ሓሶታት የማነ ገብረኣብ፡ ንግብኣተ-መሬት ስርዓት ኢሳያስ ዘቀላጥፍ’ዩ By assenna on March 18, 2015

Monkey_yemane

ሓሶታት የማነ ገብረኣብ፡ ንግብኣተ-መሬት ስርዓት ኢሳያስ ዘቀላጥፍ’ዩ

ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ንሓሶታትካ ከቃልዕን ክብድህን ክብል ልዕሊ ዓቅምኻ ኣዎንታዊ ሚዛን ይህበካ ከይህሉ እቅሬታ ግበረለይ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብጋዜጠኛ ያልዳ ሃኪን (Yalda Hakin) ኣገልግሎት መደበር ራድዮ ዓባይ ብሪጣንያ(BBC) ንኤርትራ ኣብ ዝምልከቱ ዝተፈላለየ ጉዳያት ተሓቲትካ ንዝሃብካዮ መልስታትን መግለጺታትን ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ከተኩር። እቲ ዝሃብካዮ መልስታትን  መብለጺታትን፡ ኣብቲ ‘’ሓሶትን ሓሙኹሽትን እናሓደረ ይፎክስ’’ ዝብሃል ምስላ ቀዳሞት’ዩ ዝጠቃለል።

  • ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዘይ ክሲ ወይ ፍርዲ ኣብ ምስጠራዊ ጎዳጉዲ፡ ኮንተይነራትን ዝኾነ መሳለጥያታት ኣብ ዘይብሉን ቦታታት ኣማኢት ኤርትራውያን ንዓመታት ተሓይሮም ይሳቀዩ ከምዘለዉ ብሩህ ክንሱ፡ ብሓሶትን ሽሕጣንን ተመልሚልካ ዝዓበኻ የማነ ግን ”ሚስጥራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ የብልናን፡ ሰባት ኣይነሳቅን ኢና፡ ንሕና ሰባት ምስቃይ ኣትሪርና ኢና ንቃወሞ’’ ክትብል  ዓይንኻ ከይሓሰኻ መሊስካ። ኣቶ የማነ፡ እቶም ብገድላዊ  ኣበርክቶን ብተሞክሮን መምሃራንካ ዝነበሩ’ሞ ብሰሪ’ቲ ንስኻን መሰልትኻን  ንኢሳያስ ዝመጠኹሞ ቀይናን ምኽሪ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ  ብስቃይ ዝተሰውኡን ገና ሞት ዝጽበዩ ዘሎዉን  ኣባላት ጉጅለ 15 ከመይ ኣቢልካ ረሲዕካዮም? እቶም ጉድለታት ንምእራምን ሃገር ንምምዕባልን ርእይቶ ዝሃቡን ሓሳቦም ኣብ ጋዜጣታት ዝጸሓፉ ጋዜጠኛታትን ብሰንክኻ ግደ ማእሰርቲ፡ ምድስካልን ስደትን ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት  ተሓታቲ ምዃንካ ዘንጊዕካ ዲኻ?
  • ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝ መንግስቲ ከምዘየለን ምርጫ ተኻይዱ ከምዘይፈልጥን ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምቲ ኢሳያስን ኮራኩሩን ንዓመታት ዘደጋግምዎ ሓሶት ድማ፡ ኣቶ የማነ፡ ‘’ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምሕንጻጽ ዶብ ስለዘይተወድአ፡ ቅዋም ኣይተተግበረን፡ ምርጫ ኣይተኻየደን” ክትብል መሊስካ። ወዮ ድኣ እቲ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ ምስምስ ምቅራብ ኣመል ስርዓት ኢሳያስ ኮይኑ’ምበር፡ እቲ ሓቂ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን መሰልቱን ኣብ ስልጣን ንዓመታት ንምቅጻል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ቃሕቶኦም ንምርጋጽን ህዝቢ ንውሽጣዊ ኣበራት ስርዓት ኢሳያስ መታን ከየድህብን ኢዩ እቲ ቀንዲ ምኽንያት። ሕቶ ዘይምሕንጻጽ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ስለዘይተወድአ ቅዋም ንኸይህሉን ምርጫ ንኸይካየድን ከም ሓቂ እንተተወሲዱ፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ምርጫታት የካይዱ ኣለዉ?
  • ኣሽሓት ኤርትራውያን፡(መብዛሕቶኦም መንእሰያትን ተጋደልቲ ዝነበሩን) ብሰንኪ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሽቅለተ ኣልቦነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝፈትውዋ ሃገሮምን ቤተሰቦምን ገዲፎም ናብ ወሕስነት ዘይብሉ ስደት የምርሑ ኣለዉ። እቶ የማነ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕቶ ዶብ ስለዘይተወድአ ምኽንያት ምንዋሕ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢልካ ዝሃብካዮ ሽሓጢ መልሲ፡ እቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዘሎ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ሉስሉስ ሜላ፡ ኤርትራውያን ናብ ስደት ከምርሑ የተባብዕም ከምዘሎ ገሊጽካ። ወዮ ድኣ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን ኮይኑ’ምበር፡ ምውቅቲ ገዝኡ ገዲፉ ኣብ ኣጻምእን ማያትን ብጥሜትን ድኻምን ክምውት፡ ብነጋዶ ሰብ ብካራን ጥይትን ክጉያሕ፡ ኣብ መዓስከር ሰደተናታት ክከላበትን ለማናይ ክኸውንን ዝመርጽ ኮቶ የለን።

ኣቶ የማነ፡ ኩሉ መልስታትካ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለካ ንዕቀትን ተበላጺ ጠባይካን ዘንጸብርቕ ኮይኑ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝሳቀ፡ ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝመውትን ዝእሰርን፡ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈረ፡ ውላድ፡ ቤተሰብን ዘመድን ስለዘይብካ ጥራይ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዘላግብ ሓሶትን ዓይኒ ሰብ ዘኑቅርን መግለጽን ኣቅሪብካ። ኣቶ የማነ፡ ታሪኽ ክድገም ምዃኑ ክትዝንግዕ የብልካን። ወለዲ፡ ቤተሰብን ኣዕሩኽን ናይ ኩሎም ግዳያት ሞት፡ ማእሰርትን ስደትን ኤርትራውያን ይዕዘቡኻን ጽባሕ ኢድ ኢሳያስ ምስኣርከበትልካ ወይ ብሓይሊ ህዝቢ ምስተቀፈድካን ካብ ተሓታትነት ከምዘይተምልጥ ክትግንዘብ ኣለካ። ኣቶ የማነ፡ ተስፋ እገብር ኩሉ ዝሃብካዮ መሰረት ኣልቦ መግለጺታትን ሓሶታትን ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሉ ክውንነት ከተገናዝቦን ምስ ሕልናኻ ክትመራመርን። እንተድኣ ‘’እናፈለጠ ዝደቀሰ’ስ ነቅኒቕካዮ ነይሰምዕ’’ ዝዓይነቱ እምነት ሃልዩካ ግን ካብ ከቢድ ድቃስካ ነቅኒቑ ዘበራብር ግዜ ርሑቅ ኣይኮነን።

ጽላል- ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ         መጋቢት 2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *