መንግስተ ሰማይ የዋርስካ ክቡር ኣቦና ሐጅ ሙሳ መሐመድ ኑር። ጽንዓት ንስድራቤትን ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራን።

መርድእ

Image may contain: 1 person, hat and closeup

ኣቦና ሐጅ ሙሳ መሐመድ ኑር ሕጂ ኣይኮነን ዓሪፉ ካብታ ንህዝቡ ኣጆኻ ጽናዕ ንመሰልካ ጠጠው በል ኢሉ ዝትቃወመላ ዕለት ኣትሒዙ  ኢዩ ተሰዊኡ።ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን  ኩቡር ዋጋ ከፉሉ።ጽንዓት ማለት ትርጉሙ ነዚ ኑኡስ ወልዶ ብግብሪ እምበር ብጃህራ ከምዘይመጽእ ዓቢ ትምህርትን ተሪኽን ሐዲጉ።እምበኣር  እዞም ጀጋኑ ኣቦታትና እቲ ቆራጽነቶም ስጋብ ሕጂ ስረኦም ከምዘይፈትሑ ንጸላኢ ድቃስ ዝኸልእ መልእኽቶም ብዝተፈላለየ መልክዕ ተቃውሞኦም ብግብሪ ቀጻሊ ሙኻኑ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና።

እዚ ኣብ ደገ ዝስማዕ ነውሪ ኣዘራርባታት ግን እዞም ዓበይቲ እናበልካ ምንሻው  ናይ ኤርትራዊ ባህሊ ኣይኮነን።ኣቦና ሐጅ ሙሳ ተባዕ ወዲ 92 ዓመት ኢዮም፡ መን ኢዩ’ኸ መኪቱ ንህግደፍ እምብለይ ንመስል ህዝበይ ኢሉ ስጋብ መስዋእቲ ዝትበጀወ? እንታይ ገደሲኒ ኢሉ ዕረፍቲ ኣይመረጸን ፡ኣቦና ዶ ኣይኮኑን ጅግና ወዲ 92 ዓመት?ኣብ ከንዲ ኣብ ማሙቅ ስድሪቤቱን  ኣብ ዓራቱ ዝዓርፍ እንታይ መሪጹ?እታ ደቀይ ዘሳቀየት  ቤት ማእሰርቲ ካብ 50ታት ኣትሒዛ ምሶኦም ሽመይ ኣብ መንደቅ ይጻሐፈለይ ኢሉ ኣብታ ዝሕልቲ ስሚንቶ ኣብ መንጎ ደቁ ብመስዋእቲ ተፈላልዩ።

መንእሰይ ኣበይ ኣሎ እቲ ሕነ ምፍዳይ? ኣበይ ኣሎ እቲ ናይ ቃልሲ ወኒ ?እዚ ኹሉ ዝምለስ ሕቶ ከሎ ምውርዛይ ግን ትርጉም የብሉን፡ኣብ ስራሕ እቶ  ኣቦና ሐጅ ሙሳ እምቢ ንመሰለይን መሰል ህዝበይን ኢሎም ዘይሕለል ቆራጽነትን ትብዓትን ተዓጢቆም ኣጆኹም  ኣለና ዝትወለዔት ሽምዓ ኣይትጠፍእን ግንባረይ ይህብ ቅድሚ ህዝበይ ስለዝበሉ  በዚ ኣረሜናዊ ህግደፍ ድሕሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ እቲ ዘይተርፍ ብመስዋእቲ ብጃ ህዝቦም ንዘላለም ተፈልዮምና።

ኣቦና ሐጅ ሙሳመሐመድ ኑር መንግስተሰማይ የዋርስኩም፡

ጽንዓት ንስድራቤትን ንሙሉእ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን

unitederitreamedia.com

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *