“ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ”፡ ታሪክ ተዳጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ውድባት/ሰልፍታት ኤርትራ

Image result for eritrea dr gebre gebremariam
ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

“ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕላና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ” ዝብል ኣምር ሰፊሕ፣ ዓሚቕን ኣገዳስን ዋላ’ኳ ይኹን’ምበር፡ ናይዛ ሓጻር
ጽሕፍተይ ዓላማ ብዛዕብኡ ትንታነ ንምቕራብ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ንኣንበብቲ ክሕብር ይደሊ። ኣብ ሞንጎ “ልዕልና-ሕጊን”
“ልዕልና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብን” ዓሚቕ ፍልልያት ከምዘሎን፡ ነዚ ፍልልያት ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳን፡ ወይ’ውን ብፍላጥን
ብዓሎቕን መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ ብዝግበሩ ውስታታትን፡ ህዝቢ ናይ ተደጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ግዳይ
ኮይኑ ከምዝጸንሐ ከነጽር ስለዝደለኹ ጥራሕ ኢየ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ዘቕርብ ዘለኹ። ነዚ መበገሲ ዝኾነኒ፡ ሓፍትና ሓረጉ ቀለታ፡
ካብ ራድዮ ኤረና፡ ምስ ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ ኣቦ መምበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ እርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ 28 መጋቢት
2019 ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ኣብ ሰዲህኤ ዘጋጠመ ናይ ምፍንጫል ተረክቦ፡ ብሰንኪ ሓደ ሰብ (ሓው መስፍን ሓጎስ)
ኢዩ ክባሃል ይሰምዕ ኢየ” ዝበለቶ ዘረባ ኢዩ። መጀመሪያ፡ እዚ ኣባሃህላ እዚ “ሓሶትን ዝተዛበዐን” ምዃኑ ንህዝቢ ክሕብር ይደሊ።
ብተወሳኺ፡ ከምቲ ሓብትና ሓረጉ ደጋጊማ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ትብሎ ዝነበረት፡ ካብቲ ዘጋጠመ ተረክቦ ህዝቢ ክማሃር መታን፡
ነቲ ዝነበረ ሓቅታት ከምዘለዎ ናብ ህዝቢ ምዝርግሑ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ ኢዩ። ነቲ ዝነበረ ዕለት ብዕለት ፍጻሜታትን
ንዝርዝር ሓበሬታታትን፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ክላህና ከምንፈልጦ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓደ ገጽታ ታሪኽና፡ ታሪኽ ቀጻሊ ምፍንጫልን ሕድሕዳዊ ፖሊቲካውን ኣካላውን
ቕንጸላታት ኮይኑ ምጽንሑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣታሃላልዋ ከም ቀዳማይ ምኽንያት ዝጥቀስ ረቛሒ’ውን ኢዩ።
ታሪኽና ከምዘነጽሮን፡ ብግብሪ ክንዕዘቦ ከምዝጸናሕናን፡ ናይ ምፍንጫልን ምፍንጫላትን ኣጀንዳታት መራሕትን ኣተግበርትን፡
ናይ ፖሊቲካ መራሕቲ’ምበር ህዝቢ ይኹን መሰረታት ኮይኖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ እቲ መሰረታዊ
ባእታ (መሰረታት) ካኣ ብፍላይ፡ ግዳያትን ተጠቃዕትን ናይ ቀጻሊ ምፍንጫላት ኮይኖም ጸኒሖምን ኣለዉን። ንመሰረታት ሰዲህኤ
ካብ 2010 ብሓፈሻ፡ ኣብ 2014-2017 ካኣ ብፍላይ፡ ዘጋጠሞም ሓደጋ ክብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። ኩላትና ከምንዝክሮ፡
ሰዲህኤ ውጺኢት ናይ ሓድነት ጐዕዞ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝጸንሐ ቀጻሊ ምፍንጫላት ብምፍዋስ፡
ካብ ሽዑ ንነጀውን ንመጻእን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዓሊሙ ዝተሃንጸ ሰልፊ’ውን ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ሓፍትና ሓረጉ
ቀለታ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ብትኽክል ዝበለቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ብኡ መጠን ተስፋን ትጽቢትን ኣብ ሰዲህኤ ኣንቢሩ ነይሩ
ኢዩ። ይኹንምበር፡ ብሰንኪ ልቦና ዝጎዶሎ ኣካይዳ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር፡ ውሽጣዊ ሓድነት ሰዲህኤ ከቢድ ሓደጋ
ገጢምዎስ ሰዲህኤ ናይ ምግማዕ ግዳይ ኮይኑ ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ካኣ፡ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር፡ ቅዋም
ሰልፊ ብተደጋጋሚ ብምጥሓስ፡ ልዕልና-ሕጊ ብምግሃስን ንሓድነት ሰልፊ ዝፈታተኑ ውሳኔታት ይውስንን የተግብርን ስለዝነበረ
ኢዩ።
ስለዝኾነ፡ እቲ ዝነበረ ቀንድን ክሳዳውን ጉዳይ፡ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር “ቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ፣ ልዕልና-ሕጊ ጊሂሱ፣
ዘይሕጋውን ዘይቅዋማውን ውሳኔታት ወሲኑን ኣተግቢሩን፣ ወዘተ” ዝብል ኮይኑ፡ ብመሰረታትን ብታሕተዎት ኣካልት ሰልፍን
ንናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ገይጋታቱ ንኽእርምን ኣብ ሰልፊ ንቡር ናይ እሂን-ሚሂን ኩነታት ንኽፈጥርን ዝተገብሩ ቃልስታት
ኢዩ ነይሩ። ይኩን’ምበር፡ ነቶም ኣብ ሰልፊ ግዛእተ-ሕጊ ክነግስ ብመሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝተገብሩ ሰፋሕቲ ናይ
ምእራም ጸዊዒታት፣ ምሕጽንታታት፣ ለቦዋታት፣ መዘከራትን ተቓውሞታትን፡ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ጸማማ እዝኒ ሂቡ
ሓሊፍዎም። እቲ ዝገርም፡ ኣብ ክንዲኣራሚ ስጉምትታት ዝወስዱ፡ “መሪሕነት እኮ ኣብ ጉባኤኢዩተመሪጹ፣ ዋላቅዋም ይጥሓስ፡
መሪሕነት ዝወሰኖ ውሳኔ ሕጊ ኢዩ፣ መሪሕነት እኮ ብብዝሒ ድምጺ ኢዩ ወሲንዎ፣ መሪሕነት ዝብልኩም ግበሩ፣ ወዘተ” ዝብሉ
ሞጎተታት ከቕርቡ ምፍታኖም ኢዩ ነይሩ። ሕጽር ብዝበለ፡ መሪሕነት ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸ ስለዝኾነ፡ “ልዕልና መሪሕነት እምበር
ልዕልና-ሕጊ የልቦን፣ መሪሕነት ማለት ሰልፊ ማለት ኢዩ፣ መሪሕነት ማለት ሕጊ ኢዩ፣ ወዘተ” ኢዩም ክብልና ዝደልዩ ዝነበሩ። እዚ
ካኣ ናይ ጥዕና ኣባሃህላ ኣይነበረን።

እቲ ሓቂን ክኸውን ዝግቦኦ ዝነብረን ግን፡ ሰዲህኤ ንመስረታቱ (ከም ቀንዲ መሰረት)፡ ንመሪሕነትን (በብደረጅኡ)፡ ንክልቲኦም
ከም ገመድ ዝጠምርን ናይ ሓባር ባይታን ዝኾነ ካኣ እቲ “ብቅዋም” ዝፍለጥ ናይ ሰልፊ “ሕገ-ህንጻ” (constitution) ዝጠቓለል
ምዃኑ ኢዩ። ስለዝኮነ ካኣ፡ መሪሕነት ሰልፊ፡ ሓደ ኣካል ሰልፊ ዳኣ’ምበር ሰልፊ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንቅዋም ሰልፊ
ብምኽባርን ንልዕልና-ሕጊ ተገዛኢ ብምዃንን ጥራሕ ኢዩ ክመርሕ መሰረታት ፍቓድ ዝህቦ። ኹሉም፡ ቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ
ዝውስኖም ውሳኔታት ይኹኑ ዝወስዶም ተግባራት ንጹጋትን ዘይቅዋማውን ኢዮም ክኾኑ ዝግበኦም ዝነበረ። እቲ ክእርም ዝፈተነ
ናይ መሰረታትን ናይ ታሕተዋይ ኣካላት ሰልፊ ሓይሊ’ውን ንሱ ኢዩ ዝብል ዝነበረ። ስለዚ፡ እቲ “መሪሕነት ኣብ ጉባኤ
ስለዝተመርጸ፡ ንልዕልና-ሕጊ ተገዛኣይ ዘይኮነስ፡ ንባዕሉ ልዕሊ ሕጊ ኢዩ” ዝብል ሞጎተ ነቲ መላኺን ዓማጽን ባሕርያት ናይ ሽዑ
መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ካብ ምንጽብራቕ ሓሊፉ፡ ከም ሞጎተ፡ ቀደም ምስ ምቕሃም “ምብራቃዊ ናይ ዲሞክራሲ ፍልስፍና” ስዑር
ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን’ውን፡ ኣባላት ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ኣብ ከምዚ ዓይነት ስዑር ፍልስፍና የዒሞም፡ ስልቲ ናይ
ባዓል ስታሊን፣ ማኦን ከምኡ’ውን ብመጠኑ ዉድባት ኤርትራን (ኣብ ጊዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ)፡ ብምኽታል፡ “ብውሽጣዊት ሰልፊ”
ንሰዲህኤ ክመርሕዋ ምፍታኖም ኢዩ ነይሩ። ብውሽጥ-ውሽጢ፡ ንትደልዮም ናይ ምረጽዎም፡ ንዘይትደልዮም ካኣ ናይ
ኣይትምረጽዎም ጎሽጓሻት ይካየድ፡ መሪሕነት ይቕረጽ፡ ጉባኤ ካኣ ተገይሩ ይባሃል። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ካኣ፡ “ፍትሒ፣
ዲሞክራስያ፣ ልዕልና-ሕጊ፣ ምኽባር ቅዋምን ሓድነት ሰልፍን” ብውድዕነት ምጽባይ ዝኻኣል ኣይነበረን፡ ኣብ መጨረሻ’ውን
ከምኡ ምዃኑ ኢዩ ተረጋጊጹ።
ሕጽር ብዝበለ ኣባሃህላ፡ እቲ ዝነበረ ቀንዲ ጉዳይ፡ “ልዕልና-ሕጊ ብመሪሕነት ሰልፊ ተጣሒሱ” ዝብል ኮይኑ፡ “ልዕልና-ሕጊ ዶስ
ሕጊ ዝጣሓስ ውሳኔታት (ድሌታት) መሪሕነት ሰልፊ” ይቐድም ዝብል ሙጉት ኢዩ ኣብ ሰዲህኤ ተላዒሉ ዝነበረ። እዚ ካኣ
ነጸብራቕን መግለጽን ናይቶም ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዝነበሩ መሰረታውያን ፍልልያት ኢዩ ነይሩ ክባሃል ይካኣል። እዚ ማለት፡ እቲ
ጉዳይ ቅድሚ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ መሰረታዊ ኣተሓስባታት ፍልልይ ሰረት ዝገበረ ኢዩ ነይሩ። ኣብነት ንምጥቃስ
ዝኣክል፡ ሕቶ ውሽጣዊ ዲሞክራስን ምሕደርኡን፣ ሕቶ ምክፋፋልን ምትሕልላውን ስልጣን (Checks and Balances)፣ ሕቶ
ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ምትእታታውን (ተራ ኢትዮጵያ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ)፤ ሕቶ
ናይ ታሪክ ሕቕታትን ኣተኣላልየኦምን፣ ሕቶ ዘምባዕ ዝርገሐን ምሕደራን ሓበሬታ፣ ሕቶ መሰልን ጉብኣትን ኣካላት ሰልፊ፣ ብቐንዱ
ካኣ ሕቶ ምኽባር ልዕልና-ሕጊን ቅዋም ሰልፊን ካብቶም ዓበይቲ ፍልልያት ውሑዳት ጥራሕ ኢዮም ነይሮም። ነዚ ንምፍታሽን
ናይ መእለዪ ሓሳባት ንምንዳይን ተባሂላ ቅድሚ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝቖመትን ጉባኤ’ውን ንኽትቕጽል ስልጣን ዝሃባ ኮሚቴ ነይራ
ጥራሕ ዘይኮነስ ስራሓ ጀሚራ’ውን ነይራ። ናይ መሕተት ቅጥዕታት ኣዳልያ ሓበሬታት ኣብ ምእካብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣነ
ንባዕለይ ነቶም ኣብቲ ቅጥዕታት ዝነበሩ ሕቶታት መልሲ ሂበ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ 7 ዶኮመንትታት ነታ ኮሚቴ ኣርኪበ’ውን ነይረ
ኢየ። እዛ ኮሚቴ እዚኣ ኣበይ ኣተወት? ስራሓ ስለምንታይ ኣይሰርሐትን? እንታይ ኮነት? ወ.ዘ.ተ. ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ
ኣንይነበረን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብመደብ ክትሰርሕ ኣይተደልየን ኢዩ ዝነበረ። እታ ኮሚቴ ብመስረቱ ኣይተድልን እኮ ኢያ ነይራ
እንዳበለ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ንዝፈጸሞ ገይጋታት ክሽፍን ኣብ ወፈራ ኣትዩ ንመሰረታት ሰልፊ ከታልል ኢዩ ዝፍትን ዝነበረ።
ብተወሳኪ፡ ጉዳይ ሓው መስፍን ሳዕቤን እምበር ዋና መንቀሊ ምኽንያት ኣይነበረን ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን። ስለምንታይ
መሪሕነት ሰልፊ ንሓደ ኣባል፡ ቅዋም ሰልፊ ብምጥሓስ ኣወንዚፉ (ብግብሪ ሰጊጉ) ዝብል ሕቶ መልሱ ሚስጢር’ውን ኣይነበረን።
እወ፡ ሓው መስፍን ሓጎስ ግዳይ ናይ ዘሕጋዊ ውሳኔ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ኮይኑ ነይሩ። ንሓደ ኣባል ስለዝጸላእካዮን ማዕረ
ትጽቢትካ ኣይኮነን እልካ ስለዝሓሰብካን፡ ቅዋም ሰልፊ ብምጥሓስን ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብን ካብ ሰልፊ ኣባልነቱ
ከተወንዝፎ ፍትሒ ኣይኮነን ዝነበረ። ብመሪሕነት ናይ ሓደ ፍትሒ ንምርግጋጽ ኢየ ዝነጥፍ ዘለኹ ዝብል ሰልፊ፡ ኣብ ርእሲ ሓደ
ኣባል በደል ክፍጸም ከሎ ያዕ ምባል ኣገዳሲ እዃ እንተነበረ፡ እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ንሱ ኣይነበረን።
እቲ መሰረታውን ክስገር ዘይካኣልን ዝነበረ ጉዳይ፡ መሪሕነት ሰልፊ ንቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ ውሳኔታት ወሲዱን ኣተግቢሩን
ከተግብር ይፍትን ኣሎን ዝብልኢዩዝነበረ።ነዚ፡“ኣይፋልን” ኢልካምምጓትካኣካብሓደዲሞክራስያዊባእታወይተቓላሳይ ትጽበዮመሰረታዊ
ባህርንተግባራትንኢዩ።ሕጂኣብቲሓውተስፋሚካኤልዝምእከልዘሎሰዲህኤዘለዉኣባላትሰዲህኤካኣከምኡጥራሕኢዮምገይሮም።ነዚክጽወር
ዘይካኣለናይሽዑመሪሕነትሰልፊነበር፡ ኣብ መጨረሻ ናይ ሓድነት ውዕል ብምጥላም ውሑዳት ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ (EPP)
ኣባላት ዝነበሩ ጥራሕ ሕጁ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጁ ምፍርጣጥ ከምዝመረጸ ኩሉኹም ትዝክርዎ ሓቂ ኢዩ። ዝለዝኾነ፡ እቲ
ኣብ ሰዲህኤ ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገማት ብሰንኪ ሕንጋደ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ክፍታሕ ኣይካኣለን
ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ናይ ምፍንጫል ተረክቦ’ውን ብምርጫ ባህግን ናይቲ ሽዑ ዝነበረ መሪሕነት ሰልፊ ኢዩ’ውን ተፈጺሙ። እዚ
ሓቂ እዚ፡ ህዝቢ ክፈልጦን ክማሃረሉን ካኣ ይግባእ እብል

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *