January 25, 2021

UNITED ERITREA MEDIA

وسائل الإعلام الإريتري الموحدة

ከባቢ ኣስመራ፣ ትማሊ ለይትን ሎሚ ኣጋ ምሸትን ተደጋጋሚ ደብዳብ ተኻይዱ

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን፣ ትማሊ 26 ሕዳርን ለይቲን ሎሚ 27 ሕዳር፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸትን ደብዳብ ከምዝተኻየደ ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረን ባጽዕ ከባቢ መዓርፎ ነፈርት’ውን ተመሳሳሊ ደብዳብ ምክያዱ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ደብዳብ፣ ዝሃረሞ ዒላማታት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ተደጋጋሚ ድምጺ ነታጕ ከምዝተሰምዐ ንራድዮ ኤረና ዘረጋገጹ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ካብ ኣስመራ፣ መብዛሕቱ እቲ ናይ ነትጕ ድምጺ ካብታ ከተማ ርሕቕ ዝበለ ምንባሩ ጠቒሶም።

ገለ ካብቲ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ካልኦት ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ገሊጾም።

ህዝቢ ኣስመራን ከባቢኣን በዚ ተደጋጊሙ ዝተሰምዐ ድምጺ ነተጕቲ ኣብ ሻቕሎት ይርከብ።

እቲ ደብዳብ፣ ካብ ክልል ትግራይ ዝተተኮሰ ሮኬታት ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት እኳ እንተሎ፣ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግና ዛጊት ዝሃብዎ መግለጺ የለን።

ህዝቢ ከባቢ ኣስመራ፣ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ዘጠንቅቕ ሓበሬታ ተዋሂብዎ ክብል ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ ኣቐዲሙ ምሕባሩ ይፍለጥ።

www.Radio ernena.

Instagram did not return a 200.