ዘይሕጋዊት መሰጋገሪት መርከብ ካብ ፍራንስ ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ክትጉዓዝ ኤርትራዊ ወዲ 27 ሞይቱ

Latest figures from the Home Office on Friday night say at least 592 people were rescued or intercepted in their bids to cross to Britain on Thursday - a new record for a single day

ፈረንሳውያን ሰበ-ስልጣን ኣብ ባሕሪ ብሓሙስ ሓያሎ ጃላቡ ኣብ ጸገም ምስ ወደቓ ልዕሊ 160 ሰባት ከም ዝደሓኑ ገለጹ።እታ ጃልባ ኽትጥሕል ስለ ዝጀመረት ክብደት ኪንክዩ ደለዩ እቶም ህዝቢ ናብ ማይ ዘሊሎም… ከሙኡውን ንጃልባኦም ምእንቲ ኼፍኵሳ ንዅሉ ኣቕሑኦም ናብ ማይ ደርበይዎ” በለ።ትሽዓተ ቘልዑ ዚርከብዎም 31 ሰባት እውን ካብታ እተጐድአት ጃልባ ድሒኖም ዓርቢ ናብ ዱንከርክ ተመልሱ፡ጓል 22 ዓመት ምዃናን ትፍለጥ ካብ ኤርትራ ኸም ዝመጸትን ዝገለጸት ሰበይቲ እቲ ሬሳ ዓርካ ወዲ 27 ዓመት ከምዝኮነ ገለጸት ሂወቱ ንምድሐን ብዝገበርዎ ፈተና ብፖሊስ ናብቲ ኣብ ካሌስ ዚርከብ ሆስፒታል ተወስደት ኣይጸንሔን ግን ዓሪፉ።

ክሳዕ ሕጂ ብ2021 ልዕሊ 10,000 ዝዀኑ ሰባት ብሒደት ጀላቡ ነቲ መትረብ እንግሊዝኛ ምስ ሰገርዎ ናብ ዩናይትድ ኪንግደም በጺሖም ኣለዉ።
ትማሊ ምስ ሞተ ዳን ኦማሆኒ ዝበሃል ምስጢራዊ ኣዛዚ መትረብ ከምዚ በለ – “እዚ ሞት እዚ ንኣሽቱ ጀላቡ ምስጋር ዘስዕቦ ዘስካሕክሕ ሓደጋታት ዘጕልሕ ከምኡውን ጨካናት ገበነኛታት ንመሳኪን ሰባት ምእንቲ ኸይምዝምዙ ምስ ፈረንሳ ሓቢርና ኽንዓዪ ዘሎና ኣገዳሲ ኢዩ ይብል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *