Terrifying New ISIS Video Threatens Attack On American Soil – by ELIZABETH KIEFER

Up to this point, the atrocities of the so-called Islamic State (or ISIS) have been restricted to the territories they control in Iraq and Syria. But, a terrifying new video released this weekend by the terror group calls for supporters to carry out a 9/11 style attack on American soil — warning of “lone wolf” terrorists who may be hiding out in Western countries.

This most recent call to action is entitled “We Will Burn America.” It’s 11 minutes long and features imagery of ISIS agents sawing off the head of a prisoner, detonating bombs, and the World Trade Towers tumbling down. Watch at your own risk (we’re not embedding it here since the video is exceptionally graphic).

عوناAwna

أكثر من خمسمائة جندي في معسكر تدريب للحوثيين بعصب
يتدرب أكثر من خمسمائة جندي من الحوثيين في معسكر يبعد 7 كيلو عن الميناء الأرتري عصب أقصى جنوب شرق أرتريا و أوضح المصدر المطلع الذي تحدث لوكالة زاجل الأرترية للأنباء ” ” ZENA أوضح أن المعسكر يدرب الحوثيين على المدفعية والتفخيخ بتركيز كبير إلى جانب مناشط تدريبية أخرى.مما يذكر أن النظام الأرتري يعد الظهير الأقوى للشيعة اليمنية والإيرانية ضد حلف عاصفة الحزم التي تواجه الانقلاب في اليمن مناصرة للشرعية

اعتقالات ومصادرات جديدة بصفوف م

See More

Around fifty thousand Eritreans are stranded in Yemen Written by: Gedab News

 

Over 200,000 African refugees still remain stranded in Yemen, they are predominantly Somalis, Eritreans and Ethiopians.

Chinese, Pakistani and Indian ships have evacuated their citizens, and so were the Westerners  evacuated immediately after the war broke. So far, the regional governments have not made an attempt to evacuate their citizens. Somalia is the only country that can claim that instability at home prevents it from evacuating its citizens.

Ethiopia could evacuate its citizens via Djibouti, but so far it hasn’t done so. While the second major supplier of refugees to Yemen after Somalia, Eritrea, is thirty nautical miles away. Its territorial waters and its Islands are half the distance from Yemen. None of the Eritrean government owned media outlets has covered the plight of the refugees.

Our sources estimate there are around fifty thousand Eritrean refugees stranded in Yemen. The refugees escaped Yemeni refugee detention centers and UNHCR camps after the war broke. A considerable number of the refugees are new arrivals while others have lived in Yemen for more than ten years. The majority of the refugees are originally from the coastal regions of Eritrea while others are new arrivals who escaped the forced military conscription in Eritrea.

Refugees reached Yemen hoping to sneak into Saudi Arabia or to continue their journey further north to reach Europe.

Reached by telephone in Sana’a, Hamoud, a refugee from Senafe said, “At this moment I am not worried about anything; I am just thinking about going back to my country to save my wife and children.” Hamoud and his family has stayed in a camp in the outskirts of Sana’a for the last two years. He has two children aged five and seven years.

A sizable number of fishing boats have transported dozens of Eritreans back to the coastal region of Eritrea. Those who made the return journey to Eritrea are people of the sea who traditionally do not recognize official entry points. They are skilled sailors who consider the sea their backyard.

Since the war reached Aden, human trafficking boats started to sneak out towards the African coast . Notwithstanding the Saudi imposed a blockade on Yemeni ports, many boats have left the coast carrying passengers who left on the perilous journey back to where they originally came from.

The traffickers are asking around US $2000 per person for a trip to Djibouti; those who can afford the price have embarked on the journey, but no one knows how many might have perished at sea. However, Ethiopians and Eritreans, who number over 100,000 combined, are still stranded in many parts of the war torn country.

On March 29, huge explosions shook Aden as the arms in a major arms depot in Jebel Hadeed went off for unknown reasons. People rushed to the area to collect weapons. Over sixty people were killed in the process, three of them “unidentified African refugees.”

Yemen is believed to be one the most heavily armed countries in the region. Every household keeps at least one weapon. Similarly, Yemeni tribes also have their own well armed militia forces that challenged government forces until the Houthi’s took control of many of their impenetrable mountainous regions.

ምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ሂብዎ By assenna

Tsilal_assenna 

 

ስርዓት ኢሳያስ ቃሕ ዝበሎ ስጉምቲ ክወስድ ዝገትኦ ሓይሊ ወይ ዝኽልክሎ ሕጊ ስለዘየለን ዛጊት ነዚ ዘሎ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዝብድህ ዝተወደበ ህዝባዊ ተቃውም ስለዘይተመስረተን፡ ስርዓት ኢሳያስ ዘይፈርስ እምባ ኣምሲልዎ ኣሎ።ብርግጽ  ስለያዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኣወዳድባ ስርዓት ህግደፍ ኣነኣኢስካ ምርኣይ፡ ንኽውንነት ምኽሓድ’ዩ። ስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ተጻባእቱ ንምድቋስን ቢልዮናት ገንዘብ’ዩ ዝስልዕ። ኣብ ርእሲኡ፡ ስርዓት ኢሳያስ ሓቅታት ኣብ ምጥምዛዝን ካብ ከውንነት ምህዳምን ልዑል ብልጫ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ወድባት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ገለ መንግስታትን ንስርዓት ኢሳያስ  ንኣጥፊእካ ጥፋእን ዘይሓላፍነትውን ተግባራቱን ፖሊሲታቱን ኣብ ዝነቅፍሉ እዋን፡ “ካብ ሓቂ ዝራሓቀን ምስሊ ኤርትራ ንምኽፋእን ካብ ዓለም ንምንጻልን ዝተፈብረኸ ሓሶት’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ኩለንተናዊ መደባት ልምዓት ንምትዕንቃፍን ብጸላእትናን ሓሳዳትን ዝተጠጅአ ተንኮል’ዩ፡ ኤርትራ ብሰላም ዞባናን ዓለምን ዝያዳ ኩሉ ትግደስ’’ ዝብላ ንገርሂ ሰብ ኣታለልቲ ንዝፈልጥ ግን ኣሰልቸውቲ ሓረጋት’ዩ ብተደጋጋሚ ዘኮማስዕ። እቲ ሓቅን ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ኣደራዕን ግን ብኣንጻር’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝዝርግሖ ሓሶታትን ብድዐታትን ምዃን ሓሊፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ’ዩ መስካርን መዛንን ክኸውን ዝግብኦ።

ሓደ ካብቲ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ንኽትሰምዖ ዘዘግንን ተርእዮ፡ ዘይወለንታዊ ፍልሰት ኤርትራውያን ናብ ወጻኢ ሃገራትን ዘጋጥሞም ዘሎ ስቃይን’ዩ። ምስሉይ መግለጺታት ስርዓት ኢሳያስ ብዘየገድስ፡ ቀንዲ ምኽንያት ስደትን ሕሰምን ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክሰርሑን ከመሃሩን ስለዘይክኣሉን ቁራስ እንጌራ ስለዝሓረሞምን’ዮም። ውሕስነት ህይወት ዘይብሉ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያንን ኣብ ዝኣተውዎ ሃገራትን መዓስከር ሰደተኛታትን፡ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰሎም ተጋሂሱ ግዳይ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ጥሜትን ሕማምን ምዃኖምን ድማ ቀዳማይ ተሓታቲ ስርዓት ኢሳያስ እምበር ተቀበልቲ ወይ ኣእንገድቲ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይኮናን። ንምንታይ’ሲ እንተዘይትንውንወኒ መን መጽደፈኒ’ዩ እቲ ሓቂ። መንእሰያትና፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ መኣዲ ትምህርቲ ግዱድ ዕስክርና፡ ኣብ ክንዲ ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕ፡ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ናጻ ጉልበቶም ምሻጥ፡ ወጽዓዖም ኣብ ዝሓትሉ ድማ  ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምድጓን ምስበዝሐን ብሩህ መጻኢ ስለዝጸልመቶም’ዮም ሃጽ ኢሎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝጠፍኡ ዘለዉ። ስለዚ ተማሃሮ ካብ ኣብያተ ትምህርቶም ኣጓናዲብካ፡ ሓረስቶትን ሸቃሎን ካብ ስርሖም መንጢልካ ኣብ በረኻ ምስፋርን ስድራቤታት ምብትታንን ኣይፋል ንዝበሉ ድማ እናገረፍካን እናሓየርካን፡ በየናይ መዐቀኒን መዝገበ ቃላትን’ዩ ከም ልምዓታዊ መደባት ዝቁጸር? እቶም ብካድራት ህግደፍ ተመልሚሎም  ግንዖታት ተገይርሎም ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ብምእታው፡ “ኤርትራ ማእከል ሰላምን ልምዓትን” ኢሎም ንኤርትራ ቅጽል ስም ዝህብዋ የዋሃትን ምስ ኣእዛኖም ዝጸመሙን በጻሕቲ ኤርትራ’ኸ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ዝበለጸ ሆቴላትን መዘናግዒ ቦታታትን ዑደት ምፍጻሞምን ብሕርያ ዝተቀረቡ መማቅርቲ ቃለ- መጠይቅ ምክያዶምን፡ ንጹሃት ዜጋታት ተኣሲሮሙሉ ኣብ ዘለዉ ቦታታት፡ ጠዋሪ ስኢኖም ዝዘኽትሙ ወለድን ህጻናትን ብጥሜት፡ ስእነትን ኣገልግሎት ሕክምና፡መብራህቲ፡ መጓዓዝያን ማይን ዝሳቀዩ ስድራቤታት ከምዘለዉ ተዘዋዊሮም ተራ ሰባት ሓቲቶን ተዓዚቦምንዶ? ዶስ ኤርትራዊ ብኽብሪ ሃለኽቲ ኣቁሑን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እናተሳቀየ እንከሎ ንሕሱር ፖለቲካዊ ዕላማትትን ሃወርያታትካ ንምምልማልን፡ ጮማን ዊስክን ስለዝተቀረበልካ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን’ዩ ነገሩ?

ህግደፍ፡ “ብኢትዮጵያ ዝተታሕዘ መሬትና  ስለዘይተመልሰን ዶብና ስለዘይተሓንጸጸን” ዝብል ዝኣረገ ምስምስ  ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ንውሽጣዊ ድኻማቱ ኣበሳታቱን ንምጉልባብ ካብ ዝጥቀመሉ ካልእ ዕባራ ምኽንያት’ዩ። እቲ  ሓቂ ብሰበብ ዶብ ስለዘይተሓንጸጸን ዝተጎብጠ መሬት ስለዘይተመልሰን፡ መሰል ኤርትራዊ ምርጋጽን ምልካዊ ስርዓት ምቅጻልን’ዩ። ፍትሒ ይንገስ  ንዝበሉ ዜጋታት ብዘይፍርዲ ምምቛሕን  ትሕቲ መሬት ምስፋርን፡ ቅዋም ዘይምንዳፍን ህዝባዊ ምርጫ ዘይምክያድን ክሳብ መኣስ? ኩሉ ከምዘይስሕቶ ዘለናዮ ዓለም ምስጥቅማ እምበር ብስለ ዲሞክራሲ ፍጹም ሓቅታት  ዝብሃል የለን። ንልኡላውነትካን ክብርኻን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተኻ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ክትምእዘዝ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ክትሰርሕ፡ ረብሓ ህዝብኻ ከተኻዕብትን ዓቅምኻ ክትፈልጥን ግን ናይ ለባማት ኣሰራርሓ ኢዩ። እቶም “ስርዓት ኢሳያስ ጉድለት የብሉን ዓለም ዘርያትና” ኢልኩም ነዚ ክውንነት’ዚ ትኽሕዱን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓለም ንኽንጸል ብተዘዋዋሪ ትሰርሑን ዘለኹም ዜጋታት፡ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንኽረግጽ ኣጆኻ ትብልዎ ከምዘለኹም ትግንዘብዎዶ?  ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስርዓት ኢሳያስ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ከም ጭርናዕ ካብ ምትዃብ ሓሊፉ፡ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ካብ ምዝውታርን (ንኣብነት፡ ምስ ዝተፈንፈኑ ስርዓታት ምምሕዛውን፡ ናይ ጸላኢአይ ጸላኢ ፈታዊየን ዝዓይነቱ ኣጠማምታ ንጹር ዕላማ ዘይብሎም ናይ ጎረባብትና ሃገራት ተቃወምቲ ወድባት ምሕጋዝን)፡ መትከላውን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝምድና የብሉን።

ብዝተፈላለየ ጉዳያት ምፍልላይ ገበን ኣይኮነን። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ስንፍና ግን፡  ነዚ ብግሁድን ብስውርን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸልማት ኣእትዩ ዘሳቂ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ምድጋፍ ወይ ድማ ቀንዲ ተዋሳኢ ምዃን፡ ሓቂ  ምጥምዛዝን ድርብ ገበን ከም ምፍጻም’ዩ ዝቑጸር። ኣብዚ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ዝኾነ እኩይ ተግባራትን ኣዕናዊ ሜላታትን ስርዓት ህግደፍ ሓቢርና ዘይምስራሕና ድማ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ይሃብካ ኢልካ ምምራቕ’ዩ።

ጽላል – ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ Bay Area Eritreans for Democratic  bayareaedc@gmail.com

 

Bay_area_Article-Aug-1

 

ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኣረሜናዊ ኣባይቲ ናይ ምዕናው ተግባር ይኹንን እቲ ንህዝብና መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ሓርነቱን ጊሂሱ ብቑጠባውን ማሕበራውን ሕሰም ዘሳቕዮ ዘሎ ዓመጸኛ ስርዓት፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ዓመተ 2014 ኣትሒዙ ውን ነቲ ዜጋታት ሙሉእ ዕድሚኦም ሰሪሖም ብዘጠራቐምዎ ገንዘባውን ንዋታውን ሃብቲ ዝሃነጽዎ ገዛውቲ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መርትዖን ቁቡል ስነ ሞጎትን ካብ ሓደ ከባቢ ናብቲ ሓደ ከባቢ ብምንጣር ብኣሽሓት ዝቑጸር ገዛውቲ ብጭካነ የዕንዎ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብኣሻሓት ዝቑጸራ ኤርትራውያን ሲድራቤታት ብዘይ መዕቖቢ ተሪፈን ኣብ ፎቖዶ ጎደናታት ንጸሓይን ቑርን ተቓሊዐን ይርከባ። እዚ ኣብ ጸሎት ጀመሩ ብቤት-መኻእ ኣቢሉ ናብ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ዳዕሮ ጳውሎስ: ሰገነይቲን ዝቕጸለ ኣረሜናዊ ናይ ምዕናው ስጉምቲ፡ ሕጂ ውን ናብ ካልኦት ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ክልሕም ከም ዝኽእል ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ደምበ ተቓውሞ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ይእምት። ሽሕ እኳ እዚ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን መደርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ተቓውምኡ እንተ ዘይገለጸ፡ ነዚ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ውን ርኢዎ ዘይፈልጥ ነውራምን ዘይሓላፍነታውን ተግባር ዝተፈላለየ ኣገባባት ብምጥቃም ይኹንኖ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝዝርግሑ ዘለው ዜናታት ይሕብሩ። ንኣብነት ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ተማሃሮን ምንእሰያትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝካየድ ዝነበረ ጽዩፍ ተግባር ክጻወርዎ ስለ ዘይካኣሉ ነቶም ነቲ ተግባር ዝፍጽሙ ዝነብሩ ኣባልት ሰራዊትን ጸጥታን ኣእማን ብምድርባይ ከም ዝተቓወምዎምን እቲ ናይ ምዕናው ተግባር ንግዚኡ ደው ከም ዝበለን ይዝከር፡፡ ከምኡ ‘ውን ዝሓለፈ ሰሙን ህዝቢ ዳዕሮ ጳውሎስ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ታቦት ብምውጻእ ጸሎትን ምህለላን ብምክያድ ተቃውሞኡ ከም ዘስምዐ ዝተተፈላለያ ብጉዳይ ኤርትራ ዝግደሳ ማዕከናት ዜና ሓቢረን እየን። ንሕና ኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ እንነብር ኤርትራውያን ውን ነዚ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ኣዕናዊ ተግባር ኣትሪርና ንኹንን። ነቲ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉን ክብረቱን ንምርግጋጽ ዘካይዶ ዘሎ ዝተፈላልየ ናይ ተቓውሞ ኣገባባት ምሉእ ደገፉ የረጋግጽ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና ከኣ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ኣብ ምክያድን ህዝቢ ኣብ ምብስባስን ብሓላፍነት ይሳተፉ ናይ ዘለው ዜጋግታት ጽፉፍ መዝገብ ክሕዝን ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ኣረሚናዊ ተግባራት ብቪድዮን ደረቕ ስእልን ብምልዓል ክስንዶን ከኣ በዚ ኣገጣሚ ንጽውዕ። ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ ኤርትራያን ከኣ ከም ውትሩ ሰፊሕ ተሳታፍነትን ዝርገሐን ዘለዎ ሰልማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝከይድ ዘሎ ነውራም ተግባር ኣብ ምቅላዕ ሓቢርና ክንሰርሕ ጻውዒትና ነቕርብ። 10 ምያዝያ 2015 ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ በይ ኤርያ- ካሊፎርንያ

ምስጋና ምሉኣት ስድራቤት

 

ምስጋና

ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ብ 27 መጋቢት (March 27) 2015 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ-ኣትላንታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ብ 08 ሚያዝያ (April 08) 2015 ኣብ ዓዲ-ኳላ፡ ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብዎ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ንዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብኣካል ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ከምኡ’ውን ስልኪ ብምድዋል ሞራላዊ ደገፍ ንዝገበርክሙሉን፡ ምስ ዓረፈ ድማ፡ ሓዘን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ብኣካል ብምምልላስ፡ ስልኪ ብምድዋል፡ ኢመይል ብምልኣኽን ኣብ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ብምጽሓፍን፡ ዘጸናናዕኩሙናን ተኻፈልቲ ሓዘንና ንዝኾንኩሙን ብሙሉእኩም ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ መፋነዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት (Funeral Ceremony) ብኣካል ተረኺብኩም ሬሳ ወላዲናን ሓውናን ዘፋነኹም ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን፡ ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ግዝኣታት ናይ ኣመሪካ ዝመጻእኩም፡ መቓልስቱ፡ መማህርቱ፡ መታዓብይቱን ፈተውቱን፡ ንተስፋማርያም ክብሪ ብምሃብኩምን ንዓና ድማ ተኻፈልቲ ሓዘንና ስለዝኾንኩምን ደጊምና ልባዊ ምስጋናና እናቕረብና ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። ኣብ ሓመድ ድበ ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ ዝተረኽብኩም ብምሉእኩም ምስጋናና እናቕረብና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ሓዘንና ከምጽዓጸና ብኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ።

ምሉኣት ስድራቤት

In historic face to face, Obama, Castro vow to turn the page

Raw: Historic Handshake Between Obama, Castro

PANAMA CITY (AP) — President Barack Obama and Cuba’s Raul Castro sat down together Saturday in the first formal meeting of the two country’s leaders in a half-century, pledging to reach for the kind of peaceful relationship that has eluded their nations for generations.
 In a small conference room in a Panama City convention center, the two sat side by side in a bid to inject fresh momentum into their months-old effort to restore diplomatic ties. Reflecting on the historic nature of the meeting, Obama said he felt it was time to try something new and to engage with both Cuba’s government and its people.

“What we have both concluded is that we can disagree with a spirit of respect and civility,” Obama said. “And over time, it is possible for us to turn the page and develop a new relationship between our two countries.”

Castro, for his part, said he agreed with everything Obama had said — a stunning statement in and of itself for the Cuban leader. But he added the caveat that they had “agreed to disagee” at times. Castro said he had told the Americans that Cuba was willing to discuss issues such as human rights and freedom of the press, maintaining that “everything can be on the table.”

“We are disposed to talk about everything — with patience,” Castro said in Spanish. “Some things we will agree with, and others we won’t.”

Not since 1958 have a U.S. and Cuban leader convened a substantial meeting; at the time, Dwight Eisenhower was in the White House and Fulgencio Batista in charge in Cuba. But relations quickly entered into a deep freeze amid the Cold War, and the U.S. spent decades trying to either isolate or actively overthrow the Cuban government.

In a stroke of coincidence, Eisenhower’s meeting with Batista in 1958 also took place in Panama, imbuing Saturday’s session between Obama and Castro with a sense of having come full circle.

The historic gathering played out on the sidelines of the Summit of the Americas, which this year included Cuba for the first time. Although the meeting wasn’t publicly announced in advance, White House aides had suggested the two leaders were looking for an opportunity to meet while in Panama and to discuss the ongoing efforts to open embassies in Havana and Washington, among other issues.

At the start of their hour-long meeting, Obama acknowledged that Cuba, too, would continue raising concerns about U.S. policies — earning a friendly smirk from Castro. Obama described the sit-down later as “candid and fruitful” and said he and Castro were able to speak about their differences in a productive way.

Even still, raw passions were on vivid display earlier in the day when Castro, in a meandering, nearly hour-long speech to the summit, ran through an exhaustive history of perceived Cuban grievances against the U.S. dating back more than a century.

Then, in an abrupt about face, he apologized for letting his emotions get the best of him. He said many U.S. presidents were at fault for that troubled history — but that Obama isn’t one of them.

“I have told President Obama that I get very emotional talking about the revolution,” Castro said through a translator, noting that Obama wasn’t even born when the U.S. began sanctioning the island nation. “I apologize to him because President Obama had no responsibility for this.”

Obama agreed.

“The Cold War has been over for a long time,” he said. “And I’m not interested in having battles frankly that started before I was born.”

The flurry of diplomacy kicked off Wednesday when Obama and Castro spoke by phone — only the second known call between U.S. and Cuban presidents in decades. It continued Friday evening when Obama and Castro traded handshakes and small talk at the summit’s opening ceremonies, setting social media abuzz with photos and cellphone video.

Obama and Castro sent shockwaves throughout the hemisphere in December when they announced the plan for rapprochement, and their envoys have spent the ensuing months working through thorny issues such as sanctions, the re-opening of embassies and the island nation’s place on the U.S. list of state sponsors of terrorism.

Although earlier in the week Obama suggested a decision to remove Cuba from the list was imminent, he declined to take that step Saturday, citing the need to study a recently completed State Department review. Lawmakers briefed on that review have said it resulted in a recommendation that Cuba be delisted.

Removal from the terror list is a top priority for Castro because it would not only purge a stain on Cuba’s pride, but also ease its ability to conduct simple financial transactions.

“Yes, we have conducted solidarity with other peoples that could be considered terrorism — when we were cornered, when we were strongly harassed,” Castro conceded earlier Saturday. “We had no other choice but to give up or to fight back.”

Yet Obama’s delay in delisting Cuba comes as the U.S. seeks concessions of its own — namely, the easing of restrictions on American diplomats’ freedom of movement in Havana and better human rights protections. Obama met with Cuban dissidents Friday at a civil society forum, and on Saturday, he said the U.S. would continue pressing Cuba on issues like democracy and human rights.

“We have very different views about how society should be organized,” Obama told reporters just before returning to Washington.

A successful detente would form a cornerstone of Obama’s foreign policy legacy. But it’s an endeavor he can’t undertake alone: Only Congress can fully lift the onerous U.S. sanctions regime on Cuba and there are deep pockets of opposition in the U.S. to taking that step.

As he sat down with the American president, Castro observed that nothing is truly static. Today’s profound disagreements could turn into areas of consensus tomorrow.

“The pace of life at the present moment in the world,” he said, “it’s very fast.”

___

ወዱ ንኢሳይያስ ምስ ኣርባዕተ ርእሱ ካብ ኤርትራ ክሃድም ፈቲኑ

Info office

 ኣስመራ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሰንኪ’ቲ ንምልካዊ ምሕደርኡ ዝፈታትኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተኸስቱ ዓበይቲ ተረኽቦታት፥ ኣብ እዚ ዘይበሃል ሃውተታ ኣቲዩ ምህላዎ ተፈሊጡ። እሙናት ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፡ ወዱ ንመላኺ ኢሳይያስ ብርሃነ ዝተባህለ ከምኡ’ውን ወዳ ነታ ፍልጥቲ ድምጻዊት ኣብረሀት ኣንከረ ( ጓል ኣንከረ) ዝረከብዎም 4 መንእሰያት ናብ ሱዳን ገጾም ክሰግሩ ብሓይልታት ዶብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ዝተታሕዙ ተፈሊጡ። ናይ ምህዳም ፈተነ ወዲ ኢሰይያስ፡ ኩነታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሑ ምህላዉ ዝሕብር ኢዩ ክብሉ ብዙሓት ካብ ዓበይቲ ወትሃድራውያን ሓላፍቲን ካልኦት ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ዓንኬላት ክዛረቡሉ ጀሚሮም ምህላዎም’ውን ተረጋጊጹ።

ምስ’ዚ ተረኽቦ’ዚ ዓቢ ምትሕሓዝ ዘለዎ ጉዳይ፡ መላኺ ኢሰይያስ፡ ዓበይቲ ጀነራላቱ ንህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ብዛዕባ ምትኽኻእ (ምውርራስ) ዝብል ቴማ ኣልዒሉ ከም ዘዛረቦም ተሓቢሩ። ካብ ውሽጢ’ቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾ፡ መላኺ ኢሳይያስ “ካብ ሕጂ ንድሓር ዕድመ ንደፍእ ኣሎና፣ ኩነታት ሃገር ብደቂቕ ትከታትልዎ ከም ዘለኹም፡ ቀጻልነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ሃለዋት በጺሑ ኣሎ፣ ስለ’ዚ ካብ ደቅናን መቕርብናን ተካእትና ክንፈጥር ናይ ግድን ኢዩ’’ ክብል ንጀነራላቱን ዓበይቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓለፍትን ገሊጹ። ኢሳይያስ ካብ’ቲ ቦኽሪ ወዱ (ኣብራሃም) ስለ ዝቐበጸ፡ ምስ ካልኣይ ወዱ (ብርሃነ)፡ ኣብ መጻኢ ሓላፍነት ክስከም ክቀራረብ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ብርሃነ ግን ኣብ ኣካይዳ ኣብኡን መሳርሕቱን ተሪር ነቐፌታ ከም ዘስመዖን፡ ህዝብና ምሕረት ዘይትህብዎ ኣብ ርእሲ ምባሉ፡ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ድልየት ኣለኒ ክብል’ውን ከም ዝገለጸሉን ተፈሊጡ። ካብ’ዚ ዝተበገሰ፣ ኢሳይያስ ቀጥታ ፓስፕርት ናይ ወዱ ብርሃነ ከም ዘሕደጎ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

እዚ ናይ ምውርራስ ዝብል ስልቲ ምስ’ቲ ኣብ ምስሪ ብሑስኒ ሙባረክ፣ ኣብ የመን ብዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሊብያ ብሙዓመር ገዳፊ ስልጣን ንደቆም ከውርሱ ዘካየድዎ ከንቱ ፈተነ ምኳኑ ብግብሪ ተረጋጊጹ እናሃለወ። ኢሳይያስ ሎሚ ክደግሞ ምፍታኑ፡ ክሳብ ክንደየናይ ካብ ተመክሮ ምልካውያን ኣዕሩኽቱ፡ ትምህርቲ ዘይቀስም መራሒ ኢዩ ክብሉ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ተመራመርቲ ይገልጹ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣስመራ፡ ከም ተጻይ መልሲ ነቲ ብውድብና ዝተኻየድ ተባዕ ስርሒት ቀሓውታን፡ ናይ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝድይብ ዘሎ ተቓውሞ ንምግጣምን፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ስለያ ስራሓቱ ኣዋፊሩ ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ነዘን ኣዋፊርዎን ዘሎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ባጀት ሰሊዑ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኣተን፡ ኣብ ከባቢአ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ተርእዮ፡ ከም ንኣብነት ሓድሽ ሰብ ምስ እትርኢን፡ ኣብ ጎረባብቲ እናበጽሓት ኩሉ ዝበሃል ክትጸናጸንን፡ እቲ ስርዓት ብኢደ ዙር ናብ ህዝቢ ከሕልፎ ዝደሊ ጉዳያት ከትብጽሕን፡ መልሚሉ ኣዋፊርወን ከም ዘሎ ተረጋጊጹ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኽተሎ ዘሎ ዕርቃኑ ዘረጋግጽ ተግባር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስ’ቲ ኣብ 60ታት ብመንግስቲ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ገኒኑ ዝንበረ ብባደር ማይንሆፍ ዝፍለጥ ዕጡቕ ናይ ጸጋም ምንቅስቓስ (Baader-Meinhof) ዝመሳሰል ኢዩ ክብሉ ናይ ፖለቲካ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ናይ’ዚ ዝተገልጸ ሓበሬታ፡ ጸጥታዊ ሻቑሎታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እና ዓበየ ይኸይድ ምህላው ዘረጋግጽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ከም ኣባላት ዑቑር ሰራዊት ዝፍለጡን ብኣካላት ስሩዕ ሰራዊት ዝተሰነዩን ፡ ምሉእ ለይቲ ከተማታት ክሕልዉን ኣብ ዝተፈላለየ ዞናታት ክዞሩ ክመ ዝሓድሩን ተፈሊጡ።

ኣስመራ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዕለት 02/04/2015 ብ“ሓራት” ዝፍለጥ ናይ መንግስቲ ህዝባዊ ሞጎዓዝያ ኩባንያ፡ሓለፍትን መራሕቲ መካይንን ሰራሕተኛታትን ኣብ ማእሰርቲ ዳጒኒዎም ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ቀጥታዊ ምኽንያታት ናይ’ዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ብደቂቕ’ኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ እምነት ጸንቂቑ ምህላዉ እናተረጋገጸ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቲ ምኽንያት ጸጥታዊ ጉዳይ ኢዩ ዝብል ዓቢ ግምት ኣሎ። ነዚ ብዝያዳ ዘራጉድ ከኣ፡ ድሕሪ ምእሳር ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ኤርትራውያን፡ እተን ህዝቢ ዘጓዓዕዛ መካይን ብኣባላት “ድምሒት” ይካየዳ ምህላወን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ።

ዓዲ ዃላ፡ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዓዲዃላን ድባርዋን መደብ ምፍራስ ኣባይቲ ንምትግባር፡ ነቶም ገዛውቶም ዝፈርሶም ዜጋታት ንብረትኩም ቀልጢፍኩም ኣውጽእዎ ዝብል መጥንቀቕታ ብጽሑፍ ንነፍስወከፎም ከም ዘረከበ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

