ተዘይ ትንውንወኒ መን መጽደፈኒ ኢዩ ነገራቱ

Image may contain: one or more people and people sitting

ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ብ 1/31/2020 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘውጸኦ ሕጊ እገዳ ንይ መገሻ እማመ እቲ ዲክታቶር ስርዓት ብትሪ ተቃዊሙዎ ።ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ ዝገበሮ እንተሎ እዞም ናይ ወጻኢ ሐይልታት ብገንዘብ ብንዋት ስለ ዝተሐባበሩዎም  ነዞም መንእሰያት ኣብ ሽግር ንኽሳጥሑ ዝገበሩዎም ሙኻኖም ኣይንስሕቶን ክብል መግለጺ ሂቡ ነቲ ናታ ንሐማታ ኮይኑ ረኺብናዮ፡እምበኣር ህዝቢ ኤርትራስ ሃገሩን ማሙቕ ገዙኡን ጸሊኡ ኣብ ፈቀዶ ባሕርን ፈቀዶ ሰሃራን ክሳዶም ከም ገንሸል ዝተሐርዱን ኣሕውትና ደቂ ኣንስትዮ መጻወቲ በደዊን ዝኾና እምበኣር ጸጊቦም ኢዮም፡

ሃገርና ኤርትራ ብሐደ  ውልቀመላኺ ትምራሕ ዘላ ሃገር ንህዝብና ብዘይ ቅዋምን ሕግን ከም ጅሆ ኣሰሩዎም ዝነብሩ ዘለዉ ናይ ምንታይ ንዕቀት ኢዩ ንኻልኦት ሃገራት ምጽላም ፡ኣክንዲ ተረፍ ዓሳ ኮይኖም ንስድረኦም ዝዓንገሉ?ነዛ ዝነቀጸት ጎሮሮ ዘተርከሱ፡ኢሰያስ እንታይ ቀረብ ሂቡዎ ነዚ ህዝቢ፡ነዛ ንምንባር ዝኸላእካዮም ንሞት ዝተፈርዱ ህዝብና ኢዮም ።ስለዚ ቪዛ ምዕጻውን ምኽፋትን ኣይኮነን እቲ ሕቶ ንስኽካ ውረድ ንህዝብና እናጨፍጨፍካ ምውርዛይ ይኣክል።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ እሱር ከምዘሎ ዘርኢ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝተገብረ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ብሉኡል ገብረኣብ ኣብ ናይ ቁጠባዊ ማሕበራት ንምትዕርራይ ዝሃበቶ መግለጺ እቲ ሐገዝ ካብ ደገ ዝመጽእ ናይ ደበስ ስድራ ስዉኣትን ተሐጋጊዝኩም ሽግርኩም ፍትሑ ዝብል እሞ ህግደፍ ስጋብ ክንደይ ምሕደራ ናይ ህዝቡ ኣብዘይ ሰርዐሉ እዋን ከምዝበጽሔ ይሕብር። ኣብቲ ስእላዊ መግለጺ ውን እቲ ህዝቢ ብፍርሒ ተሾቅሪሩ መብዛሕቶም ውን ኣረጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ይርከቡዎም።

ራህዋን ቅሳነትን ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

ውድቀት ንውልቀ መላኺ ሰዓብቱን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *