ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ሆላንድ ክወጽእ ተኣዚዙ

ባንዴራ ሆላንድ

መንግስቲ ሆላንድ፡ ነቲ ኣብ ሄግ ሆላንድ ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ከም ላዕለዋይ ሓሊፊ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዲፕሎማት ‘ፕርሶና ናን ግራታ’ ብምግባር ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዙዎ።

እቲ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኤምባሲ ብኣስገዳድ ንኤርትራውያን ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ 2% ናይ ኣታዊታቶም ክኸፍሉ ብምግባሩ’ዩ።

እቲ ኤምባሲ “ምፍርራሕን ምስግዳድን” ብዝተሓወሶ መገዲ ናይ “ዳያስፖራ ግብሪ” ክኸፍሉ ብምቕሳቡን፡ ብተደጋጋሚ ነቲ ንጥፈታት ደው ከብሎ ከም ዝተነግሮን እቲ መግለጺ ወሲኹ የረድእ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ መንግስቲ ሆላንድ፡ ነዚ ዘይልሙድ ውሳኔ ክወስድ ከም ዝተገደደ’ዩ ዝሕብር።

እቲ ውሳነ፡ ንዘዋሪ ኣምባሰደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ከም ዝተሓበሮን’ውን እቲ ንኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ዝተላእከ መግለጺ ጠቒሱ።

እንተኾነ ግን፡ ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ሆላንድን ንዘይምብታኽ፡ እቲ ኤምባሲ ከይዕጾ ምውሳኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ኣብ መጀመርታ ናጽነት ኤርትራ ዝተኣወጀ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ክኸፍልዎ ዝግደዱ 2% ናይ ኣታዊታቶም፡ ኣብ ገለ ሃገራት ብተመሳሳሊ ተኣጊዱ’ዩ። እንተኾነ ግን ኤርትራውያን ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ንምርካብ ይኹን፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዎም መሰላት ንምሕታት ነቲ ግብሪ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱ ይፍለጥ።

https://www.bbc.com/tigrinya/news-42724090

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *