“የጨዋ ደሞዝ”: ናይ ጭዋ ደሞዝ። By assenna on March 19, 2015

Isaias_money_1

                         “የጨዋ ደሞዝ”: ናይ ጭዋ ደሞዝ።                 20.03.2015

“የጨዋ ደሞዝ” ካብ በለስ “ብኣምሓርኛ ክትብትባ ደልዩ” ኢልኩም ሓሲብኩም ትኾኑ’ምበር ኣይፋለይ። ንሳስ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ት ጽበ ዘላ ዕዮ ገዛ ኢያ። ከምዚ ትርእይዎ ሕሉፍ ድርቅና ኣምሓረተይቲ ግዳም ተኾይጡ ይርአ እንሆ። በቲ እንግዶት ዝተተባብዐት ሽዋተ ይቲ ድሮ ትርጉም ቋንቋን ሃገርን፡ ትርጉም ቋንቋን ፕሮቶኮልን ጥሒሳ ነቲ ዓዳሚኣ መራሕ ሃገር ከምናታ ብምጽብጻብ “ንምንታይ ፕረሲ ደንትና ብቋንቋና (ኣምሕርኛ) ዘይተዛረበ” ኢላ ኣኹሪፋ ክትርአስ ክንደይኮን ትዕሹ ኮይና? እንተላይ ክትጎርሕ። መራሕ ካልእ ሃገር ኣብ ዓዳ መጺኡ በቲ ናታ ክደራጓዕሲ መርኣያ ግሩም ዲፕሎማሲ ምተጸብጸበ። ኣብ ዘይሃገራኸ ናይምንታይ ሓለፋ’ዩ ኣምሓራ ክዝረበላ ተመ ንያ? እንበርከ ብዓንተቦኣ ኣምሕርኛ መረብዶ ትሰግር ነይራ ኢያ? እንተ ሽዑ ዋላ’ዃ ኢሳት ኣብ ኣስመራ ዘይተጸበየቶ ዘረባኣን ሳዕስዒታን ክድብል ከምዝራአየት እንተተኾመረት፡ ፕረሲደንት ኣብ ወግዑ፡ ነቶም ብተምሳል ገዛእቶም ዝሰርሑን ዝዛረቡን ህዝብታት ኣፍሪቃ እናነ ቐፈ፡ ከምህዝቢ ክሳብ ብዘይሓለዋ ዘናብር ንውንኖ ባህሊ ከምዘለና ከዕልላ ከምዘይተሰምዐ ኣሻባ ዘንጊዓቶ ሽዋ ቋን ቋ ከምዘለናዶስ ዕላ ሎም ነገር ነይርዎ?

ፕረሲደንት ሲሳይያስ ታሪኽ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን እንተተኸፊቱ ከምታ ሳንዱቑ ፓንዱራ እዚ ዘይበሃል ተጓሟዲ ዝዘንብዐ ታሪኽ (Distorted history) ከምዝቕላዕ ተረዲኦም ሃገራውነት ኤርትራ ክርዕሙ ክብል ን50 ዓመታት ከምተጋደለ ኣረዲኡ ሎሚ እቲ ‘ብሰበብ ወያነ’ ተጣሚሙ ዝነበረ ተዓርዩ ንቡር ርክባት ክግበር ከምዝመዓደ ኮይኑ ኢዩ ተሰሚዕኒ። ንሶም በቲ ዘለዎም ናይ ምውዕዋዕ ጸብለልታ ነታ “ናብ ንቡር ንመለስ” ትብል ኣምር መንጢሎም ንእለታ ኣንድነት ቀስ-ብቀስ ዘይኮነትስ ሸዂዃ ብእግራ ትኸይድ ከምዘላ ከምስሉዋ ተቐ ዳደሙ ። ዝተደናገሩ ወይ ዝተላእኩ ገለ ኤርትራውያን’ውን ኣብ ኣኼባታቶም ክቀላቐሉ ተራእዩ። ነዚ ዝተዓዘበ ወዲ ሃገር ድማ ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ እንተ ኣናብባና በበይኑ ኮይኑ ወይ’ውን እቲ ኣበሃህላ ግዲ ተሃዊስዎ ንኣበሃህላ ፕረሲደንና ክፍትሾ ተራእየ። ብኣውራኡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ግሉጽነት ስለዘየሎ ወዲ ሃገር እምነት ፕረሲደንቱ ኣጥፊኡ’ዩ። እሞ ፕረሲደንት ንዕዱማቱ ዝበሎም ነገራት ከይህሉ ምጥ ርጣር ንቡር ፖለቲካዊ መስርሕ ኢዩ። ንነገሩ ፕረሲደንት ኢሳይያስ እቲ “ዝዘንብዐ ታሪኽ ክዕረ ኣለዎ” ማለቱ እንተዘይኮይኑ ነታ ሳንዱቕ ፓንዶራ ስለዘይከፈተሎም ንርእሱ ገለ ካብቲ ኣብ ሳንዱቕ ህግደፍ ተዓሺጉ ዘሎ መስርሕ ምፍጣጥ ምዃኑ ትፈልጡዶ? በሉ ንሱስ ነቶም ‘ዝተቓደዉ’ ንግደፎ። እንተ’ቲ ጠለቦም ግን ድፍረት ክብሪ ሃገርና ስለዝኾነ ምምስሳል ወዲኣፎም ብሪ ገዲፍና ብዕቱብ ክንሪኦ ኣለና።

“’የጨዋ ደሞዝ’ እንታይ ማለት ምዃኑ’ዩ ናይ ሎሚ ዛዕባና። እቲ ንደቕና ናይ ዘመን እኒ-እኒ ታሪኽ ንዓና ንወለዲ ግና ርሕቕ ኣይኮነን’ሞ እዛ ናይ ጭዋ ደሞዝ ትብል ኣምሓረተይቲ ጥቕሲ’ውን ማዕረማዕረ ናይቲ ርሱን ሃገራዊ ሕቶና ዝተነዝሐት ፈላላይት መርዚ ትሕተ-ሃገራ ውነት ምንባራ ከዘኻኽር ኢለ’የ። ቅድሚ ደሞዝ ዝግብኦ ጭዋ ምዝራብና ግን ጭዋ እንታይ ማለት ምዃና እንተተዛረብናላ ይሓይሽ።

ብመሰረት መስፍናዊ ሕ/ሰብ እዚ ብጥበብ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ብስልጣን ከምቲ ከምኡ ወዲ-ሰብ ‘ጽርየት’ ፍጥረትና በበይኑ ምዃኑ ይኣምን። መቸም መስፍንነት ድሑር ክበሃል እንከሎ መርኣያ ኣለዎ። ብስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ሰለስተ ዓይነት ሰብ (ጸሊም ጻዕዳን ብ ጫን) ከምዘሎ ተማሂርኩም ትኾኑ። ኣብ ስርዓተ መስፍንነት ዝነበረ መጽናዕቲ መደብ ጸሊም ሰብ ድማ ጭዋ፡ ባርያን ጎበጨረን (ሕዋስ) ተባሂልና ከምንጉጀል ዝጸንሓና ሓድግታቶም የረጋግጽ። ብፍልጠት መሳፍንቲ ጸሊም ሰብ ብተፈጥርኡ ትሕቲ ጻዕዳ ምዃኑ ንርእሱ ወዮ ጸሊም ገዛኢ ኣሚንሉ ነበረ። ኣብ ገለ ቤተ-መቕደሳት እንተረኣና’ውን ጻዕዳ’ምበር ጸሊም መልኣኽ ከምዘየለ ዘመልክት ትርኢት ኣሎ። እን ተኾነስ ጸለምቲ መሳፍንትና ለባማት ኴይኖም ብሉጽነቶም ክገልጹ ንዓሌት ጸለምቲ ዘቖመ ዓጽሚ ጽሩይን ዘይጽሩይን ኣውጽኡሉ። እቶ ም ብቁጠባን ብስልጣንን ዝደመቑ ሰባት ብተፈጥሮ’ውን ነብሶም ከም ሕሩያት ፈጣሪ ገይሮም ክወስዱ ኣይነሓፉን። ንሳቶም ካብቲ ካልእ ሰብ ክፍለዩ ምእንቲ ዝመረጽዎ መጸውዒ ጽሬት ትውልዲ ለካ‘ጭውነት’ ኢዩ ዝበሃል። ጭዋ ማለት እምበኣር ‘ምሩጽ ዘርኢ’ ማለት ከ ምዝኾነት’ውን ጸደቐት። ከምኡድማ ዕጫ ጭዋ ትውልዲ ሕርያ ኣምላኽ ከምዝኾነ ይግለጽ ነበረ። ካብኡ ዘዝተረፍና ‘ባራዩ’ ኢና።

ሃገርና ኣብ ትሕቲ’ታ ብክቱር መስፍንነት ዝተሓመሰት ኢቲዮጲያ ክትቁረን ኣብ ዝተገደደትሉ እዋን ናታ ከይኣኽላ ኩሉ’ቲ ናይ ገዛኢትና መከራ ከይተረፈ ክትስከም ግድን ኮና። ኣብ 19 ክፍለ-ዘመን ኣብዝነበረ መስፍናዊ ወራራት ተሳጊሮም ካብዝመጹና ወረርቲ ዝተረፈ ሓድ ግታት’ውን ክሳብ ሎሚ ኣሎ። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ክብል ኢየ ድማኣምር ‘ጭውነት’ ዝተናኽፎ ዘለኹ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ዓ ድዋ ኣዝዩ ተጋህደ። ጎረቤትና ታሪኽ ዘሕብእ ሕማም ከምዘለዋ ትፈልጡ ዘበልኩም ታሪኽ ኣቦሓጎታት ኣቦሓጎታትኹም ብምዃኑ ትርጉ ሙ ፈታትሽኩም ክትፈልጥዎ እናተላበኹ ንሎሚ ግና ከምኣብነት ጥራይ ኢየ ክጠቕሶ።

ከምዝፍለጥ ውግእ ዓድዋ ብዘይተሳትፎ ኤርትራውያን ክዕወትስ ይትረፍ ኣይምተሓስበን’ውን። ሽዑ ሓደ ካብቶም ንመግዛእቲ ጣልያን መኪቶም ዝሰገሩን ኣብቲ ውግእ ኣብ ወሳኒቦታ ኣድብዩ ብምጽናሕ ትንግርቲ ዝሰርሐን ጅግና ደጊያት ኣበራን ሰራዊቱን ክዝክር እኽእል። ንጉስ መነሊኽ’ውን ክሳብ “ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ” ኢሎም ዝመስከሩሉ ደግያት ድሕሪ’ቲ ዓወት ብሽሕጣንን ጥልመትን ንጉስ መነሊክ ተቐርቂሩ ምስሰራዊቱ ንሽዋ ምስተደፍአ ኣይተመልሰን። ተንኮል ኢቲዮጲያውያን እንኮላይ ንጥልመቶም ዝሽፍን ክኾነሎም ምእንቲ ነቶ ም ናይቲ ግዜ ጀጋኑ እናሳዕ “ኣርበኖች ጀግኖች ሃማሴኖች” ከምኡ’ውን “ስመጥሩ ሓማሴኖች” እናበሉ ክሽሕጡዎም ተራእዩ። “ጤሰኛች” ብዝብል ተወሳኺ መጸውዒ ከምፍረ-ጻማ ናይ ጀግንነቶም ኣብ ከባቢ ሻሸመኔ (ካብ ኣዲስ ኣበባ 280 ኪ.ሜ. ንደቡብ) መሬት ዓዲሎም ኣጣየስዎም። ምናልባሽ እዚ ምግባሮም ሓልዮት እንተመሲልኩም ኣይሓልዮትን። ሎሚ’ውን ‘ሃሳሳት’ ከይትበሃሉስ ውግእ ዓድዋ ቅድሚ ምዃኑ እንታይ ነይሩ’ቲ ውዕል? ድሓር ስለምንታይ ጠሊሞም? ስለምንታይከ መሓውር ኤርትራ ቆሪጾም? ውዕል ውጫሌኸ ከም’ዚሎሚ ዘመዓራረይዎ ትርጉም ድዩ ነይሩ’ቲ ናይ ሽዑ መኻልፉ? ብሓጺሩስ ጥበብ’ዞም ካብ ጥንቱ ሕውነትናን ምስልናን ‘ዝማረኾም’ ቀተልትና ሕጂ’ው ንምፍታሹን ብዕቱብ ምሓዙን ንዓኹም ንተካእቲ ንገድፎ ከምዘለና ኣይትዘንግዑ። ጾታ ብዘይፈሊ ኣእዛንካ ብዘብለጭልጭ ስቑ ሬናት ሸሸኺልካ ዕውንውን መግለጺ ዘመናውነት ብዘይምዃኑ ኣየዋጽእን’ዩ’ሞ ፍቐዶ ፓልቶካት ምጽራድ ገዲፍኩም ንሓድነት ድለዩዋ።

በቲ እዋን እቲ ንዓና ዝለከመ ኣብ ማእከል ኢቲዮጲያ ዝነበረ መስፍናዊ ወራራት ምስ ምእታው ጣልያን መልክዑ ቀየረ። ሃገርና ድማ ካ ብ መስፋናዊ ወራራት ናብ ርእሰ-ማላዊ ገዛኢ ተሰጋገረት። ድሕሪ 60 ዓመት ጣልያን ብዓለማዊ ሓይሊ ምስተሳዕረ እታ ምስቲ ዝሰዓረ ሓይሊ ዝወገነት ኢቲዮጲያ ንኤርትራ ተንበርክኸላ ህሞት ረኸበት። ሽዑ ሓያላን ንሃገርና ንኢቲዮጲያ ሓቝፎም ምስኣረከቡዋ ጎረቤትና ብታሕጓስ ጭድድ ፍንጭሕ ክትብል ገዛኢነታ ክትኣምኖ ኣይካአለትን። ከምሳዕቤኑ ምዕባለኡ ዘይተኸተለ ምስሊ መግዛእቲ ተራእየ። ብ ፖለቲካዊ ክዳኑ ብስም ውህደት ኣብትሕቲኣ፡ ብደረጃ ምዕባለን ስልጣነን ልዕሊኣ ብምዃን ዘይመጣጠን ምስሊ መግዛእቲ ክርአ ግድን ኮነ። ነዚ ኢዮም ወዮም ጎራሓት ሃገርና ምስ ወላዲት ሃገራ ከምተጸንምበረት እምበር ከምዘይተገዝአት፡ እንተትግዛእ ኤርትራውያን ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ክመሃሩ፡ ትካላት ክውንኑ ….ኣይምኻአሉን” ዝብል ጎስጓስ ሎሚ ከምሓድሽ ዝደግሶም ዘሎ። ኢቲዮጲያ ከምዚ ና ይ ኣፓርታይድ ክትሕዘና ከተባርረና ኣይፈተነትን ዲያ? ኣብርእሲ’ቲ ኣብ ዓድዋ ትፈልጦ ህዝቢ፡ እቲ ኣብ ማእከል ከተማኣ ኣንጻር ግራዝ ያኒ መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ኣብርእሲ’ቲ ዘይናቱ ዘይደሊ፡ ናቱ ዘይህብ ኤርትራውስ እንታይ ዝኣመሰለ ዓቕሚ ስለዝነበራኸ ክትጉንጾ?

ሕማም ካብሱሩ እንተዘይተፈዊሱ ኩሉግዜ ክደግስ ይኽእል። እቲ ዊንታ ሕጂ’ውን ከፋፊልካ ግዛእ ኢዩ። እቲ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝ ዓበሰ ናይ ሓሶት ውህደት ሓንቲ ግዜ ክትኮስ ምዃኑ ፍሉጥ ነበረ። ስለዚ ወዮም ጎራሕ ንጉስ ማእለያ ዘይብሉ ሸረኻት ገዛእቲ ኣዳለዉ። እቲ ብትውልዲ፡ ብዓባይ ኢቲዮጲያውነት፡ ብደቂ ይሁዳነት፡ ዝተነጽፈ መሐንኮሊ ኮታ ክንደይ ክበሃል። ብታሪኻዊ መዳያቱ ይብሉና ክ ሳብ ንግስቲ ሳባ ኣብ ማይበላ ንመነሊክ ቀዳማይ ወሊዳ። በቲ ባህላዊ መዳያቱ መበቆል ሰብና ጭዋን ባርያን ከምዝኾነ። ቀንዲ መፈልፈ ሊት ዓይኒ ጭዋነት ስግር መረብ ከምዘላ ዘዝተጎስጎሰ ዘበለ ድማ ጽሩይ ምዃኑ ብትዕቢት ኣብ ዝገልጸሉ ንደቡብ እናጠመተ ብ’ጭዋነቱ’ ክምካሕ ነይርዎ። ስለዚ “ትግራይ ዘይውለድ ነይጭዋ” ክበሃል ተጀመረ። ሰብና ድማ እቲ ወወናሙ ካብ መንዜ ማእከል ሃገር ሽዋ፡ ካብ ጎንደረ-ላስታ፡ ካብ ተንቤነ-እንደርታ…. ኮታ ካበይከ ካበይ ከምዝፈለሰ ከምስል ቀንዖ።

ኣብ ግዜ ጎስጓስ ዓደይ-ዓደይ ኢቲዮጲያ ኣብ ሕዛእቲ ከምተፈነወ መጭዓና ነቶም ክልተ መወለድ ዘለዎም ኣበርቲዓ ተጠቕመትሎም። ነቶ ም ሓድነት ከምሓይሊ ሓሲቦም ክረድዩ ዝደልዩ’ውን ከምኡ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘሪቛ ብምእታው ድማ ብናይገዛእ ርእሳ ሕርያ ሹማም ንቲ ክትሰርዕ ጀመረት። ጭውነት ከኣ ቀንዲ መዐደሊት ሽመት ከምዝነበረት ይትረኽ። እቲ ታሪኹ ዘዝፈለጠ ሰብና ቁንቁኛ ስግር መረብ ተረዲኡ ናይ ባዕሉ ‘ጭውነት’ ክጭርሕ ምስጀመረ ንምንጻል ካብ ዝተጠቕሙሉ ሰራም ጥበብ ነበረ ጭውነት። ቀስብቀስ’ውን ጭውነት ከም ግንዖ ብደረጃታት ክሳብ ታሕቲ እናዓደሉ ከም ፖለቲካዊ ሻምላ ክጥቀሙላ ተራእዩ።

ሓደ ሰብ ጭውነቱ እንተተመስኪርሉ ነብሱ ካብቲ ካልእ ብጸብለልታ ትጉባእ። ጭውነት ብሱሩ ክሳብ ነብስኻ ኣካል ናይቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ምቑጻር ከምዝሕሰብ ክመስል ከምተፈተነ ኣይትረስዑ። ብፍሑኽፍሑኽ ድማ ኣብጽፍሒ ይሃሉ ኣይሃሉ ምዕዳል ገንዘብ መጸት። “የ ጨዋ ደሞዝ” ትበሃል ወርሓዊት ክፍሊት ብሕቡእ ፈፈሪምካ ዓዃሊልካ ኣብ ጁባኻ ሰሰዂዕካ ምስዋር ኮነ። መጠን የጨዋ ደሞዝ 30 ብ ር ከምዝነበራ ይዝንቶ። ሽዑ ሰላሳብ ብር ግጥም ኮይኑ የንብር ነበረ። ጉድ ኢዩ፡ ሳላ ‘ጭዋነት’ ብኾፍካ ምንባር!

ንእዋናዊ ዕድል ዝበሃገ ሓደ ሰብ በቲ ሓደ ጭዋነቱ ብመሳልል ንግስነት ከምተመስከረሉ፡ ብካልኣይ ብሳላ ጭዋነት ኣብ መሳልል ስልጣን ምኹያጥ፡ ብሳልሳይ ብሳላ ጭውነት ብድጎማ ክንበር፡ ሓያል ውህብቶ ኢዩ። እንተኾነስ እዚ ዕድል’ዚ ዝኸበደ ሓላፍነት የሰክሞም ከም ዝነበረኸ ብሩህዶ ሓቀይ? እቲ ደሞዝ ዋጋ ጥልመት ገዛእ ሓዎም፡ ህዝቦምን ሃገሮምን ምንባሩኸ……

ክበልዕ ዝበለ ገደል ካብኮነት ኣፉ፡ ሓንሳብ ዝኾለሰት ኣፍ ድማ ኣብ ብላዕ ወይ ጉቦ ተደርጊማ ማለት ኢዩ። ኣብ ሕ/ሰብና ጉቦ ኣዝያ ነው ሪ ብምንባራ ኣይትሕሰብን’ውን ነበረት። ክትበልዕ ዝተመነየት ከብዲ ድማ መንነታ ብልዒ’ምበር ክብረት ኣይኮነን። ስለኡ ዝተቐረበ ምር ጫ እንተዝቕረብ እታ ድምጺ ሓንቲ ጥራይ ነበረት። ‘ኣንድነት’ ኣኸለ። ብከምዚ ኢያበሉ ሰላሕታ ኲናት ጭዋ ደሞዝ ኣብ ሃገራውነትና ጎዳኢ ኣሉታ ዝተጻወተት።

ህግደፋዊት ናይ ጭዋ ደሞዝከ?

ጎደፋ፡

Eritreans flee camps but find they’re in psychological prisons By assenna on March 19, 2015

Eri_Refugees15

Eritrea is one of the most repressive states in the world and the refugee camps offer little freedom or safety, but enslavement and abuse instead.

Television journalist Temesghen Debesai had waited years for an opportunity to make his escape from Eritrea, so when the country’s ministry of information sent him on a journalism TRAINING COURSE in Bahrain he was delighted, but fearful too.

On arrival in Bahrain, he quietly evaded the state officials who were following him and got in touch with Reporters Sans Frontières. Shortly after that he met officials from the United Nations High Commissioner for Refugees (UNHCR), who verified his details. He then went into hiding for two months so the Eritrean officials in Bahrain could not catch up with him and eventually he escaped to Britain.

Debesai told no one of his plans, not even his family. He was concerned he was being watched. He says a “state of paranoia was everywhere” and there was no freedom of expression. Life in Eritrea, he explains, had become a “psychological prison”.

Crackdown on dissent
After graduating top of his class from Eritrea’s Asmara UNIVERSITY, Debesai became a well-known TV journalist for state-runnews agency Erina UPDATE. But from 2001, the real crackdown began and independent newspapers such as Setit, Tsigenai andKeste Debena, were shut down. In raids, journalists from these papers were arrested en masse. He suspects many of those arrested were tortured or killed, and many were never heard of again. No independent domestic news agency has operated in Eritrea since 2001, the same year the country’s last accredited foreign reporter was expelled.

The authorities became fearful of internal dissent. Debesai noticed this at close hand, having interviewed President Isaias Afwerki on several occasions. He describes these interviews as propaganda exercises because all questions were pre-agreed with the minister of information. As the situation worsened in Eritrea, the post-liberation haze of euphoria began to fade. Eritrea went into lockdown. Its borders were closed, communication with the outside world was forbidden, travel abroad without state approval was not allowed. Men and women between the ages of 18 and 40 could be called up for indefinite national service. A shoot-to-kill policy was imposedfor anyone crossing the border into Ethiopia.

Debesai felt he had no other choice but to leave Eritrea. As a well-known TV journalist he could not risk walking across into Sudan or Ethiopia, so he waited until he got the chance to leave for Bahrain.

The world’s most secretive state
Eritrea was once a colony of Italy. It came under British administrative control in 1941, before the UN “federated” Eritrea to Ethiopia in 1952. Nine years later Emperor Haile Selassie dissolved the federation and annexed Eritrea, sparking Africa’s longest war. This long, bitter war glued the Eritrean people to their struggle for independence from Ethiopia. Debesai, whose family went into exile in Saudi Arabia in the 1970s, returned to Eritrea as a teenager in 1992, a year after the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF) captured the capital Asmara.

For Debesai, returning to Asmara had been a “personal choice”. He wanted to be a part of rebuilding his nation after a 30-year conflict and, besides, he says, life in post-war Asmara was “socially free”, a welcome antidote to conservative Saudi life. Those heady days were electric, he says.

An air of “patriotic nationalism” pervaded the country. Women danced in the streets for days to welcome back EPLF fighters. Asmara had remained largely unscathed during the war thanks to its high mountain elevation. Much of its beautiful 1930s Italian modernist architecture was intact, something Debesai was delighted to see.

But those early signs of hope that greeted independence quickly soured. By 1993 Eritreans overwhelmingly voted for independence and since then Eritrea has been run by Afwerki, the former rebel leader of the EPLF. Not a singleelection has been held since the country gained independence.

Today Eritrea is one of the world’s most repressive and secretive states. There are no opposition parties and no independent media. No independent public gatherings or civil society organisations are permitted. Amnesty International estimates there are 10 000 prisoners of conscience in Eritrea, who include journalists, critics, dissidents, as well as men and women who have evaded conscription. Eritrea is ranked the worst country for press freedom in the world by Reporters Sans Frontières.

No way out but on foot
The only way for the vast majority of Eritreans to flee their isolated, closed-off country is on foot. They walk over the border to Sudan and Ethiopia. The UN says there are 216 000 Eritrean refugees in Ethiopia and Sudan. By the end of October 2014, Sudan alone was home to 106?859 Eritrean refugees in camps at Gaderef and Kassala in the eastern, arid region of the country.

In Ethiopia, Eritrean refugees are found mostly in four refugee camps in the Tigray region, and two in the Afar region in northeastern Ethiopia.

During the first 10 months of 2014, 36 678 Eritreans sought refuge across Europe, compared with 12 960 during the same period in 2013. Most asylum requests were to Sweden (9 531), Germany (9 362) and Switzerland (5 652). The UN says the majority of these Eritrean refugees arrived by boat across the Mediterranean. Most are young men, who had been forced into military conscription. All conscripts have to go to Sawa, a desert town and home to a military camp, or what Human Rights Watch has called an open-air prison.

Many young men see no way out but to leave Eritrea. For them, leaving on a perilous journey for a life outside their home country is better than staying. The Eritrean refugee crisis in Europe took a sharp upward turn in 2014, as the UNHCR numbers show. Tragedies like the drowning of hundreds of Eritrean refugees off the Italian island of Lampedusa in October 2013 demonstrate the perils of the journey west and how desperate these people are.

Frightened asylum seekers
Eritrean refugees who go no further than Sudan and Ethiopia face a grim situation. According to Lul Seyoum, director of International Centre for Eritrean Refugees and Asylum Seekers, Eritrean refugees in a number of isolated camps inside Sudan and Ethiopia face trafficking and other gross human rights violations. They are afraid to speak to, and meet, each other. She said the situation had worsened since Sudan and Eritrea became closer politically.

Eritrea had a hostile relationship with Sudan during the 1990s. It supported the Sudan People’s Liberation Movement, much to the anger of President Omar al-Bashir who was locked in a bitter war with the people of now-independent South Sudan. Today tensions have eased and Afwerki has a much friendlier relationship with Sudan – to the detriment of the tens of thousands of Eritrean refugees in Sudan.

A former Eritrean ministry of EDUCATION official, who is a refugee in the United Kingdom and who is afraid to be named, believes Eritreans have no freedom to speak out in Ethopian camps such as Shimelba.

The official says that in 2013 a group of Eritrean refugees came together at a camp to express their views about the boat sinking near Lampedusa and Ethiopian authorities fired live bullets at them.

Traffickers in cahoots with authorities
Seyoum believes the movement of Eritreans in camps in Ethiopia is restricted. “The Ethiopian government does not allow them to leave the camps without permission,” she says.

Very few of those who do get permission to leave end up in Ethiopia. Instead, through CORRUPT mechanisms, they are trafficked to Sudan.

According to Human Rights Watch, hundreds of Eritreans have been enslaved in camps in Sudan and Egypt over the past 10 years, many enduring violence and rape at their hands of their traffickers in collusion with state authorities.

Eritreans who make it to the West are afraid to speak publicly and are fearful for their families back home.

Now based in London, Debesai is a TV presenter for Sports News Africa. As an exile who has taken a stance against the regime of Afwerki, he has faced harassment and threats. Over coffee, he shows me a tweet he’s just received from Tesfa News, a so-called “independent online magazine”, in which they accuse him of being a “backstabber” acting against the government and people of Eritrea.

Others face similar threats, including the former EDUCATION ministry official. A number of Eritreans said they did not want to be interviewed by me because they were afraid of the consequences.

Debesai said: “It takes time to overcome the past, so that even for those in exile in the West the imprisonment CONTINUES.” He adds: “These refugees come out of a physical prison and go into psychological imprisonment.”

Source: Mail & Guardian

This article was first published in the quarterly Index on Censorship magazine.

  • Ismail Einashe is a journalist and a researcher, based in London. He tweets @IsmailEinashe

ዘገምታዊ ዕንወት ሃገር By assenna on March 18, 2015

Isaias_evil

 ነቲ ኣብ ሃገርና ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ኵነታት በብዓመቱ ምስ እንዕዘብ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣሰቃቒ ፍጻሜታት ከመይ ኢሉ ከም ዝተፈጥረ ክንግምግም ኢና ንፍትን። ሽዑ ንድሕሪት ንምለስ’ሞ እዚ ሕጂ ኢሰያስ ዝገብሮ ዘሎ ኢሰብኣውን ጸረ ሃገርን ዝኾነ ነገራት ኣብ 1993 ወይ 1995 ክገብሮ እንተ ዝፍትን እንታይ ምተፈጥረ? ኢልና ንሓትት። ኢሰያስ ወላ’ኳ ናብ ሃዚልነት ዝጽጋዕ ትዕቢት እንተ’ለዎ፡ ክስዕቦ ዝኽእል ጸገም ስለ ዝፈልጥ ነዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና እከይ ተግባራት  ሽዑ ክገብሮ ፈጺሙ ኣይምፈተነን ነይሩ። ምኽንያቱ ይትረፍ ህዝቢ ዝኣክል ዝኾነ ፍጡር ወይ ውልቀሰብ ዘይለመዶን ዘይፈልጦን ነገር ብሃንደበት ከጋጥሞ ከሎ ክቝጣዕን ክግንፍልን፡ ከም ሳዕቤን ድማ ጐነጽ ክፍጽም ከም ዝኽእል ርዱእ ይመስለኒ። ስለዝኾነ፡ እዚ ጋሕታን ኢሰያስ ነቲ ክገብሮ ዝደሊ እከይ ነገራት ብሰላሕታን ብቐስታን ክገብሮ መሪጹ። ኣብ ክንዲ ሓደ ኢሉ ዕስራ ወይ ሰላሳ ዝብል፡ ሓደ ኢሉ ክልተ ወይ ሓሙሽተ እናበለ፡ ክበጽሖ ኣብ ዘይንሓስቦ ደረጃ በጺሑ። ነቲ ጕዳይ በብተራስኪ ንተዓዘቦ።

  • ኣብ 1993 ተጋደልቲ ደሞዝ ይገበረልና ኢሎም ኣድማ ኣብ ዝገበሩሉ ግዜ፡ ሕራይ ንመያየጥ ኢሉ ክሳብ ስታድዩም ኣስመራ ከምስል መኪና ደይብ እናበሉዎ ጋሕተን ጋሕተን እናበለ ብእግሩ ከይዱ። ኣብኡ ዝወዓሉ ከም ዝብሉዎ ድማ ሓቅኻ ዋርድያ ኣይትወጽእ፡ ቍሪ ኣይትህረም ጸገምና ከመይ ኢልካ ክትፈልጦ ምስ በሉዎ፡ “ኣነ ቍሪ ኣይተወቓዕኩን?” ክብል ብነድሪ መሊሱሎም። ብዝኾነ፡ ኣብ ሳልስቱ ምስሉይነት ኣመሉ ስለ ዝኾነ ኣብታ መደበር ሃሶት ዝኾነት ቲቢ ኤረ ቀሪቡ፡ “እዚ ብተጋደልቲ ዝተገብረ ኣድማ ንቡር ናይ ወላድን ውሉድን ተርእዮ እዩ። ኣነ ኣብ ቦታኦም እንተ ዝነበርውን ከምኡ ምገበርኩ፡” ኢሉ መዲሩ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ነቶም ኣብቲ ኣድማ ተሳቲፎም ዝበሎም ግድም ዝበሉ ተጋደልቲ ጥራይ ፈልዩ ሰብዓ ዝኣኽሉ ኣሲሩ። እቲ ጕዳይ ብሰላሕታ ስለ ዝተገብረ ዝበዝሕ ህዝቢ ክፈልጥ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዝፈለጠውን ማዕረ 15 ዓመት ከም ዝተፈርዱ ክፈልጥ ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ወላ’ኳ ከም ዝተኣስሩ እንተ ሰማዕኩ፡ ኣብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ማዕረ 15ዓመት ከም ምስ ተኣሰርኩ ጥራይ’የ ፈሊጠ።
  • ኣብ 1996 ብብልሽውና ኣሳቢቡ ልዕሊ 100 ተጋደልትን ሲቪልን ብዘይ ፍርዲ ኣሲሩ። ህዝቢ ድማ ገለ እንተ ዘይገብሩ ኣይምኣሰሮምን ዝብል መርገጺ ብምውሳድ፡ ካልእ እንተ ተረፈ፡ “ስለምንታይ ኣብ ፍርዲ ዘይቀርቡ ዝብል ሕቶ ከቕርብ ኣይከኣለን። ይትረፍ ህዝቢ እቶም ንፍትሕን ንሱርበተኻዊ ለውጢ ተቓሊስና ዝብሉ ኣብ መራሕቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከይተረፉ ነቲ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ምእሳር ከም ኣርእስቲ ኣየልዓሉዎን ጥራይ ዘይኮነ ኣይዘከሩዎን’ውን።
  • ኣብ ሓምለ 1994 ኣካለ ስንኵላን ጸገማቶም ዝሰምዕ ኣካል ምስ ሰኣኑ ናብ ኣስመራ ምስ መረሹ፡ ብሪጋዴር ጀነራል ፍጹም (ወዲመምህር) ዝመርሖም ወተሃደራት ብተመልከተለይ ፍርቂ ደርዘን ዝኾኑ ስንኵላን ሞይቶምን ቈሲሎምን። ህዝቢ ይኹን መራሕቲ ብጭቝ ኣይበሉን። ምኽንያቱ ፍርቂ ደርዘን ተጋደልቲ ጥራይ እዮም ሞይቶም። እዚ ድማ ከም ቀሊል’ዩ ዝሕሰብ።
  • ኣብ መጀመርያ 1998 ዓመተ ምህረት ነቲ ምስ ክልል ትግራይ ዝነበረ ውጡር ናይ ዶብ ኵነታት መዝሚዙ፡ ንባይቶ ከይሓበረ ንብሪጋዴር ጀነራል ዓንደማርያም (ውጩ) ብከቢድ ኣጽዋር ዝተደገፈ መጥቃዕቲ ከካይድ ኣዚዙ ናብ ስዑድያ ገይሹ። ሕጂ’ውን ህዝቢ ይኹን ሚኒስተራት ወይ ኣባላት ባይቶ፡ ስለምንታይ ባይቶ ዘይተዛረበሉ ኢሎም ኣይሓተቱን። ኢሰያስ’ውን ብሃገራዊ ትምክሕቲ ሰኺሮም ከም ዘይቃወሙዎ ወይ ነቲ ሕጊ ባይቶ ሸለል ከም ዝብሉዎ ይፈልጥ ነይሩ። ህዝቢ’ውን ከም ዝረኣናዮ ደድሕሪኡ ጨሪሑን ጨዲሩን።
  • ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ሃገር ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ተምርሕ ኣላ ኢሎም ዝሓሰቡ መራሕቲ ናይ ባይቶ ኣኼባ ክግበር ጠሊቦም። ከም ጸረ ሃገር፡ (ሸየጥቲ ሃገር) ተሓሲቦም ብዘይፍርዲ ክእሰሩ ከለዉ፡ ብዘይካ ኣብ ውሱን ኣኼባታት ዝተቓወመ ህዝቢ ዝተቓወመ ህዝቢ ነይሩ ክብሃል ኣይከኣልን። በዝን ወድዝን ዝተተባብዐ ኢሰያስ ካልእ ክገብር ከም ዝኽእል ስለ ዝፈለጠ፡ ንዝኾነ ደስ ዘይበሎ ወይ ጽልዋ ናይ ጕጅለ 15 ኣለዎ ኢሉ ዝሓሰቦ ምእሳር ተተሓሒዙዎ። ህዝቢ ድማ ብውሽጢ ውሽጢ ክሓምን ትሒምሒም ክብል ጀሚሩ። ትርጕም ግን ኣይነበሮን።
  • ኣብ 2005 እቲ ዝዓበየ ጽፍዒት መጺኡ። ንሱ ድማ ኢምፖርት ኤክስፖርት፡ ስራሓት ህንጻእ፡ ናጻ ሸርፊ ባጤራ ተኣጊዱ ዝብል ኣዋጅ ተዘርጊሑ። ምስዚ ተተሓሒዙ ነዳዲ ቅድም ኢሉ ጠሪሹ ክኽልከል ከሎ ድሒሩ ግን ብኮንትሮባንድ ክኣቱ ምስ ጀመረ ዋጋኡ ሰማይ ብምስቃል ከም ዝፍቀድ ተገይሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣዋጅ እዚ፡ ዋጋ ኣቕሑ ከም ሮኬት ሰማይ ክዓርግ ከሎ፡ መካይን ይኹና ምስ ህንጻ ዝተኣሳሰር ስራሓት ደው ስለ ዝበለ ብርክት ዝበለ ናይ ዕለት እንጌራ ስኢኑ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ወዲቑ። ብፍላይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ከም ሚነዋለ እናሰርሑ ናይ ስድራኦም ነዃል ይዓጽዉ ነይሮም። ድሕርቲ ኣዋጅ ግን ስርሖም ናብ ስደት ምምራሕ ኮይኑ። ቍጽሪ ዝዅብልሉ ኣባላት ሰራዊት ድማ ብኣማኢት ተዓጻጺፉ። ህዝቢ ብዘይካ ምምራር ሓሲሙኒ ወይ ስለምንታይ ከምዚ ይግበር ኣሎ ክብል ኣይተሰምዐን። ምኽንያቱ፡ ድሮ ኣካይዳ ናይቲ ኢሰያስ ተረዲኡዎስ፡ ንመታለሊ መብጾኣታቱ እናሰምዐ ክሓልፍ’ዩ ኣብ ምባል ኣትዩ ነይሩ።
  • ምስ ምጅማር ፍርያት ወርቂ ኣብ ተዋስኦታት ኣፍ ህዝቢ ማይ ዝመልእ ተስፋታት’ኳ እንተ ነበረ፡ ፍርያት ወርቂ ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ ደኣ ተረፈ። ካብ ወርቂ ዝኣቱ ግብሪ ብልክዕ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይግበር እዩ። እንተኾነ ሃገር ብባጀት ስለ ዘይትመሓደር ኢሰያስ ጥራይ እዩ ነቲ ገንዘብ ናብ ደምሒት እንተ ደለየ ናብ ኣልሸባብ ዘውዕሎ። ስለዚ፡ ህዝቢ ይትረፍ ገንዘብ ሃገር ኣበይ ከም ዝውዕል ክፈልጥ፡ እታ ሃገር ክንደይ ኣታዊ ወይ ወጻኢ ኣለዋ ኣይፈልጥን እዩ።
  • ኢምፖርት ብኣዋጅ ስለ ዝተኸለከለ ንመእተዊ ዶላር ተባሂሉ ናይ ትራንዚት ንግድ (ንግዳዊ ኣቕሑ ካብ ወጻኢ ብባጽዕ ኣትዩ ትኽ ኢሉ ናብ ሱዳን ዝኸይድ) ጥራይ እዩ ዝፍቀድ ተባሂሉ። እዚ ግን ሓሶት’ዩ። እቲ ሊቸንሳ ወይ ንግዳዊ ፍቓድ ናይ ኤርትራውያን ክነሱ ብስም ሱዳናውያን ኮይኑ፡ ዋና ከም ወኪል ብምዃን ይሰርሓሉ። እቲ ንብረት ድማ ወይ ኣብ ኣስመራ ይራገፍ ወይ ድማ ኣብ ባርካ በጺሑ ሱዳን ኣትዩ ተባሂሉ ኣብ ኣስመራ ይሽየጥ። ሽኮር ከይተረፈ ካብ ባጽዕ ናብ ከሰላ ኣትዩስ ዳግማይ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ብኽቡር ዋጋ ይሽየጥ። ነዚ ስራሕ’ዚ መን ይገብሮ እንተ ተባህለ፡ እቲ ዳርጋ ናብ ሚኒስተር ንግድ ተቕዪሩ ዘሎ ነስረዲን (ወዲበኺት) ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ግን ድሒሩ ዓቢ ነውጺ ክፈጥር ከም ዝኾነ ምስ ዝቕጽል ሕቶ ደሪብና ክንርእዮ ኢና። ኣብ 2007 ገለ ሚኒስተራት ንሓጐስ ክሻ፡ “ትራንዚት ንግድ ተባሂሉ እቲ ንብረት ብክቡር ዋጋ ኣብ ኤርትራ ይሽየጥ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣዋጅ ፈሪሱ ኢምፖርት ምግባር ዘይፍቀድ” ክብሉ ተዛሪቦሞ። ንሱ ድማ ከይሓነኸ ከይሓፈረ፡ “ንሕና ዘገድሰና ዶላር እዩ። ምኽንያቱ ካብ ሓደ ኮንተይነር ናይ ትራንዚት 4000 ዶላር ኢና ንረክብ፡” ክብል መሊሱሎም። ከም ሕጊ ንሓደ ናብ ሃገር ዝኣቱ ኣቕሓ ብናይ ሃገር ባጤራ ኢኻ ተኽፍለሉ፡ ትራንዚት እንተኾይኑ ግን ናብ ካልእ ሃገር ስለ ዝኸይድ ክትእክፍሎ ብዶላር ክተኽፍሎ መሰል ኣሎካ። ህግደፍ ድማ ዶላር መታን ክረክብ ትራንዚት ኢሉ ንህዝቢ ሃሳዪ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ቍጠባዊ ሜላ ይጥቀም ኣሎ። ድሕሪ ውሱን እዋን ግን ብትራንዚት ዝኣተወ ንብረት ኣብ ሃገር ሼጥኩሞ ኢሉ ንገለ ነጋዶ ከም ዝኣስር ክፍለጥ ኣለዎ። ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዘይገበረ ኣይኮነን። ነዚ ድማ ገንዘብ ኣብ ዝጽግሞ ግዜ እዩ ዝትግብሮ።

ህዝቢ መሬት ጤሳ ተዓዲሉ ከብቅዕ ዓቕሚ ዘለዎ ሰሪሑዎ፡ ዘይብሉ ድማ ንፍርቂ ከም ዝስራሕ ክገብር ከሎ፡ ገለ ውሑዳት ድማ መሬት ክሽየጥ ስለ ዘይክእል ገዛ ሰሪሖም ሸይጦሞ። ግንከ፡ ኢሰያስ ትም ኢሉ ኣዝጊቡ ጸኒሑ ኣብ 2006 ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ መሬት ጤሳ ምሻጥ ክልኩል ከም ዝኾነ፡ እቶም ዝዓደጉን ዝሸጡን ድማ ተሓትትቲ እዮም ክብል መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ መታን ትካላት መንግስቲ ጥራይ ኣብ ስራሓት ህንጻ ክነጥፋ ኣብ መጀምርያ 2006 ስራሓት ህንጻ ደው ኢሉ ዝብል ኣዋጅ ተዘርጊሑ። ህዝቢ ግን ብቐትርን ብጸልማትን ይሰርሕ ነይሩ። ኣበይ ነይሩ ደኣ’ሞ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ከምኡ ኢሉ ዝጭድር? ነቲ ገዛውቲ መስርሒ ፍቓድ ዝህብን፡ ስሚንቶ ዝዕድልን መንግስቲዶ ኣይኮነን ነይሩ? ብትራንዚት ዝኣቱ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ቴንዲኖታት ኣብ እንዳ ክርቢት ክራገፍ ከሎ ካበይ መጺኡ? ናበይ እዩኸ? ዝብል ኣካል የሎን ድዩ? ዝብል ሕቶታት ክምለስ ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ ዝጸናሕካ ጸኒሕካ ገዛ ክተፍርስ ምጅማር ኮነ ኢልካ ትዕግስትን ዓቕልን ህዝቢ ምፍትታን ጥራይ እዩ። ህዝቢ ሓሲሙኒ ኢሉ ናዕቢ ምግባር ስለ ዝኣበየ፡ ኣብ ፈተነ ንምእታዉ ዝግበር ዘሎ ይመስል። እምበር ዝኾነ ስርዓት፡ ወላ’ቲ ሕጊ ዝይክተልን’ዩ፡ ሽፍታ ዓይነት መንግስቲ’ዩ ዝብሃል’ውን ንብረት ሃገር ኣየዕኑን’ዩ። እንተ ገደደ ወላ ሕጋዊ ኣይኹን፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክፈሉ ወይ ድማ ተሃጊሩ እዩ ክብል ይኽእል ይኸውን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2000ዓመተ ምህረት ንብዙሓት ነጋዶ ብዶላር ክትከፍሉዎ ዝግብኣኩም ናይ ወደብ ክፍሊት ብዶላር ዘይከፈልኩም ኢሉ ዘይተኣደነ ዕዳ ከምጽኣሎም ፈቲኑ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ሓላፊ ኦፐረሽን ወደብ ነበር ነፍስሄር ወልደገርግሽን ሓላፊ ማሪታይም ነበር ንፍስሄር ብርሃነ ወልደሃይማኖትን ዝርከቡዎም ልዕሊ ፍርቂ ደርዘን ሓለፍቲ ማሪታይምን ወደብን ድማ ብወግዓዊ ሸርፊ ሰሪሖም ከለዉ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ገደም ሓይሊ ባሕሪ ሓዪሩዎም ነይሩ።

ኢሰያስ ዘይሓስቦ ተንኰልን፡ ዘይኣልሞ ውዲትን ስለ ዘየሎ ገና ብሕጂ ብዙሕ ክንርኢ ኢና። እዚ ዅሉ ካበይ እዩ መንቀሊኡ ኢልና ምስ እንሓትት፡ ኢሰያስ ዝፍጽሞ ገበናት ብሃንደበት ዘይኮነ፡ ብዘገምታ ይፍጽሞ ስለ ዝነበረ ጥራይ’ዩ። ቀሊል ኣብነት ንምርኣይ ኣብ 2 ዓመት ቍጽሪ ሓደ ረቡዕ 2 መስከረም 1993 ምስ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ህግሓኤ ከም ውድብ ክድምሰስ እዩ፡ ደሞክራሲ ክትከል እዩ፡ ከምኡ እንተ ዘይጌርና ዝኣተናዮ ማሕላ ጠሊምና ማለት’ዩ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ2012 ግን ደሞክራሲ እንታይ ማለትዩ፡ ደሞክራሲ ዝደሊ ናብ ካልእ ፕላኔት ይኺድ፡ ደሞክራሲ ምናልባት ድሕሪ 30-40 ዓመት ይትግበር ይኸውን ክብል ብብድዐ ተዛሪቡ። ነዚ ዘረባዚ ግን ኣብ 1993 ክዛረቦ ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ። ከታልል ስለ ዝነበሮ ምቍር ቃላት ተዛሪቡ እዩ ሓሊፉዎ። ሽሕጣን ዝብሉኹም ከምዚ እዩ። ሕጂ ድማ ወዮ ዘይቀብጹዎ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ’ምበር፡ ኢሰያስ ገና ብሕጂ’ውን ካብዚ ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦ ዘገደደ፡ ክትኣምኖ  ዘደንጹ ገበናት ክፍጽም ከም ዝኾነ ክንግንዘብ ኣለና።

እቶም ቅኑዓት መራሕቲ ህዝቢ ብመንበሪ ገዛ ከይሽገር ከይደወሱ እዮም ዝሓድሩ። ከም ኢሰያስ ዝኣመሰሉ ኢሰብኣውያን ፍጥረታት ግን ህዝቢ መዕቀሊ ክኾኖ ኢሉ ጨቐቕ ኢሉ ዝሰርሖ መንበሪ ኣባይቲ ብዶዘራት ኣብ ምፍራስ ይዋፈሩ። ካብዚ ዝኸፍእ ገበንን ግፍዕን፡ እሞ ነዚ ቀያሕቲ ደቁ ዝሃበ ሕቡን ህዝቢ ክህሉ ኣይክእልን። ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ካብ መግዛእቲ ሓራ ክነውጽኣካ ኢና እናተባህለ ተቓሊሱ። እቶም ገዛእቲ ዝተባህሉ ንህዝቢ ኤርትራ መሬት ዓዲሎሞምበር ገዛኡ ኣየፍረሱሉን፡ ማይን ኤለትሪክን ኣይከልኡዎን፡ ነዳዲ ኣይዓቀኑሉን፡ ባንን ጸባን ክትረክብ ሪጋ ተሰራዕ ኣይበሉዎን። ምርኡይ ጭፍራ ህግደፍ ግን ብጕልበቱን ረሃጹን ዘስርሖ፡ ገንዘብ ጫሕ ኣቢሉ ብሕጋዊ መንገዲ ዝገዝኦን ብፕላን ከተማ ዝተሰርሐን ቤቱ፡ ባይቶ ብዘይበሎ መምርሒ፡ ሕጋዊ ዝበይኮነ ማለት’ዩ ትእዛዝ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ስለ ዝጠሓሰ ጥራይ ንብረት ሃገር ይዓኑ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተራእየ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ምስ ኢሰያስ ዝፋረደሉ ግዜ ክመጽእ እዩ። እዚ ንክኸውን ግን እቲ እንኮ መፍትሒ፡ ኣብ መንጎና ኣንቺ ምንቺ ምብህሃል ገዲፍና ብሓባር ምቅላስ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ጓል መንገዲ ኣቲና መኘኽ ንብል እንተዄንና ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ መሳርሒ ኢሰያስ ንኸውን ስለ ዘለና ድሲፕሊን ናይ ቃልሲ ተዓጢቕና ሓቢርና ሓወይ ሓውተይ እናተባሃሃልና ክንቃለስ ይግብኣና። ብወጽዓ ህዝቢ ምጽዋት ይኣክል! ክንብል ይግብኣና።

ውድቀት ህግደፍ ግድንዩ!!

እስቲፋኖስ ተመልሶ

ሓሶታት የማነ ገብረኣብ፡ ንግብኣተ-መሬት ስርዓት ኢሳያስ ዘቀላጥፍ’ዩ By assenna on March 18, 2015

Monkey_yemane

ሓሶታት የማነ ገብረኣብ፡ ንግብኣተ-መሬት ስርዓት ኢሳያስ ዘቀላጥፍ’ዩ

ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ንሓሶታትካ ከቃልዕን ክብድህን ክብል ልዕሊ ዓቅምኻ ኣዎንታዊ ሚዛን ይህበካ ከይህሉ እቅሬታ ግበረለይ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብጋዜጠኛ ያልዳ ሃኪን (Yalda Hakin) ኣገልግሎት መደበር ራድዮ ዓባይ ብሪጣንያ(BBC) ንኤርትራ ኣብ ዝምልከቱ ዝተፈላለየ ጉዳያት ተሓቲትካ ንዝሃብካዮ መልስታትን መግለጺታትን ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ከተኩር። እቲ ዝሃብካዮ መልስታትን  መብለጺታትን፡ ኣብቲ ‘’ሓሶትን ሓሙኹሽትን እናሓደረ ይፎክስ’’ ዝብሃል ምስላ ቀዳሞት’ዩ ዝጠቃለል።

  • ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዘይ ክሲ ወይ ፍርዲ ኣብ ምስጠራዊ ጎዳጉዲ፡ ኮንተይነራትን ዝኾነ መሳለጥያታት ኣብ ዘይብሉን ቦታታት ኣማኢት ኤርትራውያን ንዓመታት ተሓይሮም ይሳቀዩ ከምዘለዉ ብሩህ ክንሱ፡ ብሓሶትን ሽሕጣንን ተመልሚልካ ዝዓበኻ የማነ ግን ”ሚስጥራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ የብልናን፡ ሰባት ኣይነሳቅን ኢና፡ ንሕና ሰባት ምስቃይ ኣትሪርና ኢና ንቃወሞ’’ ክትብል  ዓይንኻ ከይሓሰኻ መሊስካ። ኣቶ የማነ፡ እቶም ብገድላዊ  ኣበርክቶን ብተሞክሮን መምሃራንካ ዝነበሩ’ሞ ብሰሪ’ቲ ንስኻን መሰልትኻን  ንኢሳያስ ዝመጠኹሞ ቀይናን ምኽሪ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ  ብስቃይ ዝተሰውኡን ገና ሞት ዝጽበዩ ዘሎዉን  ኣባላት ጉጅለ 15 ከመይ ኣቢልካ ረሲዕካዮም? እቶም ጉድለታት ንምእራምን ሃገር ንምምዕባልን ርእይቶ ዝሃቡን ሓሳቦም ኣብ ጋዜጣታት ዝጸሓፉ ጋዜጠኛታትን ብሰንክኻ ግደ ማእሰርቲ፡ ምድስካልን ስደትን ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት  ተሓታቲ ምዃንካ ዘንጊዕካ ዲኻ?
  • ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝ መንግስቲ ከምዘየለን ምርጫ ተኻይዱ ከምዘይፈልጥን ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምቲ ኢሳያስን ኮራኩሩን ንዓመታት ዘደጋግምዎ ሓሶት ድማ፡ ኣቶ የማነ፡ ‘’ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምሕንጻጽ ዶብ ስለዘይተወድአ፡ ቅዋም ኣይተተግበረን፡ ምርጫ ኣይተኻየደን” ክትብል መሊስካ። ወዮ ድኣ እቲ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ ምስምስ ምቅራብ ኣመል ስርዓት ኢሳያስ ኮይኑ’ምበር፡ እቲ ሓቂ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን መሰልቱን ኣብ ስልጣን ንዓመታት ንምቅጻል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ቃሕቶኦም ንምርጋጽን ህዝቢ ንውሽጣዊ ኣበራት ስርዓት ኢሳያስ መታን ከየድህብን ኢዩ እቲ ቀንዲ ምኽንያት። ሕቶ ዘይምሕንጻጽ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ስለዘይተወድአ ቅዋም ንኸይህሉን ምርጫ ንኸይካየድን ከም ሓቂ እንተተወሲዱ፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ምርጫታት የካይዱ ኣለዉ?
  • ኣሽሓት ኤርትራውያን፡(መብዛሕቶኦም መንእሰያትን ተጋደልቲ ዝነበሩን) ብሰንኪ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሽቅለተ ኣልቦነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝፈትውዋ ሃገሮምን ቤተሰቦምን ገዲፎም ናብ ወሕስነት ዘይብሉ ስደት የምርሑ ኣለዉ። እቶ የማነ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕቶ ዶብ ስለዘይተወድአ ምኽንያት ምንዋሕ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢልካ ዝሃብካዮ ሽሓጢ መልሲ፡ እቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዘሎ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ሉስሉስ ሜላ፡ ኤርትራውያን ናብ ስደት ከምርሑ የተባብዕም ከምዘሎ ገሊጽካ። ወዮ ድኣ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን ኮይኑ’ምበር፡ ምውቅቲ ገዝኡ ገዲፉ ኣብ ኣጻምእን ማያትን ብጥሜትን ድኻምን ክምውት፡ ብነጋዶ ሰብ ብካራን ጥይትን ክጉያሕ፡ ኣብ መዓስከር ሰደተናታት ክከላበትን ለማናይ ክኸውንን ዝመርጽ ኮቶ የለን።

ኣቶ የማነ፡ ኩሉ መልስታትካ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለካ ንዕቀትን ተበላጺ ጠባይካን ዘንጸብርቕ ኮይኑ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝሳቀ፡ ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝመውትን ዝእሰርን፡ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈረ፡ ውላድ፡ ቤተሰብን ዘመድን ስለዘይብካ ጥራይ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዘላግብ ሓሶትን ዓይኒ ሰብ ዘኑቅርን መግለጽን ኣቅሪብካ። ኣቶ የማነ፡ ታሪኽ ክድገም ምዃኑ ክትዝንግዕ የብልካን። ወለዲ፡ ቤተሰብን ኣዕሩኽን ናይ ኩሎም ግዳያት ሞት፡ ማእሰርትን ስደትን ኤርትራውያን ይዕዘቡኻን ጽባሕ ኢድ ኢሳያስ ምስኣርከበትልካ ወይ ብሓይሊ ህዝቢ ምስተቀፈድካን ካብ ተሓታትነት ከምዘይተምልጥ ክትግንዘብ ኣለካ። ኣቶ የማነ፡ ተስፋ እገብር ኩሉ ዝሃብካዮ መሰረት ኣልቦ መግለጺታትን ሓሶታትን ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሉ ክውንነት ከተገናዝቦን ምስ ሕልናኻ ክትመራመርን። እንተድኣ ‘’እናፈለጠ ዝደቀሰ’ስ ነቅኒቕካዮ ነይሰምዕ’’ ዝዓይነቱ እምነት ሃልዩካ ግን ካብ ከቢድ ድቃስካ ነቅኒቑ ዘበራብር ግዜ ርሑቅ ኣይኮነን።

ጽላል- ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ         መጋቢት 2015

Vigil at Hyde Park Corner and reflect on the impact of Demolishing of buildings in Eritrea: By assenna on March 17, 2015

Destruction_1

Vigil at Hide Park Corner and reflect on the impact of demolishing of buildings in Eritrea:

Date: Saturday March 21, 2015

Time: 2 pm

Venue: Hyde Park Corner:

Senseless and difficult to understand gross human rights violation is stepped up in Eritrea. The

Eritreans Government started demolishing residential houses since the beginning of March 2015, in

Arbaete Asmara, Betmekae, Xelot, Daero Kawlos and Adi Keih. What makes unique in the Town of

Adi Keih is that the local school children and the people courageously rose up in unison and stopped

the destruction of houses. In the process 3 children were murdered in cold blood.

This is done at a time when the Eritrean Government is trying to convince the western governments

that there is no violation of human rights in Eritrea and allowed the BBC to cover stories for the first

time in 10 years. It is the moment in time when the Western Government including Britain having an

eye at the huge mineral deposit in Eritrea is trying to rehabilitate PFDJ if only they could show some

improvements in their abuse of human rights, say to limit the indefinite National Service and free

some prisoners so they can have an excuse to engage with PFDJ. In the interview with BBC Yamane

Gebreab, political advisor of the dictator Isaias Afewerki denied there is no human rights violation.

The Eritrean Government must be exposed, we should not let down the underground group

“Freedom Friday” who are appealing to all Eritreans wherever they are to stand in solidarity with the

heroic youth and be the voice of their efforts to stop the destruction and make people homeless.

We are not going to let them down. At the vigil programs will be discussed to keep demonstrating

and writing letters to MP and other continuous and planned activities.

Thank you

Asefaw G. Kidan