ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ 15 ኖቬምበር 2017

ፕረዚደንት ኢሳስ ኣፈወርቂ (ፀጋም)፡ ባንዴራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (የማን)

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ 14 ሕዳር ኣኼባኡ፡ ነቲ ኣብ 2009 ኣብ ኤርትራን ሶማልያን ዘንበሮ ናይ ኣጽዋር እገዳ እንደገና ክሳብ 15 ታሕሳስ 2018 ክናዋሕ ወሲኑ።

“እቲ ብመሰረት ዓንቀጻት 5ን 6ን ወሳነ 1907 (2009) ኣብ ለዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክቕጽል” ወሲኑ ይብል እዚ ሓድሽ ወሳነ እቲ ባይቶ።

ኣብቲ ዝተገብረ ድምጺ ነቲ ‘ወሳነ 2385 (2017)’ 11 ኣባላት ሃገራት እቲ ባይቶ ክደግፈኦ እንከለዋ ኣርባዕተ ሃገራት ማለት (ቦሊቭያ፡ ቻይና፡ ግብጽን ራሻን) ግና ድምጸን ስለ ዝዓቀባ፡ እቲ ወሳነ ብቐሊሉ ክሓልፍ ኪኢሉ።

ብተመሳሳሊ፡ እቲ ነቲ እገዳ ክቆጻጸር ዝቖመ ናይ ሶማልያን ኤርትራን ተቖጻጻሪ ጉጀለ ክሳብ 15 ሕዳር 2018 በቲ ዝነበሮ ክቕጽል እቲ ናይ ትማል ኣኼባ ወሲኑ። እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ንጉጅለ ኣልሸባብ ከም እትሕግዝ ዝተረኽበ ጭብጢ ብዘይምህለዉ፡ እቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ተነጻጺሉ ክረአ ነቲ ባይቶ ለበዋ ኣቕሪቡ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ብመገዲ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተሩ ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ፡ “ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝወሰዶ ምጥሓስ ከስተኻኽሎን፡ ንጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረ ኣበርክቶን ዕድልን ከሲርዎ” ብምባል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

እቲ ናይ ኣጸዋር እገዳ ብምልኡ ንማእከላይ መንግስቲ ሶማል ከም ዘይምልከትን፡ ከፊላዊ ከም ዝኾነን’ውን እቲ ወሳነ የረድእ።

እቲ ባይቶ፡ ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ነቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኣድላዪ ምትሕግጋዝ ክትገብረሉን፡ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ናይ ምጽራይ ስርሑ ከሳልጥን ጸዊዑ።

ኣብ መንጎ ጂቡቲን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ተላዚበን ከህደአኦን፡ ኤርትራ ድማ ብዛዕባ እቶም ደሃዮም ዘይተረኽበ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ወተሃደራት ጂቡቲ ዘለዋ ሓበሬታ ክትህብ እቲ ባይቶ ተላብዩ።

እቲ እገዳ ኣብ 2009 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ኾይኑ፡ ብሰንኪ ኤርትራ ንሶማላዊ ጉጅለ ትሕግዝያ ዝብል ክስን ምስ ምርግጋእ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝተኣሰሰር ምኻኑ ሰነዳት እቲ ባይቶን ተቖጻጻሪ ጉጅለን ይገልጽ።

https://www.bbc.com/tigrinya/news-41997812

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *