ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ኣብ ሂዩስተን፡ጽምብል በዓል ናይ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብድምቀት ኣብዒለን።
ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ታሪኽ ሰሪሔን፡
ኣብ ሂዩስተን ተክሳስ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብሕጽር ዝበለ ብኸመይ መዓስ ተጀሚሩ ንዝብል ሕቶ ፡ልክዕ ኣብ ዝሐለትፈ ዓመት ድሕሪ ፈላሚ ኣኼባ ያኣክል ቀጺሉ ኣብ ዝኽሪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ በዓል ዝነበረ ምትእኽብ ብቁሩባት 7 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፈኦ ኣኼባ ኮይኑ ንግዝዩኡ ግዝየያዊት ሽማግለ ብሙቃም ንክልተ ኣሕዋት ብፍቃደን መሪጽን ንሐደ ዓመት ሙሉእ ክሰርሐ ኪለን ኢየን።ናይ ኩለን ሓሳባትን ባህጊ ልበንን ዝነበረ ኻኣ ኣብ ሐደ መስርዕ ስለዝነበረ ነዚ ምንቅስቃስ ንከበጋግሰኦ እተን ቁሩባት እሞ ንጡፋት ኣሕዋት ብዘይ ተስፋ ሙቕራጽ ንኹሉ በዲሄን ጽዑቅን ኣድካምን ዝኾነ ጎስጓስ ብምክያድ፡ ከሙኡ ውን ንመንእሰይት ደቀን ኣብቲ ናይ ሐቢርካ ምንባር ከም ደቂ ሃገር ሕድሕዶም ዝመያየጥሉ ባይታ ከፊተን ፡ናቶም ኣኼባ ጌሮም መንእሰያት ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ ብደሆታትን ኣብ ናይ ሐበሬታ ምልውዋጥን ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ ፡ኣዴታታ ውን ኣብ ጎኖም ኮይነን ኣጆኹም እናበላ ኣብ ሐደ ከምዝጥርነፉ ጌረን ኢየን።ካብቶም ዝመልመልናዮም መንእሰይ ውን ሐንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ብተገዳስነት ነቲ ባዓል ዝኸውን ታሪኻዊ መግለጺ ብፓወር ፖይንት ጌራ መገለጺ ሂባ፡ እነሆ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ብዝተዓጻጸፈ ዓወት ኣመዝጊበን ምስተን ብዙሐት ሕቢሪ ኤርትራና ኣሕዋትና ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ካብ ሽውዓት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዝዓበየን ዝተወደበን መልክዕ ሒዙ ውዒሉ ኣሎ።በዚ ኣጋጣሚ ውን ከየመስገናዮም ከይንሐልፍ ኩሎም ኣቦታትን ኣሕዋትን ዝገብሩልና ናይ ሞራልን ብገንዘብ ሐገዝ ከየመስገናዮም ክንሐልፍ ኣይንደልን ኢና።
ኻብቲ ትማሊ ዝነበረ ጽምብል ብደቂ ኣንስትዮ ዝተመሪሑ ንኹሉ ዘሳተፈ ሃዋህው ኢዩ ኔሩ፡ነቲ በዓል ካኣ ድሙቅ ዝገበሮ እንተሎ ኣሕዋትና ካብ ዳላስ ተክሳስ መጺኦም ምሳና ሓቢሮም ምምሳዮም ዘሔጉስን ዘሔብንን ኢዩ።ነቲ በዓል ዘንጸባርቅ ብዙሕ መደባት ውን ኔሩ፡ ኣብ መድረኽ ኮይነን ውን ብግጥምን ድራማን ስእልእዊ ግጥሚ ሃናጺ ለበዋታትን ሪቶታትን ካብ ህዝቢ ወሪዱ ፡ኣብ መጨረሽታ ኩሉ ህዝቢ ነዚ እነካይዶ ዘለና ኣንጻር ዓማጺ ስርዓት ህዝባዊ ቃልሲ ያኣክል ኩልና ሰሚርና ንሃገርና ነድሕን ብዝብል መደምደምታ መደባት ተዕጽዩ።
ዓወት ንተቃለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን
United Eritrea Media Network
More News
Biden lifts visa ban on Sudanese winners of green card lottery
ስርሒት ቅያ 18 ዝተጸገዓ ተጋዳላይ ዝተዳለወ (Investigator) ብሃይለ መንገሽ ዑቅበ
Watchdog: More than 80 dead in new massacre in Ethiopia