ኣባይቲ ዜጋታት ብኣልማማ ናይ ምፍራስ መደብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ህዝብና ዓቢ ቁጠዐን ጽልእን ኣሕዲሩ ምህላዉ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራት እቲ ስርዓት ዘፍረሶም ኣባይቲ ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደ የውሃንስ ላዕላዋይ ኣዛዚ ወትሃድራዊ ስታፍ ( Chief of staff ) ዝምራሕ ሓይሊ ሰራዊት ስለ ዝነበረ፡ ህዝብና ነቲ ቦታ ብዑና ፊሊጶስ ዝብል ኣውጺኡሉ ምህላዉ ተሓቢሩ። ህዝቢ ዘጋጠሞ እንተገጠሞን፣ ዝበለ እንተበለን፣ ሓልዮት ይኹን ሰብኣዊ ርህራሄ ዘይብሉ ጀነራል ፊሊጶስ ግን እቲ ናይ ምዕናው ኣባይቲ መደብ ክቕጽል ምዃኑ ኣንዳዕዲዑ ይዛረብ ኣሎ። ካብ’ቶም ቀንዲ የማናይ ኢድ ናይ’ዚ ጀነራል’ዚ ዝቑጸሩ ሓደ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ኣውልያይ ናይ ዞባ ማእከል (ኣስመራን ካባቢኣን) ኣመሓዳሪ ንክኸውን በቲ ምልካዊ ስርዓት ተሾይሙ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብ ኣስመራን ካቢኡን ዝፍጸም ግፍዓት እና ዓበየ ክመጽእ ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

09/04/2015  

መምህር መምህረ ሊቕ ሊቓዉንቲ መምህር እዮብ ሶቓር

 

 

መምህር መምህረ መማህራን ሊቕ ሊቓዉንቲ፡ ብምጉት ታሪኽ ዘይብሉ መዳርግቲ፡ ንያሬድ ማህሌታይ ግእዝ መዳጉምቲ፡ ሃሌታ ፖለቲካ ንትግርኛ ከፋቲ። ረቒቅ ዝልሳኑ ቓሉ ዘየሰልቲ፡ ቐለሙ ከይነጸፈ ንድቓስ ዘየዛቲ፡ ሳዋ ትመስክር መዓስከር ጸሓፍቲ፡ ኩሉ’ዶ ወሲድካዮ ገደፍካ ሕፍንቲ። ታሪኽ ተራኺ ንኽብሪ ተስቖርቛሪ፡ ባሕሪ ልበናኡ ንኹሉ ሰታሪ፡ ቐላሲ ባሕረ ሓሳብ ንስሕበተ ፍቕሪ፡ ብራና ከይገንጸለ ቓሉ ዘይስንዝሪ። ድሙቕ ዝኣወርኡ ግሩም ሰናድሪ፡ ዝናሩ ከይዓጠቕ ዘይጸቕጥ ምኒሽሪ፡ ብፍልጠቱ ተመኪሑ ደረት ዘይሰግሪ፡ ጽፉፍ ዝታሪኹ ማይ-ሓቒቅ ዝዛሪ። ሞትስ ሞት ኢያ ንመንከ ተዛኒ፡ ዝተሰንደ ሰነድ ኣሎንዶ ነባሪ፡ ሰላምን መጎስን ንዓኻ ይኹን ክብሪ፡ ሓርበኛዊ መምህር ዘልኣለም ተዘከሪ። ክብርን ሞጎስን ንተስፋማሪኣም Eyob Sequar Orlando, Fl

 

ንስለ ዝኽሪ ኩቡር ሓዉ ተስፋማርያም ወልደማርያም – ነጸረ ተ/መድህን ለንደን

 

ንስለ ዝኽሪ ኩቡር ሓዉ ተስፋማርያም ወልደማርያም – ተመክሮ ቃልስኻ – ካብ ሰዓታት ናብ መዓልታት፣ ካብ ሰሙናት ናብ ወርሓት፣ ካብ ወርሓት ናብ ዓመታት ደማሚረ ብዕምቆት ክትንትኖ እኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ንድምር ኣወንታዊ ዉጺኢታቱ ሓሓሊፈ ፈይ-ፈይ ከብል ግን ብዙሕ ዘሸግረኒ ኣይመስለንን። ተስፎም – ኣበርክቶኻ ዝምስክሮ ንዕምቆትን ስፍሓትን ክለሳ-ሓሳባዊ ዓቕሚ ሰራዊት-ሓርነት ዓቢ እጃም ካብ ዘበርከቱ ባእታታት ሓደ ኢኻ። ዝያዳ ኸኣ ከም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኴንካ ነታ ናይ ሓበሬታን ዜናን – ቀንዲ ‘ኳ ‘’ብክፍሊ ዕዮ-ዜና’’ እትፍለጥ – ቤት-ጽሕፈት መሪሕካ – ኣብ ዉዑይን ሓርፋፍን መድረኻት፡ ንምክልኻል ዴሞክራስያዊ መትከላትናን ዉድባዊ ህልዉናናን ዘርኣኻዮ ህርኩት ጻዕሪ መስኪሩዎ ‘ዩ። ብተወሳኺ ነቲ ዘይግጠም ዝመስል ተጓናጺ ወፈራታት ህ/ግንባር፡ ብዓሚቚ ምኽንያታዊ መርትዖታት ከጋልጽ ዘኽኣለ ዉሕሉላት ዝተፈላልያ መጽሔታዊ ስነ-ጽሑፋት፡ ብሓላፍነት ዝመራሕካ መንእሰይ ተጋዳላይ ኔርካ። ንብዙሓት ተራ ዜጋታትን ፈሊጣዉያንን ዓይኖም ክኸፍቱ ዘኽኣለ ኣገባብ ጽሑፋትካ ንኣበርክቶ ቤት-ጽሕፈትካ ታሪኽ ዘንበረ ‘ዩ። ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሮም ሚዛንን ግምትን ከኣ ዳግመ ርእይቶ ክገብሩ ኣኽኢሉ። ብትካላት ቤት-ትምህርትታት ካድራት ኣብ ታሕታይ ባርካን (ዓሌት) ከበሳን (መለዛናይ)፡ ብምትሕብባር ዕዮ-ዜናን ካለኦት ቤት-ጽሕፈታትን ዝሰነቐ ሰራዊት ሓርነት ናይ ምምይያጥ ባህሊ ዝወነነ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንዘይ ጎንጻዊ ልዝባዊ ኣፈታትሓ ግርጭት ክሳብ መጨረስታ ዘኽበረ ስልጡን ሰራዊት ‘ዩ ነይሩ። እዚ ምዕቡል ናይ ሓርነት ሰራዊት ‘ዚ፡ ሓበን ምዕራፍ ታሪኽ ተጋድሎና ዝወቐረ ‘ዩ። ምስ ልዙብ ኣሰራርሓኡ፡ ሓድሽ ቅዲ ናይ ኣሰራርሓ ምዕባሌ ኣተኣታትዩ ንማሕበራዉን ፖሊቲካዉን ለዉጢ፡ ብዝማዕበለ ዝእምት ኣቕጣጫ ኣኸተለ። ተራኻ ህያዉ ‘ዩ። ኣብ ቅድመ-ግንባር (ከበሳ) ንሰለስተ ወርሓት ዝኣክል፡ ተስፋማርያምን ካለኦት ክልተ ኣባላት መሪሕነትን ምሳይ ክተሓባበሩ ከም ዝጸንሑ ድዝከር እዩ። ከም ሓላፊ ናይ’ቲ ግንባር መጠን ዘበርከቱለይ ደገፍን ምትብባዕን ኣዝዩ የሕብነኒ። ብፍላይ ዘይርስዖ፡ ኣነ ነቲ መደብ ሓድሽ ስለ ዝነበርኩ ተስፋማርያም ‘’ኣጆኻ ነዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ ሰፊሕ ናይ ግንባር መደብ ልዕሊ ብቕዓት ኢኻ’’ ይብል። እዞም ናይ ምትብባዕ ቃላት፡ ምስቲ ኩሉ ኣኽቢቡና ዝነበረ ጻዕቂ ሓድሕድ ኩናት (ሽርክነት ህ/ግን ወያኔን)፡ ነዓይ ኣዝዮም ኣድለይቲ ነበሩ። ሓዉ ክብደት ናይቲ ክዉንነት ኣለልዩ ሕልፊ ደገፍ ምግባሩ፡ ኣድኒቐዮ። ምስ ተስፋማርያም ብሓደ ዝተሳተፍናሉ፡ ዝተፈላለየ ናይ ላዕለዎት ካድራት ኣኼባ እዉን ኣብ ልዕሌኡ ኣወንታዊ ሚዛናት ከንብር ዘኽኣለኒ ባህርያታት ስለ ዝተዓዘብኩ እየ። ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ እንከሎ ‘ዉን እንተ ኾነ ኣዝዩ ዉፉይ ተበግሶታትን ስርዒታትን ይወስድ ምንባሩ መሓዙቱ ይገልጽዎ እዮም። ናይ ነዊሕ ምትእስሳር ቃልሱ ዘመልክት ኣብነት ከኣ፡ ኣብ ሓጺር ገድላዊ ዕላዊ ተሳትፎኡ፡ መሪሕ ላዕለዋይ ተራ ክወሃቦ እንከሎ ‘ዩ። በል ግዜ ኣኺሉ ከድኩ እንካብ በልካ፣ ነቶም ኩሎም ኣቐዲሞም ዝሓለፉ/ፋ ጀጋኑ ብጾት ኩነታትና ኣዉጋዓዮም፣ ወዮ ደኣ ደስ ኣይብሎምን ‘ምበር ሃገርና ‘ዉን ኣብ ምንታይ ወዲቓ ከም ዘላ ህድእ ኢልካ ኣተንብሃሎም። ነዓና ግን በብሓደ ሰብ ወሓደ ኮይኑና – ጀጋኑና ኣብ አእዋኑ ትፍለዩና ምህላዉኩም ኣቑሪሩና። ንምሉእ ቤተ-ሰብ ጽንዓት ይሃቦም!!! ነጸረ ተ/መድህን ለንደን