልኩም ብህይወት ኣይክትርእዩዋን ኢኹም” ዝብል ካልእ ጠለብ፣ ካልእ ጨካን መርድእ ኣቕሪቦም። ስድራ-ቤት ተጨኒቖም። እቲ ብሓግዙና ዝተኣከበ ሾሞንተ ሽሕ ዶላር ተኸፊሉ፣ ሕጂ ከኣ ካልእ ዕስራ ሽሕ ዶላር፣ ካበይ ይምጻእ? ካበይ ይወለድ? ንምዃኑ ንሓዋሩ’ኸ መኣዛ ሀይወት ክትርኢ ድያ? ስድራ-ቤት ዝኾነ ናይ ምልማን፣ ናይ ‘በጃኹም’ ቃላት ከስምዑ እንተጀሚሮም፣ ብኽያት ናይ መኣዛ የስምዕዎም። ክቱር ስቓይ ዝሰምዑ ስድራ-ቤት “በሉ ሕራይ ግደፍዋ!” ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ ዘረባ ከየምሉቑ ይጥንቀቑ። – ዕስራ ሽሕ ብመንጽር ሾሞንቲ ሽሕ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ስለዚ እዚ ዝበዝሐ ገንዘብ ክኽፈል እንተኮይኑ መኣዛ ኣጸቢቓ ክትሳቐ ኣለዋ። “ዝያዳ ስቓይ መኣዛ ዝያዳ ገንዘብ ክወለድ ኢዩ” -እዚ እምነት ጨወይቲ ኢዩ። ንዓኣቶም ኣብ ነብሲ-ወከፍ ብኽያትን ስቓይን መኣዛ ጥብ ጥብ ዝብል ገንዘብ ኢዩ ዝረኣዮም

ቤተ-ሰብ ሕጂ’ውን ዕስራ ሽሕ ከዋጽኡ ላዕላን ታሕትን ኢሎም። ኣብ እስራኤል፣ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ ካናዳ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ናብ ዘለዉ ኩሎም ወለደኛን ፈተውትን ኣውያት ተሰዲዱ። ‘ርድኡ – ህይወት ኣድሕኑ’ ተባሂሎም። ብዙሕ ላዕላን ታሕትን’ኳ እንተነበሮ ገንዘብ ክእከብ ጀሚሩ። ስቓይን ብኽያትን መኣዛ ግን ትንፋስ ዝህብ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ ጨወይቲ ተለሚኖም። “በሉ ክንከፍለኩም ምዃንና መታን ክትኣምኑ፣ ሃየ እዘን $12,000 (ዓሰርተ ሽሕ ዶላር) ተቐበሉና፣ እተን ዝተረፋ $8,000 (ሸሞንተ ሽሕ) ከኣ ቀልጢፍና ከነስዕበልኩም ኢና። በጃኩም ኣይተሳቕይዋ” ተባሂሎም። ስቓይ መኣዛ ድሮ ዕስራ ሽሕ ዶላር ወሊዱሎም ኣሎ፣ ሸሞንተ ሽሕ ድማ ክስዕቦም ኢዩ። ጨወይቲ ተኣማሚኖም፣ እንተደንጐዮም ከኣ መኣዛ ኣብ ኢዶም ኣላ።ንመኣዛ እቲ ምቕጥቃጥ ዝሕል ኢሉላ፣ ግን ተዳኺማ ኢያ

ስድራ-ቤት ተስፋ ገይሮም። ጓሎም ነጻ ክትወጽእ፣ ህይወት ክትዘርእ፣ ክርእዩዋ፣ ክስዕምዋ፣ ‘ጓለይ’ ክብሉዋ። በዚ ድማ ንቐዳም 28 ሓምለ፣ ጨወይቲ እተን ዝተረፋ ሸሞንተ ሽሕ ዶላር ክቕበሉ፣ ንመኣዛ ድማ ነጻ ክለቅዋ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። እንተኮነ ገለ ቁሩብ ገንዘብ ኣብ ባንኪ ስለዝነበረ ቀዳም ድማ ኣብ እስራኤል ባንክታት ዕጹው ስለዝኾነ፣ ንጽባሒቱ ሰንበት ዕለት 29 ሓምለ 2012 ሰዓት 12 ናይ ቀትሪ ገንዘብ ንወኪሎም ኣብ እስራኤል ክወሃብ፣ መኣዛ ድማ ሰኑይ ዕለት 30 ሓምለ ነጻ ክትልቀቕ፣ ምስ ጨወይቲ ካልኣይ ስምምዕ ተግብረ። ንጽባሒቱ ሰንበት፣ ሾሞንት ሽሕ ዝሓዙ ቤተ-ሰብ፣ ኣብ ሰዓቶም ኣብ ቦታ ቆጸራ ተረኺቦም። ንመኣዛ ከበስርዋ ድማ ናብ ሲናይ ደዊሎም። መኣዛ ግን ኣይመለሰትን። ምስ መኣዛ ተጨውየን ዝነበራ ብጾታ ግን ደሃይ ሂበን፣ “ጓልኩም ብህይወት የላን – ገንዘብኩም ኣክቡ” ተባሂሎም። መኣዛ እንተስ በቲ ዝወረዳ ስቓይን ዝሓደራ ሕማምን፣ እንተስ ብኻልእ ምኽንያት፣ ከምቶም ዓበይቲ ኣሕዋታን፣ ሓዎቦታታን ኣኮኣን ሓትነኣን መስዋእቲ ኮይና

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ ነዚ ኩሉ ሽግር ኣብ እርጋኖም፣ ብዓይኖም ዝርእዩ ዘለዉ፣ ኣባሓጎኣን ዓባያን ንመኣዛ ብህይወት ስለዘለዉ፣ ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዛዕብኦም’ውን ቁሩብ ክጽሕፍ ክፍትን ኢየ። ንሎሚ ግን ኣብቲ ዘበገሰኒ ሕቶ ክምለስ። እሞ ከ ዳኣ፣ ብሞት መኣዛ መን’ዩ ተሓታቲ? ንገለ ሰባት ኣብ ስምዒት ዝኣተኹ መታን ከይመስሎም ነዚ ሕቶ’ዚ ክፉት ክገድፎ መሪጸ ኣለኹ። እዚ ንደገፍቲ ወይ ተቓወምቲ ዝፈላሊ ሕቶ ኣይኮነን። መኣዛ ናይ መጀመርታ ኣይኮነትን፣ ናይ መወዳእታ’ውን ኣይኮነትን። ሎሚ መን ስዒቡ/ባ፣ ጽባሕ’ከ መን ኢዩ ክስዕብ? ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝጽበዮ ትዕድልቲ ኢዩ። ኣነ ነዛ ሓጻር ታሪኽ መኣዛ ክጽሕፍ ከለኩ፣ ብዙሓት ብተመሳሳሊ ታሪኽ ዝሓለፉ፣ ኣሰሮም ዘይተረኽበ፣ ደሃይ ዘይብሎም ዝጠፍኡ መንእሰያት ከም ዘለዉ እናዘከርኩ ኢየ። እቲ ሽግር ኣብ ነብሲ-ወከፍ ገዛ ይኹሕኩሕ ስለዘሎ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ደገ፣ ርግእ ኢሉ ክሓስበሉን በቲ ዝመስሎን ዝኣምነሉን ፍታሕ ኣብ ምድላይ ክሰርሕን እላቦ።

ታደሰ ኪዳን

በርሚንግሃም

UK

www.gereger.com

ውጽኢት ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሓድሽ ናይ ቃልሲ መንፈስ ይፈጥር ከም ዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ድሕሪ ኣስታት ናይ ሰለስተ ዓመት ዓንቀፍቀፍ ዝበዝሖ ጉዕዞ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2014 ኣብ

ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ መድረኽ እቲ ኣኼባ ዝተራእየ ርጉእ ናይ ምቅብባል መንፈስ፡

ጉድለታትካ ኣብ ምልዓል ዝተራእየ ግሉጽነት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብናይ ሓባር ስምምዕ ሓድሽ

መሪሕነትን ሓድሽ ኣሰራርሓን ሒዙ ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝብን ተቓለስቲ ሓይልታትን ሓድሽ ናይ

ቃልሲ ወነ ይፈጥር ከም ዘሎ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

መስርሕ ህጹጽ ኣኼባን ውጽኢቱን ኣብ መድረኻት ደምበ ተቓውሞ ይረአ ካብ ዝነበረ ሓላፍነት

ዝጎደሎ ምንጽጻግ፡ በብዝመስለካ ኣብ መራኸቢታት ቀሪብካ ምክሳስ፡ ብዝደሓነ ብልኡም ኣገባብ

ምክያዱ፡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ሕሉፍ ጉድለታቶም ተማሂሮም ንነገራት ብሓላፍነታዊ

ዓይኒ ክጥምቱ ምጅማሮም ኣብነት’ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፡ በብደረጅኡ ተመዚዞም ዘለው

መሪሕነትን ኣሰናዳኢት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን ነዚ ዝፍጠር ዘሎ ኣወንታዊ ኣገንዝቦታት ብግቡእ

ተጠቒሞም፡ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ምዕራፍ ክብጽዎ ብዘይተጎላባነትን ሻራነትን ክነጥፉ ኣለዎም ክብሉ

ኣዘኻኺሮም።

ነቶም ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ብወተሃደራት ጸላኢ ዝተቐትሉ

13 መንእሰያት ኣብ ሃገረ ካናዳ ጸሎት ተጌርሎም።

ነቶም ንክትዛረበሉ’ውን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብወተሃደራት ጸላኢ ዝተረሸኑ 13 ህጻናትን መንእሰያት

ልዕሊ 800 ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ፡ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝኽርን ጸሎትን

ከም ዝተገብረሎም ገዳብ ኒውስ ብ2 ጥሪ 2015 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ብ28 ታሕሳስ 2014 ከም ዝተኻየደ ዝተገለጸ ስርዓተ ጸሎትን ዝኽርን፡ ኣደ ናይ’ተን ጓል 10፣

14 ን 19 ዓመት ዝኾና ሰለስተ ኣሕዋት ብኣካል ኣብኡ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ስርዓተ ጸሎት ናብ መሪር

ብኽያት ተቐይሩ ከም ዝነበረ፡ ምስክነይቲ ወላድ ድማ ብሓዘን ተረሚሳ ከም ዘላን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ልዕሊ ኩሉ እቲ ኣብ’ቲ ቦታ ዝተረኽበ ሰብ በቲ ጨካን ፍጻሜ እምብዛ ስለዝሰንበደን ዝተደናገጸን፡

ዘስቆርቁር ዘሕነቕንቕ ደኣምበር ዝዛረብ ኣይነበረን ዝበለ እቲ ዜና፡ ነቲ ጸሎት ዝመርዝነበሩ

ኤርትራዊ ኣባ ቶር፡ ከም’ዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሞት ከጋጥም እንከሎ ትዛረቦ’ዩ ዝጠፍኣካ፡ ንዛረቦ’

ኡና ክብሉ ከም ዝገለጽዎን ኣረኡ።

ሓዘንተታት ስእሊ ናይ’ተን ኣርያም፣ ሪታ፣ ሳዕና ዝተባህለ ሰለስተ ኣዋልድ ደ-ሓንቲ ስድራ

እንዳጠመቱ ብዝርንዝሕ እንዳነብኣብ ዓሚቕ ሓዘን ጥሒሎም ከም ዝነበሩን ኣብ ገዳብ ኒውስ

ዝወጸ ዜናዊ ሓበታ ኣረጋጊጹ።

./ኤ 05-01-2014

መብርሂ፡- ፈነወ ረድድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ንምስማዕ፡ ኣብ ብሳይት ደሞክራስያ ዶት ርግ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን

ዝብል ብምጥዋቕ ክትከታተሉ ከም እትኽእሉ ንሕብር http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainIndex.html

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ርሑስ በዓል ልደት! ንኣመንቲ ክርስትና ህዝበ-ሓበሻ!!  1/6/2015

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ    حيدرى – جبهة الإنقاذ الوطني الإرترية ERITREAN NATIONAL SALVATION

FRONT – HIDRI

ርሑስ በዓል ልደት! ንኣመንቲ ክርስትና ህዝበ-ሓበሻ!! ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ዞና አውሮጳ፡ እንቋዕ ናብ ኩቡር በዓል ልደት በሰላም ኣብጸሓኩም ብምባል፡ ዘለዎ ሰናይ ድልየት ንህዝበ ክርስትያን ብሓፈሻ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ብፍላይ ዘለዎ ሰናይ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ይፈቱ። ከምቲ ካብ ጥንቲ ሓው ዝኾነ ህዝቢ፡ ክርስትያኑን እስላሙን ብምክብባርን ምፍቕቓርን ንናይ ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ሃገርና ብዘይ ኣፈላላይን ብናይ ሓባር ደስታን ፈንጠዝያን ከሕልፎ ዝጸንሐ፡ ሎም’ዘመን እንተኾነ’ውን ከም ቀደሙ ብሰላምን ተሓቛቚፉን ንኸሕልፎ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ዘለዎ ሰናይ ምንዮቱ ደጊሙ ይገልጽ። እግዚኣብሄር ድማ! ኣብ በረኻን ስደትን ዘሎና ፍጡራቱ ብሓባር፡ ኣኻኺቡ ኣብ ሃገርና ሰለማዊን  ውሑስን

http://gereger.com/data/media/IC2UTW.pdf

66 years ago, this day 27 March 1949, Abdul Kadir Kabire, a young brilliant promising Eritrean politician  1/6/2015

66 years ago, this day 27 March 1949, Abdul Kadir Kabire, a young brilliant promising Eritrean politician, a Muslim League representative, was fatally wounded by unionist thugs in the main square in Asmara as he was preparing to leave for New York to attend the UN session on the future of Eritrea. He died two 2 days later at the age of 47, on the 29th of March. We post today, on this occasion the original driver’s license of the late Abdul Kadir Kabire.

Picture: Courtesy Jelal Yassin

 

http://gereger.com/data/media/5UqnyJ.pdf

ኣቦወንበር ህዝባዊ ግን ባር ነበር ኣቶ ሮሞዳን ማሓመኑር ናይ ገዛ ኡሱር ኮይኑ  1/6/2015

ኣቦወንበር ህዝባዊ ግብባር ነበር ኣቶ ሮሞዳን ማሓመኑር ናይ ገዛ ኡሱር ኮይኑ

ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣቶ ሮሞዳን ማሓመኑር እሰያስ በዚ ዝገብሮ ዘሎ ናብውድቀት ዝዓይነቱ ዕልቅልቅ ሓንሳብ ደቂ 60 ናብ ተዓሊም ክትወርዱ ኣለኩም እንተዘይ ወሪድኩም መሻርፍ ንስድራቤትኩም ኣይክዋሃቡን እዮም እንዳበለ ሃገር ብምልእታ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ጊዜ ክትነብርን ኣይክትነብርን በጺሓቶ ዘላ ጊዜ ኤሪትራን ህዝባን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ተበጺሕዎ ዘሎ ዘበን ኣቦወንበር ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣቶ ሮሞዳን ማሓመኑር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብትብዓት ሃገርን ህዝብን ኣብቲ ናይ መወዳእታ በጺሑ ስለ ዘሎ ቅድሚ ዝኮነ ይኩን ኩነት ንእሰያስ ሃገር ክትመርሓ ስለ ዘይከኣልካ ብዝቀልጠፈ ሪዛይን ክትገብር ኣለካ ኢልዎ።

ድሕርዚ ኣቦወንበር ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣቶ ሮሞዳን ማሓመኑር ካብ ገዛ ንከይወጽእ ብጸትታ ናይ ኢሰያስ ገዛ ናይ ሮሞዳን ብሓለዋ ተከቢቡ ኣሎ፡ እዚከኣኒ ቅድሚ ሱግምቲ ምውሳዱ ሰባት ወዲብሉ ከይከውን ገጀፍቲ መጽናዕትታት የካይድ ኣሎ፡ ንጊዚኡ ግን ናይ ገዛ እስረኛ (house prison) ኮይኑ ንክጸንሕ ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ላዕሎዎት መሪሕነት ህ ግ ደ ፍ ከኣኒ ናይዚ ሰሙን እዚ ኣዛራቢ ኩነታት ኮይኑ ኣሎ፡ ብተወሳኪ ሓቢሪታ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ንዒማሮ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቲዎ ኣሎ።

http://gereger.com/data/media/62BbZV.pdf

 

ሮኬት ናብ ህዋ ክውንጭፍ’የ ትብል ኢትዮጵያ! ሓትም ሮኬት ቅድሚ ምውንጫፋ ሮኬት ቅድሚ ምውንጫፋ ኢትዮጵያ “’ኣልፋ-መለስ’ ንዝተባሃለት ሮኬት ኬሚካል ኣብ ውሽጢ ዓመት ንምውንጫፍ ትቀራረብ ከምዘላ ዋና ኣካያዲ ፕሮጀክት ስራሕ ስይንስ ኤሮስፔስን ኢንጂኔሪንግ ዳይናሚክስ መለስ ገሊፁ።  1/6/2015

Tuesday, January 06, 2015 ሰዓት’ቲ ከባቢ 23:55

ሮኬት ናብ ህዋ ክውንጭፍ’የ ትብል ኢትዮጵያ!

 ሓትም
ሮኬት ቅድሚ ምውንጫፋሮኬት ቅድሚ ምውንጫፋ
x
ሮኬት ቅድሚ ምውንጫፋ

ሮኬት ቅድሚ ምውንጫፋ

ኢትዮጵያ “ኣልፋ-መለስ ንዝተባሃለት ሮኬት ኬሚካል ኣብ ውሽጢ ዓመት ንምውንጫፍ ትቀራረብ ከምዘላ ዋና ኣካያዲ ፕሮጀክት ስራሕ ስይንስ ኤሮስፔስን ኢንጂኔሪንግ ዳይናሚክስ መለስ ገሊፁ።

ኣብዚ መደብ እዚ ካብ ደገ ዝመፅእ ፍልጠታዊን ንዋታዊን ሓገዝ ከምዘይህሉ ዝጠቅስ ኣቶ ሙሉዓለም እታ ሮኬት ተሰሪሓ ምስተሓምበበት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈጥሮ መንፍስን ስምዒትን ላዕሊ ከምዝኸውን ሓቢሩ።

ኣቶ ሙሉዓለም ሃይለማርያም፡እታ መደብ ዝተታሓዘላ ሮኬት ኣልፋ-መለስ ሮኬት ከምትባሃልን፡እቲ ፕሮጀክት ዕውት ምውንጫፍን ምምላስ እታ ሮኬት እንተተፈፂሙን ካልእ ሮኬት ናብ ቅናተ-ህዋ (ኦርቢት) ንምልኣኽ ራኢ ኣሎና ኢሉ።

ቃለ-መጠይቅ ምስ ኣቶ ሙላለም ሃ/ያም

http://tigrigna.voanews.com/content/ethiopia-will-launch-rocket/2586449.html

Canadian Mining Companies and Corporate Accountability  1/6/2015

Michael Kourabas | Monday January 5th, 2015 | Leave a Comment

455141840_c857f90606_zCanadian multinationals beware: Your home and native land may now be the forum of choice for plaintiffs seeking to bring international human rights lawsuits.

In November, Canadian mining firm, Nevsun Resources, was sued in a Vancouver court by three Eritrean refugees alleging that Nevsun “aided, abetted, contributed to and became an accomplice to the use of forced labor, crimes against humanity and other human rights abuses” at an Eritrean mine.  The Nevsun case is just the most recent human rights suit to appear in Canadian court, where the alleged harm was committed by a Canadian corporation operating abroad.

The allegations

The Eritrean plaintiffs are former employees of the Bisha Mining Share Co. (BMSC), a project jointly-operated by Vancouver-based Nevsun and the Eritrean state-owned Segen Construction.  Prior to their employment at BMSC, the plaintiffs were conscripted into the Eritrean army as part of Eritrea’s much-criticized national service program.  In 2013, Human Rights Watch (HRW) linked the Eritrean service program, which requires all able-bodied Eritrean men and most women to either join the military or work for state-owned companies, to the mass exploitation of workers in Eritrea’s burgeoning mining sector.

At BMSC, the plaintiffs claim they were made to work grueling hours under deplorable conditions, for insufficient compensation, and without proper medical care, shelter or food.  The conscripted Eritreans were forcibly confined to the mine — separate from the foreign workers — and under persistent watch by security personnel.  If they left the mine site without authorization, plaintiffs claim conscripts were subjected to severe punishment.

According to the complaint, forced labor is so widespread and inhumane at BMSC that it constitutes a crime against humanity.

Nevsun responded to the suit by claiming the allegations were unfounded and that the Bisha mine has consistently adhered to “international standards of governance, workplace conditions, and health and safety.”  Nevsun further claims that, since 2009, it has had in place procedures to ensure that forced labor does not exist at the Bisha mine.  As the author of the aforementioned HRW report pointed out to The Guardian, “It will be hard to take [Nevsun’s assurances] very seriously if the company reacts to this lawsuit by insisting that the problem never existed to begin with.”  In fact, the 2013 HRW report called out the company by name, warning that “Nevsun’s experiences show that by developing projects in Eritrea, mining firms are walking into a potential minefield of human rights problems.”

Mining in a pariah state

Human Rights Watch characterizes Eritrea as a “pariah state” operating a “uniquely abusive program of indefinite forced labor.”  Though the country’s national service program was initially meant to last just 18 months, it has devolved into a program of perpetual imprisonment, with conscripts now fated to work for the state indefinitely and under the constant threat of violence.  In recent years, the conscript program has been used to supply labor for a growing number of international mining projects that are seeking to exploit the country’s heretofore largely unexplored mineral resources.

Nevsun, like most international mining companies seeking to operate in Eritrea, was forced to partner with a state-owned entity, Segen Construction, which purportedly stymied Nevsun’s attempts to investigate allegations of forced labor (which came as a result of the 2013 HRW report).

Last week, the U.K. parliament offered its own critique of the Eritrean government’s labor policies, passing an “early day motion” signed by 41 MPs and calling on Eritrea to allow an investigatory visit from the United Nation’s Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea.  The motion cited Eritrea’s practices of “arbitrary arrest and detention and compulsory military service,” which have contributed to an “exodus of Eritreans, now reaching 5,000 a month,” fleeing the country for Europe.  The MPs also called attention to the “collusion” between the Eritrean government and “international mining companies from the U.K., Canada and Australia,” which have leveraged the government’s forced labor program to their benefit.

A growing trend in Canada

The Nevsun litigation follows a series of other high-profile human rights cases filed in Canada by foreign plaintiffs against international mining companies.  The first cases of the type were brought in Ontario in 2010 against Toronto-based mining firm Hudbay Minerals.  In three related lawsuits against Hudbay, members of the indigenous Mayan Q’eqchi’ population in El Estor, Guatemala, allege that Hudbay and its wholly-owned subsidiaries were complicit in murder, shooting and gang-rape committed by security forces operating at Hudbay’s open-pit nickel mine in eastern Guatemala.  In July 2013, an Ontario judge ruled that the case could proceed to trial in Canadian court.

More recently, in June 2014, seven Guatemalan men sued Tahoe Resources, another Vancouver-based mining company, for shooting injuries suffered when Tahoe security personnel fired at them at close range.

Commentators have suggested that the 2013 Hudbay ruling could help plaintiffs in the Tahoe and Nevsun cases, and potentially open the door to other cases against Canadian companies accused of committing human rights abuses overseas.

This is particularly important because the door appears to be closing to foreign plaintiffs elsewhere in the world.

According to the Business & Human Rights Resource Center, the majority of the 108 legal cases profiled by the Center relate to extraterritorial claims arising in countries with weak, corrupt or nonexistent judicial systems.  Yet, in many companies’ home countries — that is, the countries in which they are based — surviving jurisdictional challenges to extraterritorial claims can be near impossible.

In the United States, where the Supreme Court’s 2013 decision in Kiobel v. Shell drastically limited the jurisdictional scope of the Alien Tort Statute and the viability of claims concerning human rights abuses allegedly committed abroad, this is especially true.  The vast majority of appellate and district courts to consider extraterritorial claims in the wake of Kiobel have sided with corporate defendants, leading Bloomberg to declare last month: “U.S. corporations [are] winning [the] fight over human rights lawsuits.”

Image credit: Flickr/rene-germany

Kenya’s President Visits Home of Eritrean Widow Lwam to Offer His Condolence

Lwam3

Kenya’s President visits home of Lwam Getachew and the Odinga’s

www.caperi.com | January 5, 2015

Kenya’s President, Uhuru Kenyatta, has offered his condolences to Fidel Odinga’s widow, Eritrean Lwam Getachew, and his family during a visit to the Odinga residence.

Kenyatta also met with Raila and Ida Odinga, the parents of Fidel, expressing his sympathies and condolences.

Lwam Getachew’s late husband Fidel Odinga, son of former Kenyan Prime Minister Raila Odinga was found dead in his Nairobi home on Sunday morning.

Fidel_Odinga3

Kenyatta said that Fidel Odniga’s death is not only a big loss to his family but also to the nation, which he served with commitment and dedication.

“The passing of Fidel has robbed Kenya of a promising young man whose contribution to nation building will be missed by all.”, Kenyatta said.

There’s been minor civil unrest in Nairobi after the son of opposition leader Raila Odinga was found dead in his home.

Police say the death of 41-year-old Fidel Odinga is being treated as unexplained.

He had been drinking with friends on Saturday night and was found dead in his bed on Sunday morning.

Police say they’re investigating his final movements.

A forensic pathologist has been called in and a post-mortem will be conducted to establish the cause of death.

To Read More Click Below:

Eritrean Wife Widowed as Husband Former Kenyan PM’s Son Found Dead

 

UNHCR Sudan, IOM Sudan, and the Government of Republic of the Sudan፡ protect Eritrean refugees in a severe state of danger!

On Wednesday evening 24th of December 2014 at least 21 Eritreans from the Shegarab-1 refugee camp in the eastern state of Kassala have drowned and at least 8 of them have died trying to cross the Atbara River in Sudan.  Although the cause of the accident is under investigation, according to eye-witnesses they were drowned in an attempt to escape from armed tribe men that follows them to abduct and held them for ransom. While being held in captivity, the people could be subjected to torture, sexual violence or other types of abuse and could be killed or will die as a result of mistreatment.

Today 25th December 2014 as many people from the Shegarab-1 refugee camp went to the place of accident to search for the bodies of the dead that has not been found, the armed tribe men come again and took an identified people by force to unknown location. The Eritreans in return took 3 tribe men and hold them as a house arrest in the Shegarab-1 refugee camp although they later handed them to Sudanese officials. In the siege that follows many people get arrested, houses have been burned and there are reports of people wounded or dead.

This situation is not new as it happened countless times. Therefore we call the urgent attention of UNHCR Sudan, IOM Sudan, and the Government of Republic of the Sudan to bring a swift solution to the degrading security of Shegarab-1 refugee camp and provide a permanent solution by creating legal channels for the refugees’ freedom of movement, provide saftey measures and other necessary steps.

 

https://www.change.org/

 

ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባራት ሓድነት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዕወት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም  12/24/2014

ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባራት ሓድነት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን

ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዕወት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም

ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ብ22 ታሕሳስ 2014 ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸላኢ ኣሃዱ ሰለያ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነው፡ ዜና ዕወት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዝብል ብስም ክልቲኡ ውድባት ዝተዘርገሐ ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ማይ ጊኒ ፍሉይ ስሙ ማይ ምራኻት ኣብ ዝተባህለ፡ ኣብ መንጎ ቤት ገብሪኤል ማይ ኣልባን ዝርከብ ቦታ ነቚጡ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዘበሳብስ ዝነበረ ኣሃዱ ስለያ ጸላኢ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ በቲ በርቃዊ መጥቃዕቲ 8 ኣባላት ኣሃዱ ስለያ ጸላኢ ክሞቱ እንከለው 6 ካልኦት ከም ዝቖሰሉን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጀጋኑ ኣሃዱታት፡ ኣብኡ ዝጸንሐ ንብረትን ዕጥቅን መንዚዖም ብሰላም ናብ ባህሪያዊ ቦትኦም ከም ዝተመልሱን እቲ ብ22 ታሕሳስ 2014 ዝወጸ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ሓባራዊ መጥቅዕቲ ብመሰረት ኣቐዲሙ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ተታሒዙ ዝጸንሐ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ዝተፈጸመ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ኣብ ጽባሕ ዕውት ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተፈጸመ ብምዃኑ ድማ፡ ድርብ ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራዩ ኢሉ።

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡

ብሕድሕድ ምቅብባልን ውሁድ ናይ ቃልሲ መንፈስን ተዛዚሙ።

ንኹሉ ዕንቅፋታት ሰጊርና ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከነዐውት ኢና!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2014 ክካየድ ዝቐነየ፡ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ብዝተፈልየ፡ ብሕድሕድ ምቅብባልን ሓላፍነት ዝመልኦ ውሁድ ናይ ቃልስን ለውጥን መንፈስ ብዕውት ኣገባብ ከም ዝተዛዘመ፡ ብ20 ታሕሳስ 2014 ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ ናይቲ ህጹጽ ኣኼባ ኣረጋጊጹ።

ህጹጽ ኣኼባ፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣቐዲሙ ብዝተታሕዘሉ ግዜ መሰረት ከይሰላሰል፡ ዝዓንቀፍዎ ምኽንያታት፡ ብሓላፍነትን ግሉጽነት ገምጊሙ፡ ነቲ ምስ ኩሉ ድኽመታቱ ዝተረኽበ መኽሰባት ብምዕቃብ፡ ካብቲ ኣብ መስርሕ ዘጋጠመ ሕጽረታት ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ንጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንቕድሚት ክስጉም 2

ዘኽእልዎ መደባት ሓንጺጹ፡ ነዚ ሓላፍነት ዝስከም ሓድሽ መሪሕነታዊ ኣካላት ከም ዝመዘዘን ኣረዲኡ።

ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ክፍልታት ሕብረተሰብና፡ ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተሰሊፎም፡ ጸረገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ብዝተወደበ መልክዕ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ። ህጹጽ ኣኼባ፡ ንጉዳይ ዋሕዚ ስደትን ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ ኩሉ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላትን ኣካላትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይዓርፉለን ናይ ዘለው ሃገራት፡ ማለት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምሉእ ሕጋው ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ብምኽባር ሓላፍነታዊ ተራኦም ክጻወቱ ከም ዝጸወዐን ደምዳሚ መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ወሲኹ ገሊጹ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይሰግሩ ንምዕጋት ብመንግስቲ እንግሊዝ ዝተጀመረ ናይ መንደቕ ሓጹሩ፡ ከይስራሕ ተቓውሞ ገጢምዎ

ኤርትራውያን ዝርከብዎ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ እንግሊዝ ከይሰግሩ ንምዕጋት ዝዕላምኡ፡ ፈረንሳን እንግሊዝን ኣብ ዘራኸብ ወደብ ካለ ዝተጀመረ ናይ መንደቕ ሓጹር፡ ኣብቲ ወደብ ብዝርከቡ ስደተኛታት፣ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቑ ሰብኣዊ ማሕበራት፣ ተደናገጽቲ ፈረንሳውያንን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝገጠሞ ካብቲ ቦታ ዝተቓለሐ ዜና ኣረዲኡ።

ፈረንሳዊ ከንቲባ ውደብ ካለ ናታሻ ቡሸር፡ ብምኽንያትቲ ብ18 ታሕሳስ 20114 ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ነቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ ዝተወጠነ ኣስታት ሰለስተ ኪ/ሜ መከላኸሊ ሓጹር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሪጣንያ እንተደልያ ኣብ መሬታ ሓጹር ትግበር፡ ኣብ መሬት ፈረንሳ ክትግብር ግን ኣይነፍቅድን ክብል ገሊጹ።

ይኹን ደኣምበር፡ መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ሕጂውን ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ክሰማማዓ ስለዘየከኣላ እንግሊዝ ነቲ ውጥን ንምትግባር ብቀጻሊ ትደፍኣሉ ከምዘላ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ግን ነቶም ሰደተኛታት ካብ ቀቢድ በረድን ቀዝሕን ንምልክልኻል ግዝያዊ መዕቆቢ ይሃንጸሎም ከምዘሎን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ደንማርክ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሕና ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ደኣምበር ናይ ኢኮኖሚ ስደተኛታት ኣይኮናን ክብሉ፡ መንግስቲ ደንማርክ ንዘርእዮ ዘሎ ኣሉታዊ ትንዕታ ብሰላማዊ ሰልፊ ተቓዊሞም።

3 ክፍሊ ኤሜግሬሽን ደንማርክ ኣብ ሃገሩ ብዛዕባ ዘለው ኮነ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትው ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት መንቀሊ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይደ ዝበጻሕክዎ ገምጋም ብዝብል፡ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ደኣምበር ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኣይኮኑን ስለዚ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎ ክብል ንዘቕረቦ ጸብጻብ ብምቅዋም፡ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ብ19 ታሕሳስ 2014 ንማዕከናት ዜና ዓለም ዝሰሓበ፡ ንተግባራት ደንማርክ ድማ ብኣሉታ ዘንቀፈ ሰማላማዊ ሰልፊ ጌሮም።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ እንኮላይ ነቲ ውሳኔ ዝቃወሙ ተደናገጽቲ ደንማርካውያን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ብብዙሓት ወገናት፡ ዝንቡዕ፣ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ሓቂ ፈልዩ ምርኣይ ዝተሳእኖ፣ ዕላምኡ ዝሰሓተ ብዝብል ኮነን ከም ዝገጠሞን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

,,,, 24-12-2014

 

http://gereger.com