ዜና ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ምዕብልናታቱን

Image result for unity is power

 

ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበን ብጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ኣብ ከተማ ፍራክፎርት ቦከንሃይመር ቫርተ Mertonstr. 26 – 28 Frankfurt am Main ካብ ዕለት 03 ክሳብ 05 ነሓሰ 2018 ኣብ ሓድሽ ኲነታት ሃገርና ክካየድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ እዩ። ካብኡ ዝነቐለ ንፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣካቢብዎ ዘሎ ሓድሽን ኣዝዩ ዘደንጹን ተደራቢ ፍሉይ ኲነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ኣህዛብ እዩ ዝብል እንተሎ፡ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ” ዝብል መበገሲ ዝገበረ፡ “ካብ ሕጂ ንዳሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ እዚ ንቐላዓለም ዝብሎ ዘለኩ ዘይኮነስ ብሓቂ እዩ” ክብል ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ ነቲ ዋንነት ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ ብኢደ ወነኑ መንዚዑ ሃገርን ህዝቢን ክረግጸሉን ከብርሰሉን ዝጸንሐን ዘሎ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ክናቈተሉን ዝጸንሐ በትረ-ምልኪ ንቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ከረክብ ዝተሰለመ ፈረስ ምስራኣየ ናይ ዕብዳን ቃል ዝኣተወሉ እዋንዩ ዝካየድ ዘሎ። ሽማግለታት ህዝቢ ሃዋሳ ዝተሰለመ ፈረስ ንኢሳያስ ከቕርብሉ እንከለዉ ምናልባሽ ዝፈተዉዎ መሲልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ኣብ ባህሊ ህዝቢ ሃዋሳ ግን ካብ ዕርቂ/ሽምግልና ሓንጊዱ ንዝኸደ፡ ዝተሰለመ ፈረስ ኣምሪሖም እዮም ኣብ መንገዲ ዝኽርፍዎ። ብሓጺሩ እስኪ ሕለፋ ዝብል ካልእን ዓብይን ትርጉምን እዩ ዘለዎ።

ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፣ ንጠባያትን ፖለቲካዊ ሃምን ኢሳያስ ዘንጊዑ፣ ማዕረ ኢሳያስ ኣብ ደልሃመት ይኣቱ እዩ እኳ እተዘይተባህለ፣ ኩሎም መለኽቲ ግደፍዶ ስልጣን ብፍቶቶም ንካልእ ከረክቡስ፣ ህዝቢ ኣገዲዱ ምስ ሳዓሮም እውን፣ ብኣኣ ክግነዙ ከምዝጽዕሩ ዝፍለጥ እዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ድማ፣ ነቲ መራሒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝመጣጠሮ ዘሎ ብሂላት ብሓባራዊ ርድኢትን ተበግሶን ክዓጽፎ ኣብዚ ሰፊሕ መድረኽ ፈስቲቫል ኤርትራ ጅማርኡ ከርኢ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ድማ፣ ይንኣስ ይዕበ ዘይኮነስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘንጸላሉ ዘሎ ጥልመት ደው ንምባል፡ እወንታዊ ጅማሮታት ስለዝብህግ እዩ፣ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቃሳትን ንኸሳትፍ ክጽዕር ዝጸንሐን ዘሎን።

ንኣገዳስነት ናይዚ ንነብረሉ ዘለና ፖለቲካዊ ኲነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ብዙሓት ካብ ዕዱማት እወንታዊ መልስታት ለጊሶም ኣለዉ። በዚ መሰረት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይዘን ዝስዕባ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ፈስቲቫል 2018 ክሳተፉ ምዃኖም ዘመልክት ሕድሽ ሐበሬታ ዝተረኽበ ምህላዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

1. ሰልፊ ኣልናህዳ ኤርትራ

2. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓ ኤርትራ

3. መድረኽ ኤርትራውያን ንዘተ

4. ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ

5. ድሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

6. ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮ ኣብዝሓለፈ ዜና ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ከምዝጠቐስናዮ፡

7. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ

8. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

9. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

10. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ክሳተፉ ምዃኖም እውን ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳብ ሎሚ ዘይመለሱ እንተኮነ እውን፣ እቲ ውራይ ሓባራዊ ስለዝኾነ ፡ ኣብ ዝተመደበ ሃገራዊ ጉዳይ ግዲኦም ከበርክቱ ዳግማይ ጸዋዒት ዘድሊ ኣይመስለናን።

ብዘይካዚ፡ ተወከልቲ ክልተ ጀርመናውያን ሰልፍታት፣ CDU Frankfurt Fraktionvorsitzender Herr Michael zu Löwenstein und Gießen Bundinis 90 die Grünen vertreter Herr. Dr. Klaus Dieter Gothe ኣብ ፈስቲቫል 2018 ክሳተፉ እዮም።

ድሕሪ ቀዳማይ ፖለቲካዊ ዕማም ፈስቲቫል 2018 ምፍጻሙ፡ ካልኣይ መደብ ፈስቲቫልና ባህልን ልምድን ህዝብና ምዕቃብን ምዝውታርን ስለዝኮነ ወናማት ሙዚቐኛታትን ገጠምትን ብዘቕርብዎ ዜማታትን ሙዚቓን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ክዘናግዑ ምዃንም ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ብደሓን የራኽበና!!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *