‘ስዑዲ እስላማዊ ተራኣ ንምጽዋት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዓሪቓ’ – ስዑዳዊ ሚኒስተር ሐድሽ ዜና

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓድሽ ስምምዕ ኣብ ጅዳ ፈሪሞም

ስዑዳዊ ሚኒስተር ጉዳያት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣሕመድ ካታን፡ ኣሽራቕ ኣል ኣውሳጥ ምስ ዝተባህለት፡ ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ለንደን እትሕተም ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ንዝሃቦ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ነጺጉዎ።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ጽቡቕ ድልየት ዓለምለኻዊ መሻርኽትና ኣፍልጦ ዝወሃቦ እኳ እንተኾነ፡ ንኣፍሪቃን ዓወታታን ዘነኣእስ ሕሱር ጸብጻብ ግን ዘይግቡእን ንምስሊ እታ ንግስነት ዝድውንን እዩ” ኢሉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ኤርትራን ስዑዲን፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዛሕቲሉ ዝነበረ ርክበን ብምድንፋዕ ጥቡቕ ዝምድና መስሪተን ኣለዋ።

እዚ ድማ፡ ኤርትራ ነቲ ኣንጻር ጉጅለ ሑቲን ደገፍቶምን ኣብ ኲናት የመን ዝሳተፍ ዘሎ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ምሉእ ደገፍ ድሕሪ ምሃባ’ዩ ተፈጢሩ።

እቲ ስዑዳዊ ሚኒስተር ካብቲ ቀንዲ ዛዕባ፡ ማለት ኣገዳስነት ምምስራት ቤትምኽሪ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ወሸመጥ ዓደንን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን፡ ብምውጻእ ብዛዕባ ምህዳእን ምትዕራቕን ጎንጽታት ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝተዛረበ እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ይኸስስ።

እቲ በዓል ስልጣን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ንዘሎ ፍልልይ ንምውጋድ ዘካየደቶ ጻዕርታት ከብርህ እንከሎ፡ እታ ንግስነት እስላማዊ ተራኣ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ከተምጽእ ከም ዘኸኣለት ምዝራቡ’ውን መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ጠቒሱ።

ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜናImage copyrightMOI

ኣስዒቡ’ውን መብርሂ እቲ ስዑዳዊ ሚኒስተር ምስ “መበቆልን ክውንነትን እቲ ታሪኻዊ ስምምዕ” ከም ዘይሳነ ይገልጽ።

ብወገን ስዑዲ፡ ዛጊት ብዛዕባ’ዚ ሚኒስትሪ ዜና ዘቕረቦ መግለጺ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ስዑዲ-ዓረብ እትመርሖ ኣኼባ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ንቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራትን ኣብ ሪያድ ተኻይዱ ነይሩ።

ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ ሶማልያ፡ ዮርዳኖስ፡ የመንን ኤርትራን፡ ኣባላት ናይቲ ቤትምኽሪ እየን።

ሚኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብImage copyrightSAUDI ARABIA FOREIGN MINISTRY/TWITTER

ሚኒስተር ኣሕመድ ካታን እንታይ’ዩ ኢሉ?

ሚኒስተር ጉዳይ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣሕመድ ካታን ንስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቤት ምኽሪ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ወሸመጥ ዓደንን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ኣመልኪቱ ብሓሙስ’ዩ ምስ ጋዜጣ ኣሽራቕ ኣል ኣዉሳጥ ቃለ መሕትት ኣካይዱ።

ሚኒስተር ካታን “ስዑዲ ንኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ቀዲማ ዝተገንዘበትን ኣቐዲማ እቲ ማያዊ መገዲ ውሑስ ክኸውን ዓለም ለኻዊ ሓባራዊ ጻዕርታት ክካየድን ጻውዒት ዝገበረትን ሃገር ኢያ” ምባሉ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ነዚ ዞባ ዘተኮረ ናይ ምትሕብባር ቅርጸ-መቓን ንምቛም ካብ 1956 ጀሚራ ትሰርሕ ከም ዝነበረትን፡ ኣብ 1956፡ 1972፡ 1976 ከምኡውን 1982 ዝተፈላለዩ ስምምዓት ከም ዝተበጽሐን ሚኒስተር ካታን ምግላጹ፡ እታ ጋዜጣ ኣብ ጽሑፋ ኣስፊራ።

ቀይሕ ባሕሪ ንሰለስተ ኣህጉራት ኣብ ዘራኽብ ጂኦግራፍያዊ ስፍራ ስለዝርከብ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ቀይሕ ባሕሪ፡ ንስዑዲ ዓረብ ልዑል ስትራተጂካውን ጂኦፖለቲካውን ኣገዳስነት ከም ዘለዎ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ሰላም ንምስፋን ስዑዲ ዓረብ እስላማዊ ተራኣ ተጠቂማ ጻዕርታት ተካይድ ምዃናን፡ ፈላሚ ውጽኢት ናይዚ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበጽሕ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ምዃኑ፡ ሚኒስተር ኣሕመድ ካታን ምግላጹ’ያ እታ ኣብ ለንደን ዝመደበራ ዓለምለኻዊት ጋዜጣ ኣብ ጽሑፋ ኣስፊራ።

ስምምዕ ሰለም ኢትዮ-ኤርትራን ተራ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራትን፡ ኣሜሪካን

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ገለ ኣዋርሕ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ ስዑድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተረኸቦም ዝለዓለ ኒሻን እተን ሃገራት ተሸሊሞም እዮም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ’ውን ብሓሙስ ናይ መረጻ ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሓንቲ ስማ ዘይገለጻ ሃገር ካብ ኲናት ከምዘድሓናን መራሒ ናይታ ሃገር ሽልማት ኖቤል ሰላም ከም ዝተወሃቦን ተዛሪቡ ነይሩ።

ንሱ “ብዛዕባ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክነግረኩም፤ ስምምዕ ገይረ ንሓንቲ ሃገር ኣድሒነ፤ እንተኾነ መራሒ ናይታ ሃገር ‘ነታ ሃገር ኣድሒኑ ብዝብል’ ሽልማት ኖቤል ሰላም ከምዝተዓወተ ሰሚዐ። ኣብኡ ከኣ ዝሰራሕክዎ ስራሕ ነይሩ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቅድሚ ምኽታም ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ንዝተራእየ ተደጋጋሚ መገሻታት ኣሜሪካዊ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ብምዝክኻር ዘረባ ትራምፕ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ከም ዝኾነን፤ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንክመጽእ እጃም ከም ዝነበሮ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንዘረባ ትራምፕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ “ፕረዚደንት ትራምፕ ቅሬታ [ኣብ ሽልማት ኖቤል ሰላም] እንተዳኣ ሃልይዎ፡ ቅሬትኡ ናብ ኦስሎ እምበር ናብ ኢትዮጵያ ኣይኮነን ከቕርብ ዘለዎ። ኣነ ድማ ንሽልማት ዘይኮንኩስ ነቲ ዞባ ሰላም ኣድላዪ ስለዝኾነ እምበር” ኢሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *