መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ብዛዕባ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

Image result for image of globe of womens day

 

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝጀመረሉ ቀንዲ ምኽንያት ካብ ናይ ስራሕተኛታት ምንቅስቃሳት ኣብ ምጅማር ዕስራ ክፍለ-ዘመን ኣብ ሰምየን ኣመሪካን ኤውሮጳን እዩ። ኣብ 28 የካቲት 1908 ኣብ ነውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣልባሳት እተፍሪ ዝነበረት ትካል ዝሰርሓ ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ጸረ- ሕማቕ ኣተሓሕዛን ኲነታትን እታ ትካል ኣመልኪተን ሰላማዊ ሰልፊ ገበራ። ንዓመትኡ ኣብ 28 የካቲት 1909 ንኽብርን ዝኽርን ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ተባሂሉ ብናይ ኣመሪካ ደሳዊ ሰልፊ ዝተዳለወ ናይ መጀመርያ ሃገራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ተባሂላ ተኸብረት።

ብ1910 ኣብ ኮፐንሃገን (ደኒማርክ) ዝተኻየደ ናይ ኣህጉራውያን ደሳውያን ኣኼባ ወላኳ መዓልቱ ብፍሉይ እንተዘይወሰነ ንኽብሪ እቲ ኩሉ እንትናዊ መሰላተን ንምርግጋጽ ዝዓለመ ዝተገበረ ምንቅስቃስ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣህጉራዊ ባህሪ ዘለዎ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክኸውን ወሰነ። ድሕሪ እዚ ውሳኔ’ዚ ዓመት መጽአ ብተኸታታሊ ናይ ምንቅስቃስ ይግበር ነበረ። እታ ዕለት ግን ካብ 28 የካቲት ናብ 8 መጋቢ ዝተቐየረትሉ ምኽንያት እታ ዕለት ኣብ መወዳእታ ሰንበት ውርሒ የካቲት ይገበር ምስ ተባህለ እታ መዓልቲ ድማ ከም ኣጋጣሚ ኣብ ዕለት 8 መጋቢት ስለ ዝነበረት፣ ቀጺሉ ከም ልምዲ 8 መጋቢት ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኰይና ትበዓል ኣላ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ዓመት መጽአ ክትዝከር ትነብር ኣላ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ሃገራዊ፡ ብሔራዊ፡ አቲኒካዊ: ቋንቋዊ፡ ባህላዊ፡ ቊጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ፍልልያት ብዘየገድስ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ዘመዝገብኦ ዓወታት ዝዝከረላ ዕለት እያ።

ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቅ-ኣንስትዮ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ኣብ ዓለም ምሉእ ብማዕረ ተቐባልነት እንዳረኸበን እንዳተባዕለን ይመጽእ ኣሎ። ኩሉ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምኽባር ከምኡ’ውን ተሳትፎአን ብፍላይ ኣብ ፖለቲካውን ቊጠባውን መዳያት ምርግጋጽ እንዳሓየለን እንዳዓበየን ክመጽእ ክኢሉ እዩ። ነዚ ከኣ እቲ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተበግሶ ዝግበሩ ዝነበሩ ኣህጉራዊ ዋዕላታት ንኣህጉራዊ ምንቅስቓሳት ደቂ-ኣንስትዮ ዓቢ ደገፍ ከም ዝዀኖ ይፍለጥ።

ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ከም ኣካል ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም እዚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ’ዚ የገድሰን ጥራሕ ዘይኰነ ብጽሒተን ገንዘበን’ውን እዩ። ከብዕልኦን ቃልሰን ክግምግማሉን ዕማመን ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ርግጽ’ዩ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ባህልታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፣ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ዝዀነ ወጽዓታት ትነብር ነይራ ሕጂ’ውን ኣላ። ኣብ ሕብረተ-ሰባት ኣመሪካን ኤውሮጳን ደቂ-ኣንስትዮ መሰለን ንምርግጋጽ ክቃለሳ ክሸባሸባ ከለዋ፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክጅምር ከሎ ክቃወማ ከለዋ፡ ሰላምን ልምዓት ንምርግጋጽ ክቃለሳ ከለዋ፡ ደጊመን’ውን ንካልኣይ ውግእ ዓለም ከይጅመር ክነጽጋ ከለዋ፣ ጋል ኣንስተይቲ ኤርትራ ግን ኣብ ልዕሊ’ቲ ውሽጣዊ ማሕበራዊ ወጽዓኣ፡ መግዛእታዊ ወጽዓ ተሰኪማ ትጐዓዝ ከም ዝነበረት ይፍለጥ። በዚ ምኽንያት እዚ ጓል-ኣንስተይቲ ኤርትራ ብድርብ ወጽዓ እንዳተሳቐየት ትነብር ነይራ ክበሃል ይከኣል።

ነዞም ድርብ ወጽዓታት እዚኣቶም ግን በብተራ መድረኾም ሓልዮም ክፍትሑ ከም ዝግባእ ጓላንስተይቲ ኤርትራ ጽቡቕ ገይራ ኣንጊሃ ፈሊጣቶም ከም ዝነበረት ዝሕብሩ ታሪኻዊ መርትዖታት ይምስክሩ እዮም። ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብፖለቲካዊ ቀጺሉ ድማ ብረታዊ ቃልስታት ክነጣጠፉ ከለዉ፡ ኤርትራዊት ጓላንስተይቲ ንቃልሲ ክትሳተፍ ቅርብቲ ነይራ እያ። እንተዀነ ግን ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ መጀመርያ ብረታዊ ቃልሲ እቲ ናይ ውሽጢ ማሕበራዊ ውጽዓ ዘንቀሎም ብዙሓት ዕንቅፋታትን መጻወዲያታትን የጓንፉዋ ነበሩ። ጓላንስተይቲ ኤርትራ ነዚ’ውን ብጥበብን ትዕግስትን ስዒራ፡ ኣብ ጐድኒ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋታ ኰይና መዓንጥኣ ሸጥ ኣቢላ ቃልሳ ብዕቱብ ተተሓሓዘቶ።

ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ከም ዘረጋገጾ፡ ጓላንስተይቲ ኤርትራዊት ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋታ ከቢድ ዋጋን መስዋእትን ከፊላ እያ። ኣብ ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝዀኑ ናይ ቃልሲ ስርሒታት ከም ኣብ ድሕሪ ግንባር ጸላኢ ብምእታው ብዙሓት ስርሒታት ከም ዘዐወተት ብዓውታን ብኩርዓትን ዝትረኽ እዩ። ብተመሳሳሊ መልክዑ ኣብ ቅድመ ግንባር ምስ ደቂ-ተባዕትዮ ብማዕረ ከቲታን ተሰዊኣን እቲ ቀዳማት ዕላማኣ ኣረጋጊጻ። ይኹን እምበር ግሉጽ ዝዀነ ኣድልዎ ስለ ዝተገበረ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ጽፍሕታት ከም’ቲ ዝተቓለሰቶን ዘመዝገበቶ ዓወታትን ክትረብ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ በቲ ቀይዱ ሒዝዋ ዝነበረ ማሕበራዊ ባህልታት ንኽትእሰር ብዙሕ መሰናኽላት ተገይሩላ። እቲ ስማውን መሳርሒ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝዀነ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ እንተዀነ’ውን ንመሰል ደቂ-ኣንስትዮ ክጣበቕስ ይትረፍ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ መሪሕነት ህግደፍ መሸፈኒ ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣስናን ዘይብሉ ልሙስ ማሕበር እዩ።

 

ፖሊሲታት ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ህግደፍ ንኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ እዩ ዝብድል ዘሎ። ደቂ-ኣንስትዮ’ውን ካብ’ዚ ነጻ ክዀና ኣይክእላን እየን። “ብዘይ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳትፎ ምዕባለ የለን” ዝብል ጭርሖ ቅሂሙ ተሪፉ እዩ። ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ መጠነ-ሰፊሕ ዝዀነ በደል ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ይወርድ ኣሎ። ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ናብ መርወዪ ስምዒታት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ተቐይረን። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንደቂ-ኣንስትዮ ዘጓንፍ ዘሎ ዓመጽ መዘና የብሉን። እዚ ዓመጽ እዚ ከኣ ኣህጉራዊ ገበን ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ከምውጽኢቱ ጥንስን ሕርስን ምስኰነ ብሓፈሽኡ እቲ ሕብረተ-ሰብ ብፍላይ ከኣ ስድራ-ቤት ይነጽገን። እዚ ተግባራት’ዚ ፈጠራ ዘይኰነስ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ዝተረጋገጸ ተረኽቦ እዩ። ነዚ ዓመጽ እዚ እንዳርኣየ ከም ዘይርኣየ ሱቕ ዝበለ ኤርትራዊ ዜጋ ንርእሱ ገበነኛ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ከም ውጽኢት እዚ ዓመጽን ምዝመዛን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ከም’ቶም በደል ዝበጽሖም ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋተን ሃገር ናይ መጻኢ ጸልማት እምበር ብርሃን ክርእያ ስለ ዘይከኣላ ናብ ፍልሰታዊ ስደት ኣምሪሐን። ኣብ’ዚ’ውን ከም’ቶም ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ንደቂ-ሰባት ዝብድሉ ዘለዉ፣ መሓዉራት ህግደፍ ኣብኡ ተዋፊሩ ብፍላጥ ብትካላቱ ዘካይዶ ዘሎ ገበናዊ ወፍሪ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ዓለም ዝመስከሮ ጸገም ኣትየን ይርከባ ከም ዘለዋ ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ።

ስለ’ዚ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላተን ንምርግጋጽ ስለ ዝቃለሳ ዘለዋ፣ ከም ኣካል ኣህጉራዊ ደቂ-ኣንስትዮ ነዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ከብዕላን ክዝክራን ብእኡ ኣቢለን ድማ ጉዳየን ዓለም ክርድኣለን ክቃለሳ ባህሪያዊ እዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮና ዝወርድ ዘሎ መጠነ-ሰፊሕ ዓመጽን በደልን ኣለልዮም ደቂ-ተባዕትዮ ኤርትራውያን ከም ኣሕዋቶም፡ ኣደታቶም፡ ኣንስቶም፡ ደቆም፡ ሓትኖታቶም፡ ኣሞታቶም ወዘተ ዝወርድ ዘሎ በደል ዓገብ ብምባል ምስ ጠለባተን ደው ክብሉን ክቃለሱን ክጣበቑን ይግባእ ንብል። እዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዕድል ወሲደን ሰለማዊ ሰልፊ ኣዳልየን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮና ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ድማ ዘይተቐጠበ ደገፍ እንዳሃበ ኣብ ጐድነን ደው ኢሉ ከም ዘሎ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሉ ከብርህ ይፈቱ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *